ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ ምዃን፡ ጸጋ እዩ

ናይ የሆዋ ምዃን፡ ጸጋ እዩ

ናይ የሆዋ ምዃን፡ ጸጋ እዩ

“ናይ የሆዋ ኢና።”—ሮሜ 14:8 NW።

1, 2. (ሀ) እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም” ኪብሎም ከሎ፡ ብሓቂ ኽቡር መሰል እዩ ኣቕሪቡሎም ነይሩ። (ዘጸ. 19:5) ሎሚ ዘለዉ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን፡ ናይ የሆዋ ብምዃን ክቡር መሰል ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 2:9፣ ራእ. 7:9, 14, 15) እዚ ፍሉይ መሰል እዚ፡ ንዘለኣለም ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

2 ናይ የሆዋ ምዃን፡ ፍሉይ መሰል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሓላፍነት እውን እዩ። ገሊኦም፡ ‘የሆዋ ኽገብሮ ዚጽበየኒ ነገር ክገብር እኽእልዶ፧ ኣብ ሓጢኣት እንተ ወዲቐ፡ ይድርብየኒ ድዩ፧ ናይ የሆዋ ምዃነይ፡ ናጽነተይ የስእነኒ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ነዚ ዜተሓሳስብ ነጥብታት ክንምርምሮ ኢና። ፈለማ ግን፡ ‘ናይ የሆዋ ምዃን ዜምጽኦ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧’ ንእትብል ሕቶ ተጠንቂቕና ኽንምርምራ ኢና።

ናይ የሆዋ ምዃን፡ ናብ ሓጐስ ይመርሕ

3. ረሃብ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበረቶ ውሳነ ብኸመይ ጠቒምዋ፧

3 ናይ የሆዋ ዝዀኑ ሰባት፡ በዚ ውሳነኦም ይጥቀሙ ድዮም፧ ነታ ኣብ ያሪኮ ኣመንዝራ ዀይና እትነብር ዝነበረት ረሃብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ፡ ነቶም ጽዩቓት ኣማልኽቲ ከነኣን ተምልኽ ምንባራ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ዓወታት ምስ ሰምዐት፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተውዓለት። ስለዚ፡ ነቶም ካብ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ንምዕቋብ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወት፣ በዚ ኸምዚ ድማ መጻኢ ህይወታ ኣብ ኢዶም ኣንበረት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧” ይብል። (ያእ. 2:25) ክፍሊ እቲ ብሕጊ ኣምላኽ ኣቢሉ መገዲ ፍቕርን ፍትሕን እተማህረ ንጹህ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኰነት ዝረኸበቶ ጥቕምታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ህይወታ ምሕዳጋ፡ ብዙሕ ኣሐጒስዋ ኪኸውን ኣለዎ። ንሓደ እስራኤላዊ ተመርዓወት፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ ቦኣዝ ዝስሙ ወዳ ምስ ዓበየ፡ ፍልይ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰነ።—እያ. 6:25፣ ሩት 2:4-12፣ ማቴ. 1:5, 6

4. ሩት ካብቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበረቶ ውሳነ ብኸመይ ተጠቒማ፧

4 ሩት እታ ሞኣባዊት እውን ንየሆዋ ኸተገልግል ወሰነት። ንእሽቶ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንከሞሽን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሞኣብን ተምልኽ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ ጸኒሓ ግን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ፈለጠቶ፡ ተሰዲዱ ናብ ዓዳ ምስ ዝመጸ እስራኤላዊ ድማ ተመርዓወት። (ሩት 1:1-6 ኣንብብ።) ድሕሪ ግዜ፡ ሩትን ዖርጳ እትበሃል ሰበይቲ ሓሙታን፡ ምስ ናእሚ ሓማተን ናብ ቤት-ልሄም ኪኸዳ ምስ ነቐላ፡ ናእሚ ንኽልቲአን እተን መንእሰያት ዝነበራ ኣንስቲ ናብ ዓደን ኪምለሳ ተማሕጸነተን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ እስራኤል ከይደን ኪነብራ፡ ቀሊል ዘይምዃኑ ነገረተን። ዖርጳ ‘ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመልሰት፡’ ሩት ግን ኣይተመልሰትን። ብእምነት ስጕምቲ ወሰደት፡ ናይ መን ክትከውን ከም እትደሊ ድማ ትፈልጥ ነበረት። ንናእሚ ኸኣ፡ “ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ አይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሐድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:15, 16) ንየሆዋ ንምግልጋል ውሳነ ብምግባራ፡ ካብቲ ንመበለታትን ንድኻታትን መሬት ንዘይብሎም ሰባትን ፍሉይ መሰናድዎ ዝነበሮ ሕጊ ኣምላኽ ተጠቕመት። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ፡ ሓጐስን ዕቝባን ደሓንን ረኸበት።

5. ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ሰባት እንታይ ተዓዚብካ፧

5 ርእሶም ንየሆዋ ድሕሪ ምውፋዮም፡ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ውልቀ-ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። ንየሆዋ ብምግልጋሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ሕተቶም። ጸገማት ዘየጓንፎ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዘየለ፡ “እቲ የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ” ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓያሎ መርትዖታት ግን ኣሎ።—መዝ. 144:15 NW።

የሆዋ ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣለዎ

6. ነቲ የሆዋ ዚጽበየና ነገራት ክንገብሮ ዘይንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

6 ነቲ የሆዋ ዚጽበየካ ነገራት ክትገብር ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትሓስብ ትኸውን። ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃንን ብሕጉ ምንባርን ብስሙ ምዝራብን ዜምጽኦ ሓላፍነት፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሙሴ ንእስራኤላውያንን ንንጉስ ግብጽን ኪዛረቦም ምስ ተላእከ፡ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣምላኽ ግን ንሙሴ ልዕሊ ዓቕሙ ኺገብር ኣይተጸበዮን። ‘እንታይ ከም ዚገብር ከኣ መሃሮ።’ (ዘጸኣት 3:11፣ 4:1, 10, 13-15 ኣንብብ።) ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ሓገዝ ስለ እተቐበሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ሓጐስ ረኸበ። የሆዋ ንዓና እውን ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። ዘይፍጹማት ምዃንና ይርዳእ፡ ኪሕግዘና እውን ይደሊ እዩ። (መዝ. 103:14) ከም ሰዓቢ የሱስ መጠን ንኣምላኽ ምግልጋል፡ ንኻልኦት ዚጠቅምን ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስን ስለ ዝዀነ፡ ዕረፍቲ ደኣ እዩ ዜምጽእ እምበር፡ ጾር ኣይኰነን። የሱስ፡ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ . . . ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ” በለ።—ማቴ. 11:28, 29

7. የሆዋ ነቲ ኻባኻ ዚጽበዮ ዘበለ ኽትገብር ከም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

7 ብርታዐ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽሳዕ እተወከልና፡ ዜድልየና ዘበለ መተባብዒ ወትሩ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ኤርምያስ ብተፈጥሮኡ ተዛራባይ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ንኤርምያስ ነብዪ ኪኸውን ኪልእኾ ኸሎ፡ “ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ” በለ። ጸኒሑ እውን፡ “ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ኢሉ እዩ። (ኤር. 1:6፣ 20:9) ኰይኑ ግን፡ ካብ የሆዋ ብዝረኸቦ መተባብዒ፡ ን40 ዓመት ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ ኺሰብኽ ክኢሉ እዩ። የሆዋ ብተደጋጋሚ፡ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ” ኢሉ ኣተባቢዕዎ እዩ።—ኤር. 1:8, 19፣ 15:20

8. እምንቶና ኣብ የሆዋ ኸም እንገብር ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

8 ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ንኤርምያስን ዘበራትዖም፡ ሎሚ እውን ካባና ዚጽበዮ ነገር ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ነዚ ንምርካብ ዜድሊ ቐንዲ ረቛሒ፡ ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ይብል። (ምሳ. 3:5, 6) ካብቲ የሆዋ ብቓሉን ብጉባኤኡን ኣቢሉ ዚህቦ ሓገዝ ንጥቀም እንተ ዄንና፡ እምንቶና ኣብ የሆዋ ኸም እንገብር ነርኢ ኢና። የሆዋ ንስጕምትታት ህይወትና ኺመርሓልና ንፈቕደሉ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ እሙናት ከይንኸውን ኪዓግተና ዚኽእል ዋላ ሓደ ነገር የለን።

የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይሓልየሎም

9, 10. ኣብ መበል 91 መዝሙር፡ እንታይ ዓይነት ዕቝባ ኸም እንረክብ እዩ መብጽዓ ተኣትዩልና ዘሎ፧

9 ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ርእሶም ንየሆዋ ንምውፋይ ዚገብርዎ ውሳነ ኺሓስቡ ኸለዉ፡ ከይሓጥኡን ዘይብቑዓት ከይኰኑን ብየሆዋ ተቐባልነት ከይስእኑን የተሓሳስቦም ይኸውን። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ የሆዋ ነቲ ምስኡ ዘሎና ኽቡር ርክብ ንምሕላው ዜድልየና ዘበለ ዕቝባ ይገብረልና እዩ። እዚ ኣብ መበል 91 መዝሙር ብኸመይ ተገሊጹ ኸም ዘሎ እስከ ንርአ።

10 እታ መዝሙር እቲኣ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ትጅምር፦ “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፡ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፡ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፡ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ . . . ኬናግፈካ እዩ።” (መዝ. 91:1-3) የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ዚውከልዎን ኬዕቍቦም ከም እተመባጽዐ ኣስተብህል። (መዝሙር 91:9, 14 ኣንብብ።) እንታይ ዓይነት ዕቝባ ግን እዩ ዚገብረሎም፧ ንገሊኦም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ኣካላዊ ዕቝባ ገይሩሎም እዩ፣ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከምኡ ዝገበረ፡ ነቲ ናብቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ንኺሕሉ ኢሉ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ብዙሓት እሙናት ሰባት ብሰንኪ እቲ ሰይጣን ንተኣማንነቶም ንምብልሻው ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ተኣሲሮምን ተሰቅዮምን ተቐቲሎምን እዮም። (እብ. 11:34-39) የሆዋ፡ ንጽህናኦም ምእንቲ ኸይበላሾ ኢሉ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዘዕቈቦም ግን፡ ነቲ መከራ ንምጽዋር ዜኽእሎም ትብዓት ረኺቦም እዮም። ስለዚ፡ መበል 91 መዝሙር፡ ንመንፈሳዊ ዕቝባ እተኣትወ መብጽዓ ኸም ዝዀነት ጌርና ኽንርድኣ ንኽእል ኢና።

11. “ጸግዒ እቲ ልዑል” እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ኣብኡ ዜዕቍቦምከ ንመን እዩ፧

11 እምበኣር፡ እቲ በቲ ጸሓፍ መዝሙር ተጠቒሱ ዘሎ “ጸግዒ እቲ ልዑል፡” ንሓደ መንፈሳዊ ዕቝባ ዚርከበሉ ምሳልያዊ ቦታ እዩ ዜመልክት። እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንእምነቶምን ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕርን ዜስግእ ነገራት ዕቝባ ይረኽቡ እዮም። (መዝ. 15:1, 2፣ 121:5) ዘይኣመንቲ ነዚ ጸግዒ እዚ ኼስተውዕልዎ ስለ ዘይክእሉ ኸኣ፡ ስቱር እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ነቶም፡ ‘ንስኻ ዝውከሎ ኣምላኸይ ኢኻ’ ዚብልዎ እዩ ዜዕቍቦም። ካብዚ ጸግዒ እዚ እንተ ዘይወጺእና፡ ኣብ መጻወድያ እቲ “ሃዳናይ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ከይንወድቕን ሞገስ ኣምላኽ ከይንስእንን ኣይክንሻቐልን ኢና።

12. ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሹ ዚኽእል እንታይ ሓደጋታት ኣሎ፧

12 ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኬበላሹ ዚኽእል እንታይ ሓደጋታት ኣሎ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዙሕ ሓደጋታት ጠቒሱ ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ፡ “ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፡ [ከምኡውን] ብቐትሪ ዜባድም ሕማም” ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝ. 91:5, 6) እቲ “ሃዳናይ” ንብዙሓት ሰባት፡ በቲ ብርእሶም ኪምርሑ ዘለዎም ድሌት ገይሩ ኣብ መጻወድያ ኣእትይዎም እዩ። (2 ቈረ. 11:3) ንገሊኦም ብስስዐን ብትዕቢትን ብፍቕረ-ንዋይን ገይሩ ይፍንጥሮም እዩ። ንገሊኦም ከኣ ብኸም ሃገራውነትን ፍልቀትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝኣመሰለ ጥበብ ዓለም ወይ ፍልስፍና ገይሩ የታልሎም እዩ። (ቈሎ. 2:8) ብዙሓት እውን ኣብ መጻወድያ ጾታዊ ርኽሰት ወዲቖም እዮም። ብሰንኪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ፌራ፡ ሚልዮናት ሰባት ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ኣጥፊኦም እዮም።—መዝሙር 91:7-10 ኣንብብ፣ ማቴ. 24:12

ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ትሕልዋ፧

13. የሆዋ ኻብቲ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገራት ብኸመይ እዩ ዚሕልወና፧

13 የሆዋ ንህዝቡ ኻብዚ መንፈሳዊ ሓደጋታት እዚ ብኸመይ ይሕልዎም፧ እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ መዝሙር ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ” ትብል። (መዝ. 91:11) ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ምእንቲ ኽንክእል፡ ሰማያውያን መላእኽቲ ይመርሑናን የዕቍቡናን እዮም። (ራእ. 14:6) ብዘይካዚ እውን፡ ክርስትያን ሽማግለታት ኣብ ትምህርቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጽኒዖም ብምሓዝ፡ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ኸይንጥበር ይሕልዉና እዮም። ዓለማዊ ኣረኣእያ ኼሰንፉ ንዚቃለሱ ሰባት፡ ብውልቂ ሓገዝ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። (ቲቶ. 1:9፣ 1 ጴጥ. 5:2) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ብትምህርቲ ፍልቀት፡ ብርኹስ ትምኒታት፡ ደድሕሪ ሃብትን ዝናን ብምጕያይ፡ ብእተፈላለየ ኻልእ ጐዳኢ ትምኒታትን ጽልዋታትን ምእንቲ ኸይንታለል፡ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ንዓኻኸ ኻብዚ ሓደጋታት እዚ ንኽትሕሎ ዝሓገዘካ እንታይ እዩ፧

14. ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ዕቝባ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

14 ካብቲ ስቱር “ጸግዒ” ኣምላኽ ንኸይንወጽእ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ከምቲ ኻብ ሓደጋታት፡ ካብ ገበነኛታት፡ ወይ ካብ ሕማም ንኽንሕሎ ወትሩ ንርእስና ኽንከላኸል ዜድልየና፡ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ንኽንሕሎ እውን ወትሩ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ብጽሑፋትናን ብክርስትያናዊ ኣኼባታትናን ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኣዘውቲርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ካብ ሽማግለታት፡ ምኽሪ ኽንሓትት ኣሎና። ካብቲ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜርእይዎ እተፈላለየ ባህርያት እውን ንጥቀም ኢና። እወ፡ ምስ ጉባኤ ዘሎና ሕብረት፡ ጠቢባን ንኽንከውን ይሕግዘና እዩ።—ምሳ. 13:20፣ 1 ጴጥሮስ 4:10 ኣንብብ።

15. የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሞገሱ ዜጥፍኣልካ ነገር ኬዕቍበካ ኸም ዚኽእል ስለምንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

15 የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሞገሱ ዜጥፍኣልና ነገር ኬዕቍበና ኸም ዚኽእል ኣይንጠራጠርን ኢና። (ሮሜ 8:38, 39) ንጉባኤኡ ኻብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኪቐትሉና ዘይኰነስ፡ ካብቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኪፈልዩና ዝዓለሙ ሓያላት ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ጸላእቲ ኣዕቊብዋ እዩ። እቲ የሆዋ፡ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ።—ኢሳ. 54:17

