ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃንካ ኣመስክር

ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃንካ ኣመስክር

ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃንካ ኣመስክር

“እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።”—ማቴ. 7:17

1, 2. ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኻብቶም ናይ ሓሶት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧

 የሱስ፡ እቶም ብሓሶት ከም ዜገልግልዎ ዚዛረቡ ሰባት ካብቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ብፍረኦም፡ ማለት ብትምህርቶምን ብኣካይዳኦምን ከም ዚፍለዩ ገለጸ። (ማቴ. 7:15-17, 20) ሰባት በቲ ናብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ዜእትውዎ ነገራት ይጽለዉ እዮም። (ማቴ. 15:18, 19) ስለዚ፡ እቶም ሓሶት ዚምገቡ፡ “ክፉእ ፍረ” ኼፍርዩ ኸለዉ፡ እቶም መንፈሳዊ ሓቂ ዚምገቡ ኸኣ “ጽቡቕ ፍረ” እዮም ዜፍርዩ።

2 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ እቲ ኽልተ ዓይነት ፍረ ብንጹር ይርአ ኣሎ። (ዳንኤል 12:3, 10 ኣንብብ።) ናይ ሓሶት ክርስትያናት ብዛዕባ ኣምላኽ ጠዋይ ዝዀነ ኣረኣእያ ዘለዎምን ኣምሰሉ ዝዀነ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዜርእዩን ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ግን፡ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” እዮም ዜምልኽዎ። (ዮሃ. 4:24፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ባህርያት ኬንጸባርቑ ድማ እዮም ዚጽዕሩ። ብደረጃ ውልቀ-ሰብከ ኸምኡዶ ንገብር ኣለና፧ ቀጺልካ ነተን ሓሙሽተ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክትምርምር ከለኻ፡ ‘ዘርእዮ ጠባይን ዝምህሮ ትምህርትን ምስ ቃል ኣምላኽ ዚቃዶን ንኻልኦት ናብ ሓቂ ኸም ዚስሓቡ ዚገብርን ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ብቓል ኣምላኽ ተመራሕ

3. ንኣምላኽ ዜሐጕሶ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚጠልብ፧

3 የሱስ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ። (ማቴ. 7:21) ንየሆዋ ዜሐጕሶ፡ ክርስትያን ከም ዝዀንካ ምዝራብ ዘይኰነስ፡ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘለዎም ምግባር እዩ። ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወቶም ነቲ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘለዎም ይገብሩ እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ ንገንዘብ፡ ንዓለማዊ ስራሕ፡ ንመዘናግዒ፡ ንዓለማዊ ልምድታትን በዓላትን፡ ንመርዓ፡ ከምኡውን ምስ ሰባት ንዘለዎም ካልእ ርክባት የጠቓልል። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት፡ እታ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዝያዳ ኻብ ኣምላኽ እናረሓቐት ትኸይድ ዘላ ዓለም እተንጸባርቖ ኣተሓሳስባን መገድታትን እዮም ዚቕበሉ።—መዝ. 92:7

4, 5. ነቲ ኣብ ሚልክያስ 3:18 ዚርከብ ቃላት የሆዋ ኣብ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ነብዪ ሚልክያስ፡ “ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚል. 3:18) ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘ምስ ዓለም ተመሳሲለ ድየ ዝነብር ወይስ ካብኣ እተፈለኹ እየ፧ ንዓለማውያን መሳርሕተይ ወይ መማህርተይ ክመስል ድየ ዝጽዕር ወይስ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እሕሉን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እጣበቐሉን እየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (1 ጴጥሮስ 3:16 ኣንብብ።) ተመጻደቕቲ ኽንከውን እኳ እንተ ዘይብልና፡ ካብቶም ንኣምላኽ ዘየፍቅሩን ዘየገልግሉን ሰባት ግን እተፈልየ መትከል ኪህልወና ኣለዎ።

5 ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ክትገብር እንተ ኣድልዩካ፡ ብዛዕባኡ ስለምንታይ ዘይትጽሊ፧ ብዘይካዚ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር፡ ብምጽላይ፡ ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል መንፈሳዊ ብርታዐ ኽትረክብ ስለምንታይ ዘይትጽዕር፧ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልካዮ መጠን፡ “ንስሙ [ንስም ኣምላኽ] ዚእመና ፍረ ኸናፍር” እውን ሓዊስካ፡ “ጽቡቕ ፍረ” ኸተፍሪ ኢኻ።—እብ. 13:15

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ስበኽ

6, 7. ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ዝመጸ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ናይ ሓሶት ክርስትያናትን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

