ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተላኢኾም

ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተላኢኾም

መበል 127 ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ

ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተላኢኾም

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክር ኪዀንዎ መዚዝዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ።

ኣብ ዝሓለፈ 65 ዓመት፡ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን፡ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ግንባር ቀደም ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ቀዳም 12 መስከረም 2009፡ 56 ምኩራት ኣገልገልቲ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ንሓሙሽተ ወርሒ ድሕሪ ምስልጣኖም ተመሪቖም እዮም።

ሓሳብ ዜሕድሮ ሓያል ጽልዋ

ስቲቨን ለት ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓን፡ “ንሓሳብኩም ብጥበብ ተጠቐሙሉ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ነቶም ተመረቕቲ ኣርባዕተ ኺሓስብዎ ዘይብሎም ነገራት ኣጠንቀቖም። እተን ቀዳሞት ሰለስተ፡ እዘን ዚስዕባ እየን፦ (1) ስጋዊ ነገራት ነባሪ ዕቝባ ኸም ዜምጽእ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ፣ (2) ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ኣይትሕሰቡ፣ (3) ጽባሕ እንታይ ኪኸውን ኢልኩም ብምሕሳብ እምብዛ ኣይትጨነቑ። (ምሳሌ 18:11፣ ማቴዎስ 5:28፣ 6:34) ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ፡ እምብዛ ዚጭነቕ ሰብ ናይ ትማሊ ጭንቀት ኣብ ልዕሊ ናይ ሎሚ ጭንቀት ከም ዚድምሮ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ናይ ጽባሕ ከም ዚውስኸሉ፡ እቲ ተዛራባይ ሓበረ። ቀጺሉ ሓው ለት፡ “እዚ ንምጻሩ ኸቢድ እዩ” በለ። እታ ራብዐይቲ ነጥቢኸ እንታይ እያ፧ እቶም ተመሃሮ፡ ሚስዮናውያን ቅድሚ ምዃኖም ዝነበሮም ህይወት ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሮም ከይሓስቡ መጠንቀቕታ ተዋህቦም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ እቲ ኻብ እተመደቡሉ ቦታ ዚርከብ ሓጐስ የምልጦም እዩ።

ሓው ለት ነቶም ተመሃሮ፡ ንሓሳቦም ብኣርባዕተ ኣወንታዊ መገዲ ኺጥቀሙሉ ኣተባብዖም። ከምዚ ዚስዕብ በሎም፦ (1) ብመንፈሳዊ ወይ ብስጋዊ መዳይ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ኵነታት ኣቐዲምኩም ብምስትውዓል፡ ካብቲ መዓት ርሓቑ፣ (2) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብብዎ ነገር ኣብ ኣእምሮኹም ስኣልዎ፡ ክፍሊ እቲ ፍጻመ ኸም ዝዀንኩም ጌርኩም ድማ ሕሰቡ፣ (3) ኣብቲ ሓድሽ ምድብኩም ንእተዘራርብዎ ዘበለ ሰብ፡ ንየሆዋ ዜምልኽ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጌርኩም ሕሰቡ፣ (4) ንርእስኹም ኣብ ቦታ እቶም እትሰብኩሎም ጌርኩም ብምሕሳብ፡ ድንጋጸ ኣማዕብሉ።—ምሳሌ 22:3

ንኻልኦት ምስልጣን ዘለዎ ጥቕሚ

ዴቪድ ስፕለይን ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:2 እተመርኰሰ፡ “እዚ ንእሙናት ሰብ ሕድሪ ሃብዎም” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ እሙናት ሰባት ኬሰልጥን መምርሒ ኺህቦ ኸሎ፡ ጢሞቴዎስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓቅታት ኪምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም ንኻልኦት ንኼሰልጥኑ ኼተባብዖም እውን እዩ ሓሊኑ ነይሩ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት መሪሕ ግደ ዚህልዎም ሰብኡት ብብዝሒ ኸም ዜድልዩ ነገሮም። እዚኣቶም መዓስን ብኸመይን እዮም ኪስልጥኑ ዘለዎም፧ ሓው ስፕለይን ነቶም ተመሃሮ፡ ነቶም ሰባት ካብቲ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዚጅምሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ኬሰልጥንዎም ኣተባብዖም።

