ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ንኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ንኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

እቲ ኣብ መእተዊ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ቶኒ፡ ምስ ጸገሙ እንተ ዚቃለስ ነይሩ፡ እተፈልየ ዓይነት ህይወት ምሃለዎ። ይኹን እምበር፡ ናይ ስኽራን ምልክት ከየርኣየ ብዙሕ ኪሰቲ ይኽእል ስለ ዝነበረ፡ ንህይወቱ ዚቈጻጸር ዘሎ መሰሎ። ክሳዕ ክንድኡ እተጋገየ ግን ስለምንታይ እዩ፧

ብዝሒ መስተ ንናይ ምምዝዛን ክእለቱ ኣመዛቢልዎ እዩ ነይሩ። እቲ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኵነታቱ ዚቈጻጸር ሓንጎሉ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስ በዝሖ፡ ብግቡእ ኣይዓይን እዩ ነይሩ። ዝያዳ ብዝሰተየ መጠን፡ ሓንጎሉ ንዅነታቱ ምግምጋም ዘለዎ ኽእለት ይዳኸም ነበረ።

ቶኒ ብዛዕባ ርእሱ ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎ ዝገበሮ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ንመስተ ህርፋን ስለ ዝነበሮ እዩ። ኣብዘን ኣቐዲመን ዘለዋ ዓንቀጻት እተጠቕሰ ኣለን፡ ኣብ ፈለማ ምስ መስተ እተተሓሓዘ ጸገም ከም ዘለዎ ኣይተኣመነን። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንመስተይ እሓብኦ ነበርኩ፣ መስተ ዘብዝሓሉ መመኽነይታታት አቕርብን ነቲ ነገር ኣፍኲሰ እርእዮን ነበርኩ። ሓደ ዕላማ እዩ ነይሩኒ፣ መስተይ ኪትንከፍ ኣይደልን እየ ነይረ” በለ። መስተ ንቶኒን ንኣለንን ይቈጻጸሮም ምንባሩ ኻልኦት የስተብህሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ክልቲኦም ግን ኵሉ ነገር ደሓን ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ንኣልኮላዊ መስተ ንኺቈጻጸርዎ፡ ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም። እንታይ ስጕምቲ ግን እዮም ኪወስዱ ነይርዎም፧

ስጕምቲ ውሰድ!

ብዙሓት መስተ ዜብዝሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ነዚ ጸገሞም እዚ ንምቍራጽ፡ ምስቲ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዚሰማማዕ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም፦ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።”—ማቴዎስ 5:29

የሱስ ቃል ብቓሉ ኣካላትና ኽንቈርጽ ኣይኰነን ሓሳብ ዚህብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጐዳኢ ዝዀነ ዘበለ ኻብ ህይወትና ኸነወግድ እዩ ብምሳልያዊ መገዲ ዜጕልሕ ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ እንወስዶ ስጕምቲ ዜሳቒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ መስተ ኸም እነብዝሕ ኪገብረና ዚኽእል ኣተሓሳስባን ኵነታትን ግን የዕቍበና እዩ። ስለዚ፡ መስተ ተብዝሕ ከም ዘለኻ፡ ካልኦት ሰባት እንተ ተዛሪቦምኻ፡ ንምቍጽጻሩ ስጕምቲ ውሰድ። a ክትቈጻጸሮ ኸም ዘይትኽእል ንጹር እንተ ዀይኑ፡ ካብ ህይወትካ ፈጺምካ ኣወግዶ። እዚ ዜሳቒ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ህይወትካ ኻብ ምብልሻው ግን ኣይከፍኣካን እዩ።

ዋላ እውን ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ እንተ ዘይኰንካ፡ መስተ ተብዝሕ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ንኣልኮላዊ መስተ ንኽትቈጻጸሮ ዚሕግዘካ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

ሓገዝ ካበይ ይርከብ፧

1. ብተደጋጋሚ ዚቐርብ ልባዊ ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ እምነት ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምኽሪ ሂብዎም ኣሎ፦ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ኣእምሮኣዊ ሰላም ንምርካብ፡ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ትኽእል፧

ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምብዛሕ ጸገም ከም ዘሎካ፡ ብቕንዕና ተኣመን። ብዛዕባ እቲ ጸገም እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ንኣምላኽ ምንጋርካ፡ እፎይታ ንኽትረክብን ካብ ዝኸበደ ጸገማት ንኸተምልጥን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ በረኸቱ ኽትረክብ ኢኻ። ቃል ኣምላኽ፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ይብል። (ምሳሌ 28:13) የሱስ እውን፡ “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልና ኽንጽሊ ኸም እንኽእል ሓቢሩና እዩ። (ማቴዎስ 6:13) ከመይ ጌርካ ግን ኢኻ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ኽትዓዪ እትኽእል፧ ካበይከ ኢኻ ንልማኖኻ መልሲ ኽትረክብ እትኽእል፧

2. ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ርኸብ። “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) ኣቐዲሞም ሰታያት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባቦምን ብዛዕባኡ ብምስትንታኖምን ተሓጊዞም እዮም። ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፡ . . . ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፡ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። . . . ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 1:1-3

ኣለን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረ፡ ነቲ መስተ ናይ ምብዛሕ ጸገሙ ንኼሰንፍ ብርታዐ ረኸበ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታትን፡ መስተ ንኸቋርጾ እንተ ዘይሕግዘኒ፡ ምሞትኩ ነይረ” በለ።

3. ርእስኻ ናይ ምቍጽጻር ባህርይ ኣማዕብል። ኣቐዲሞም ሰኽራማት ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ሰባት፡ “ብመንፈስ ኣምላኽ” ከም እተሓጽቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ነቲ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ርእሶም ናይ ምቍጽጻር ባህርይ ብምምዕባሎም፡ ካብ ስኽራንን ቀይዲ ዘይብሉ ድግሳትን ኪርሕቁ ኸኣሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ . . . መንፈስ ይምላእኩም” ይብል። (ኤፌሶን 5:18፣ ገላትያ 5:21-23) የሱስ ክርስቶስ፡ ‘እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም’ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም” በለ።—ሉቃስ 11:9, 13

እቶም ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኼምልኽዎ ዚደልዩ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን፡ ከምኡውን ብተደጋጋሚ ኻብ ልቦም ብምጽላይ፡ ርእሶም ናይ ምቍጽጻር ባህርይ ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር፡ ተስፋ ኣብ ክንዲ እትቘርጽ፡ ነዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ፡ “እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ . . . ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ዚብል መብጽዓ ተቐበሎ።—ገላትያ 6:8, 9

4. ጥዑያት ኣዕሩኽ ሕረ። “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) ንኣዕሩኽካ ብዛዕባ እቲ ንኣልኮላዊ መስተ ኽትቈጻጸሮ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ንገሮም። እንተዀነ ግን፡ ‘ስኽራንን መስተን’ ምስ ሓደግካዮ፡ ገሊኦም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ብጾትካ፡ ‘እናተጻረፉ ብኣኻ ኸም ዚግረሙ፡’ ቃል ኣምላኽ የጠንቅቕ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ምስቶም ነቲ ንኣልኮላዊ መስተ ንኽትቈጻጸሮ ዝገበርካዮ ውሳነ ኼዳኽሙ ዚኽእሉ ሰባት ዘሎካ ርክብ ብተኮ።

5. ደረት ግበረሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ይብል። (ሮሜ 12:2) ደረትካ ኽንደይ ምዃኑ ኽትውስን ከለኻ፡ ኣዕሩኽካ ወይ “እዛ ዓለም እዚኣ” ኣብ ዚብሉኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ እንተ ተመርኲስካ፡ ብኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ኣነባብራ ኺህልወካ እዩ። ንዓኻ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ደረት ክንደይ ምዃኑ ግን ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

