ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰንበት ክትሕሉ ኣሎካ ድዩ፧

ሰንበት ክትሕሉ ኣሎካ ድዩ፧

ሰንበት ክትሕሉ ኣሎካ ድዩ፧

ኣብ መወዳእታ 1980ታት ሒደት ሰዓብቲ እምነት ሜቶዲዝም ንሱቫ፡ ርእሲ ኸተማ ፊጂ ኸበብዋ። ንቤተ-ክርስትያን ዚኽደንዎ ኽዳን እተኸድኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ 70 ጐደናታት ዓጸዉ። ኵሉ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ኰነ በረራታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ደው ከም ዚብል ገበሩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰዱ ስለምንታይ እዮም፧ እታ ሃገር፡ ሰንበት ብጽኑዕ ንኽትሕሉ ምእንቲ ኺጠልቡ ኢሎም እዮም።

ኣብ እስራኤል፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ዚህነጽ ብዙሕ ዝደርቡ ህንጻ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደርቢ ባዕላ ደው እትብል ሊፍት ኪግጠመሉ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ካብ ዓርቢ ምሸት ክሳዕ ቀዳም ምሸት ዚኽበር መዓልቲ ሰንበት ዚሕልዉ ሃይማኖተኛታት ኣይሁድ፡ ንመላጕም እታ ሊፍት ብምጽቃጥ ምእንቲ “ኸይሰርሑ” ተባሂሉ እዩ ዚግበር።

ኣብ ደቡባዊ ፓሲፊክ ኣብ እትርከብ ሃገረ ቶንጋ፡ ሰንበት ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኽልኩል እዩ። ነፋሪት ክትዓልብ፡ መርከብ ከኣ ክትዕሸግ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዚፍረም ዝዀነ ይኹን ውዕል ተቐባልነት የብሉን። ብመሰረት ቅዋም ቶንጋ፡ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ንሰንበት “ኪቕድሳ” ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ሰንበት ብሃገር ደረጃ ምእንቲ ኽትክበር እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ ሓያሎ ሰባት ኣምላኽ ሰንበት ኪሕልዉ ኸም ዚደልዮም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። አረ ገሊኦምሲ፡ ሰንበት ምሕላው ንዘለኣለማዊ ድሕነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ከኣ፡ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ትእዛዝ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ንምዃኑ፡ ሰንበት እንታይ እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ንክርስትያናት ኣብ ሰሰሙን ሰንበት ኬኽብሩ ይምሕጸኖም ድዩ፧

ሰንበት እንታይ እያ፧

እታ ብትግርኛ “ሰንበት” እትብል ቃል፡ ካብታ “ዓረፈ፡ ኣቋረጸ፡ ገደፈ” ዝትርጕማ ናይ እብራይስጢ ቓል እያ መጺኣ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ፡ የሆዋ ኣምላኽ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ኸም ዝዓረፈ እኳ እንተ ገለጸ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ግዜ ሙሴ፡ 24 ሰዓት ዝንውሓታ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ወይ ሰንበት ኬኽብሩ መምርሒ ኣይተዋህቦምን ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:2) እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ክ. ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ በረኻ ማና ኣዝነመሎም። ነዚ ብዛዕባ ዚእክቡሉ ኣገባብ ከኣ፡ “ሹድሽተ መዐልቲ አክቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእኣ ኣይርከብን እዩ” ዚብል መምርሒ ተዋህቦም። (ዘጸኣት 16:26) ድሕርዚ፡ “እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ” ዚብል ነንብብ፣ እዚ ድማ ካብ ዓርቢ ጸሓይ ዕራርቦ ኣትሒዙ ኽሳዕ ቀዳም ጸሓይ ዕራርቦ ዘሎ ግዜ ማለት እዩ።—ዘጸኣት 16:30

የሆዋ ነዚ መምርሒ እዚ ድሕሪ ምሃቡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሕጊ ሰንበት ኣብቲ ንሙሴ ዝሃቦ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣጠቓለሎ። (ዘጸኣት 19:1) ካብዚ ትእዛዛት እዚ እታ ራብዐይቲ ብኸፊል ከምዚ ትብል፦ “መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ።” (ዘጸኣት 20:8-10) በዚ ኸምዚ ሰንበት ክፍሊ ህይወት እስራኤላውያን ኰነት።—ዘዳግም 5:12