ሚስዮናውያን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ሰባት፡ ንኻልኦት እሙናት ኣብነታት ኪዀኑ ኼሰልጥንዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ተዛራባይ እተፈላለየ መገድታት ሓበረ። ሚስዮናውያን ንተመሃሮኦም፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ኪዳለዉ ኼሰልጥንዎም ኣለዎም። እቶም ተመሃሮ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ምስ ጀመሩ፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዚቐርብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ብኸመይ ኪዳለዉሉ ኸም ዚኽእሉ ኺመሃሩ ኣለዎም። እቲ ተዛራባይ፡ “ሓደ ሰብ ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ንኻልኦት ኪምህር ከቶ ኣይክእልን እዩ” በለ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ሚስዮናውያን ንሓደስቲ ሰባት፡ ሰዓት ዜኽብሩን ንዕዮ ስብከት ብገንዘብ ዚድግፉን ነቶም ሕጂ ዚመርሑና ዚእዘዙን ኪዀኑ ኺሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ እውን ተዛረበ። ነዚ ኺምህሩሉ ዚኽእሉ ብሉጽ መገዲ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ከም ዝዀነ ገለጸ።

ንየሆዋ መሰኻኽሩ ምዃን ዜምጽኦ ፍሉይ መሰል

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ጋይ ፒርስ፡ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ “ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዚብል ቃላት የሱስ ተመርኲሱ መደረ ኣቕረበ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ መሰኻኽሩ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ከም ዝሰኣኑ ነቶም ተመሃሮ ኣዘኻኸሮም። እቲ ፍሉይ መሰል እቲ፡ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ንዚፈሪ ህዝቢ ተዋህበ። (ማቴዎስ 21:43) ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ከኣ፡ እዚ መሰል እዚ እተዋህቦ ህዝቢ ዀነ። እቲ ተዛራባይ፡ እቲ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ “ቕዱስ ህዝቢ” ደግነት የሆዋ ‘ኺነግር’ ምዃኑ ዚገልጽ ሃዋርያ ጴጥሮስ እተዛረቦ ነገር ጠቐሰ። (1 ጴጥሮስ 2:6-9) ስለዚ፡ የሱስ፡ ክርስትያናት መሰኻኽር የሆዋ ኻብ ምዃን ኣቋሪጾም፡ መሰኻኽሩ ጥራይ ከም ዚዀኑ ኣይተዛረበን። ከመይሲ፡ የሱስ ንባዕሉ፡ “እሙን ምስክር” ተባሂሉ እዩ። (ራእይ 1:5፣ 3:14) ንሱ ቐንዲ ምስክር የሆዋን እንስዕቦ ኣርኣያናን እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21

እቲ ተዛራባይ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሎሚ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ዚርከብ ቃላት የሱስ ዝሰፍሐ ትርጕም ከም ዘለዎ ገለጸ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣብ ራእይ 11:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣገዳሲ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ። መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ እያ። ሎሚ፡ እቲ ዕዮ ምስክርነት፡ ቃል ብቓሉ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ይፍጸም ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ሓው ፒርስ፡ ሚስዮናውያን ብዛዕባ ርእሶም ወይ ብዛዕባ ኣነባብራኦምን ባህሎምን ሃገሮምን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ከም ዚምስክሩ ኣጕልሐ። ነቶም ተመሃሮ፡ ‘ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት’ ኪምህሩ ኣተባብዖም።

ኣብቲ መደብ ዝጐልሐ ኻልእ ክፍልታት

ሓጋዚ ኮሚተ ሕትመት ኰይኑ ዜገልግል ኣሊክስ ራይንሙለር፡ “የሆዋ፡ ትብዓት ኪህበኩም እዩ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ሚስዮናውያን ኣብ ሓይሊ የሆዋ እንተ ተወኪሎም፡ ንሱ ድማ ብርታዐኦም ንኼለልዩን ድኽመቶም ንኪቕበሉን ፍርሆም ንኺዋጽኡሉን ንዕኡ ዘዝበለጸ ንኺህብዎን ይሕግዞም እዩ።

ኣብ ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ መምህራን ኰይኖም ዚዓዩ ሳም ሮበርሰንን ዊልያም ሳሙኤልሰንን እውን፡ ነቶም ተመሃሮ መደረ ኣቕረቡሎም። ሓው ሮበርሰን፡ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 እተመርኰሰ፡ “ምሳኻ እየ” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ሚስዮናውያን ብዙሕ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ገለጸ። ጸገማት እውን የጋጥሞም እዩ። ነቲ ብጸሎት ናብ ፈቃር ኣቦኡ ዘእወየ ንጉስ ዳዊት እንተ መሲሎምዎ፡ ንዜጋጥሞም ጸገማት ኪሰግርዎ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 34:4, 6, 17, 19) ሓው ሳሙኤልሰን ኣብ ዘቕረቦ መደረ ኸኣ፡ ልቦና ናይ ምምዕባል ኣገዳስነት ኣጕልሐ። ከምኡ ዚገብሩ ሚስዮናውያን፡ ንሕማቕ ዘረባ ሕማቕ መልሲ ኻብ ምሃብ ይቝጠቡ፡ ብቐሊሉ ድማ ኣይቅየሙን።—ምሳሌ 2:10, 11 ትርጕም 1990።