ዝዀነ ይኹን ንምምዝዛንካ ዜዳኽሞን ንኣእምሮኻ ዜፍዝዞን መጠን ኣልኮላዊ መስተ፡ ንዓኻ ብዙሕ እዩ። ስለዚ፡ ክትሰቲ እንተ ወሲንካ፡ ጥቓ ስኽራን ኬብጽሓካ ዚኽእል ዘይንጹር ደረት ምግባር፡ ጥበባዊ ኣይኰነን። ‘ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እየ’ እናበልካ ምስታይ ኣይትቐጽል። ናብ ምብዛሕ መስተ ኼብጽሓካ ዘይክእል፡ ንጹርን ናብ ሓደጋ ዘየእቱን ደረት ግበር።

6. ኣይፋል ምባል ፍለጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነገርኩምሲ፤ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን” ይብል። (ማቴዎስ 5:37) ሓደ ሰብ ንኼሐጕሰካ ኢሉ፡ ደጋጊሙ ‘ስተ’ እናበለ እንተ ጋቢዙካ፡ ብልኡም መገዲ ኣይፋል ምባል ፍለጥ። ቃል ኣምላኽ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ይብል።—ቈሎሴ 4:6

7. ብሕታዊ ሓገዝ ድለ። ንኣልኮላዊ መስተ ንኽትቈጻጸሮ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ኬደልድሉልካን መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህቡኻን ንዚኽእሉ ኣዕሩኽካ ኺሕግዙኻ ሕተቶም። “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።” (መክብብ 4:9, 10፣ ያእቆብ 5:14, 16) ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሃገራዊ ትካል ምብዛሕ መስተን ልኽፈተ መስተን እውን፡ “ትሰትዮ ዝነበረካ መጠን ምንካይ፡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ምእንቲ ኺድግፉኻ፡ ካብ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ሓገዝ ሕተት” ኢሉ መኸረ።

8. ነቲ ዝገበርካዮ ውሳነ ኣጥቢቕካ ሓዞ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ይብል።—ያእቆብ 1:22, 25

ካብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ሓራ ምውጻእ

ኵሉ እቲ መስተ ዜብዝሕ ኣይኰነን ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ዚኸውን። እንተዀነ ግን፡ ገሊኦም ሰባት ኣብዚሖም ኪሰትዩ ወይ እምብዛ ብተደጋጋሚ ኺሰትዩ ምስ ጀመሩ፡ ውሉፋት ኣልኮላዊ መስተ ይዀኑ እዮም። ውሉፋት ኣልኮላዊ መስተ ብኣካላውን ብሳይኮሎጃውን መዳይ ጽግዕተኛታት ስለ ዚዀኑ፡ ካብ ወልፎም ሓራ ንኺወጹ፡ ቈራጽነትን መንፈሳዊ ሓገዝን ጥራይ ኣይኣኽሎምን ይኸውን። ኣለን፡ “ኣልኮላዊ መስተ ኺሓድጎ ምስ ጀመርኩ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኣካላዊ ስቓይ ኣስዒቡለይ እዩ። ሽዑ ኸኣ እየ ኣብ ርእሲ እቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ መንፈሳዊ ሓገዝ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዜድልየኒ ዘስተውዓልኩ” በለ።

ብዙሓት ሰታያት ነቲ ኻብ መስተ ሓራ ንኪዀኑን ናብቲ ጸገሞም ንኸይምለሱን ዚገብርዎ መንፈሳዊ ቓልሲ ንምድልዳል፡ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም እዩ። b ገሊኦም ነቲ መስተ ምስ ኣቋረጹ ዚስምዖም ሕማም ወይ ንኺሰትዩ ዚሓድሮም ሓያል ትምኒት ንምንካይ ዜድሊ ሕክምና ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ርእሲኡ እውን ምእንቲ ኸይደግሶም፡ ናብ ሆስፒታል ኪኣትዉ የድልዮም እዩ። እቲ ገባር ተኣምራት ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ፡ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም” በለ።—ማርቆስ 2:17

