ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

ወትሩ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

ወትሩ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

ኵሉ ሰብ ኣብ ገሊኡ እዋን ሓቀኛ ይኸውን እዩ፣ ምናልባት ሓያሎ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ሓቀኛታት ይዀኑ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ወትሩ ሓቀኛታት ኪዀኑ ዚጽዕሩ ኽንደይ ሰባት ትፈልጥ፧

ሎሚ፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ህይወት ሓቀኛነት ይጐድል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓቀኛነት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣጸቢቕካ ዚፍለጥ እዩ። ንኣብነት፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነታ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እትርከብ፡ “ኣይትስረቕ” እትብል ሻምነይቲ ትእዛዝ ይፈልጥዋ እዮም። (ዘጸኣት 20:15) ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገሊኡ ዅነታት ንኺሰርቁ ወይ ንኪቐጥፉ ምኽንያት ከም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንስርቂ ዜቕርብዎ ሰለስተ ልሙድ ዓይነት መመኽነይታታት እስከ ንርአ።

ድኽነት ንስርቂ ብቑዕ ምኽንያት ይኸውን ድዩ፧

ሓደ ሮማዊ ብዓል ስልጣን፡ “ድኽነት ኣደ ገበን እያ” ኢሉ ተዛረበ። ድኻ ሰብ ኪሰርቕ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ይመስሎ ይኸውን። ተዓዘብቲ ሰባት ድማ በዚ ይሰማምዑ ይዀኑ። የሱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ መትከል እዩ ሒዙ፧ ንስኡናት ኣመና ይርሕርሓሎም ነበረ። ስለዚ ድማ፡ “ደንገጸሎም” ዚብል ንረክብ። (ማቴዎስ 9:36) ኰይኑ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ንስርቂ ዕሽሽ ኣይበሎን። ሓደ ድኻ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

ኣምላኽ ነቶም ካብ ልቦም ኪእዘዝዎ ዚጽዕሩ ይርሕርሓሎም እዩ፣ ነቲ ዜድልዮም ንኺረኽቡ ዚገብርዎ ጻዕሪ ድማ ይባርኸሎም እዩ። (መዝሙር 37:25) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቕ ክትጠሚ ኣይሐድጋን፡ ንህርፋን ረሲኣን ግና የንኰላልፎ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። (ምሳሌ 10:3) ሓደ ድኻ ነዚ መብጽዓ እዚ ኺኣምነሉ ይኽእልዶ፧ ቪክቶሪን ነዚ መብጽዓ እዚ ትኣምነሉ እያ።

ቪክቶሪን ሓሙሽተ ተመሃሮ ቘልዑ ዘለውዋ መበለት ስለ ዝዀነት፡ ናብራኣ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብ ምምዕባል ኣብ እትርከብ ሃገር እያ እትነብር፣ ካብ መንግስቲ እውን ውሱን ሓገዝ እያ እትረክብ። መብዛሕትኡ መዓልታዊ ህይወታ ኻብ ቤታ ወጻኢ እያ እተሕልፎ፣ ኣብኡ ድማ ንኽትሰርቕ ኣጋጣሚታት ይኽፈተላ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ክትሰርቕ ኣይትደልን እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ጐደና እናሸቀጠት ድራር ዕለታ ትምእርር። ስለምንታይ እያ ሓቀኛ ዀይና ኽትመላለስ እትደሊ፧

ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ርእይቶኣ ገለጸት፦ “ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነን ንዕኡ እንተ መሲለዮ ኸኣ ምሳይ ኣብ ዘለዎ ርክብ ሓቀኛ ኸም ዚዀነለይን እኣመን እየ። ካልኣይ፡ ደቀይ ካባይ ርእዮም እዮም ሓቀኛነት ዚመሃሩ።”

እሞኸ እዚ ኣዋጺእዋዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብዚ ዚስዕብ ቃላታ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና፦ “ምግብን ክዳንን መዕቀልን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ንኣብነት ዘይተሓስበ ወጻኢታት ሕክምና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ንፈተውተይ ኪሕግዙኒ እሓቶም እየ። ዜድልየኒ ስኢነ ኣይፈልጥን እየ። ከመይሲ፡ ፈተውተይ ንዅነታተይ ክገልጽ ከለኹ ሓቀኛ ምዃነይን ካብቲ ዜድልየኒ ንላዕሊ ኽረክብ እፍትን ከም ዘየለኹን ይፈልጡ እዮም።