ሓጋዚ ኮሚተ ጽሕፈት ኰይኑ ዜገልግል ጂም ማንትስ፡ ንሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሪፓብሊክ ጆርጅያን ንሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሆንዱራስን ንሓደ ኣባል ኮሚተ ሃገር ሪፓብሊክ ታጂክስታንን ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። እቶም ምኩራት ኣሕዋት ከኣ ነቶም ሚስዮናውያን፡ ‘ንእከይ ብሰናይ ብምስዓር’ ከመይ ገይሮም ምስቶም ተጻረርቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ከም ዚቀራረቡ ምኽሪ ሃብዎም። (ሮሜ 12:21) ማርክ ኑማር ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር፡ ምስቶም ተመሃሮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊልዓድ ኪስልጥኑ ኸለዉ ኣብ ስብከት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ህያው ምይይጥ ገበረ። እቲ ኽፍሊ፡ “ብኸመይ ክሕግዝ እኽእል፧” ዚብል ዜመራምር ኣርእስቲ ነበሮ።

እቲ ኣቦ መንበር ካብታ፡ “ኵሉ ምስ ተሓደሰ፡ ይረኣየካ” ዘርእስታ ሓዳስ መዝሙር፡ እተወሰነ ግጥሚ ብምጥቃስ ነቲ ስነ-ስርዓት ዛዘሞ። እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ 6,509 ተኣከብቲ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብዛዕባ የሆዋን ወዱን ኪምስክሩ ቘሪጾም ነናብ ቦታኦም ከዱ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ 22 ሃገራት ተመዲቦም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

8 ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት

56 ቍጽሪ ተመሃሮ

28 ቍጽሪ ሰብ ሓዳር

33.6 ገምጋም ዕድመ

18.3 ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት

13.6 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት

[ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሚስዮናውያን እተመደቡለን ሃገራት

ጃማይካ

ኒከራግዋ

ኮስታ ሪካ

ፓናማ

ፐሩ

ቺለ

ሃይቲ

ኩራሳኦ

ጊያና

ኮት ዲቭዋር

ቦሊቭያ

ፓራጓይ

ሰርብያ

ኣልባንያ

ኮንጎ (ደሞ. ሪፓ.)

ሞልዶቫ

ኡጋንዳ

ቡሩንዲ

ታንዛንያ

ሞዛምቢክ

ነፖል

ካምቦዲያ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 127 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት፡ ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ታራ ማርሻል፣ ሎሪ ፕሩደንት፣ ኣላና ማሽበርን፣ ሳኒ ሮዘንስትሮም፣ ኣሊግዛንድራ ተስታ፣ ሚሸል ታከያማ፣ ሞኒካ ሲስክ።

(2) ካራ ግሩምስ፣ ሳዩሪ ሚዩራ፣ ማደር ካማቾ፣ ሱሳና ሮሳስ፣ ማሪየላ ቡርኽ፣ ኢሊያና ሜሳ፣ ግሎርያ ያንግ፣ ሻነን ገረት።

(3) ክላሪስ ቦኒያ፣ ድኒዝ ክናለር፣ ሬቸል ፓራለስ፣ ሱቪ ሆቲ፣ ኤሚ ታካዳ፣ ሚርያም ቱርናድ፣ ክሪስቲና ሶፐል።

(4) ዩዪቺሮ ሚዩራ፣ ከነት ፓራለስ፣ ካርኖቭ ፕሩደንት፣ ሻነን ኮልበርን፣ ሊያ ዊሊስ፣ ኣና ቫራነን፣ ብራድሊ ሲስክ፣ ሪቻርድ ታካዳ።

(5) ጆ ግሩምስ፣ ማርኩስ ቫራነን፣ ብሪያን ገረት፣ ሩት ስታክሃውስ፣ ኤሚ ዊልሰን፣ ኢስትረላ ቦነል፣ ዴቪድ ካማቾ፣ ሮናልድ ሜሳ፣ ማኒ ቦነል።

(6) ሺንጂ ታከያማ፣ ጁልያኖ ተስታ፣ ተራይ ኮልበርን፣ ኮሪ ማሽበርን፣ ዊሊ ዊሊስ፣ ሎረን ቱርናድ፣ ዮኤል ቡርኽ፣ ጆርዳን ስታክሃውስ።

(7) ጄምስ ዊልሰን፣ ጆሹዋ ያንግ፣ ኢሪክ ማርሻል፣ ማርኮስ ሮሳስ፣ ጆን ክናለር፣ ኒኮ ሆቲ፣ ኣስኮ ሮዘንስትሮም፣ ጆ ሶፐል፣ ኦስካር ቦኒያ።