ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልታዊ ንኣምላኽ ኣኽብሮ

መዓልታዊ ንኣምላኽ ኣኽብሮ

መዓልታዊ ንኣምላኽ ኣኽብሮ

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፡ . . . እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝ. 143:8) ንግሆ ተንሲእካ፡ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዝወሰኸልካ ተመስግኖ ትኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ውሳነ ኣብ እተገብረሉን ገለ ስጕምቲ ኣብ እትወስደሉን እዋን፡ ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንኺመርሓካ ትልምኖ ዲኻ፧ ከምኡ ኸም እትገብር ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ “እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ምኽሪ ንስዕብ ኢና። (1 ቈረ. 10:31) መዓልታዊ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ነገራት ንየሆዋ ኬኽብሮ ወይ ኬሕስሮ ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተሓቢሩ ዘሎ፡ ሰይጣን ንኣሕዋት ክርስቶስ፡ እንተላይ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ “ለይትን መዓልትን” ከም ዚኸሶም ዚገልጽ ሓሳብ ንዝክሮ ኢና። (ራእ. 12:10) ስለዚ፡ ንሰማያዊ ኣቦና “ለይትን መዓልትን” ብምግልጋል፡ ነቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ናይ ሓሶት ክሲ መልሲ ኽንህበሉን ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶን ቈሪጽና ኢና።—ራእ. 7:15፣ ምሳ. 27:11

ቀጺልና፡ መዓልታዊ ንኣምላኽ ከነኽብሮ እንኽእለሉ ኽልተ መገድታት እስከ ንርአ። እቲ ቐዳማይ መገዲ፡ ቀዳምነት ክንህቦ ብዛዕባ ዚግባእ ነገራት እዩ ዚገልጽ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ንኻልኦት ሓልዮት ብዛዕባ ምርኣይ ዚሕብር እዩ።

ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንበር

ርእስና ንየሆዋ ብምውፋይ፡ ንዕኡ ኸነገልግሎ ኸም እንደሊ ኣርኢና ኢና። ብዘይካዚ፡ “ነንመዓልቲ፡” ካብኡ ሓሊፍና እውን ንዘለኣለም ብመገድታት የሆዋ ኸም እንመላለስ ቃል ኣቲና ኢና። (መዝ. 61:5, 8) ምስዚ መብጽዓ እዚ ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ኸም እነፍቅሮ መዓልታዊ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኸነማልኦ ዚጽበየና ሓላፍነታት ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ዘዳ. 10:12, 13) ገለ ኻብኡ ኣብታ ኣብ ገጽ 22 ዘላ  “ኻብ ኣምላኽ እተዋህበካ ሓላፍነታት” ዘርእስታ ሳጹን ተዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ሓላፍነታት እዚ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ስለ ዝዀነ፡ ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣቓልቦ ዜድልዮ ኽልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነየናይ ቀዳምነት ክንህቦ ኸም ዘሎና ብኸመይ ክንውስን ንኽእል፧

ነቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጸሎት፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ከምኡውን ንኣገልግሎት ዜጠቓልል ቅዱስ ኣገልግሎት ቀዳምነት ንህቦ ኢና። (ማቴ. 6:33፣ ዮሃ. 4:34፣ 1 ጴጥ. 2:9) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ምሉእ መዓልቲ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክንገብር ኢና እንውዕል ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መደብና ንስራሕ፡ ንትምህርቲ፡ ንእተፈላለየ ዕዮ ገዛ ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ዓለማዊ ስራሕናን ካልእ ንጥፈታትን ምስ ከም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ዝኣመሰለ ቕዱስ ኣገልግሎትና ኸይጋጮ ዝከኣለና ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ዕረፍቲ ኽንከይድ መደብ ከነውጽእ ከለና፡ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ፡ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣኼባ ወረዳ፡ ከምኡውን ኣኼባ ኣውራጃ ኸየምልጠና ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ፡ ንገሊኡ ሓላፍነታትና ምስ ካልእ ደሪብና ኽንፍጽሞ ንኽእል ንኸውን። ንኣብነት፡ ብስድራ ቤት ኴንና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከነጽሪ ንኽእል ኢና፣ ወይ ከኣ ኣብ እዋን ምሳሕ ንመሳርሕትና ወይ ንመማህርትና ኽንምስክረሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ህይወትና ንስራሕን ትምህርትን ኣዕሩኽን ዜጠቓልል ምርጫ ኽንገብር ከለና፡ ውሳነና በቲ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ኣምልኾ የሆዋ ኺጽሎ ይግባእ።—መክ. 12:13

ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ

የሆዋ ንኻልኦት ሓልዮት ከነርእዮምን ጽቡቕ ነገር ክንገብረሎምን ይደልየና እዩ። ሰይጣን ግን ስስዐ እዩ ዜተባብዕ። እዛ ብእኡ እትግዛእ ዓለም ድማ፡ ‘ብፈተውቲ ገንዘብ፡ ተድላ ብዚፈትዉ’ ኸምኡውን ‘ንስጋኦም ኢሎም ብዚዘርኡ’ ሰባት ዝመልአት እያ። (2 ጢሞ. 3:1-5፣ ገላ. 6:8) ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ዚወስድዎ ስጕምትታት ክሳዕ ክንደይ ንኻልኦት ከም ዚጸልዎም ኣየገድሶምን እዩ። እወ፡ “ግብሪ ስጋ” ኣብ ኵሉ እዩ ዚርአ ዘሎ።—ገላ. 5:19-21

