ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሃብቲ ይህብ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ የሆዋ ንኸም ኣብርሃምን ሰሎሞንን ዝኣመሰሉ ሰባት ስጋዊ ሃብቲ ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ክርስትያናት ዜድልዮም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣምላኽ ዚህቦ ሃብቲ፡ እምነትን ሰላምን ዕግበትን ሓጐስን ዜጠቓልል እዩ።—1/9 ገጽ 3-7

• እቲ የሱስ ንጴጥሮስ ካብ ምጥሓል ከም ዘድሓኖ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ይምህረና፧ (ማቴ. 14:28-31)

ሓደ ሓውና እምነት ከም ዝጐደለቶ እንተ ኣስተብሂልና፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኢድና ዘርጊሕና ዝያዳ እምነት ንኼጥሪ ኽንሕግዞ ኣሎና።—15/9 ገጽ 8

• የሆዋ ንዓና ንምድሓን እንታይ ከፈለ፧

የሆዋ፡ ወዱ ኺሳቐን ኪጽረፍን ከሎ ተጸሚሙ እዩ። ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብርሃም ንወዱ ኺስውእ ፍቓደኛ ዝነበረ፡ የሆዋ እውን ወዱ ኸም ዓመጸኛ ተቘጺሩ ኪቕተል ከሎ ተጸሚሙ እዩ።—15/9 ገጽ 28-29

• ኮዴክስ ቫቲካን ክቡር መዝገብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዛዘመሉ 300 ኣብ ዘይመልእ ዓመት እተዳለወ ኢደ-ጽሑፍ ግሪኽኛ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዳርጋ እተማልአ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ሒዙ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ምሁራት ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓሳባት ንምፍላጥ ኪጥቀምሉ ዚኽእሉ ጽሑፍ እዩ።—1/10 ገጽ 18-20

• ካብ ምሳሌ 24:27 ብዛዕባ ‘ቤትካ ምስራሕ’ እንታይ ትምህርቲ ኺርከብ ይከኣል፧

ሓደ ኺምርዖ ዝደለየ ሰብኣይ፡ ነቲ ዚስከሞ ሓላፍነት ኪዳሎ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልእን ብመንፈሳዊ መዳይ ርእሲ ስድራ ቤት ንኪኸውንን ምድላው ዜጠቓልል እዩ።—15/10 ገጽ 12

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ዘይኰኑ ስለምታይ እዮም፧

እምነት ፕሮተስታንት ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ኤውሮጳ እዩ ተመስሪቱ፣ ዕላማኡ ኸኣ ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሕዳስ እዩ ነይሩ። እታ “ፕሮተስታንት” እትብል ቃል ነቶም ንሸቶታት እቲ ተሓድሶ ዚስዕቡ ሰባት ንምጽዋዕ እያ እተገልግል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚነጽግዎን መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ዚቕበሉን እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ኣብ እምነት ፕሮተስታንት ልሙድ ዝዀነ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታትን ልምድታትን ግን ይነጽግዎ እዮም።—1/11 ገጽ 19

• ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦ እብራይስጥን ግሪኽኛን ኪመሃር የድልዮ ድዩ፧

ኣየድልዮን እዩ። ከመይሲ፡ ነዚ ቛንቋታት ምፍላጥ ጥራይ ንበይኑ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትርድኦ ኣይገብረካን እዩ። ነዚ ቛንቋታት እዚ ዘጽንዐ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ መዝገበ-ቓላት ወይ መጻሕፍቲ ሰዋስው የድልዮ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዝዓበየ ኣገልጋሊኡ እተዛረቦ ቓላት፡ በቲ ሽዑ ብሰፊሑ ዚዕየየሉ ዝነበረ ቛንቋ ተተርጒሙ ብመንፈሱ ኸም ዚዕቀብ ምግባሩ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ሓቂ ኺመሃር ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ።—1/11 ገጽ 20-23

• ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ፡ የሆዋን የሱስን ኣብነት ዝሰርዑልና ብኸመይ እዮም፧

የሆዋ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ክነሱ፡ ንሰባት ብሕያውነትን ኣኽብሮትን እዩ ዚሕዞም። ንኣብርሃምን ሙሴን ኪዛረቦም ከሎ፡ ነታ ዚበዝሕ ግዜ “በጃኻ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል እዩ ተጠቒሙ። (ዘፍ. 13:14 NW፣ ዘጸ. 4:6 NW) ብዘይካዚ፡ ንሰባት ይሰምዖም እዩ። (ዘፍ. 18:23-32) የሱስ እውን ከምኡ ይገብር ነበረ፣ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንኺሕግዞም ፍቓደኛን ድሉውን ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብስሞም ይጽውዖም ነበረ።—15/11 ገጽ 25

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን፡ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ እስያ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ በዓል እዩ። እዚ በዓል እዚ፡ ጽቡቕ ዕድል ምርካብን ንመናፍስቲ ምኽባርን ዜጠቓልል እዩ። ክርስትያናት ንወለዶም የኽብሩ እዮም፣ ኰይኑ ግን፡ ምስቶም ዝሞቱ ኣቦሓጎታት ብምርኻብ ዕቝባ ኸም ዜምጽእ ኣብ ዚእመነሉ ወይ ከኣ ስምረት ኣማልኽቲ ቤተሰብ የምጽእ ተባሂሉ ኣብ ዚሕሰብ ድግስ ኣይካፈሉን እዮም።—1/12 ገጽ 20-23