ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧

ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧

ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧

“ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴ. 28:19

1, 2. (ሀ) ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ኪጥመቑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

 የሩሳሌም ካብ እተፈላለየ ዓድታት ብዝመጹ ሰባት መሊኣ ነበረት። ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ሓደ ዓብዪ በዓል ይካየድ ነበረ፣ ብዙሓት ከኣ ኣብቲ በዓል ይካፈሉ ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ዜደንቕ ጽልዋ ዝነበሮ ዜነቓቕሕ መደረ ምስ ኣቕረበ ግን፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኣጋጠመ። ኣስታት 3,000 ዚዀኑ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን በቲ ቓላቱ ስለ እተተንከፉ፡ ተነሲሖም ብማይ ተጠምቁ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወሰኹ። (ግብ. 2:41) ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ጋብላታትን ሓጽብታትን ክንድዚ ዚኣክል ሰብ ብሓንሳእ ምጥማቑ፡ ዓብዪ ያዕያዕታ ፈጢሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ!

2 ክንድዚ ዚኣክል ሰብ እተጠምቀ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ “ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ።” ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ሓንቲ ቤት ዝነበሩ ኣስታት 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ። ድሕሪኡ፡ ንኣምላኽ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ እቶም ሃዋርያት “ብኻልእ ቋንቋታት” ኪዛረቡ ኸለዉ ምስ ሰምዕዎም፡ ኣዝዩ ገረሞም። ነቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሞት የሱስን ካልእን እተዛረቦ ምስ ሰምዑ፡ ብዙሓት “ልቦም ተወግኤ።” እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ ጴጥሮስ፡ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ . . . ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም።—ግብ. 2:1-4, 36-38

3. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ፡ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን እንታይ ኪገብሩ የድልዮም ነበረ፧

3 እቶም ጴጥሮስ ንዝሃቦ መደረ ዚሰምዑ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንየሆዋ ኸም ኣምላኾም ገይሮም ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረትን ብድሕሪኡን እተጠቕመሉ ንጡፍ ሓይሊ፡ ማለት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ፈሊጦም ነበሩ። (ዘፍ. 1:2፣ መሳ. 14:5, 6፣ 1 ሳሙ. 10:6፣ መዝ. 33:6) ኰይኑ ግን፡ ካብዚ ንላዕሊ ኺፈልጡ የድልዮም ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን ዚጥቀመሉ መሲሕ፡ ማለት ንየሱስ ኪፈልጥዎን ኪቕበልዎን ነበሮም። ስለዚ ኸኣ እዩ ጴጥሮስ፡ ‘ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ’ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጕልሐ። ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦትን፡ ንሰባት “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ኬጠምቑ ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለወን። እሞኸ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

ብስም ኣቦ

4. ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዚራኸበሉ መገዲ እንታይ ለውጢ እዩ ተገይሩ፧

4 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ እቶም ጴጥሮስ ንዝሃቦ መደረ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃቡ ሰባት፡ ንየሆዋ ዜምልኹን ምስኡ ርክብ ዝነበሮምን እዮም ነይሮም። ሕግታቱ ኺሕልዉ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ ድማ እዮም ካብ ካልኦት ዓድታት ናብ የሩሳሌም ዝመጹ። (ግብ. 2:5-11) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ደቂ ሰብ ዝራኸበሉ መገዲ ዓብዪ ለውጢ ገይሩ ነበረ። ኣይሁድ ፍሉያት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምዃን ስለ ዘቋረጹ፡ ነቲ ሕጊ ምሕላው፡ ስምረት ኣምላኽ ኬውህቦም ዚኽእል ኣይነበረን። (ማቴ. 21:43፣ ቈሎ. 2:14) ስለዚ፡ እቶም ሰማዕቲ ምስ የሆዋ ቐጻሊ ርክብ ኪህልዎም እንተ ደልዮም፡ ካልእ ነገር ኪገብሩ ነበሮም።

5, 6. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ምስ ኣምላኽ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ገበሩ፧