ኣምላኽ ዚህቦ መምርሒታት ምስዓብ ዜምጽኦ ጥቕሚ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዚህቦ ጽቡቕ ማዕዳ፡ ካብቲ ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓዋሩ ዚጠቕመና ዚፈልጥ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝመጸ እዩ። መስተ ኻብ ዚሓድጎ 24 ዓመት ዝገበረ ኣለን፡ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ክቕየር ከም ዝኽእል፡ ህይወተይ ንኸዐሪ የሆዋ ኺሕግዘኒ ኸም ዚደሊ፡ . . .” ምስ በለ ሕንቕንቕ ኢሉ ድሕሪ ምቍራጽ፡ “ከምኡውን የሆዋ ኸም ዚርድኣለይን ከም ዚሓልየለይን ዜድልየኒ ሓገዝ ከም ዚህበንን ምፍላጠይ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ” በለ።

እምበኣር፡ ኣልኮላዊ መስተ ተብዝሕ እንተ ዄንካ፡ ወይ ወልፊ እንተ ኣልዩካ፡ ኣይትተሓለል ወይ ተስፋ ኸም ዘይብልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ኣለንን ብዙሓት ካልኦትን ከምዚ ናትካ ዓይነት ጸገም እኳ እንተ ነበሮም፡ ዚሰትይዎ መስተ ኺንክዩ ወይ ፈጺሞም ኪሓድግዎ ኽኢሎም እዮም። በዚ ኣይተጣዕሱን፣ ንስኻ እውን ኣይክትጠዓስን ኢኻ።

ውሳነኻ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ይኹን ፈጺምካ ዘይምስታይ፡ ነቲ፡ “ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ዚብል ኣምላኽ ዘቕረቦ ፍቕራዊ ምሕጽንታ ስምዓዮ።—ኢሳይያስ 48:18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገጽ 8 እትርከብ፡  “ኣልኮላዊ መስተ ይቈጻጸረኒዶ ኣሎ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ሓገዝ ኪህብ ዚኽእል ሓያሎ ማእከላት ሕክምናን ሆስፒታላትን ኣሎ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣማራጺታት ሕክምና ገምጊሙ፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ኣልኮላዊ መስተ ይቈጻጸረኒዶ ኣሎ፧

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

ካብ ቀደመይ ዝያዳ መስተ እሰቲ ኣለኹ ድየ፧

ካብ ቀደመይ ንላዕሊ ብተደጋጋሚ እሰቲ ኣለኹ ድየ፧

ዝሓየለ ዓይነት መስተ ድየ ኽሰቲ ጀሚረ፧

ካብ ውጥረት ወይ ጸገማት ንምምላጥ እሰቲ ድየ፧

ዓርከይ ወይ ኣባል ስድራ ቤተይ ኣሰታትያይ ከም ዘተሓሳሰቦ ሓቢሩኒ ድዩ፧

መስተ ብምስታየይ፡ ኣብ ቤት፡ ኣብ ስራሕ፡ ወይ ክጐዓዝ ከለኹ ጸገማት ኣምጺኡለይ ድዩ፧

ብዘይ መስተ ሰሙን ምግባር የጸግመኒ ድዩ፧

ካልኦት ምስታይ ኪኣብዩ ኸለዉ፡ ሕማቕ ይስምዓኒ ድዩ፧

ዝሰትዮ መጠን ካብ ካልኦት እሓብኦ ድየ፧

ንሓንቲ ኻብዚ ሕቶታት እዚ፡ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ንኣሰታትያኻ ንኽትቈጻጸሮ ስጕምትታት ክትወስድ የድልየካ ይኸውን።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ጥበባዊ ውሳነ ግበር

