ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ

ጴጥሮስ በቲ ዅነታት ተጨኒቑ፡ ነቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ጠመቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ እትርከብ ቤት ጸሎት እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፈ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ይነብር ነበረ፣ ብዙሓት ፈተውቱን ኣዝማዱን መሻርኽቱን እውን ኣብታ ኸተማ ይነብሩ ነበሩ። እቶም ደቂ እታ ኸተማ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መምህር ዝዀነ የሱስ ከምቲ ንሱ ዚርእዮ ገይሮም ኪርእይዎ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኺመሃሩ ኸም እተመነየ ኣየጠራጥርን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግን፡ ከምኡ ዚኸውን ኣይመስልን እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ንየሱስ ኪሰምዕዎ ኣይደለዩን። ገሊኦም ነቲ የሱስ እተዛረቦ ነገር ከም ዚቃወምዎ ንምግላጽ፡ ኬጕረምርሙ ጀመሩ። እቲ ንጴጥሮስ ልዕሊ ዅሉ ዘጨነቖ ግን፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ነገር እዩ። ሓድሽ ነገር ኪመሃሩን ሓቂ ኺፈልጡን ከለዉ ኣብ ገጾም ዚንበብ ዝነበረ ሓጐስ፡ ፈጺምካ ኣይርአን እዩ ነይሩ። የግዳስ፡ ከም ዝጐሃዩን ከም እተመረሩን እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ገሊኦም ደፊሮም ነቲ የሱስ እተዛረቦ ዘረባ ዜሰምብድ ምዃኑ ገለጹ። ድሕሪ ደጊም ኪሰምዕዎ ስለ ዘይደለዩ፡ ካብታ ቤት ጸሎት ወጹ፣ ንየሱስ እውን ሓዲጎምዎ ኸዱ።

እቲ ግዜ እቲ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ብጾቱ ሃዋርያትን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ነቲ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ ነገር ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ነይሩ። ቃላት የሱስ ቃል ብቓሉ እንተ ተወሲዱ፡ ስለምንታይ ከም ዘይፍቶ ተረዲእዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጐይታኡ ዝነበሮ ተኣማንነት እተፈተነሉ ናይ መጀመርታ ወይ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣይነበረን። ጴጥሮስ ዝነበረቶ እምነት፡ ነቲ ብድሆታት ሰጊሩ እሙን ኰይኑ ኪቕጽል ዘኽኣለቶ ብኸመይ ምዃና እስከ ንርአ።

ካልኦት ተኣማንነቶም ኬጕድሉ ኸለዉ፡ ብተኣማንነት ቀጸለ

ጴጥሮስ ብዙሕ ሳዕ ካብ የሱስ ዘይተጸበዮ ነገር የጓንፎ ነበረ። ጐይታኡ ብተደጋጋሚ ሰባት ዘይጽበይዎ ነገራት ይዛረብን ይገብርን ነበረ። ድሮ እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመ፡ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንኣሽሓት ሰባት መገበ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ፈተኑ። ንሱ ግን ካባታቶም ብምርሓቕን ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ተሰቒሎም ናብ ቅፍርናሆም ኪኸዱ ብምእዛዝን፡ ዘይተጸበይዎ ነገር ገበረ። ደቀ መዛሙርቱ ለይቲ ብጃልባ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነቲ ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ሰንጢቑ ብእግሩ መጾም፣ እዚ ድማ ንእምነት ጴጥሮስ ዘደልደለ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። a

ንጽብሒቱ፡ እቶም ህዝቢ ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ዝኸድዎ ሰዓብዎም። ከምኡ ዝገበሩ ግን፡ ንመንፈሳዊ ሓቅታት ጠምዮም ዘይኰኑስ፡ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ምግቢ ኼዳሉ ኸሎ ምእንቲ ኺርእይዎ ኢሎም እዮም። የሱስ ከኣ ንስጋኦም ጥራይ ዚሓስቡ ብምንባሮም ወቐሶም። በዚ እተበገሰ ምይይጥ፡ ኣብታ ኣብ ቅፍርናሆም እትርከብ ቤት ጸሎት ቀጸለ፣ ኣብኡ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝቢ ንምርዳኡ ዜጸግም ግን ከኣ ኣገዳሲ ሓቂ ኺምህሮም ኢሉ ዘይተጸበይዎ ነገር ተዛረቦም።

የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ንዕኡ ኸም ምንጪ ስጋዊ ብልዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ መንፈሳዊ መሰናድዎ፡ ማለት ሰብኣዊ ህይወቱን ሞቱን ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዜምጽኣሎም ገይሮም ኪርእይዎ ደለዮም። ስለዚ ድማ፡ ንርእሱ ምስቲ ብግዜ ሙሴ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ማና ዚበሃል እንጌራ ኣመሳሲሉ ተዛረቦም። ገሊኦም ምስ ተቓወምዎ፡ ህይወት ንምርካብ ስጋኡ ኺበልዑን ደሙ ኺሰትዩን ከም ዚግባእ ብምሳሌ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዮም፡ ተቓውሞኦም ዘሐየሉ። ገሊኦም፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ምስዓቡ ንድሕሪት ተመልሱ። bዮሃንስ 6:48-60, 66

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጴጥሮስ እንታይ ገበረ፧ እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣርሚምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብር ኢሉ ኺመውት ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ንጴጥሮስ ኣይተረድኦን። ኰይኑ ግን፡ ከምቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሱስ ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ዓሰርተ ሳዕ ዚቀያየሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ሓዲግዎ ኸይዱ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ጴጥሮስ ካብቶም ሰባት እቲኣቶም ፍልይ ዜብሎ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ነበሮ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

የሱስ ናብ ሃዋርያቱ ግልጽ ኢሉ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” በሎም። (ዮሃንስ 6:67) እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቶም 12 እኳ እንተ ኣቕረባ፡ መልሲ ዝመለሰ ግን ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ። ጴጥሮስ ምናልባት ካብ ኵሎም ብዕድመ ይዓቢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ብግልጺ ይዛረብ ነበረ፣ ዝመሰሎ ኻብ ምዝራብ እውን ድሕር ኣይብልን ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ብምባል ኣብ ልቡ ዝነበረ ባህ ዜብልን ዘይርሳዕን ሓሳባት ገለጸ።—ዮሃንስ 6:68

እዘን ቃላት እዚኣተንሲ ንልብኻ ዚትንክፋዶ ኣይኰናን፧ እታ ጴጥሮስ ኣብ የሱስ ዝነበረቶ እምነት፡ ሓንቲ ብልጽቲ ባህርይ ንኼማዕብል ሓገዘቶ፣ ንሳ ድማ ተኣማንነት እያ። ብዘይካ የሱስ ካልእ መድሓኒ ኸም ዘየልቦ፡ የሱስ እውን ብቓሉ፡ ማለት በቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምህሮ ትምህርትታቱ ኣቢሉ ኸም ዜድሕን፡ ጴጥሮስ ብንጹር ኪርዳእ ከኣለ። ገሊኡ ነገራት እኳ እንተ ደንጸዎ፡ ሞገስ ኣምላኽን በረኸት ናይ ዘለኣለም ህይወትን እንተ ደልዩ፡ ናብ ዚኸዶ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ ነበረ።

ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ እቲ ዜሕዝን፡ ሎሚ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ንየሱስ ከም ዜፍቅርዎ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ እሙናት ግን ኣይኰኑን እዮም። ንክርስቶስ ብሓቂ እሙን ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምሓዝ የጠቓልል። ትምህርትታቱ ኸምቲ እተጸበናዮ ወይ ከምቲ እንደልዮ እኳ እንተ ዘይኰነልና፡ ክንፈልጦን ትርጕሙ ኽንርድኦን ብእኡ ኽንመላለስን ኣሎና። ተኣማንነትና እንተ ኣመስኪርና ጥራይ ኢና፡ ነቲ የሱስ ዚምነየልና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል።