5 እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ሰማዕቲ ኻብቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኸም ዚርሕቁ ኣይገበሮምን። (ግብ. 4:24) የግዳስ፡ የሆዋ ሕያዋይ ኣቦ ምዃኑ ብዝያዳ ኺፈልጡ ኸኣሉ። የሆዋ ንዕኦም ምእንቲ ኼድሕኖም መሲሕ ለኣኸ፣ ብዘይካዚ፡ ነቶም ጴጥሮስ፡ “ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” ኢሉ እተዛረቦም እስራኤላውያን ይቕረታ ኺገብረሎም ፍቓደኛ ዀነ። ብርግጽ፡ እቶም ንቓላት ጴጥሮስ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ምስኡ ርክብ ኪምስርቱ ዚደልዩ ሰባት ዝገበረሎም ነገራት ኬማስዉሉ እኹል ምኽንያት ነበሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:30-36 ኣንብብ።

6 ኣይሁድን ጵሮሴሊትን፡ ምስ የሆዋ ርክብ ምምስራት፡ ኣምላኽ ብየሱስ ገይሩ ድሕነት ዚርከበሉ መገዲ ኸም ዘዳለወ ኣፍልጦ ምሃብ እውን ዜጠቓልል ምዃኑ ኺርድኡ ኸኣሉ። ስለዚ፡ ካብ ሓጢኣቶምን ካብቲ ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ንየሱስ ብምቕታሎም ዝገበርዎ ሓጢኣትን ተነስሑ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት፡ “ብትምህርቲ ሃዋርያት” ጸኒዖም ቀጸሉ። (ግብ. 2:42) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ” ኪቐርቡ ኸኣሉ።—እብ. 4:16

7. ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ቐይሮም ብስም ኣቦ እተጠምቁ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብዚ እዋን እዚ፡ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጾ ሓቂ ተማሂሮም እዮም። (ኢሳ. 2:2, 3) ገሊኦም ኢዝሄራውያን ወይ ደያውያን a ዝነበሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎን ምስኡ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ኪምስረት ከም ዚከኣልን ኣሚኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ስላሴ ወይ ኣብ እተፈላለየ ኣማልኽቲ ዚኣምኑ እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ብስሙ ኺጽውዕዎ ኽኢሎም እዮም። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብስም ኣቦ ኺጥመቑ ኸም ዘለዎም ዝሃቦ ትእዛዝ ዚሰማማዕ እዩ።

8. እቶም ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ምንም ምርዳእ ዘይነበሮም ሰባት፡ ብዛዕባ ኣቦ እንታይ ኬስተውዕሉ ኣለዎም፧

8 ብዙሓት ሰባት፡ ብሰሪ ኣዳም ሓጢኣት ከም ዝወረሱ ኺፈልጡ ኽኢሎም እዮም። (ሮሜ 5:12) እዚ ሓድሽ ትምህርቲ እኳ እንተ ዀኖም፡ ሓቂ ኸም ዝዀነ ግን ኪኣምኑሉ ኣለዎም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሓደ ብዛዕባ ሕማሙ ዘይፈልጥ ሰብ ከነመሳስሎም ንኽእል ኢና። እዚ ሰብ እዚ፡ ጸጸኒሑ ኸም ዜጋጥም ቃንዛ ዝኣመሰለ ምልክታት ሕማም ይርኢ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ተመርሚሩ ሕማሙ ስለ ዘይፈለጠ፡ ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። ሕማም ከም ዘለዎ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። (1 ቈረ. 4:4) ተመርሚሩ ሕማሙ እንተ ዚፈልጥ እንታይ ምገበረ፧ ጽቡቕን ውጽኢታውን ዝዀነ ዓይነት ሕክምና ኺረክብ ኣይምጸዓረንዶ፧ ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ምስ ፈለጡ፡ ኣምላኽ “ኪፍውሶም” ከም ዚደሊ ስለ እተረድኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜቕርቦ “መርመራ” ተቐቢሎም እዮም። እምበኣር፡ ኵሎም እቶም ካብ ኣቦ ርሒቖም ዝነበሩ፡ ናብቲ “ኺፍውሶም” ዚኽእል ኣምላኽ ኪምለሱ ኣለዎም።—ኤፌ. 4:17-19

