ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧

ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧

ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧

“በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱ . . . ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ።”—ግብ. 27:23, 24

1. እቶም ርእሶም ንጥምቀት ዜቕርቡ ሰባት ኣቐዲሞም እንታይ ስጕምትታት እዮም ዚወስዱ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜበግስ፧

 “ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩም ፍቓዱ ንምግባር ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹም ዲኹም፧” እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መደምደምታ መደረ ጥምቀት ዚቐርባ፡ ሕጹያት ጥምቀት መልሲ ዚህቡለን ክልተ ሕቶታት እያ። ክርስትያናት ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ዜድልዮም ስለምንታይ እዮም፧ ንኣምላኽ ርእስና ምውፋይና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ርእሱ ንኣምላኽ እንተ ዘይወፍዩ፡ ብቕቡል መገዲ ንኣምላኽ ኬምልኾ ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምርካብ፡ ፈለማ ወፈያ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና።

2. ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

2 ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ነስተብህለሉ። ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብታ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ዝነበረት መርከብ ተሰቒሎም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ንየሆዋ፡ “ኣነ ዝናቱ . . . ኣምላኸይ” ኢሉ ጸውዖ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:22-24 ኣንብብ።) ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ የሆዋ እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ ዓለም ብሓፈሻ፡ “በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃ. 5:19) ክርስትያናት ብጸሎት ኣቢሎም ብቕቡል መገዲ ርእሶም ንየሆዋ ምስ ወፈዩ እዮም ናቱ ዚዀኑ። እዚ ወፈያ እዚ ብብሕቲ ዚገብርዎ መብጽዓ ኪኸውን ከሎ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ብማይ ይጥመቑ።

3. ጥምቀት የሱስ እንታይ የመልክት ነበረ፧ ሰዓብቱኸ ኣብነቱ ኺስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

3 የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብር ብሕታዊ ምርጫ ብምግባር፡ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ካብቶም ርእሶም ዝወፈዩ ህዝቢ እስራኤል ስለ እተወልደ፡ ድሮ ርእሱ ንኣምላኽ ወፍዩ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብጥምቀቱ ኣቢሉ፡ ካብቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኺግበር እተሓተተ ነገር ንላዕሊ ገይሩ እዩ። “ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ” ኸም ዝበለ፡ ቃል ኣምላኽ ይሕብር እዩ። (እብ. 10:7፣ ሉቃ. 3:21) ስለዚ፡ የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ርእሱ የቕርብ ከም ዝነበረ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ሰዓብቱ እውን ርእሶም ንጥምቀት ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ኣብነቱ ይስዕቡ እዮም። እቲ ሰዓብቱ ብማይ ዚገብርዎ ጥምቀት ግን፡ ብጸሎት ኣቢሎም ርእሶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ንሰባት ዜርእዩሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ወፈያ ዜምጽኣልና ጥቕሚ

4. ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት፡ ብዛዕባ ቓል ምሕላው እንታይ ይነግረና፧

4 ክርስትያናዊ ወፈያ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ቃል ካብ ምእታው ንላዕሊ የመልክት። ርእስና ምውፋይና ግን ብኸመይ ይጠቕመና፧ ነዚ ነገር እዚ፡ ምስቲ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ቃልካ ምሕላው ዘለዎ ጥቕሚ እስከ ነነጻጽሮ። ከም ኣብነት፡ ዕርክነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ዓርኪ ንኺህልወካ፡ ንስኻ እውን ከም ዓርኪ መጠን ሓላፍነትካ ኽትስከም ኣሎካ። እዚ ድማ ቃልካ ምሕላው የጠቓልል፡ ማለት ንዓርክኻ ኽትሓልየሉ ድራኸ የሕድረልካ። ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ብሉጽ ዕርክነት፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት እዩ። ዕርክነቶም ጽኑዕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኪዳን ተኣታትዮም ነይሮም እዮም። (1 ሳሙኤል 17:57፣ 18:1, 3 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ዚበጽሕ ዕርክነት ብዙሕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ጽኑዕ ዕርክነት ንኺህሉ ግን፡ እቶም ኣዕሩኽ ቃሎም ዚሕልዉ ወይ ሓላፍነት ዚስምዖም ኪዀኑ ኣለዎም።—ምሳ. 17:17፣ 18:24