እዝስ ካብቶም ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ፍቕርን ለውሃትን ሕያውነትን ዜርእዩ ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! (ገላ. 5:22) ቃል ኣምላኽ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕምና ኣብሊጽና ኽንርእዮ እዩ ዚነግረና። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ብሕታዊ ጕዳይ ዘይንኣቱ እኳ እንተ ዀንና፡ ዓሚቝ ተገዳስነት ግን ነርእዮም ኢና። (1 ቈረ. 10:24, 33፣ ፊል. 2:3, 4፣ 1 ጴጥ. 4:15) ብፍላይ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንሓልየሎም ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቶም ዘይኣመንቲ እውን ንሕግዞም ኢና። (ገላ. 6:10) ንሓደ ሰብ ሕያውነት ከተርኢ እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ኸተናዲ ትኽእልዶ፧—ነታ ኣብ ገጽ 23 ዘላ  “ሓልዮት ኣርእዮም” እትብል ሳጹን ርአ።

ኣብ እተፈልየ እዋንን ኣጋጣምን ጥራይ ኣይኰንናን ሓልዮት እነርኢ። (ገላ. 6:2፣ ኤፌ. 5:2፣ 1 ተሰ. 4:9, 10) የግዳስ፡ ዘይምሹእ እውን እንተ ዀነ፡ መዓልታዊ ንዅነታት ካልኦት ብምስትብሃል ክንሕግዞም ድሉዋት ክንከውን ዝከኣለና ንገብር ኢና። በቲ ዘሎና ግዜን ሃብትን ተመክሮን ምስትውዓልን ተጠቒምና እውን ልግስና ኸነርኢ ንደሊ ኢና። የሆዋ ድማ ንኻልኦት ክንልግሰሎም ከለና ኸም ዚባርኸና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ምሳ. 11:25፣ ሉቃ. 6:38

“ለይትን መዓልትን” ዚቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት

ንየሆዋ “ለይትን መዓልትን” ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ንኽእል ዲና፧ እወ። ኣብ ኵሉ መዳይ ኣምልኾና ስሩዕን ትጉህን ብምዃን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ግብ. 20:31) መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ብምንባብን ብምስትንታንን፡ ኣዘውቲርካ ብምጽላይ፡ ወትሩ ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል፡ ከምኡውን ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ምስክርነት ብምሃብ፡ ህይወትና ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ከም እተተኵር ክንገብራ ንኽእል ኢና።—መዝ. 1:2፣ ሉቃ. 2:37፣ ግብ. 4:20፣ 1 ተሰ. 3:10፣ 5:17

ብብሕትና ንየሆዋ ኸምዚ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት ነቕርበሉዶ ኣለና፧ ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ኸነሐጕሶን ነቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ኽስታት ክንምልሰሉን ዘሎና ድሌት ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኺንጸባረቕ እዩ። ብእንገብሮ ዘበለን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ንየሆዋ ኸነኽብሮ ንጽዕር ኢና። ስርዓታቱ ንኣዘራርባና፡ ንኣካይዳና፡ ከምኡውን ነቲ እንገብሮ ውሳነታት ኪመርሖ ንፈቅድ ኢና። ኣብኡ ምሉእ እምንቶ ብምግባርን ንጕልበትና ኣብ ኣገልግሎቱ ብምጥቃምን ነቲ ዜርእየና ፍቕራዊ ሓልዮትን ደገፍን ዘሎና ሞሳ ንገልጽ ኢና። ብሰንኪ ዘይፍጽምና ኽንሓጥእ ከለና ንዚወሃበና ምኽርን ተግሳጽን ከኣ ንቕበል ኢና።—መዝ. 32:5፣ 119:97፣ ምሳ. 3:25, 26፣ ቈሎ. 3:17፣ እብ. 6:11, 12

እምበኣር፡ መዓልታዊ ንኣምላኽ ነኽብሮ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንነፍስና ዕረፍቲ ኽንረክብ፡ ንዘለኣለም ከኣ ፍቕራዊ ሓልዮት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸነስተማቕር ኢና።—ማቴ. 11:29፣ ራእ. 7:16, 17

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ካብ ኣምላኽ እተዋህበካ ሓላፍነታት

ጸሎት ኣዘውትር።—ሮሜ 12:12

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦን ኣጽንዓዮን፡ ኣብ ናብራኻ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። —መዝ. 1:2፣ 1 ጢሞ. 4:15

ምስታ ጉባኤ ዄንካ ንየሆዋ ኣምልኮ። —መዝ. 35:18፣ እብ. 10:24, 25

ንስድራ ቤትካ ብስጋውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መገዲ ዜድልዮም ኣማልኣሎም።—1 ጢሞ. 5:8

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስበኽ፡ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ግበር።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

ኣካላውን መንፈሳውን ስምዒታውን ጥዕናኻ ሓሉ፡ ኣብ ጥዑይ መዘናግዒ ኸኣ ተኻፈል።—ማር. 6:31፣ 2 ቈረ. 7:1፣ 1 ጢሞ. 4:8, 16

ናይ ጉባኤ ሓላፍነታትካ ፈጽም።—ግብ. 20:28፣ 1 ጢሞ. 3:1

ንቤትካን ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ጽቡቕ ጌርካ ሓዝ።—1 ቈረ. 10:32

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ሓልዮት ኣርእዮም

ብዕድመ ንዝደፍአ ሓው ወይ ሓብቲ።—ዘሌ. 19:32

ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ጕድኣት ንዝወረዶ ሰብ።—ምሳ. 14:21

ቅልጡፍ ሓገዝ ክትገብረሉ ንዜድልዮ ኣባል እታ ጉባኤ።—ሮሜ 12:13

ንኣባል ስድራ ቤትካ።—1 ጢሞ. 5:4, 8

መጻምድቱ ንዝሞቶ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ።—1 ጢሞ. 5:9

ኣብ ጉባኤኻ ንዜገልግል ህርኩት ሽማግለ።—1 ተሰ. 5:12, 13፣ 1 ጢሞ. 5:17