9. የሆዋ ምስኡ ርክብ ንኽንምስርት እንታይ እዩ ገይሩ፧

9 ርእስኻ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፊኻ እተጠመቕካ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ምስ ኣምላኽ ርክብ ምምስራት ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ፈቃር ምዃኑ ኽትርዳእ ክኢልካ ኢኻ። (ሮሜ 5:8 ኣንብብ።) ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣት እኳ እንተ ገበሩ፡ ኣምላኽ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ንዓና እውን ሓዊሱ ንዅሎም ዘርኦም ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱ ዚኽእሉሉ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ እቲ ፍቑር ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ከሎ ብምርኣይ ንእተሰምዖ ስቓይ ተዓገሰ። ነዚ ምፍላጥና ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ስልጣን ክንቅበልን ንትእዛዛቱ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንእዘዞን ደይኰነን ዚሕግዘና፧ እሞኸ ንኣምላኽ ትእዘዞዶ ኣሎኻ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ርእስኻ ንኣምላኽ ክትውፍን ክትጥመቕን ዜኽእል ምኽንያት ኣሎካ።

ብስም ወዲ

10, 11. (ሀ) ነቲ የሱስ ዝገበሮ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እተማስወሉ፧ (ለ) የሱስ በጃ ዀይኑ ብሙማቱ እንታይ ይስምዓካ፧

10 ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ እተዛረቦ ቓላት እሞ ደጊምካ ሕሰብ። ንየሱስ ምቕባል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሑ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ‘ብስም ወዲ ምስ ምጥማቕ’ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምኡ ምግባር ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሎሚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንየሱስ ምቕባልን ብስሙ ምጥማቕን ኪበሃል ከሎ፡ ኣብቲ ምስ ፈጣሪ ዚህልወና ርክብ ንዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ። የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ እተሰቕለ ንመርገም እቲ ሕጊ ኻብ ኣይሁድ ንምውጋድ እኳ እንተ ነበረ፡ ሞቱ ተወሳኺ ጥቕሚ እውን ነበሮ። (ገላ. 3:13) ንዅሎም ደቂ ሰብ ዜድልዮም መስዋእታዊ በጃ እዩ ኣቕሪቡ። (ኤፌ. 2:15, 16፣ ቈሎ. 1:20፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2) ነዚ ንምፍጻም ከኣ፡ በደል፡ ጸርፊ፡ ስቓይ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሞት ተጸሚሙ ሓለፈ። ንመስዋእቱ ማዕረ ኽንደይ ኢኻ እተማስወሉ፧ ኣብታ ብ1912 ምስ ኵምራ በረድ ተጋጭያ ዝጠሓለት ታይታኒክ እትበሃል መርከብ ዝነበርካ ወዲ 12 ዓመት ቘልዓ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ናብታ ህይወት እተድሕን ጃልባ ኽትኣቱ ምስ ፈተንካ፡ መሊኣ ትጸንሓካ። ድሕሪኡ፡ ኣብታ ህይወት እተድሕን ጃልባ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ስዒሙ ናብታ እትጥሕል ዝነበረት መርከብ ተመሊሱ፡ ንዓኻ ናብታ ጃልባ እንተ ዜእትወካ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ኣዚኻ ኸም እተመስግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ኸምዚ ዓይነት ተመክሮ ዘጋጠሞ ወዲ ኸመይ ከም እተሰምዖ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ። b ኰይኑ ግን፡ የሱስ ካብዚ ንላዕሊ እዩ ገይሩ። ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽትረክብ ኢሉ እዩ ሞይቱ።

11 ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣምላኽ ምእንታኻ ዝገበሮ ነገራት ምስ ተመሃርካ፡ እንታይ ተሰሚዑካ፧ (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) ዓሚቝ ሞሳ ተሰሚዑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ርእስኻ ንኣምላኽ ክትውፊ ኸምኡውን ‘ድሕሪ ሕጂ ንርእስኻ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምእንታኻ ዝሞተ ኽትነብር’ ደሪኹካ እዩ። ስለዚ፡ ብስም የሱስ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ የሱስ ምእንታኻ ኢሉ ዝገበሮ ነገራት ኣፍልጦ ምሃብን ነቲ ኸም “ራእሲ ህይወት” መጠን ዘለዎ ስልጣን ምቕባልን ዜመልክት እዩ። (ግብ. 3:15፣ 5:31) ርእስኻ ቕድሚ ምውፋይካ፡ ምስ ፈጣሪ ዝዀነ ይኹን ርክብ ስለ ዘይመስረትካ፡ ተስፋ ዚበሃል ኣይነበረካን። ሕጂ ግን፡ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምሕዳርን ብምጥማቕን ምስ የሆዋ ኣቦኻ ርክብ ክትምስርት ኽኢልካ ኢኻ። (ኤፌ. 2:12, 13) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም . . . [ኣምላኽ] ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ [ብስጋ የሱስ] ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም” ኢሉ ኺጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ቈሎ. 1:21, 22