5. ሓደ ባርያ ንሓዋሩ ንሕያዋይ ጐይታኡ ኺግዛእ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሰባት ቃል ዚኣትዉሉ ኻልእ ነገር ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ባርያ ንሓዋሩ ናይቲ ሕያዋይ ጐይታኡ ኪኸውን እንተ ደልዩ፡ ምስ ጐይታኡ ንሓዋሩ ዚቕጽል ኪዳን ይተኣታቶ ነበረ። እቲ ሕጊ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ባርያ ግና፤ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ አሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእን፡ እንተ በለ፡ ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።”—ዘጸ. 21:5, 6

6, 7. (ሀ) ቃል ኪዳን ወይ ውዕል ንሰባት ብኸመይ ይጠቕሞም፧ (ለ) እዚ ነገር እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እንታይ ይሕብር፧

6 መውስቦ ብዝለዓለ ደረጃ ቓል ኪዳን ኪሕለወሉ ዘለዎ ርክብ እዩ። ቃል ኪዳን ኪበሃል ከሎ፡ ምስ ሰብ ዚግበር ውዕል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ተራ ውዕል ግን ዝለዓለ እዩ። ክልተ ኣንጻር ጾታ ኸይተመራዓዉ ተኣኻኺቦም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ልቦም ኣይቀስንን እዩ፣ ደቆም እውን እንተ ዀነ፡ ቅሳነት ኣይስምዖምን እዩ። ክቡር መውስቦ ብምፍጻም ቃል ኪዳን እተኣታተዉ ሰብ ሓዳር ግን፡ ጸገማት ኪለዓል ከሎ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ብፍቕሪ ኺፈትሕዎ ይድረኹ እዮም።—ማቴ. 19:5, 6፣ 1 ቈረ. 13:7, 8፣ እብ. 13:4

7 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ኣብ ንግዲ ዀነ ኣብ ስራሕ ውዕል ብምውዕዓል ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 20:1, 2, 8) ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ንግዳዊ ዕዮ ቕድሚ ምጅማርና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኩባንያ ሰራሕተኛ ዄንና ቕድሚ ምቝጻርና፡ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ውዕል እንተ ተፈራሪምና፡ ንጥቀም ኢና። ኣብ ዕርክነትን ሓዳርን ስራሕን ቃል ምትእትታው ወይ ውዕል ምግባር ነቲ ርክብ ዜደልድሎ ኻብ ኰነ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውፋይ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይጠቕመካ፧ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ርእሶም ንየሆዋ ኣምላኽ ብምውፋዮም ብኸመይ ከም እተጠቕሙን እቲ ወፈያኦም ካብ ቃል ምእታው ንላዕሊ ዝነበረ ብኸመይ ምዃኑን እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ርእሶም ንኣምላኽ ብምውፋይ ዝረኸብዎ ጥቕሚ

8. እስራኤላውያን ርእሶም ወፍዮም ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

8 ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ መብጽዓ ምስ ኣተዉሉ፡ ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቢ ዀኑ። የሆዋ ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና ኣከቦም እሞ፡ “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ . . . ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብሓደ ዀይኖም፡ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱ። (ዘጸ. 19:4-8) እስራኤላውያን ርእሶም ወፍዮም ኪበሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ንኺገብሩ ቓል ካብ ምእታው ንላዕሊ ይገብሩ ምንባሮም እዩ ዜመልክት። ንሳቶም ናይ የሆዋ ዀይኖም፡ ንሱ ድማ ከም ‘ገንዘቡ’ ገይሩ ይርእዮም ማለት እዩ።