6 የሱስ፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃ. 4:43) ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ መልእኽቲ ኣገልግሎቱ ዝገበራ ስለምንታይ እዩ፧ ንጉስ እታ መንግስቲ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ምስቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋቱ ዀይኑ፡ ጠንቂ ዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ንዝዀኑ ሓጢኣትን ድያብሎስን ከም ዜወግዶም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 5:12፣ ራእ. 20:10) ስለዚ፡ ንሰዓብቱ ኽሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኺሰብኩ ኣዘዞም። (ማቴ. 24:14) እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘይኰኑ ሰባት ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣይካፈሉን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪካፈሉ እውን ኣይክእሉን እዮም። ስለምንታይ፧ እንተ ወሓደ ሰለስተ ምኽንያት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና፣ ቀዳማይ፡ ነቲ ባዕሎም ኪርድእዎ ዘይክእሉ ነገር ኪሰብኩ ኣይክእሉን እዮም። ካልኣይ፡ መብዛሕቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንብጻዮም ኪነግሩ ኸለዉ ንዜጋጥሞም ላግጽን ምጽራርን ኪዋጽእሉ ዜኽእሎም ትሕትናን ትብዓትን የብሎምን። (ማቴ. 24:9፣ 1 ጴጥ. 2:23) ሳልሳይ ከኣ፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት መንፈስ ኣምላኽ የብሎምን።—ዮሃ. 14:16, 17

7 ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ግን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ነቲ እትገብሮ ነገራትን ይርድእዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ ብሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባኣ ብምእዋጅ፡ ንረብሓታት እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ይህብዎ እዮም። (ዘካርያስ 4:6) ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣዘውቲርካ ትካፈልዶ ኣለኻ፧ ከም ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ምናልባት ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ብምሕላፍ ወይ ከኣ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብምዃን ምምሕያሽ ትገብርዶ ኣለኻ፧ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ መገዲ ብምጥቃም ነቲ ኣገልግሎቶም ዚፍጽሙሉ መገዲ ኣመሓይሾምዎ እዮም። እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ናይ ምርዳእ ልምዲ ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብ. 4:12፣ ግብ. 17:2, 3

8, 9. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትና መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነት ዜጕልሕ ተመክሮታት ኣዘንቱ። (ለ) ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ሓደ ሓው ካብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግል ከሎ፡ ንሓደ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ፡ ዳንኤል 2:44 ኣንበበሉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እተምጽኦ ናይ ሓቂ ሰላምን ድሕንነትን ድማ ገለጸሉ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሰብኣይ፡ “ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብቓልካ ኣብ ክንዲ እትነግረኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ስለ ዘርኣኻኒ ኣዝየ እየ ዘመስግነካ” በሎ። ሓደ ኻልእ ሓው ንሓንቲ ሰዓቢት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበበላ፡ ብዙሕ ሕቶታት ሓተተቶ። ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ድማ ነቲ ሕቶታታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰላ። ጸኒሓ እታ ሰበይቲ፡ “ስለምንታይ ክሰምዓኩም ፍቓደኛ ኸም ዝዀንኩ ትፈልጡዶ፧ ናብ ቤተይ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝኩም መጺእኹም ካብኡ ስለ ዘንበብኩምለይ እዩ” በለቶም።

9 ብርግጽ፡ ጽሑፋትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከነበርክቶ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ቀንዲ መሳርሒና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ኣዘውቲርካ ዘይትጥቀመሉ እንተ ደኣ ኔርካ፡ ካብ ብሕጂ ኽትጥቀመሉ ስለምንታይ ሸቶ ዘይተውጽእ፧ ምናልባት ብዛዕባ መንነት መንግስቲ ኣምላኽን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ዜጨንቖም ጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖን ዚገልጽ ጥቕስታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እትሰብከሉ እዋን ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኣቐዲምካ ተዳሎ።

ንስም ኣምላኽ ብሓበን ጹር

10, 11. ንስም ኣምላኽ ብምጥቃም ዝመጸ፡ ኣብ መንጎ የሱስን እቶም ከም ዚስዕብዎ ዚገልጹ ሰባትን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

10 “ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል [“የሆዋ፡” NW] ኣነውን ኣምላኽ እየ።” (ኢሳ. 43:12) እቲ ልዕሊ ዅሉ ምስክር የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንስም ኣምላኽ ምጻርን ከም ዚፍለጥ ምግባርን ከም ፍሉይ መሰል ገይሩ ይርእዮ ነበረ። (ዮሃንስ 17:6፣ እብራውያን 2:12 ኣንብብ።) ንስም ኣቦኡ ይእውጅ ስለ ዝነበረ፡ “እሙን ምስክር” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ።—ራእ. 1:5፣ ማቴ. 6:9

11 ብኣንጻሩ ግን፡ ንኣምላኽን ንወዱን ከም ዚውክሉ ዚገልጹ ብዙሓት ሰባት፡ ንስም ኣምላኽ ካብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱሶም እውን ከይተረፈ ብምውጻእ ንዕቐት ዝመልኦ ኣረኣእያ ኣርእዮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ንኣቡናት ካቶሊክ፡ ኣብ ግዜ ቕዳሰ “ነቲ ቴትራግራማተን ተባሂሉ ዚፍለጥ የሀወሀ ብዚብላ ፊደላት ዚጸሓፍ ስም ኣምላኽ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ኰነ ኺድመጽ የብሉን” ዚብል መምርሒ ተዋህቦም። a ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!