መአረምታ ምስ ተዋህቦ እውን፡ ብተኣማንነት ቀጸለ

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሱስ ንሃዋርያቱን ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱን መሪሑ ናብ ሰሜን ገጹ ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ምድሪ ተስፋ ዚርከብ ብበረድ እተሸፈነ ጫፍ ከረን ሄርሞን፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ባሕሪ ገሊላ ኺርአ ይከኣል ነይሩ እዩ። የሱስን ሰዓብቱን ናብ ጥቓ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ በጽሑ፡ ናብቲ ኸረን ገጾም ይቐርቡ ብምንባሮም፡ እቲ ኸረን እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ እዩ ዚመስሎም ነይሩ። c ኣብቲ ንደቡብ ሸነኽ ዚርከብ መብዛሕትኡ ኽፋል ምድሪ ተስፋ ዚረኣየሉ ባህ ዜብል ቦታ ኸለዉ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ሓተቶም።

“ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ናብተን ትኩራት ኣዒንቲ የሱስ ኪጥምት ከሎ፡ ለውሃትን ብልሓትን ጐይታኡ ኸም ዘስተውዓለ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። የሱስ ነቲ ሰማዕቱ ኻብቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ተበጊሶም ዝበጽሕዎ መደምደምታ እዩ ኺፈልጥ ደልዩ። ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መንነት የሱስ ዘለዎም ግጉይ ሓሳባት ነገርዎ። ንሱ ግን፡ እቶም ናይ ቀረባ ሰዓብቱ ተመሳሳሊ ግጉይ ምርዳእ እንተ ኣልይዎም ኪፈልጥ ደለየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሉቃስ 9:18-22

ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ጴጥሮስ ተቐላጢፉ መልሲ ሃቦ። “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ብምባል፡ ኣብ ልቢ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ዝነበረ ነገር፡ ብንጹርን ብምትእምማንን ገለጸ። የሱስ ንጴጥሮስ ፍሽኽ ኢሉ ኺንእዶ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ነቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ዝገለጸሎም፡ የሆዋ ኣምላኽ እምበር፡ ሰብ ዘይምዃኑ እውን ኣዘኻኸሮ። ጴጥሮስ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኽሳዕ ሽዑ ዝገለጾ ዝዓበየ ሓቅታት፡ ማለት መንነት እቲ ቕድሚ ነዊሕ ግዜ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኬስተውዕል ከኣለ።—ማቴዎስ 16:16, 17

እዚ ክርስቶስ እዚ ኸኣ፡ እቲ ብትንቢት ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ተባሂሉ እተጸውዐ እዩ። (መዝሙር 118:22፣ ሉቃስ 20:17) የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ፡ የሆዋ ኣብቲ ጴጥሮስ መንነቱ ዘለለዮ እምኒ ወይ ከውሒ ሓንቲ ጉባኤ ኸም ዚስርት ገለጸ። d ድሕሪኡ፡ ንጴጥሮስ ኣብታ ጉባኤ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ሃቦ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ሓላፍነት ደኣ እዩ ሂብዎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚመስሎም፡ ካብ ካልኦት ሃዋርያት ንላዕሊ ኽብ ኣየበሎን። ነቲ ዚህቦ ሓላፍነት ኪገልጸሉ ኸሎ፡ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ” በሎ። (ማቴዎስ 16:19) ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተስፋ፡ ንሰለስተ እተፈላለዩ ጕጅለ ደቂ ሰብ፡ ማለት ፈለማ ንኣይሁድ፡ ድሕሪኡ ንሳምራውያን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንኣህዛብ ወይ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት፡ ናይ ምኽፋት ዕዮ ንጴጥሮስ እዩ ተዋሂብዎ።

ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ጸኒሑ ዝበሎ፡ እቲ ብዙሕ እተዋህቦ፡ ብዙሕ ተሓታትነት ኣለዎ፣ ሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኣብ ጴጥሮስ ተራእዩ እዩ። (ሉቃስ 12:48) ድሕሪኡ እውን የሱስ ብዛዕባ መሲሕ ኣገዳሲ ሓቅታት ገለጸ፣ ገለ ኻብቲ ዝገለጾ ሓቅታት ከኣ ኣብ የሩሳሌም ከም ዚስቀን ከም ዚመውትን እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ፡ እዚ ምስ ሰምዐ ተረበሸ። ንየሱስ ንበይኑ ገይሩ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።—ማቴዎስ 16:21, 22

ጴጥሮስ ከምኡ ዝበለ፡ ካብ ሓልዮት ተበጊሱ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ኣሰምቢድዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ንጴጥሮስ ዝባኑ ሂቡ፡ ናብቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ፡ “ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ። (ማቴዎስ 16:23፣ ማርቆስ 8:32, 33) የሱስ እተዛረበን ቃላት፡ ንዅላትና ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ ሒዘን ኣለዋ። ናይ ሰብ ሓሳብ ንናይ ኣምላኽ ሓሳብ ንኺዕብልሎ ብቐሊሉ ኸነፍቅድ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዋላ እውን ክንሕግዝ ኣብ እንሓስበሉ እዋን፡ ከይተፈለጠና ደገፍቲ ዕላማ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ደገፍቲ ዕላማ ሰይጣን ኢና እንኸውን። ድሕርዚ ግን ጴጥሮስ እንታይ እዩ ገይሩ፧

የሱስ ንጴጥሮስ፡ ቃል ብቓሉ ሰይጣን ድያብሎስ ኢሉ ኸም ዘይጸውዖ፡ ጴጥሮስ ይፈልጥ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ከምቲ ንሰይጣን እተዛረቦ ገይሩ ኣይኰነን ተዛሪብዎ። ንሰይጣን፡ “ኪድ ርሐቕ” እዩ ኢልዎ፣ ንጴጥሮስ ግን ብመሰረት እቲ በዅሪ ቛንቛ፡ “ናብ ድሕረይ ኣብል” ተባሂሉ ኺትርጐም ብዚኽእል እተፈልየ ቓላት እዩ ተዛሪብዎ። (ማቴዎስ 4:10) የሱስ ነቲ ብዙሕ ጽቡቕ ዝረኣየሉ ሃዋርያኡ ኣይኰነን ዚነጽጎ ነይሩ፣ የግዳስ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ንዝነበሮ ግጉይ ኣተሓሳስባ ጥራይ እዩ ኣሪምዎ። ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ መዐንቀፊ ኪኸውን ኣይነበሮን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኡ ዀይኑ ኺድግፎ ነበሮ።

ጴጥሮስ ተማጒቱ፡ ተቘጢዑ፡ ወይ ኣስቈርቊሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ብትሕትና እዩ መአረምታ ተቐቢሉ። በዚ ኸምዚ ድማ እንደገና ተኣማንነቱ ኣርኣየ። ኵሎም እቶም ንክርስቶስ ዚስዕብዎ ሰባት፡ ሓድሓደ ግዜ መአረምታ የድልዮም እዩ። ዚወሃበና ተግሳጽ ብትሕትና እንተ ተቐቢልናን ካብኡ እንተ ተማሂርናን ጥራይ ኢና፡ ምስ የሱስ ክርስቶስን ምስ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽን ክንቀራረብ እንኽእል።—ምሳሌ 4:13

ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቢ ረኸበ

የሱስ ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ዜገርም ነገር ተዛረበ። (ማቴዎስ 16:28) እዘን ቃላት እዚኣተን ንጴጥሮስ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታኡ ኸም ዘበገሳሉ ኣየጠራጥርን እዩ። የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ምናልባት ጴጥሮስ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ሓያል መአረምታ ስለ እተዋህቦ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ከም ዘይረክብ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ግን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ የሱስ ንያእቆብን ንዮሃንስን ንጴጥሮስን ወሲዱ ናብ “ነዊሕ ከረን”—ምናልባት እቲ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዝነበረ ኸረን ሄርሞን እዩ ዚኸውን—ኣደየቦም። እቶም ሰለስተ ሰብኡት ድቃስ ከቢድዎም ስለ ዝነበረ፡ ለይቲ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኪጽሊ ኸሎ ግን፡ ንድቃሶም ዘብረሮ ነገር ኣጋጠመ።—ማቴዎስ 17:1፣ ሉቃስ 9:28, 29, 32

የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪቕየር ጀመረ። ገጹ ኸም ጸሓይ ክሳዕ ዚኸውን እናበርሀ ኸደ። ክዳውንቱ ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ካልእ ከኣ ንኤልያስ ዚመስሉ ኽልተ ሰባት ተራእዩ። እቶም ክልተ ሰባት ንየሱስ “ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ፡” ማለት ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣዘራረብዎ። ጴጥሮስ ንየሱስ ካብቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ስቓይ ኬምልጥ ምዝራቡ፡ ጌጋ ምንባሩ ንጹር ኰነ።—ሉቃስ 9:30, 31

ጴጥሮስ ኣብቲ ፍሉይ ራእይ ኪሳተፍ ተደረኸ። ሙሴን ኤልያስን ካብ የሱስ ዚፍለዩ መሰሉ። ስለዚ ድማ ጴጥሮስ፡ “መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ” በለ። ልክዕ እዩ፡ እቶም ነዊሕ ይገብር ንዝሞቱ ኽልተ ኣገልገልቲ የሆዋ ብራእይ ዜመልክቱ ዝነበሩ፡ ድንኳን ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ዚብሎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ውዕዉዕ መንፈሱን ለውሃቱን ናብኡ ደይኰነን ዚስሕበና፧—ሉቃስ 9:33

በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንሱን ያእቆብን ዮሃንስን ካልእ ዓስቢ ረኸቡ። ደበና መጺኡ፡ ኣብቲ ኸረን ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ድማ፡ “እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ የሆዋ ኣምላኽ ሰምዑ! ድሕሪኡ፡ እቲ ራእይ ኣብቅዐ፡ ንሳቶም ከኣ ምስ የሱስ በይኖም ተረፉ።—ሉቃስ 9:34-36

እቲ ራእይ እቲ፡ ንጴጥሮስ ኰነ ንዓና ብሓቂ ዓብዪ ውህበት እዩ። ጴጥሮስ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዛዕባ እቲ በታ ለይቲ እቲኣ እተሰምዖ ኽብሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና” ኢሉ ጸሓፈ፣ እወ፡ ነቲ የሱስ ከም ግርማዊ ሰማያዊ ንጉስ ዚዀነሉ ፍጻመ እዩ ኣቐዲሙ ርእይዎ። እቲ ራእይ እቲ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓያሎ ትንቢታት መረጋገጺ ዀይኑ፡ ንጴጥሮስ ከኣ ነቲ ብድሕሪኡ ዜጋጥሞ ፈተናታት ንኺሰግሮ እምነቱ ኣድልዲሉሉ እዩ። (2 ጴጥሮስ 1:16-19) ንሕና እውን ከም ጴጥሮስ ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ጐይታ እሙናት እንተ ዄንና፡ ካብኡ እንተ ተማሂርና፡ ተግሳጹን መአረምታኡን እንተ ተቐቢልና፡ ብትሕትና ኸኣ መዓልታዊ እንተ ስዒብናዮ፡ እምነትና ኽትድልድል ትኽእል እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b እቶም ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ህዝቢ፡ ድሮ እታ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት እተዛረቡሉ መዓልቲ፡ ብዛዕባ የሱስ ብውዕዉዕ ስምዒት ነብዪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ምዝራቦም፡ ክሳዕ ክንደይ ዚገለባበጡ ምንባሮም እዩ ዜርኢ።—ዮሃንስ 6:14

