ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ይጠዓስ ድዩ፧

ኣምላኽ ይጠዓስ ድዩ፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣምላኽ ይጠዓስ ድዩ፧

መሳፍንቲ 2:11-18

ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ከም እተጋገና ምስ ፈለጥና ንጠዓስ ኢና። እቲ ዜገርም ግን፡ የሆዋ እውን ከም ዚጠዓስ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ኣይጋገን እዩ’ ትብል ትኸውን። ኣምላኽ ዚጠዓስ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ መልሲ ናይዚ ምርካብ፡ የሆዋ ስምዒት ከም ዘለዎን ተግባራትና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእልን ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ። ነቲ ኣብ መሳፍንቲ 2:11-18 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት እስከ ንመርምሮ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መሳፍንቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝነበረ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን ተዘንቱ እያ። እቲ ህዝቢ ኣብታ ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምድሪ ከነኣን ኪቕመጥ ጀሚሩ ነበረ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመናት፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣርባዕተ ነገራት ብተደጋጋሚ ይርአ ነበረ፣ እዚ ኸኣ፡ ክድዓት፡ ጸበባ፡ ልመና፡ ድሕነት እዩ። a

ክድዓት። እስራኤላውያን ብከነኣናውያን ስለ እተጸልዉ፡ ‘ንኣምላኽ ሓዲጎም’ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ብፍላይ ከኣ “ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ።” b ከምዚ ዝኣመሰለ ኽድዓት ናብ ክሕደት ኣምርሐ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ግብጺ ሓራ ዘውጽኦም “እግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።”—ቍጽሪ 11-13መሳፍንቲ 2:1

ጸበባ። የሆዋ በቲ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ተደሪኹ ነቶም ዝባኖም ዝሃብዎ ህዝቢ ዚገብረሎም ዝነበረ ዕቝባ ኣቋረጾ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ‘ኣብ ኢድ ጸላእቶም’ ወደቑ፣ ንሳቶም ድማ ንመሬቶም ወሰዱሎም።—ቍጽሪ 14

ልመና። እስራኤላውያን ብርቱዕ ጸበባ ምስ ኣጋጠሞም፡ ካብቲ ግጉይ መገዶም ተጣዕሱ፣ ኣምላኽ ንኺሕግዞም ድማ ለመኑ። ‘ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶም ከም ዝቘዘሙ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ቍጽሪ 18) ሓደ ኻብቲ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ንኣምላኽ ምልማን እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 3:9, 15፣ 4:3፣ 6:6, 7፣ 10:10) እሞኸ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧

ድሕነት። የሆዋ ቝዘማ እስራኤላውያን ምስ ሰምዐ፡ “ተጣዕሰ።” እታ ‘ምጥዓስ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ሓሳብካ ምቕያር” ከተመልክት ትኽእል እያ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “የሆዋ ብምኽንያት ቍዘማኦም፡ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ መቕጻዕቲ ናብ ድሕነት ቀየሮ” ይብል። የሆዋ ብምሕረቱ ተላዒሉ፡ ንህዝቡ ኻብ ጸላእቶም ዜድሕንዎም “መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም።”—ቍጽሪ 18

ኣምላኽ ንኺጠዓስ ወይ ከኣ ሓሳቡ ንኪቕይር ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧ እቶም ህዝቢ ኣመለኻኽታኦም ስለ ዝቐየሩ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ርአ፦ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንእተጋገየ ውሉዱ ገለ ሓለፋታት ብምኽላእ ይግስጾ ይኸውን። እቲ ውሉድ ናይ ብሓቂ ኸም እተጣዕሰ ምስ ረኣየ ግን ነቲ መቕጻዕቲ ኺገድፎ ይውስን።

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንመሃር፧ ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር ሓጢኣት የቘጥዖ እኳ እንተ ዀነ፡ እተነስሐ ልቢ ኺርኢ ኸሎ ግን ምሕረት ይገብር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ተግባራትና ንስምዒታት ኣምላኽ ኪትንክፎ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ‘ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕስ’ ከም እትኽእል ንምንታይ ዘይትመሃር፧ (ምሳሌ 27:11) ከምኡ ብምግባርካ ፈጺምካ ኣይክትጠዓስን ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መሳፍንቲ 2:11-18፡ ነቲ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ምዕራፋት ብዝርዝር እተሓበረ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ዘርኣይዎ ባህርያት ኣሕጽር ኣቢላ እያ እትገልጽ።

b በዓል ኣዝዩ ፍሉጥ ኣምላኽ ከነኣናውያን ኪኸውን ከሎ፡ ኣስታርተ ኸኣ ሰበይቲ በዓል ከም ዝዀነት ጌርካ እትርአ ኣንስተይቲ ኣምላኽ እያ።