9. እስራኤላውያን ርእሶም ንኣምላኽ ብምውፋዮም ብኸመይ ተጠቒሞም፧

9 እስራኤላውያን ናይ የሆዋ ብምዃኖም ተጠቒሞም እዮም። ንሱ እሙን እዩ፡ ከምቲ ፈቃር ወላዲ ንውሉዱ ዚሓልየሉ ገይሩ ድማ ሓልዩሎም እዩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።” (ኢሳ. 49:15) የሆዋ ንህዝቡ መምርሒ ዚዀኖም ሕጊ ሃቦም፡ ዜተባብዕዎም ነብያት ሰደደሎም፡ ዕቝባ ዚዀንዎም መላእኽቲ ኸኣ ለኣኸሎም። ሓደ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ቃሉ ንያእቆብ፡ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 147:19, 20፣ መዝሙር 34:7, 19፣ 48:14 ኣንብብ።) ከምቲ የሆዋ ነቶም ናቱ ዝዀኑ ህዝቢ ዝሓለየሎም፡ ነዞም ሎሚ ርእሶም ንዕኡ ዝወፈዩ ሰባት እውን ይሓልየሎም እዩ።

ርእስና ንኣምላኽ እንውፍየሉ ምኽንያት

10, 11. ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዲና ተወሊድና፧ ግለጽ።

10 ገሊኦም ብዛዕባ ክርስትያናዊ ወፈያን ጥምቀትን ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ‘ርእሰይ ንኣምላኽ ከይወፈኹ ኸምልኾ ዘይክእል ስለምንታይ እየ፧’ ዚብል ሕቶ ይመጾም ይኸውን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዘለና ምፍላጥና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይንጽረልና እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም፡ ኵላትና ኻብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ወጻኢ ኸም እተወለድና ኽንርስዕ የብልናን። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ንኽንከውን ዜድሊ ኣገዳሲ ብቕዓት እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ እስከ ንርአ።

11 ናይ ሓቂ ህይወት፡ ማለት ፍጹም ህይወት ዘውረሰና ተፈጥሮኣዊ ኣቦ የብልናን። (1 ጢሞ. 6:19) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓጥኡ፡ ዓሌት ወዲ ሰብ ካብ ፈቃር ኣቦኡን ፈጣሪኡን ስለ እተፈልየ፡ ከም ደቂ ኣምላኽ ኴንና ኣይኰንናን ተወሊድና። (ምስ ዘዳግም 32:5 ኣረኣኢ።) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ደቂ ሰብ ካብ የሆዋ ኣምላኾም ርሒቖም፡ ካብ ስድራ ቤቱ ወጻኢ ዀይኖም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ።

12. (ሀ) ዘይፍጹማት ሰባት ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ቅድሚ ጥምቀት እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

12 ኰይኑ ግን፡ በብውልቅና፡ ኣምላኽ ከም ኣገልገልቱ መጠን ገይሩ ናብ ስድራ ቤቱ ንኪቕበለና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። a ንሕና ሓጥኣን ክነስና ግን፡ ከመይ ገይሩ እዩ ኪቕበለና ዚኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:10) ኣብ ግዜ ጥምቀትና፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንሱ ሰናይ ሕልና ንኺህበና ኢና እንሓትት። (1 ጴጥ. 3:21) ቅድሚ ጥምቀት ግን፡ ክንወስዶ ዚግባእ ስጕምትታት ኣሎ። ንኣምላኽ ክንፈልጦ፡ ክንኣምኖ፡ ክንንሳሕ፡ መገድና ድማ ከነዐሪ ኣሎና። (ዮሃ. 17:3፣ ግብ. 3:19፣ እብ. 11:6) ድሕርዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኴንና ተቐባልነት ቅድሚ ምርካብና፡ ክንገብሮ ዚግባእ ሓደ ነገር ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