የሱስ፡ ሰንበት ሓልዩ ድዩ፧

እወ፡ የሱስ፡ ሰንበት ሓልዩ እዩ። ብዛዕባኡ፡ “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ . . . ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለአኾ” ዚብል ነንብብ። (ገላትያ 4:4) የሱስ እስራኤላዊ ዀይኑ ስለ እተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ንሕጊ ሰንበት እውን ዜጠቓልል ሕጊ ሙሴ እዩ ነይሩ። ሕጊ ኺዳን ክሳዕ ግዜ ሞት የሱስ ኣይተወገደን ነይሩ። (ቈሎሴ 2:13, 14) እዚ ፍጻመታት እዚ መዓስ ከም እተፈጸመ ምፍላጥና፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።—ኣብ  ገጽ 15 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።

ልክዕ እዩ፡ የሱስ፡ “ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 5:17) “ክፍጽሞም” ኪብል ከሎ ግን እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ሃናጺ ንኺሃንጽ ዝኣተዎ ውዕል ዚፍጽሞ፡ ነቲ ውዕል ብምቕዳድ ዘይኰነስ፡ ነቲ ህንጻ ብምዝዛም እዩ። እቲ ዕዮ ነቲ ዓሚል ብዜዕግቦ መገዲ ምስ ተዛዘመ ግን፡ እቲ ውዕል ስለ እተፈጸመ፡ እቲ ሃናጺ ኻብ ዝዀነ ይኹን ግዴታ ናጻ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ነቲ ሕጊ ኣየፍረሶን ወይ ኣይቀደዶን፣ የግዳስ፡ ምሉእ ብምሉእ ብምሕላው ፈጺምዎ እዩ። እቲ ኸም “ውዕል” ዝነበረ ሕጊ ምስ ተፈጸመ፡ ድሕሪኡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣይቅይዶምን እዩ።

ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት ድዩ፧

ክርስቶስ ነቲ ሕጊ ስለ ዝፈጸሞ፡ ክርስትያናት ሰንበት ኪሕልዉ ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ መልሲ ኺህበሉ ኸሎ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ቈሎሴ 2:16, 17

እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን፡ ኣምላኽ ካብ ኣገልገልቱ ዚሓቶ ብቕዓታት ከም እተቐየረ እየን ዚሕብራ። ስለምንታይ እዩ ተቐዪሩ፧ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ዚበሃል ሓድሽ ሓጊ ስለ ዝዀኑ እዩ። (ገላትያ 6:2) እቲ ኣቐዲሙ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኺዳን ብሞት ክርስቶስ ተደምዲሙ እዩ። (ሮሜ 10:4፣ ኤፌሶን 2:15) እቲ ንሰንበት ዚምልከት ትእዛዝ እውን ተደምዲሙ ማለት ድዩ፧ እወ። ጳውሎስ፡ “ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ . . . ተፈታሕና” ድሕሪ ምባል፡ ንሓደ ኻብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ጠቒሱ እዩ። (ሮሜ 7:6, 7) ስለዚ፡ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት፡ እንተላይ ሕጊ ሰንበት፡ ክፍሊ እቲ እተደምደመ ሕጊ እዩ። እምበኣር፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሰንበት ኬኽብሩ ኣየድልዮምን እዩ።

