ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ነበረት

ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ነበረት

ንደቅኻ ምሃሮም

ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ነበረት

ርብቃ ዚብል ስም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ልሙድ እዩ። ርብቃ ዝስማ ጓል ትፈልጥዶ፧— a ርብቃ፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ኣላ። ብዛዕባኣ እንታይ ትፈልጥ፧— እቲ ርብቃ ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና ስለ ዚኽእል፡ ብዛዕባኣ ኽንመሃር ኣሎና።

ርብቃ፡ ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዚርከባ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀና ኣንስቲ፡ እታ ኻልአይቲ እያ። እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧— እታ ሳራ ዝስማ ሰበይቲ ኣብርሃም እያ። ሳራ ኣብ ግዜ እርጋና ነቲ ሓደ ወዳ ዝነበረ ይስሃቅ ወለደት። ሕጂ ግን ርብቃ ብኸመይ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነትን ምስ ይስሃቅ ብኸመይ ከም እተራኸበትን እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ንኣብርሃምን ሳራን ካብ ካራን ናብ ምድሪ ከነኣን ካብ ዚሰዶም ልዕሊ 60 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ኣብርሃምን ሳራን ብዕድመ ምስ ደፍኡ፡ ይስሃቅ ዚበሃል ቈልዓ ኸም ዚወልዱ ኣምላኽ ተመባጽዓሎም። ንይስሃቅ ወለዱ ኽሳዕ ክንደይ ይፈትውዎ ኸም ዝነበሩ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ሳራ ጓል 127 ዓመት ኰይና ምስ ሞተት፡ እቲ እኹል ሰብኣይ ኰይኑ ዝነበረ ወዳ ይስሃቅ ኣዝዩ ሓዘነ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኼመርዕዎ ኣይደለየን፣ ምኽንያቱ፡ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኣየምልኹን እዮም ነይሮም። ስለዚ ኸኣ ነቲ ስሙ ኣልኣዛር ኪኸውን ዚኽእል ግዙኡ፡ ካብቶም ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ምድሪ ካራን ዚነብሩ ኣዝማዱ ንይስሃቅ ሰበይቲ ንኼምጽኣሉ ለኣኾ።—ዘፍጥረት 12:4, 5፣ 15:2፣ 17:17, 19፣ 23:1

ድሕሪኡ፡ ኣልኣዛርን ካልኦት ባሮት ኣብርሃምን ስንቅን ንመርዓት ዚኸውን ህያባትን ዝጸዓና ዓሰርተ ኣግማል ሒዞም ናብ ካራን ከዱ። ኣብ ሓንቲ ዔላ ድማ ኣዕረፉ፣ ኣልኣዛር፡ ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ሰባት ንማሎምን ንስድራ ቤቶምን ዚኸውን ማይ ኪቐድሑ ናብቲ ዔላ ኸም ዚመጹ ይፈልጥ ነበረ። እታ ማይ ከተስትዮ ሓቲትዋ፡ “ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ” እትብሎ፡ ኣምላኽ ንይስሃቅ ዝመረጻ ሰበይቲ ኽትከውን ጸለየ።

ልክዕ ከምኡ ድማ እዩ ኣጋጢሙ። ርብቃ ዝስማ “ኣዝያ ውቅብቲ” መንእሰይ ጓል ናብቲ ዔላ መጸት። ኣልኣዛር ማይ ከተስትዮ ምስ ሓተታ፡ “ነግማልካውን ክሳዕ ዚአኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ። ‘ማይ ክትቀድሕ መመሊሳ ናብ ዔላ ኽትጐዪ’ ኸላ፡ ኣልኣዛር “ተኲሩ ይጥምታ” ነበረ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ጽምኢ ዓሰርተ ኣግማል ንምርዋይ፡ ርብቃ ዳርጋ 1,000 ሊትሮ ማይ ክትቀድሕ ነበራ!

ኣልኣዛር ንርብቃ ኽቡር ህያባት ሃባ፣ ጓል ቤቱኤል ዘመድ ኣብርሃም ምዃና ኸኣ ፈለጠ። ርብቃ ንኣልኣዛርን ንብጾቱን ኣብ እንዳ ስድራኣ ‘ኺሓድሩ’ ዓደመቶም። ንስድራ ቤታ ብዛዕባ እቶም ኣብርሃም ካብ ከነኣን ዝለኣኾም ልኡኻት ክትነግሮም ድማ ቀዲማቶም ጐይያ ኸደት።

ላባን ሓው ርብቃ ነቲ ኽቡር ህያባት ምስ ረኣየን ኣልኣዛር መን ምዃኑ ምስ ፈለጠን፡ ናብ ቤት ኪኣትዉ ዓደሞም። ኣልኣዛር ግን፡ “ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን” በለ። ኣስዒቡ ኸኣ ኣብርሃም ስለምንታይ ከም ዝለኣኾ ተዛረበ። ቤቱኤልን ሰበይቱን ላባንን በቲ ነገር ተሓጒሶም መውስቦ ኺገብሩ ተሰማምዑ።

ኣልኣዛርን ብጾቱን ምግቢ በሊዖም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ኣልኣዛር፡ “ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ” በሎም። ኣደ ርብቃን ሓዋን ግን፡ “ገለ ዓሰርተ መዓልቲ” ምስኦም ኪቕንዩ ሓተትዎም። ንርብቃ ጸዊዖም፡ ቀልጢፋ ምስ ኣልኣዛር ትኸይድ እንተ ዀይና ምስ ሓተትዋ፡ “እኸይድ” ብምባል ፍቓደኛ ምዃና ገለጸት። ምስ ኣልኣዛር ድማ ከደት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሰበይቲ ይስሃቅ ኰነት።—ዘፍጥረት 24:1-58, 67

ርብቃ፡ ምናልባት ንስድራ ቤታን ንመሓዙታን እንደገና ኽትርእዮም ከም ዘይትኽእል እናፈለጠት ሓዲጋቶም ናብ ርሑቕ ቦታ ኽትከይድ ቀሊልዶ ይመስለካ፧— ብርግጽ፡ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ብምዃና ተባሪኻ እያ። ብእኣ ኣቢሉ ድማ እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተወልደ። ንሕና እውን ልክዕ ከም ርብቃ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ንምግባር ፍቓደኛታት እንተ ዄንና፡ ክንባረኽ ኢና።—ሮሜ 9:7-10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

ርብቃ መን እያ ነይራ፧ ኣልኣዛርከ ኣበይ እዩ ረኺብዋ፧

ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ከነኣናዊት ኬመርዕዎ ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧

ርብቃ ወሓለ ሰበይቲ ኸም እትኸውን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

ከም ርብቃ ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