“ደቀይ ሓቀኛታት ኰይኖም ይዓብዩ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ ግዜ ሓንቲ ጐረቤትና ኣብ ሰደቓ እተወሰነ ሰልዲ ምስ ረኣየት፡ ደቀይ ከይወስድዎ ዜፍርሃኒ እንተ ዀይኑ ሓተተትኒ። ፈጺሞም ከምኡ ኸም ዘይገብሩ ምስ ነገርክዋ፡ ክትኣምነኒ ኣይከኣለትን። ኣነ ኸይፈለጥኩ፡ ክትፍትኖም ወሰነት። ኣብ ቤትና፡ ደቀይ ብቐሊሉ ኺረኽብዎ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ ኽልተ ነናይ 100 ፍራንክ ሰልዲ ሓደገት። ንጽብሒቱ መጺኣ እቲ ሰልዲ ኣብኡ ምስ ጸንሓ ኣዝያ ተገረመት። ሓቀኛታት ውሉዳት፡ ካብ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ንላዕሊ ዕግበት የምጽኡልካ እዮም።”

“ኵሉ እዩ ዚገብሮ”

ካብ ስራሕ ምስራቕ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ኵሉ እዩ ዚገብሮ፡ ኣነኸ ንምንታይ ከምኡ ዘይገብር፧” ይብሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” እዩ ዚብል። (ዘጸኣት 23:2) ቪክትዋር ነዚ ምኽሪ እዚ እያ ስዒባ። እሞኸ ጽቡቕ ፍረ ረኺባዶ፧

ቪክትዋር ጓል 19 ዓመት ምስ ኰነት፡ ዘይቲ ስየ ኣብ ዚምስርሓሉ ትካል ስራሕ ረኸበት። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ እተን ኣብኡ ዚሰርሓ 40 ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ትካል ፍረ ስየ ኣብ ዘንቢለን ሓቢአን ከም ዚወስዳ ፈለጠት። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኸኣ፡ ነቲ ፍረታት ይሸጣኦ ነበራ፣ እቲ በዚ ኸምዚ ዚረኽባኦ ገንዘብ ድማ ክንዲ ናይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ መሃያአን እዩ ዚኸውን። ብዛዕባ እዚ ቪክትዋር ከምዚ በለት፦ “ኵለን እየን ከምኡ ዚገብራ። ንዓይ እውን ከምኡ ኺገብር ተጸበያኒ፣ ሓቀኛ ዀይነ ኽመላለስ ከም ዝደሊ ገሊጸ ግን ኣበኽወን። ጽቡቕ ኣጋጣሚ የምልጠኒ ኸም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣላገጻለይ።

“ሓደ መዓልቲ ኻብቲ ትካል ተሰሪዕና ኽንወጽእ ከለና፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ብሃንደበት መጸ። ናይ ኵላትና ዘናቢል ፈተሸ፣ ብዘይካ ኣብ ናተይ፡ ኣብ ናይ ኵላተን ዘናቢል ፍረ ስየ ረኸበ። ኵለን እተን እተታሕዛ ብኡንብኡ ኻብ ስራሕ ኪስጐጓ ወይ ንኽልተ ሰሙን ብዘይ መሃያ ኺሰርሓ ነበረን። ኣብተን ክልተ ሰሙን ከኣ፡ ንዓይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ የምልጠኒ ኸም ዘይነበረ ኣመና።”

“ረኸብቲ ወሰድቲ”