ካብቲ እስራኤላውያን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ስርዓት ኣምልኾ ናብቲ ክርስትያናት ዚስዕብዎ ስርዓት ኣምልኾ እተገብረ ለውጢ ንኽንርድኦ፡ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና፦ ሓንቲ ሃገር ቅዋማ ኽትቅይር ትኽእል እያ። እቲ ሓድሽ ቅዋም ሕጋዊ ስራሑ ምስ ጀመረ፡ ሰባት ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቕዋም ኪእዘዙ ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ። ገሊኡ ኣብቲ ሓድሽ ቅዋም ዚርከብ ሕግታት ምስቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ቕዋም ዝነበረ ሕግታት ሕደ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ግን ይፈላለ ይኸውን። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ፡ ኣየናይ ሕግታት ከም ዚዓዪ ንምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ ቅዋም ተጠንቂቑ ኼጽንዖ ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሓደ እሙን ዜጋ፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም መዓስ ኪዕየየሉ ኸም ዝጀመረ ኺፈልጥ ይደሊ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል 10 ቐንዲ ትእዛዛት ዚርከቦ ልዕሊ 600 ሕግታት ሃቦም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስነ-ምግባርን መስዋእትን ጥዕናን ሰንበትን ዚምልከት ሕግታት የጠቓልል። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ሓድሽ “ህዝቢ” ኸም ዜቝሙ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 21:43) ካብ 33 ድ.ክ. ንደሓር፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ሕግታት—እዚ ኸኣ ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንብጻይን—እተመስረተ ሓድሽ “ቅዋም” ኣቚሙ እዩ። (ማቴዎስ 22:36-40) ኣብ “ሕጊ ክርስቶስ” ዚርከብ መምርሒታት ምስቲ ንእስራኤላውያን ኣብ እተዋህበ ሕጊ ዘሎ መምርሒታት ዚመሳሰል እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ኣመና እተፈልየ፡ ገሊኡ ኸኣ ድሕሪ ደጊም ዘየድሊ ምዃኑ ኼገርመና የብሉን። ንሰንበት ዚምልከት ሕጊ፡ ሓደ ኻብቲ ድሕሪ ደጊም ዘየድሊ ሕግታት እዩ።

ኣምላኽ መለክዒታቱ ቐዪሩ ድዩ፧

ካብ ሕጊ ሙሴ ናብ ሕጊ ክርስቶስ እተገብረ ለውጢ፡ ኣምላኽ መለክዒታቱ ኸም ዝቐየረ ዚሕብር ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከምቲ ሓደ ወላዲ ንውሉዳቱ ዜውጽኦ መምርሒ ኸከም ዕድሚኦምን ኵነታቶምን ዚቐያይሮ፡ የሆዋ ነቲ ህዝቡ ኺእዘዝዎ ዚጽበዮም ሕግታት ምትዕርራይ ገይሩሉ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጕዳይ፡ በዚ ዚስዕብ መገዲ ገለጾ፦ “እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሀድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዐጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና። ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን።”—ገላትያ 3:23-25

እዚ ጳውሎስ እተጠቕመሉ መረዳእታ፡ ንሰንበት ብዚምልከት ብኸመይ ኪዕየየሉ ይከኣል፧ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ ተመሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዚጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ፡ ከም ጽርበት ዕንጨይቲ ዝኣመሰለ ዓይነት ትምህርቲ ኺመሃር ትጽቢት ይግበረሉ ይኸውን። ስራሕ ምስ ጀመረ ግን፡ ነቲ እተማህሮ ትምህርቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሉእ ሰሙን ኪጥቀመሉ የድልዮ ይኸውን። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ንዕረፍትን ንኣምልኾን ኪምድቡ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ እዩ። ክርስትያናት ግን፡ ንኣምላኽ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ሰሙን ኬምልኽዎ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም።

እሞ ደኣ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ንዕረፍትን ንኣምልኾን ምምዳብ ጌጋ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ቃል ኣምላኽ፡ “እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዅላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን” ብምባል ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከም እተገድፈ ይሕብር። (ሮሜ 14:5) ገሊኦም ሰባት ንሓንቲ መዓልቲ ኻብ ካልኦት ዝያዳ ቕድስቲ ኸም ዝዀነት ገይሮም ዚርእዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ንክርስትያናት፡ ሰንበት ኬኽብሩ ትጽቢት ከም ዘይገብረሎም ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሹድሽተ መዐልቲ አክቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእኣ ኣይርከብን እዩ።”ዘጸኣት 16:26