12. ብ1931 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝያዳ ብስሙ ኺፍለጡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ክርስትያናት፡ ክርስቶስን እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ “ደበና ምስክር”ን ንዝሓደግዎ ኣብነት ብምቕዳሕ፡ ንስም ኣምላኽ ብሓበን ይጥቀምሉ እዮም። (እብ. 12:1) ብ1931 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ስለ እተቐበሉ፡ ዝያዳ ብስም ኣምላኽ ኪፍለጡ ኽኢሎም እዮም። (ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ‘ስም ኣምላኽ ኣባታቶም ተጸዊዑ’ እዩ።—ግብ. 15:14, 17

13. ምስቲ ኣምላኽ ዝሃበና ስም ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ምስቲ ፍሉይ ዝዀነ ስምና ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብቐዳምነት፡ ንስም ኣምላኽ ብተኣማንነት ክንጸውር ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:13-15) ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ዘበገሶ ኸም ገሃነም እሳት ዝኣመሰለ ንፈጣሪና ዜካፍእ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ትምህርትታት፡ ብጥበብ ከነቃልዖ ኣሎና።—ኤር. 7:31፣ 1 ዮሃ. 4:8፣ ማር. 9:17-27

14. ገሊኦም ንስም ኣምላኽ ምስ ፈለጡ፡ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

14 ንስም እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ብምጻርካ ትሕበን ዲኻ፧ ካልኦት ነቲ ቕዱስ ስም ኪፈልጥዎ ትሕግዞም ዲኻ፧ ሓንቲ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ እትነብር ሰበይቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስም ኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ምስ ሰምዐት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳ ነቲ ስም ከተርእያ ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሓተተታ። እታ ሓብቲ መዝሙር 83:18 ምስ ኣንበበትላ፡ ኣዝያ ተገረመት፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከኣ ጀመረት። ሕጂ ኣብ ካልእ ሃገር ብተኣማንነት ንየሆዋ ተገልግል ኣላ። ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ፡ ንፈለማ እዋን ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣየት፡ ብሓጐስ ነብዐት። ክሳዕ ሎሚ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብ ጃማይካ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱሳ ስም ኣምላኽ ምስ ኣርኣይዋ፡ ብሓጐስ ነብዐት። ስለዚ፡ ብሓበን ንስም ኣምላኽ ጹር፡ የሱስ ንዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ድማ እዚ ፍሉይ ስም እዚ ኣብ ኵሉ ኸም ዚፍለጥ ግበር።

“ንዓለም . . . ኣይትፍተዉ”

15, 16. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንዓለም ብኸመይ እዮም ዚርእይዋ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧

15 “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።” (1 ዮሃ. 2:15) ዓለምን እቲ ኣብኣ ዚርአ ስጋዊ መንፈስን ምስ የሆዋን መንፈስ ቅዱሱን ዚጻረር እዩ። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ ዓለም ጥራይ ኣይኰኑን ዚርሕቁ። ከምቲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ዝጸሓፎ፡ “ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ” ኸም ዝዀነ ስለ ዚፈልጡ፡ ካብ ልቦም ንዓለም ይነጽግዋ እዮም።—ያእ. 4:4

16 ኣብዛ ማእለያ ዘይብሉ ፈተናታት እተቕርብ ዓለም ኴንካ፡ ናብቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምኽሪ ምቕላብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 4:10) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ኣብ ክንዲ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለየ። (ዮሃ. 17:15, 16) ‘ካብ ዓለም ከይከውን እጽዕር ድየ፧ ካልኦት ብዛዕባ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓላትን ልምድታትን ኰነ ብዛዕባ እቲ ኣረማዊ መበቈል ዘይብሉ ግን ከኣ ብንጹር ንመንፈስ ዓለም ዜንጸባርቕ ነገራት ዘሎኒ መትከል ይፈልጡ ድዮም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።—2 ቈረ. 6:17፣ 1 ጴጥ. 4:3, 4

17. እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ንኺብሉ ኺድርኾም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

