ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ወትሩ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ከተማልእ ድያ፧

ምድሪ ወትሩ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ከተማልእ ድያ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ምድሪ ወትሩ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ከተማልእ ድያ፧

እዛ ውቅብቲ ምድርና ንህይወት ዜድሊ ነገራት ተማልእ እያ። ኰይኑ ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ብናህሪ ይውስኽ ከምኡውን እቲ ዘይነጽፍ ሃብቲ ምድርና ብብዝሒ እናተባሕጐጐ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ‘ምድርና ወትሩ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ተማልእዶ ትኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንሓስብ ከለና፡ በቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ቅድሚ 4,000 ዓመት፡ “ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ዘፍጥረት 8:22) ስለዚ፡ ከምቲ ጸሓይ ወትሩ ኸም ዘይተቋርጽ እንተኣማመን፡ ምድርና እውን ንህይወት ዜድሊ ነገራት ካብ ምፍራይ ከም ዘይተቋርጽ ርግጸኛታት ኢና።

ብ2004፡ “ምድሪ ኽትምግበና ትኽእል ድያ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብኣሌክስ ክርቢ ዚበሃል ሪፖርተር ዝወጸ ጸብጻብ፡ “ምድሪ ንዅሉ ኺምግብ ዚኽእል ምግቢ ተፍሪ እያ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ምግቢ ኣብቲ ዜድልየሉ ቦታ ኣይህሉን ወይ ዋጋኡ ኣዝዩ ይኸብር ወይ ከኣ ንነዊሕ እዋን ኪኽዘን ኣይክእልን። ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ እኹል ምግቢ ኸም ዚረክብ ምግባር፡ ብዝያዳ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዘይኰነስ፡ ኣብ ፖለቲካ እተመርኰሰ እዩ” ይብል። ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሃብትን ግቡእ ምቍጽጻር እንተ ተገይሩሉ፡ ሕጽረት ኬጋጥም ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት፡ ብግዜ እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ እታ ዚነብሩላ ምድሪ ንጹር መምርሒ ሂቡ ነበረ። ከምቲ ኣብ ዘሌዋውያን 25:4 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ “በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕረፍቲ . . . ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ” በሎም። እስራኤላውያን ኣብ ሳብዐይቲ ዓመት መሬቶም ኪሓርሱ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ኣምላኽ ኵሉ ነገራት ከም ዜማልኣሎም ቃል ኣትዩሎም ስለ ዝነበረ ግን፡ ሕጽረት ከየጋጥም ኢሎም ኪሰግኡ ኣይነበሮምን።—ዘሌዋውያን 26:3-5

ገሊኦም ቅኑዓት ሰባት ነቲ ኣብ ምድሪ ዝወረደ ጕድኣት ንምጽጋን ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ፡ ብዙሓት ግን እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኣዝዩ ውሑድን ግዜኡ ዝሓለፎን ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። እንተዀነ ግን፡ እቲ ነባሪ ዝዀነ እንኮ ፍታሕ ኣብ ራእይ 11:18 ተጠቒሱ ኣሎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም’ ትገልጽ። የሆዋ ነቶም ንምድርናን ንጸጋታታን ብግቡእ ዘይሕዝዎ ሰባት ከም ዜጥፍኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምድርና ንዅሎም ተቐማጦኣ ዚኸውን ኣኺሉ ዚተርፍ ምህርቲ ኸም እተፍሪ እውን ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ኵሎም እቶም ንዕላማ ኣምላኽ ዚቃወሙን ንብሕታዊ ጥቕሞም ኢሎም ብስስዐ ንምድሪ ዚምዝምዙን ሰባት ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቶም ብፍቓዶም ንኣገዛዝኣ የሆዋ ዚድግፉ ሰባት፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 72:16 ዚርከብ፡ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ [“ምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ ዚብል ቃላት ኪፍጸም ከሎ ብዓይኖም ኪርእዩ እዮም።

የሆዋ ብፍቕሩን ብጥበቡን ተደሪኹ፡ ሰባት ንምድሪ እናተኸናኸኑ ኣብ ገነት ኪነብሩ ዕላማ ኣውጺኡ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ ምድርና ዘሎ ኣኺሉ ዚተርፍ ባህርያዊ ጸጋታት ብስስዐ ኣይኪምዝምዝዎን እዮም፣ የግዳስ፡ ብጥበብ ኪጥቀምሉ እዮም። ነቲ ንድሌት ኵሎም ህይወታውያን ዜማልእ ፈቃር ወሃቢ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግኖ ዚግብኣና!—መዝሙር 145:16

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኵሉ ሰብ እኹል ምግቢ ኸም ዚረክብ ምግባር፡ ብዝያዳ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዘይኰነስ፡ ኣብ ፖለቲካ እተመርኰሰ እዩ”