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን።”ገላትያ 3:24, 25

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣህጉራዊ ፈላይ ዕለትን ሰንበትን

ኣህጉራዊ ፈላይ ዕለት ነቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ብሓንሳእ ሰንበት ኪሕልዉ ኸም ዘለዎም ዚሓስቡ ሽግር ፈጢሩሎም ኣሎ። እዚ ፈላይ ዕለት እዚ፡ መብዛሕትኡ ኽፋሉ ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ዚዓርፍ ኣብ መበል 180 መሪድያን ዚርከብ ሓሳባዊ ሕንጻጽ እዩ። ኣብ ምዕራብ ሸነኽ እቲ ፈላይ ዕለት ዘለዋ ሃገራት፡ ካብተን ኣብ ምብራቕ ሸነኹ ዚርከባ ሃገራት ብሓደ መዓልቲ ይቕድማ።

ንኣብነት፡ ኣብ ፊጂን ቶንጋን ቀዳም ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ሳሞዋን ኒዩን ግን ዓርቢ እዩ ዚኸውን። ስለዚ፡ ሓደ ኣብ ፊጂ ዚነብር ንመዓልቲ ቐዳም ከም ቅድስቲ መዓልቲ ገይሩ እንተ ሓልዩ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን ኣብታ 1,145 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ሳሞዋ ዓርቢ ብምዃኑ፡ ኣብኡ ዚርከቡ ኣባላት ሃይማኖቱ ናብ ስራሖም እዮም ዚወፍሩ።

ኣብ ቶንጋ ዚነብሩ ኣባላት ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣድቨንቲስት ምስቶም ልዕሊ 850 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቖም ኣብ ሳሞዋ ዚርከቡ ኣባላት ሃይማኖቶም ብሓደ መዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኺሕልዉ ኢሎም፡ ኣብታ ጽባሕ ቀዳም እትርከብ መዓልቲ ሰንበት እዮም ነዚ ሕጊ እዚ ዚሕልውዎ። እቶም ትሕቲ 800 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቖም ኣብ ፊጂ ዚርከቡ ኣባላት ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣድቨንቲስት ግን፡ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቀዳም እዮም ዜኽብርዎ!

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሳሞዋ

ፊጂ

ቀዳም ሰንበት

ቶንጋ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ብዛዕባ ሰንበት ክንዝክሮ ዘሎና ሓቅታት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰንበት ብዛዕባ ምሕላው ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ቓላት እዚ መዓስ ከም እተጠቕሰ ግን ክንፈልጥ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

4026 ቅ.ክ. ኣዳም ተፈጥረ

ቅድሚ ግዜ ሙሴ

ብዛዕባ ሰንበት ዚምልከት ሕጊ፡ ቅድሚ ግዜ ሙሴን እስራኤላውያንን ኣይተዋህበን።—ዘዳግም 5:1-3, 12-14

1513 ቅ.ክ. ንእስራኤል ሕጊ ተዋህቦ

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ

ብዛዕባ ሰንበት ዚምልከት ሕጊ፡ ንኻልኦት ኣህዛብ ኣይተዋህበን። (መዝሙር 147:19, 20) ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ከም “መፈለጥታ” ኪኸውን እዩ ተዋሂቡ።—ዘጸኣት 31:16, 17

እስራኤላውያን ኣብ ርእሲ እታ ሰሙናዊ ዚሕልውዋ ሰንበት፡ ሓያሎ ኻልእ ሰናብቲ እውን ኪሕልዉ ተኣዚዞም ነይሮም እዮም።—ዘሌዋውያን 16:29-31፣ 23:4-8፣ 25:4, 11፣ ዘሁልቍ 28:26

 [ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

33 ድ.ክ. ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ተደምደመ

ሕጊ ክርስቶስ

ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ኣምላኽ ካብ ክርስትያናት ዚሓቶ ብቕዓታት ኪውስኑ ኸለዉ፡ ሰንበት ኪሕሎ ኸም ዜድሊ ኣይጠቐሱን።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

ገሊኦም ክርስትያናት ንመዓልትታት ኣብ ምሕላው የተኵሩ ምንባሮም፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣተሓሳሲብዎ እዩ።—ገላትያ 4:9-11

2010 ድ.ክ.

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጕጅለታት ሰዓብቲ እምነት ሜቶዲዝም፡ ፊጂ ብጽኑዕ ሰንበት ክትሕሉ ብምጥላብ፡ ጐደናታት ከም ዝዓጸዉ ዚሕብር ኣብ ጋዜጣታት ዝወጸ ጸብጻብ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of the Fiji Times