ናጽነት ዚህበና መን እዩ፧

16. ዓለም ናጽነት ክትህበና ዘይትኽእል ስለምንታይ እያ፧

16 ናይ የሆዋ ምዃንና፡ ናጽነትና የስእነና ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ናይ ዓለም ምዃን እዩ ናጽነትና ዜስእነና። ዓለም ካብ የሆዋ ርሒቓ፡ በቲ ንደቂ ሰብ ባሮት ዚገብር ሕሱም ኣምላኽ እያ እትግዛእ ዘላ። (ዮሃ. 14:30) ንኣብነት፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ሰይጣን፡ ብቝጠባዊ ጸቕጢ ገይሩ ንደቂ ሰብ ናጽነቶም ከም ዚስእኑ ይገብሮም እዩ። (ምስ ራእይ 13:16, 17 ኣረኣኢ።) ሓጢኣት እውን ንሰባት ኣዐሽዩ ባሮት ኪገብሮም ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 8:34፣ እብ. 3:13) ስለዚ፡ ዘይኣመንቲ ሰባት ነቲ ምስ ትምህርትታት የሆዋ ዘይሰማማዕ ኣነባብራ ኼወዓውዑ ኸለዉ ናጽነት ዚመባጽዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዓታቶም ዚሰምዕ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ባርያ ሓጢኣትን ኣደዳ ብልሹው ናብራን እዩ ዚኸውን።—ሮሜ 1:24-32

17. የሆዋ እንታይ ናጽነት እዩ ዚህበና፧

17 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ርእስና ንየሆዋ እንተ ሂብና፡ ንሱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዚጐድኣና ነገራት ናጻ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ኵነታትና፡ ብእተወሰነ መዳይ ምስ ሓደ ኻብ ሞት ንምድሓን ኢሉ ንህይወቱ ኣብ ኢድ መጥባሕቲ ዚገብር ክኢላ ሓኪም ዝሓደገ ሰብ ይመሳሰል እዩ። ኵላትና ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ንህይወትና ዜስግእ እዩ። ብመሰረት መስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢልና ርእስና ንየሆዋ እንተ ሂብና ጥራይ ኢና፡ ካብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣምሊጥና፡ ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእል። (ዮሃ. 3:36) ከምቲ ብዛዕባ እቲ ሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም ዘለዎ ጽቡቕ ስም ብዝፈለጥና መጠን፡ ኣብኡ ዘሎና ምትእምማን ዚውስኽ፡ ብዛዕባ የሆዋ እውን ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ኣብኡ ዘሎና ምትእምማን ይዓቢ እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ፍቕሪ ምእንቲ ኸነሕድር፡ በዚ ኣቢልና ኸኣ ነቲ ናቱ ኻብ ምዃን ኪዓግተና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ፍርሂ ምእንቲ ኸነጥፍእ፡ ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቕና ኻብ ምጽናዕ ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና።—1 ዮሃ. 4:18

18. እቶም ናይ የሆዋ ዚዀኑ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧

18 የሆዋ ንዅሎም ሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። ቃሉ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ።” (ዘዳ. 30:19, 20) የሆዋ በቲ ብምርጫና ኸነገልግሎ እንገብሮ ውሳነ ኣቢልና፡ ፍቕርና ኽንገልጸሉ ይደሊ እዩ። ናይቲ እነፍቅሮ ኣምላኽ ምዃንና፡ ናጽነትና ኣብ ክንዲ ዜስእነና፡ ቀጻሊ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና።

19. ናይ የሆዋ ምዃን፡ ጸጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 ሓጥኣን ስለ ዀንና፡ ናይቲ ፍጹም ኣምላኽ ክንከውን ዚግብኣና ኣይኰንናን። ሳላ ጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ነዚ ኽንበጽሖ እንኽእል። (2 ጢሞ. 1:9) ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብህይወት እንተ ነበርና፡ [“ንየሆዋ፡” NW] ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ [“ንየሆዋ፡” NW] ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ [“የሆዋ፡” NW] ኢና።” (ሮሜ 14:8) ብምርጫና ናይ የሆዋ ብምዃንና፡ ፈጺምና ኣይክንጠዓስን ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ናይ የሆዋ ምዃን እንታይ ጥቕሚ የምጽእ፧

• ነቲ ኣምላኽ ትጽቢት ዚገብረልና ነገራት ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• የሆዋ ንኣገልገልቱ ዕቝባ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ

ንሰባት፡ ናይ የሆዋ ብምዃኖም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ሕተቶም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ዕቝባ ዚገብረልና ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