ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰማይ እንታይ ይመስል፧

ሰማይ እንታይ ይመስል፧

ሰማይ እንታይ ይመስል፧

ገሊኦም ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ሰማይ መጺኡ ብዛዕባኡ ስለ ዘይነገረና፡ ሰማይ እንታይ ከም ዚመስል ክትፈልጥ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዖም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ የሱስ “ኣነ . . . ካብ ሰማይ ወሪደ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ረሲዖምዎ ይዀኑ። (ዮሃንስ 6:38) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 8:23) እሞኸ ብዛዕባ ሰማይ ዝገለጾ ነገር ኣሎዶ፧

የሱስ፡ የሆዋ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብር ገለጸ። ንኣምላኽ ከኣ “ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 12:50) ኰይኑ ግን፡ ነታ “ሰማይ” እትብል ቃል ብኻልእ መገዲ እውን ተጠቕመላ። ንኣብነት፡ ንሃዋህው ምድሪ ምስ “ሰማይ” ብምትሕሓዝ፡ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 6:26) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኽንዮ እዚ ሃዋህው እዩ ዚነብር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ” ይብል።—ኢሳይያስ 40:22

እሞኸ እቲ ‘ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣቦ’ ኣብቲ ኸዋኽብቲ ዚርከብዎ ቦታ ድዩ ዚቕመጥ፧ ሓቂ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንግኡዝ ዩኒቨርስ እውን “ሰማይ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” በለ።—መዝሙር 8:3, 4

ልክዕ ከምቲ ሓደ ጸራቢ ዕንጨይቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝሰርሖ ኸብሒ ዘይነብር፡ የሆዋ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ዝፈጠሮ ግኡዝ ዩኒቨርስ ኣይነብርን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንጉስ ሰሎሞን፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተሰርሐ ቤተ መቕደስ ኪውሰን ከሎ ኸምዚ ዝበለ፦ “ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ፧” (1 ነገስት 8:27) የሆዋ ኣብቲ ግኡዝ ሰማያት ዘይነብር እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ኣበየናይ ሰማይ እዩ ዚነብር፧

ደቂ ሰብ ብእተራቐቐ ተሌስኮፕ ገይሮም ከምኡውን ናብ ህዋ ተጓዒዞም ነቲ ግኡዝ ሰማያት ኣጽኒዖምዎ እዮም፣ ኰይኑ ግን፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን።” (ዮሃንስ 1:18) የሱስ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 4:24

መንፈስ ካብ ሰባት እተፈልየ ዓይነት ህይወት እዩ። ብሰባት ኪርአን ኪርምሰስን ብዚኽእል ስጋን ደምን ዝቘመ ኣይኰነን። ስለዚ፡ የሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ “ሰማይ” ከም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ ካብ ስጋዊ ህይወት ፍልይ ዝበለ ዜደንቕ ዓይነት ህይወት ከም ዝነበሮ እዩ ዚሕብር ነይሩ። (ዮሃንስ 17:5፣ ፊልጲ 3:20, 21) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰማይ” ዚብሎ፡ ነቲ የሱስ ምስ ኣቦኡ ዚነብረሉ ዝነበረ መንፈሳዊ ዓለም እዩ። እዚ ሰማይ እዚ እንታይ ይመስል፧ ኣብኡኸ እንታይ ይግበር፧

ዜሐጕስ ንጥፈታት ዚካየደሉ ቦታ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሰማይ ብዙሕ ንጥፈታት ከም ዚግበር ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት እውን ይነግረና እዩ። (ዳንኤል 7:9, 10) እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ነናቶም ባህርይ ኣለዎም። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ከምቲ ኣብ ምድርና ብዓይኒ ኺርኣዩ ዚኽእሉ እተፈላለዩ ህያዋን ፍጥረታት ዘለዉ፡ ኣብ ሰማይ እውን እንተ ዀነ እተፈላለዩ መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዜገርም ግን፡ ኵሎም ብሓድነት እዮም ዚዓዩ። እዝስ ካብቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚርአ ዘሎ ናይ ዘይምትሕብባር መንፈስ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚግበር ንጥፈታት ኪገልጾ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም መላእኽቱ፡ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፡ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፡ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።” (መዝሙር 103:20, 21) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ሰማይ ኣዝዩ ብዙሕን ባህ ዜብልን ዕዮ ኸም ዚዕየ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

መላእኽቲ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ቕድሚ ምፍጣራ እውን እንተ ዀነ ተሓጒሶም የገልግሉ ነይሮም እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚገልጾ፡ የሆዋ ንምድሪ ምስ ፈጠራ፡ ደቂ ኣምላኽ ‘ሓቢሮም ኣመስጊኖምን እልል ኢሎምን’ እዮም። (እዮብ 38:4, 7) ሓደ ኻብዞም ሰማያውያን ደቂ ኣምላኽ እሞ ኸኣ ንኻልኦት ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ንኺሰርሕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። (ቈሎሴ 1:15-17) እዚ ኣብ ሰማይ ዚግበር ዜሐጕስ ንጥፈታት፡ ንሰማይን ንደቂ ሰብን ዚምልከት ሕቶ ኸም እተበግስ ይገብረካ ይኸውን።

ደቂ ሰብ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ድዮም ተፈጢሮም፧

እዛ ምድሪ ቕድሚ ምፍጣራ ነዊሕ ይገብር፡ መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኣምላኽ የገልግልዎ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እናተባዝሑ ንሰማይ ኪመልእዎ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። የግዳስ፡ ኣምላኽ ነዞም ናይ መጀመርታ ሰብኣውያን ፍጡራት፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ኣዳም ንኣምላኽ ኪፈልጦን ብተኣማንነት ኬገልግሎን ዚኽእል ናይ መጀመርታ ምድራዊ ፍጡር እዩ ነይሩ። ኣቦ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰብኣውያን ፍጡራት ድማ ኰነ። እወ፡ “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።”—መዝሙር 115:16

ሰባት ኪሞቱ ስለ ዘይተፈጥሩ፡ ሞት ዚብልዎ ሓሳብ ኣይወሓጠሎምን እዩ። ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ኣዳም እንተ ዘይተኣዚዙ ጥራይ ከም ዚመውት እዩ ተዛሪቡ። ኣዳም እንተ ዚእዘዝ ነይሩ ግን፡ ኣይምሞተን።—ዘፍጥረት 2:17፣ ሮሜ 5:12

ኣምላኽ ንኣዳም ብዛዕባ ናብ ሰማይ ምኻድ ዘይምንጋሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምድሪ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ብቑዓት እንተ ዀይኖም ዚፍተኑላ ቦታ ኣይኰነትን። ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ ተፈጢሩ፣ እዚ ዕላማ ኣምላኽ እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ ኺፍጸም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል መብጽዓ ይህበና። (መዝሙር 37:29) ብንጹር እምበኣር፡ ደቂ ሰብ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ የሱስ ንሃዋርያቱ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚረኽቡ እተመባጽዓሎም፧ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ኪኸዱ እዮም ማለቱ ድዩ ነይሩ፧