13. ሓደ ሰብ ኣባል እቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ስድራ ቤት ቅድሚ ምዃኑ፡ ርእሱ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ኺመባጻዕ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ሓደ ኻብ ኣምላኽ ርሒቑ ዝነበረ ሰብ፡ ቅቡል ኣገልጋሊ ብምዃን ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንየሆዋ ጽኑዕ መብጽዓ ኺመባጽዓሉ ኣለዎ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዜድሊ ምእንቲ ኺርድኣካ፡ ሓደ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣቦ ንሓደ ዝዘኽተመ መንእሰይ ብዓይኒ ለውሃት ከም ዝረኣዮን ከም ኣባል ስድራ ቤቱ ገይሩ ኪቕበሎ ኸም ዝደለየን ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ኣቦ ሕያዋይ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ መንእሰይ ከም ወዱ ገይሩ ቕድሚ ምቕባሉ፡ ሓደ መብጽዓ ኺመባጽዓሉ ትጽቢት ይገብረሉ እዩ። ስለዚ እቲ ሰብኣይ፡ “ከም ወደይ ገይረ ቕድሚ ምቕባለይ፡ ከም ኣቦኻ ጌርካ ኸም እተፍቅረንን ከም እተኽብረንን ክፈልጥ እደሊ እየ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከም ኣባል ስድራ ቤቱ ገይሩ ዚቕበሎ፡ እቲ መንእሰይ ጽኑዕ መብጽዓ እንተ ተመባጽዑ ጥራይ እዩ። እዝስ ርትዓዊ ደይኰነን፧ ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ነቶም ርእሶም ንዕኡ ኸም ዝወፈዩ ኺመባጽዑ ዚኽእሉ ጥራይ እዩ ኸም ኣባላት ስድራ ቤቱ ገይሩ ዚቕበሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ . . . እምዕደኩም አሎኹ” ይብለና።—ሮሜ 12:1

ፍቕርናን እምነትናን ብግብሪ እነርእየሉ ስጕምቲ

14. ወፈያ፡ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

14 ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይና፡ ንየሆዋ ዘላትና ኻብ ልቢ ዝመንጨወት ፍቕሪ እንገልጸሉ ስጕምቲ እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ እተወሰነ መዳይ ምስቲ ኣብ መርዓ ዚግበር ቃል ኪዳን ይመሳሰል። ሓደ ክርስትያን መርዓዊ፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንመርዓቱ እሙን ኪኸውን ቃል ኪዳን ብምእታው፡ ፍቕሩ ይገልጽ። እዚ ድማ፡ ክፍሊ እቲ ውዕል መርዓ ኸም ዝዀነ መብጽዓ ኻብ ምእታው ሓሊፉ፡ ከም ውሕስነት ጌርካ እውን ይርአ እዩ። ሓደ ክርስትያን መርዓዊ፡ ቃል ኪዳን እንተ ዘይኣትዩ፡ ምስ መርዓቱ ኺነብር ከም ዘይክእል ይርዳእ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ርእስና ንየሆዋ እንተ ዘይወፊና፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ብምዃን ዚርከብ ጥቕምታት ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕሮ ኣይንኽእልን ኢና። እምበኣር፡ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ናይ ኣምላኽ ክንከውን ስለ እንደልን ንዕኡ እሙናት ክንከውን ስለ ዝቘረጽናን፡ ርእስና ንዕኡ ንውፊ ኢና።—ማቴ. 22:37

15. ወፈያ፡ እምነትና ብግብሪ እነርእየሉ ስጕምቲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

15 ርእስና ንኣምላኽ ክንውፊ ኸለና፡ እምነትና ኢና ብግብሪ እነርኢ። ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት፡ ናብኡ ምቕራብ ከም ዝሕሸና ንኽንተኣማመን ትድርኸና። (መዝ. 73:28) ኣብ ማእከል እዚ “ቔናንን ጠዋይን ወለዶ” እናነበርና ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዚድግፈና ዝሃቦ መብጽዓ ንኣምኖ ኢና። (ፊል. 2:15፣ 4:13) ዘይፍጹማት ምዃንና ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ጌጋታት ክንገብር ከለና እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ብምሕረት ከም ዚሕዘና ንተኣማመን ኢና። (መዝሙር 103:13, 14፣ ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ።) ስለቲ ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት፡ የሆዋ ዓስብና ኸም ዚህበና ንኣምን ኢና።—እዮ. 27:5

ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይና፡ ናብ ሓጐስ ይመርሕ

16, 17. ርእስና ንየሆዋ ምውፋይና ናብ ሓጐስ ዚመርሓና ስለምንታይ እዩ፧

16 ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ኵለንተናና ስለ እንህቦ፡ ሓጐስ ኢና እንረክብ። የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል መሰረታዊ ሓቂ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 20:35) ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ነቲ ኻብ ምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ምሉእ ብምሉእ ኣስተማቒርዎ እዩ። ንሰባት ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኺረኽቡ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ፡ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ዕረፍቱን ምግቡን ምሾቱን መስዋእቲ ገይሩ እዩ። (ዮሃ. 4:34) ንልቢ ኣቦኡ ምሕጓስ እውን፡ ባህ ይብሎ ነበረ። “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ኸኣ በለ።—ዮሃ. 8:29፣ ምሳ. 27:11

17 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ . . . ይስዐበኒ” ብምባል ዜዕግብ ህይወት ከመይ ምዃኑ ሓበሮም። (ማቴ. 16:24) ከምዚ ምግባር፡ ናብ የሆዋ ዝያዳ የቕርበና። ርእስና ኽንውፍየሉ እንኽእል፡ ከም የሆዋ ገይሩ ብፍቕሪ ኺሓልየልና ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን።

18. ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ምንባር፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ወፈያ ንላዕሊ ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

18 ርእስና ንየሆዋ ምውፋይናን ድሕሪኡ ፍቓዱ ብምግባር ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባርናን፡ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ካብ እንገብሮ ወፈያ ዚበልጽ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ስጋዊ ሃብቲ ንምድላብ ውፉያት እኳ እንተ ዀኑ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ግን ኣይረኽቡን እዮም። እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዚውፍዩ ግን፡ ነባሪ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። (ማቴ. 6:24) “መዓይይቲ ኣምላኽ” ብምዃን ዚረኽብዎ ኽብሪ የሐጕሶም እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ነቲ መማሰዊ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንዕዮ ኣይኰኑን ውፉያት ዚዀኑ። (1 ቈረ. 3:9) ነቲ ርእሰ-መስዋእታዊ ህይወቶም፡ ከም የሆዋ ገይሩ ዜማስወሉ ዋላ ሓደ የልቦን። እቶም እሙናቱ ንሓዋሩ ኻብኡ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሉ፡ ናብ ንእስነቶም ኪመልሶም እዩ።—እዮ. 33:25፣ እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

19. እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዚውፍዩ እንታይ ፍሉይ መሰል እዮም ዚረኽቡ፧

19 ህይወትካ ንየሆዋ ምውፋይካ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዚህልወካ ይገብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል። (ያእ. 4:8፣ መዝ. 25:14) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ በቲ ናይ የሆዋ ንምዃን እንገብሮ ምርጫ ስለምንታይ ክንተኣማመን ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” የሱስ፡ ክሳዕ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ደቂ ኣምላኽ ኣይኰኑን እዮም። ይኹን እምበር፡ ርእሶም ንየሆዋ ስለ ዝወፈዩ፡ ንኣምላኽ “ኣቦ” ኢሎም ኪጽውዕዎን ከም ኣባላት እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ስድራ ቤት ጌርካ ኺረኣዩን ይኽእሉ እዮም።—ዮሃ. 10:16፣ ኢሳ. 64:8፣ ማቴ. 6:9፣ ራእ. 20:5

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ርእስና ንኣምላኽ ብምውፋይና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧

• ክርስትያናት ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባርና፡ ናብ ነባሪ ሓጐስ ይመርሓና