12, 13. (ሀ) ብስም ወዲ ምጥማቕካ፡ ሓደ ሰብ ምስ በደለካ ንእትህቦ ምላሽ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧ (ለ) ብስም የሱስ እተጠመቕካ ክርስትያን ከም ምዃንካ መጠን እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎካ፧

12 ዋላ እኳ ብስም ወዲ እንተ ተጠመቕካ፡ ሓጥእ ዝንባለ ኸም ዘለካ ግን ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። መዓልታዊ ነዚ ምዝካርካ ድማ ጠቓሚ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኪብድለካ ኸሎ፡ ክልቴኹም ሓጥኣን ምዃንኩም ትዝክር ዲኻ፧ ልክዕ ከምቲ ኽልቴኹም ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልኩም እትደልዩ፡ ንሓድሕድኩም እውን ይቕረ ኽትበሃሃሉ ኣሎኩም። (ማር. 11:25) የሱስ ነዚ ንምጕላሕ ሓደ ምሳሌ ተጠቕመ። ኣብቲ ምሳሌኡ፡ ሓደ ጐይታ ንባርያኡ ነቲ ኣለቂሕዎ ዝነበረ እልፊ መክሊት (60 ሚልዮን ዲናር) ከም ዝሓደገሉ ገለጸ። ጸኒሑ ግን እቲ ባርያ ንሓደ 100 ዲናር ኣለቂሕዎ ዝነበረ ኻልእ ባርያ ዕዳኡ ኣይሓደገሉን። ድሕሪኡ የሱስ፡ የሆዋ ነቲ ንሓዉ ይቕረ ዘይብለሉ ሰብ ይቕረታ ኸም ዘይገብረሉ ሓበረ። (ማቴ. 18:23-35) ስለዚ እምበኣር፡ ብስም ወዲ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ስልጣን ኣፍልጦ ምሃብ ከምኡውን ነቲ ዝሓደጐ ኣብነትን ንትምህርትታቱን ንኽትስዕብ ምጽዓር ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ ንኻልኦት ብፍታው ይቕረ ምባል እውን የጠቓልል።—1 ጴጥ. 2:21፣ 1 ዮሃ. 2:6

13 ዘይፍጹም ብምዃንካ፡ ንየሱስ ምሉእ ብምሉእ ክትመስሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርካዮ ወፈያ ተሰማሚዕካ ብምንባር፡ ብእተኻእለካ መጠን ንየሱስ ክትቀድሖ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። እዚ ድማ፡ ብቐጻሊ ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥካ ብምውጋድ ብሓድሽ ሰብ ምትካእ የጠቓልል። (ኤፌሶን 4:20-24 ኣንብብ።) ሓደ እተኽብሮ ዓርኪ እንተ ኣልዩካ፡ ካብ ኣብነታቱ ኽትመሃርን ንጽቡቕ ባህርያቱ ኽትቀድሕን ከም እትፍትን ግልጺ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ የሱስ ክትመሃርን ንዕኡ ኽትመስሎን ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

14. ነቲ የሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ዘለዎ ስልጣን ኣፍልጦ ኸም እትህበሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

14 ነቲ ብስም ወዲ ምጥማቕ ዜጠቓልሎ ነገራት ከም እተረዳእካዮ ኸተርኢ እትኽእለሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ [ኣብ ኣእጋር የሱስ] ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ” ይብል። (ኤፌ. 1:22) ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ሰባት ዚመርሓሉ መገዲ ኸተኽብር ኣሎካ። ክርስቶስ ኣብ ጉባኤ ንዘይፍጹማት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብመንፈሳዊ ብሱላት ብምዃኖም እተሸሙ ሽማግለታት ይጥቀም እዩ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም እተሸሙ፡ “እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ” እዩ። (ኤፌ. 4:11, 12) ዋላ እኳ ሰባት ዘይፍጹማት ብምዃኖም እንተ ተጋገዩ፡ የሱስ፡ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ምዃኑ መጠን ነቲ እተፈጥረ ጌጋ ኣብ ዝመረጾ ግዜን ብዝመረጾ መገድን ኪፈትሖ ይኽእል እዩ። እሞኸ ነዚ ትኣምነሉ ዲኻ፧