ዝጠፍአ ንብረት እንተ ረኺብካ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ብዙሓት ሰባት ብኡንብኡ ኸም ናቶም ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ንኺመልስዎ ኣይሓስቡን እዮም። “ረኸብቲ ወሰድቲ” ዚብል ፍልስፍና ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ ዋላ ሓደ ጕድኣት ከም ዘይተገብረ ይስምዖም። ከመይሲ፡ እቲ ዋና ንንብረቱ ኸም ዝጠፍኦ ገይሩ ቐቢጽዎ ኢሎም የመኻንዩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ዋና ምድላይ ብዙሕ ጻዕሪ ኺሓትት ስለ ዚኽእል፡ ሓላፍነቶም ከም ዘይኰነ ይስምዖም።

ኣምላኽ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ይርእዮ፧ ዘዳግም 22:1-3 ኸም እትሕብሮ፡ ረኻቢ ነቲ ዝረኸቦ ናቱ ኺገብሮ ዘይኰነስ፡ ዋናኡ “ኽሳዕ ዚደልዮ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ” እዩ ተባሂሉ ተነጊርዎ። ሓደ ረኻቢ፡ ዝረኸቦ ነገር እንተ ዘየፍሊጡ፡ ብስርቂ ኪኽሰስ ይኽእል ነበረ። (ዘጸኣት 22:9) ሎሚኸ እዚ ግብራዊ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ክሪስቲን ግብራዊ ምዃኑ ትኣምነሉ እያ።

ክሪስቲን ኣብ ሓደ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ሓለቓ መምህራን ኰይና እያ እትዓዪ። ሓደ መዓልቲ ናይ ወርሒ ደሞዛ ተዋህባ። ከምቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዚግበር ድማ፡ ጠሚራ ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወቶ። ድሕሪኡ፡ ከም ታክሲ ዀይና እተገልግል ሞተር ብሽክለታ ተወጢሓ ናብ ኣኼባ ኸደት። ኣብቲ ዝደለየቶ ምስ በጽሐት፡ ካብ ቦርሳኣ ሰልዲ ኣውጺኣ፡ ነቲ ዘዋሪ ኸፈለቶ። ሽዑ ጸልሚቱ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጠሚራቶ ዝነበረት ገንዘባ ኸየስተውዓለትሉ ናብ ባይታ ወደቐ።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ 19 ዓመት ዝዕድሚኡ ብለዝ ዝስሙ ነቲ ኸባቢ ጋሻ ዝዀነ መንእሰይ ናብቲ ቦታ መጸ። ኣብቲ ክሪስቲን እተኣከበትሉ ኣኼባ ምስ ዓርኩ ኺራኸብ እዩ ቘጸራ ነይርዎ። ነቲ እተጠምረ ገንዘብ ምስ ረኣዮ፡ ኣልዒሉ ኣብ ጁባኡ ኣእተዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ንዓርኩ ኣብ ግዳም ዝጠፍአ ነገር ከም ዝረኸበ፡ ዝጠፍኦ ሰብ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ናብኡ ደዊሉ እንታይ ምዃኑ ኺገልጸሉ ኸም ዘለዎ ነገሮ።

ክሪስቲን በታ ምሸት እቲኣ ናብ ቤታ ምስ በጽሐት፡ ናይ ወርሒ ደሞዛ ኸም ዝጠፍአ ምፍላጣ ኣሰምበዳ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ንዦዛፊን እትበሃል መሓዛኣ እንታይ ከም ዝጠፍኣ ምስ ገለጸትላ፡ ኣብ ኣኼባ መጺኡ ዝነበረ በጻሒ ሓደ ነገር ከም ዝረኸበ ነገረታ። ክሪስቲን ንብለዝ ደወለትሉ፡ እንታይ ከም ዝጠፍኣ ድማ ብልክዕ ገለጸትሉ። ብለዝ ገንዘባ ምስ መለሰላ ኸኣ ኣዝያ ተሓጐሰት። ብለዝከ፧ ነቲ ገንዘብ ንሰሙን ሒዝዎ እኳ እንተ ጸንሐ፡ “ነቲ ገንዘብ ብምምላሰይ ዝረኸብክዎ ሓጐስ፡ ካብቲ ምሳይ ከሎ ዝረኸብክዎ ሓጐስ ይበልጽ” በለ።

