ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያን ንኽትበሃል፡ ግድን ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ኣሎካዶ፧

ክርስትያን ንኽትበሃል፡ ግድን ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ኣሎካዶ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ክርስትያን ንኽትበሃል፡ ግድን ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ኣሎካዶ፧

ብ2007 እተሓትመ ዎርልድ ረሊጅን ኢን ደንማርክ ዘርእስቱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ መጽሓፍ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ዚስዕቡ ንእሽቶ ጕጀለ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ገለጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብተን ኣብ ደንማርክ ዚርከባ ጕጅለታት ክርስትያን ብዕቤቶም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከቡ።

ይኹን እምበር፡ ኣቡን ሃገራዊ ቤተ-ክርስትያን ደንማርክ፡ እታ ጸሓፊት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ መምሃሪ መጽሓፍ ስለ ዝጠቐሰቶም ነቐፋ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣቡን፡ “[ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ገይሩ ዚሓስብ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኽሳዕ ሕጂ ኣይረኸብኩን። . . . ነቲ ቐንዲ መሰረት ሃይማኖት ክርስትና ዝዀነ ስላሴ ይነጽግዎ እዮም” በለ።

እታ ሃይማኖታዊት ስነ-ማሕበረኛ ዝዀነት ኣኒካ ሂፍታማር ዝስማ ጸሓፊት እቲ መጽሓፍ፡ ሰባት ንርእሶም ከም ክርስትያናት ገይሮም ዚቘጽሩሉ ምኽንያት ኪሕተቱ ኸለዉ፡ ‘ኣምላኽ ስላሴ ስለ ዝዀነ’ ኢሎም ከም ዘይምልሱ ገለጸት። ብዘይካዚ፡ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ “ክርስትያን ዲኻ፧” ዘርእስቱ ሓደ ኽፋል ከምዚ ይብል፦ “ትምህርቲ ስላሴ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሰረተ-እምነት ክርስትና እዩ። ነቶም ዘይተማህሩ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክትገልጸሎም ከለኻ፡ ሓድሓደ ግዜ ሰለስተ፡ ካልእ ግዜ ኸኣ ሓደ ዝዀነሉ ምኽንያት ከተረድኦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ዚምህሮ ትምህርቲ ቐሊልን ንጹርን እዩ። ንኽትርድኦ እውን ዜጸግም ኣይኰነን። እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኰነት ብዛዕባኣ ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ክርስቶስ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) “ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ” ከም ዝዀነ እውን ይሕብር እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5) ብዛዕባ ኣቦ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ “ንስኻ፡ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” ይብል።—መዝሙር 83:18

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ የሱስ እምነት ምሕዳር ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። (ዮሃንስ 3:16) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴዎስ 4:10) ብርግጽ እምበኣር፡ ንትእዛዛት የሱስ ኪስዕብ ዚጽዕር ሰብ፡ ክርስትያን ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ትምህርቲ ስላሴ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሰረተ-እምነት ክርስትና እዩ”