15. እንተ ተጠሚቕካ እንታይ በረኸት ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧

15 ገሊኦም ግን ክሳዕ ሕጂ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ኣይተጠምቁን። እሞኸ ንስኻ እውን እንተ ዘይተጠሚቕካ፡ እቲ ወዲ ንዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ኽትህበሉን ከተማስወሉን ከም ዘሎካ ኣየስተብሃልካንዶ፧ ብስም ወዲ ምጥማቕ፡ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ።—ዮሃንስ 10:9-11 ኣንብብ።

ብስም መንፈስ ቅዱስ

16, 17. ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕካ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

16 ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ እቶም ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መደረ ዝሰምዑ ሰባት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ እውን ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱስ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ዜረጋግጽ መርትዖ ብዓይኖም ርእዮም እዮም። ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ‘መንፈስ ቅዱስ መሊእዎም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ዝጀመሩ’ ሰባት እዩ ነይሩ። (ግብ. 2:4, 8) “ብስም” ኪበሃል ከሎ፡ ንኣካል ዘለዎ ጥራይ ዚምልከት ኣይኰነን። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ “ብስም” መንግስቲ ብዙሕ ነገራት እዩ ዚግበር፣ መንግስቲ ግን ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ኣይኰነን። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ብስልጣን መንግስቲ ተጠቒምካ ኸም ዚግበር እዩ ዜመልክት። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ብስም መንፈስ ቅዱስ ዚጥመቕ ሰብ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ የሆዋ ዚጥቀመሉ ንጡፍ ሓይሊ ደኣ እምበር፡ ኣካል ከም ዘይኰነ ይርዳእ እዩ። ብስሙ ተጠሚቑ ኺበሃል ከሎ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ንዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ሂቡሉ ማለት እዩ።

17 መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕካ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ክትፈልጥ ክኢልካ ኢኻ። ንኣብነት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ፈሊጥካ ኢኻ። (2 ጢሞ. 3:16) መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ከለኻ፡ ‘እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ፡’ እንተላይ ንዓኻ ‘ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህብ’ ዝያዳ ኽትፈልጥ ክኢልካ ኢኻ። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ይዓዪ ኸም ዘሎ ኣስተውዒልካ ትኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ገና ብስም መንፈስ ቅዱስ ዘይተጠመቕካ እንተ ደኣ ዄንካ፡ እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣቦ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህበካን ነቲ መንፈስ ምስ ተቐበልካ ናይ ሓቂ በረኸት ከም እትረክብን መረጋገጺ ይዀነካ እዩ።

18. እቶም ብስም መንፈስ ቅዱስ እተጠምቁ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

18 የሆዋ ሎሚ እውን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈሱ ገይሩ ይመርሓ ኸም ዘሎ እተረጋገጸ እዩ። እቲ መንፈስ እቲ፡ ንዓና እውን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ይሕግዘና እዩ። ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ህይወትና ንዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ምሃብን ምስኡ ምትሕብባርን ማለት እዩ። ገሊኦም ግን፡ ‘ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መንፈስ ቅዱስከ ብኸመይ ይሕግዘና፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ዚቕጽል ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ደያውያን፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባ ፍጡራቱ ግን ተገዳስነት ከም ዘይብሉ እዮም ዚኣምኑ።

b ኣብታ ናይ 22 ጥቅምቲ 1981 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-8 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ብስም ኣቦ ምጥማቕካ እንታይ የጠቓልል፧

• ብስም ወዲ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ብስም ኣቦን ወድን ምጥማቕ ንዘለዎ ኣገዳስነት ከም እተረዳእካዮ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

• ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኣቦ እንታይ ዓይነት ርክብ እዮም መስሪቶም፧

[ምንጪ ስእሊ]

By permission of the Israel Museum, Jerusalem