መስተ ቕድሚ ምስታይካ፡ ነዚ ሕሰበሉ፦

ኣልኮላዊ መስተ እንተ ሰተኹዶ ይሓይሽ፡ ወይስ እንተ ሓደግክዎ፧

ምኽሪ፦ ነቲ ዚሰትዮ ደረት ኪገብረሉ ዘይክእል ሰብ ፈጺሙ ኺሓድጎ ኣለዎ።

ክንደይ ዚኣክል እየ ኽሰቲ ዝኽእል፧

ምኽሪ፦ ኣልኮላዊ መስተ ንምምዝዛንካ ቕድሚ ምምዝባሉ፡ ደረትካ ኽንደይ ምዃኑ ወስን።

መዓስ እየ ኽሰቲ ዝኽእል፧

ምኽሪ፦ ማኪና ቕድሚ ምዝዋርካ ወይ ንቕሓት ኣብ ዜድልዮ ንጥፈታት ቅድሚ ምስታፍካ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ቅድሚ ምጽማድካ፡ ወይ ከኣ መድሃኒት ኣብ እትወስደሉ እዋን ኣይትስተ፣ ጥንስቲ እውን ክትሰቲ የብላን።

ኣበይ እየ ኽሰቲ ዝኽእል፧

ምኽሪ፦ ኣብ ጥዑይ ሃዋህው ደኣ እምበር፡ ኣብ ሕቡእ ቦታታት ኰነ ኣብ ቅድሚ እቶም መስተ ዘይፈትዉ ሰባት ኣይትስተ።

ምስ መን እየ ኽሰቲ ዝኽእል፧

ምኽሪ፦ ምስ ጥዑያት ኣዕሩኽካ ወይ ምስ ስድራ ቤትካ ደኣ እምበር፡ ምስ ሰታያት ኣይትስተ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሰኽራም ዝነበረ ሰብ ሓጊዝዎ

ሱፖት ዚበሃል ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሰብኣይ፡ ሰታይ እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ፡ ምሸት ምሸት ጥራይ እዩ ዚሰቲ ነይሩ። በብቝሩብ ግን፡ ንግሆን ቀትርን እውን ኪሰቲ ጀመረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንኺሰክር ጥራይ ኢሉ ይሰቲ ነበረ። ድሕርዚ ግን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ስኽራን ብየሆዋ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዘይኰነ ምስ ፈለጠ፡ ምስታይ ሓደጎ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ግን፡ እቲ ጸገሙ ደገሶ። ስድራ ቤቱ በዚ ኣመና ጐሃዩ።

እንተዀነ ግን፡ ሱፖት ንየሆዋ የፍቅሮ፡ ብግቡእ መገዲ ኼምልኾ ድማ ይደሊ ነበረ። ፈተውቱ ንዕኡ ዚገብሩሉ ሓገዝ ኣየቋረጹን፡ ንስድራ ቤቱ ድማ ምስኡ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉን ብእኡ ተስፋ ኸይቈርጹን ኣተባብዕዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:10 ዚርከብ፡ ‘ሰካራት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም’ ዚብል ቃላት፡ ንሱፖት፡ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኑ ኺሕዞ ኸም ዚግባእ ንኺርድኦ ሓገዞ። ነቲ ጸገሙ ንኼሰንፎ፡ ብቘራጽነት ጻዕሪ ኺገብር ከም ዜድልዮ ኣስተውዓለ።

ድሕርዚ፡ ሱፖት መስተ ፈጺሙ ኸይለክፍ ቈሪጹ ተላዕለ። ኣብ መወዳእታ፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ብመሪሕነት ቃል ኣምላኽን ብሓገዝ ስድራ ቤቱን ጉባኤን፡ መንፈሳዊ ብርታዐ ረኸበ፡ ንመስተ ዝነበሮ ትምኒት ከኣ ኪቈጻጸሮ ኸኣለ። ርእሱ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ንምርኣይ ብማይ ምስ ተጠምቀ፡ ስድራ ቤቱ ባህ በሎም። ሎሚ ሱፖት ከምቲ ዚምነዮ ዝነበረ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኣለዎ፣ ግዜኡ ኸኣ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ኣብ ምሕጋዝ የውዕሎ ኣሎ።