c ኣብዚ የሱስን ሰዓብቱን ካብ ባሕሪ ገሊላ ነቒሎም፡ በቲ ዜደንቕ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዘለዎ ዞባታት ኣቢሎም፡ ን48 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ካብ 210 ሜተር ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ተበጊሶም፡ ናብ 350 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ እዮም በጺሖም።

d ኣብ ገጽ 28 እትርከብ፡  “እቲ ኸውሒ መን እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 እቲ ኸውሒ መን እዩ፧

“ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ።” (ማቴዎስ 16:18) እዘን የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ እተዛረበን ቃላት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጴጥሮስ መሰረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዝዀነ ጌርካ ትርጕም ይወሃበን እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሃዋርያት ክብ የብሎ ኸም ዝነበረ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገበሮ ትምህር። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጕልላት፡ ቃላት የሱስ ካብ ሰብ ብዚነውሕ ፊደላት ብላቲን ተጻሒፉ ኣሎ።

የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እቲ ንማሕበሩ ወይ ንጉባኤኡ ዚስርተሉ ኸውሒ፡ ጴጥሮስ ከም ዝዀነ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ካልኦት ሃዋርያት ኣብቲ ቦታ እቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንቓላት የሱስ ግን በቲ መገዲ እቲ ኣይተረድእዎን። የሱስ ንጴጥሮስ ካባታቶም ክብ ኣቢልዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ መኖም ከም ዚዓቢ ብተደጋጋሚ እተኸራኸሩ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ (ማርቆስ 9:33-35፣ ሉቃስ 22:24-26) ካልኣይ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ፡ እቲ ኸውሒ ጴጥሮስ ዘይኰነስ፡ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:11፣ 10:4) ሳልሳይ፡ ጴጥሮስ ባዕሉ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ንሱ ኸውሒ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸም ዘይሓሰበ ሓቢሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ብኣምላኽ እተሓርየ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረሉ “እምኒ መኣዝን፡” የሱስ ምዃኑ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:4-8

ኰይኑ ግን፡ ገሊኦም ሰባት፡ ስም ጴጥሮስ፡ “ከውሒ” ዚብል ትርጕም ስለ ዘለዎ፡ የሱስ፡ እቲ ኸውሒ ንጴጥሮስ ከም ዜመልክት ገይሩ ይዛረበሉ ምንባሩ ይማጐቱ እዮም። ከም ሓቂ ግን፡ እታ ጴጥሮስ እትብል ስም ምስታ ኣብታ ጥቕሲ እትርከብ “ከውሒ” ተባሂላ ዘላ ቓል ተወራራሲት ቃል ኣይኰነትን። ስም ጴጥሮስ፡ ቃል ብቓሉ፡ “ስባር ከውሒ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ኸሎ፡ ብተባዕታይ ኣገባብ ዝሰፈረ ስም እዩ፣ እታ “ኸውሒ” እትብል ቃል ግን ብኣንስታይ ኣገባብ ዝሰፈረት ስም እያ። ቃላት የሱስ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ብኻልእ ኣበሃህላ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ ጴጥሮስ ወይ ስባር ከውሒ ተባሂልካ እትጽዋዕ፡ ናይ ሓቂ መንነት እቲ መሰረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ‘ከውሒ፡’ ወይ ክርስቶስ፡ ኣስተውዒልካ ኢኻ” እዩ ዚብሎ ነይሩ። ጴጥሮስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሓቂ ኣብ ምግላጽ ብምሕጋዙስ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይርዎ!

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ ምስ ተኣረመ እውን ከይተረፈ፡ ተኣማንነቱ ኣርእዩ እዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ እሙን ስለ ዝነበረ፡ በቲ ባህ ዜብል ራእይ ኣቢሉ ዓስቡ ረኸበ