ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጀካ ወይኒ እንታይ ካልእ ዓይነት ዜስክር መስተ ይስራሕ ነይሩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወይንን ዜስክር መስተን” ተደጋጊሙ ብሓባር ይጥቀስ እዩ። (ዘዳግም 14:26፣ ሉቃስ 1:15) ዜስክር መስተ ኻብ ከም ፍረ ወይኒ፡ ተምሪ፡ በለስ፡ ቱፋሕ፡ ሮማን ዝኣመሰለ ፍረታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ መዓር እውን ይስራሕ ነበረ።

እቲ “ዜስክር መስተ” ዚብል መግለጺ ንቢራ ወይ ስዋ ንዚመስል ዓይነት መስተ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። “ዜስክር መስተ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ምስቲ ኣብ ቋንቋ ኣካድኛ ዚርከብ ነቲ ኻብ ስገም ዚስራሕ ልሙድ ቢራ መሰጶታምያ ዜመልክት ቃል ዚተሓሓዝ እዩ። እቲ መስተ ትሑት ኣልኮላዊ መጠን እኳ እንተ ነበሮ፡ ብብዝሒ ምስ ዚስተ ግን ኬስክር ይኽእል ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 20:1) ኣብ ጥንታዊ መቓብር ግብጻውያን፡ ቢራ ዚስርሓሉ ዝነበረ ቦታታት ዜርኢ ብካይላ እተዳለወ ሞደላትን ሰራሕተኛታት እንዳ ቢራ ዜርኢ ስእልታትን ተረኺቡ እዩ። ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ድማ፡ ከምዚ ዓይነት መስተ ኣብ ኣብያተ-መንግስትን ኣባይቲ ድኻታትን መዓልታዊ ዚስተ መስተ እዩ ነይሩ። ፍልስጥኤማውያን እውን ተመሳሳሊ መስተ ይሰትዩ ነበሩ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብ መላእ ምድሪ ፍልስጥኤም መዝቈቚ ዘለዎ ብራኳታት ረኺቦም እዮም። እዚ ኣቓሑ እዚ ነቲ ቢራ ወይ ነቲ ስዋ ዚመስል ዓይነት መስተ ስለ ዜጻርዮ፡ እቶም ሰተይቲ ብዘይ ገፈል ንኺሰትዩ የኽእሎም ነበረ።

ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ እተወሰነ እዋናት ብባሕሪ ምጕዓዝ ሓደገኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚጐዓዘላ ዝነበረ መርከብ ብገማግም ንእሽቶ እስያ ኣቢላ ንኣንፈት ምዕራብ ክትጐዓዝ ከላ ሓያል ንፋስ ስለ ዘጓነፋ፡ ኣብቲ ባሕሪ ነዊሕ እዋን ኣሕለፈት። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና፡ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ በጽሑ፡ “ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ” ኰነ። ጳውሎስ ነቶም መጓዕዝቱ፡ ነቲ ጕዕዞ ኪቕጽልዎ ምስ ዚፍትኑ፡ ‘ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሶም’ እውን ሓደገኛ ኸም ዚኸውን ነገሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 27:4-10

እዚ ብግዜ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ጾም፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ወይ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ እዩ ዚውዕል ነይሩ። ሮማውያን ባሕረኛታት ካብ 27 ግንቦት ክሳዕ 14 መስከረም ዚግበር ጕዕዞ ብሓፈሻ ሰላማዊ ኸም ዝዀነ ይፈልጡ ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ 14 መስከረም ኣትሒዝካ ክሳዕ 11 ሕዳር ዚግበር ጕዕዞ ዜተኣማምን ከም ዘይኰነ ጌርካ ይርአ ነበረ፣ ካብ 11 ሕዳር ክሳዕ 10 መጋቢት ድማ ብባሕሪ ምጕዓዝ ኣዝዩ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ይሕሰብ ነበረ። ካብቲ ጳውሎስ ዘሕለፎ ተመክሮ ብንጹር ኪርአ ከም ዚከኣል፡ ከምዚ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ተለዋዋጢ ዅነታት ኣየር ስለ ዝነበረ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:13-44) ባሕረኛታት፡ ሓያል ማዕበልን ካልእ ኣጸጋሚ ዅነታትን የጋጥሞም ነበረ። ቀትሪ ንጸሓይ፡ ለይቲ ኸኣ ንኸዋኽብቲ ዚጋርድ ደበና የጸግሞም ነበረ። ግመን ዝናምን እውን ሓደገኛ ኪዀኑ ንዚኽእሉ ነገራት ብንጹር ንኸይርእዩ ይሽፍኖም ነይሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ግብጻውያን ዚሰርሕዎ ኻብ ዕንጸይቲ እተዳለወ ሞደላት መትሓዝ ቢራ

[ምንጪ ስእሊ]

Erich Lessing/Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

መርከብ ጽዕነት ሮማውያን፡ ከባቢ 100-200 ድ.ክ.

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.