ወትሩ ሓቀኛታት ኪዀኑ ዚጽዕሩሉ ምኽንያት

ቪክቶሪንን ቪክትዋርን ብለዝን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እዮም ዚነብሩ፡ ንሓድሕዶም እውን ኣይፋለጡን እዮም። ሓደ ሓባራዊ ዚገብሮም ነገር ግን ኣለዎም። ሰለስቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛነት ዚብሎ ድማ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም። ኣምላኽ እተመባጽዓላ ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ይጽበዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ይብል። ኵሎም እቶም ሽዑ ዚነብሩ ሰባት ጻድቃንን ሓቀኛታትን ኪዀኑ እዮም።—2 ጴጥሮስ 3:13

ቪክቶሪን ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ለውጢ ዜምጽኣሉ ግዜ፡ ቍጠባዊ ዅነታታ ብዙሕ ኪመሓየሽ ተስፋ የብላን። እንተዀነ ግን፡ ብመንፈስ ሃብታም እያ፣ እዚ ኸኣ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ኣይኰነን። ደቃ ሓቀኛታትን እዱባትን እዮም። ሰንበት ሰንበት ንጐረባብቶም ብዛዕባ ሳህሊ ኣምላኽን “ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም” ብኸመይ ከም ዜርውዮምን “ንዜፍቅርዎ ዅሎም” ከም ዚሕልዎምን ኬውርዩ ኸለዉ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘እልል ይብሉ’ እዮም።—መዝሙር 145:7, 18, 20

ድሕሪ ግዜ፡ ቪክትዋር ነቲ ዘይቲ ስየ ዚምስርሓሉ ትካል ሓደገቶ። ናይ ርእሳ ስራሕ ጀመረት፡ ኣብ ዕዳጋ ድማ ጋሪ (ካብ ካሳቫ ዚዳሎ ዓይነት ኩእኩእ) ክትሸይጥ ጀመረት። ሓቀኛ ብምዃና ብዙሓት ዓማዊል ኣጥረየት። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ኣብ ዕዳጋ እተሕልፎ ዝነበረት ግዜ ብምንካይ፡ ንሰባት ኣብታ ቕጥፈት ዘይብላ ዓለም ብዛዕባ ምንባር ንምንጋር ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ጀመረት። ጸኒሓ ተመርዓወት፣ ሕጂ ድማ ንሳን ሰብኣያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ክሪስቲን ኣብ ኣፍ ደገ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገንዘባ ኣጥፊኣ ነበረት። ብለዝ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምስ ሒደት ሰባት ጥራይ ይፋለጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ወትሩ ሓቀኛታት ኪዀኑ ዚጽዕሩ ክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ምዃኖም ግን ይፈልጥ ነበረ።

ወትሩ ሓቀኛታት ኪዀኑ ዚጽዕሩ ኽንደይ ሰባት ትፈልጥ፧ ከምኡ ዓይነት ባህርይ ምስ ዘለዎም 50፡ 100፡ ወይ 200 ሰባት ግዜ ምሕላፍ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ተመክሮ እዮም ዜሕልፉ። ስለምንታይ ናብ ኣዳራሾም ኬድካ ምሳታቶም ዘይትላለ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሓቀኛታት ውሉዳት፡ ካብ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ንላዕሊ ዕግበት የምጽኡልካ እዮም።”—ቪክቶሪን

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

ምሳሌ 6:30 ንስርቂ መመኽነይታ ተቕርብ ድያ፧

ምሳሌ 6:30፡ “ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ” ትብል። እዚ ቓላት እዚ ንስርቂ መመኽነይታ ድዩ ዜቕርብ ዘሎ፧ ኣይፋልን። ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራቒ ብጌጋኡ ተሓታቲ ኸም ዚገብሮ ይገልጽ። እታ ቐጺላ ዘላ ቝጽሪ፡ “እንተ ተታሕዘ ኸኣ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይህብ” ትብል። (ምሳሌ 6:31) እቲ ጠምዩ ዚሰርቕ ሰራቒ ማዕረ እቲ ብስስዐ ዚሰርቕ ወይ ንኺጐድእ ኢሉ ዚሰርቕ ዚውቀስ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ‘ኪዓዲ’ ግን ኣለዎ። እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዚደልዩ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪሰርቁ የብሎምን።