17 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት እምነትና ኣብዛ ዓለም ተፈተውቲ ዘይገብረና እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ተገዳስነት ከም ዚሓድሮም ኪገብር ይኽእል እዩ። እወ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ እምነትና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑን ንዅሉ መዳይ ህይወትና ኸም ዜጠቓልልን ምስ ረኣዩ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ነቶም ቅቡኣት፡ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ኺብልዎም እዮም።—ዘካ. 8:23

ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣርኢ

18. ንየሆዋን ንብጻይካን ምፍቃር እንታይ የጠቓልል፧

18 የሱስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኸምኡውን “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴ. 22:37, 39) እዛ ፍቕሪ እዚኣ (ብግሪኽኛ ኣጋፐ)፡ ንሓላፍነትን ስርዓትን ግቡእን ዝሓቘፈት ስነ-ምግባራዊት ፍቕሪ እያ፣ ኰይኑ ግን፡ ሓያል ስምዒት እውን ኣለዋ። እወ፡ ምዉቕን ሓያልን ስምዒት ተንጸባርቕ እያ። (1 ጴጥ. 1:22) ብቓል ኰነ ብግብሪ ርእሰ-መስዋእቲ ስለ እተንጸባርቕ፡ ካብ ስስዐ ኣዝያ እተፈልየት እያ።—1 ቈረንቶስ 13:4-7 ኣንብብ።

19, 20. ክርስትያናዊት ፍቕሪ፡ ሓይሊ ኸም ዘለዋ ዜርኢ ገለ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

19 ፍቕሪ፡ ሓንቲ መዳይ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት፡ ክርስትያናት ነቲ ኻልኦት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ኸም ዓሌታውን ባህላውን ፖለቲካውን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ንኺሰግሩ ተኽእሎም እያ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ፣ ገላትያ 5:22) እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ኣዝዮም ይትንከፉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ እስራኤል ዚነብር ኣይሁዳዊ መንእሰይ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ ተኻፈለ፡ ኣይሁድን ኣዕራብን ዝዀኑ ኣሕዋት ሓቢሮም ንየሆዋ ኼምልኹ ብምርኣዩ ተገረመ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈልን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ጀመረ። ንኣሕዋትካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ፍቕሪ ተርኢ ዲኻ፧ እተፈላለየ ዜግነት፡ ሕብሪ ቘርበት፡ ወይ ማሕበራዊ ናብራ ዘለዎም ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጹ ኸለዉ፡ ፍቕርኻ ኸተርእዮም ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧

20 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ንዅሉ ሰብ ፍቕሪ ኸነርኢ ንጽዕር ኢና። ኣብ ኤል ሳልቫዶር እትነብር መንእሰይ ኣስፋሒት፡ ምስ ሓንቲ ንካቶሊካዊ እምነታ ኣጥቢቓ እትስዕብ ጓል 87 ዓመት ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ሓደ መዓልቲ፡ እታ ሰበይቲ ኣዝያ ስለ ዝሓመመት፡ ናብ ሆስፒታል ኣተወት። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ኣሓት ምግቢ ሒዘናላ ናብ ቤታ ኸዳ። ንሓደ ወርሒ ዚኸውን ድማ ከምኡ ገበራ። ካብ ቤተ-ክርስትያና ኺበጽሓ ዝመጸ ሰብ ግን ኣይነበረን። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ነቲ ዝነበራ ምስልታት ኣወጊዳ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ተሰናበተት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ከኣ ቀጸለት። እወ፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ሓይሊ ኣለዋ! ብቓላት ኪግለጽ ብዘይኽእል መገዲ፡ ልቢ ኽትትንክፍ ትኽእል እያ።

21. ንመጻኢና ዜተኣማምን ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

21 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ነቶም ከም ዜገልግልዎ ብሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ” ኺብሎም እዩ። (ማቴ. 7:23) ስለዚ እምበኣር፡ ንኣምላኽን ንወዱን ክብሪ ዜምጽእ ፍረ ነፍሪ። የሱስ፡ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል” በለ። (ማቴ. 7:24) እወ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ እንተ ዄንና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኢና፣ ልክዕ ከምታ ኣብ ከውሒ እተሰረተት ቤት ድማ መጻኢና ዜተኣማምን ኪኸውን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓያሎ ዘመናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ነተን ቴትራግራማተን ተባሂለን ዚፍለጣ ፊደላት፡ “ያህወህ” ኢሎም ተርጒሞምወን ኣለዉ።

ትዝክሮዶ፧

• ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ካብቶም ናይ ሓሶት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚልለዩሉ እተወሰነ ‘ፍረታት’ ጥቐስ።

• ክርስትያናዊ ፍረ ብምፍራይ ዝመጸ፡ እንታይ ዓይነት ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ ትጥቀመሉ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ካልኦት ነቲ ብዛዕባ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓላት ዘሎካ መትከል ይፈልጥዎ ድዮም፧