ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱ ዘሕደሮ ጽልዋ

የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱ ዘሕደሮ ጽልዋ

የሱስ ክርስቶስ መልእኽቱ ዘሕደሮ ጽልዋ

“ነቲ ለባም ብዓል ቅፍርናሆም ዚኸውን ነባሪ ምስክርነት፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ልብን ኣእምሮን ሰባት ብለውሃት ዚማርኽ ምዃኑ እዩ።” aግረግ ኢስተርብሩክ ዝስሙ ደራሲ

ቃላት ሓይሊ ኣለዎ። ብዚግባእ እተመርጸ ቓላት ጥበብ ከኣ፡ ልቢ ኺትንክፍን ተስፋ ኺህብን ህይወት ኪቕይርን ይኽእል እዩ። ካብ የሱስ ክርስቶስ ንላዕሊ ሓያል ቃላት እተዛረበ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት ዝሰምዐ ሓደ ሰብ፡ “የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ . . . እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ” ኢሉ ጸሓፈ።—ማቴዎስ 7:28

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ይፈልጥዎ እዮም። ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

“ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።”ማቴዎስ 6:24

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”ማቴዎስ 7:12

“ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ።”ማቴዎስ 22:21

“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።”ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ኰይኑ ግን፡ የሱስ ዘይርሳዕ ቃላት ጥራይ ኣይኰነን ተዛሪቡ። እቲ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ሓያል እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ዚገልጽ፡ ሰባት ብኸመይ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚምህር፡ ከምኡውን ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ብንጹር ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ገጻት፡ ነቲ መልእኽቲ ኽንምርምሮ ኸለና፡ የሱስ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ‘ብለውሃት ንልብን ኣእምሮን ሚልዮናት ዚማርኸሉ’ ዘሎ ምኽንያት ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቅፍርናሆም ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ኰይና፡ የሱስ ዝዓበየላ ኸተማ ኸም ዝዀነት ጌርካ እያ እትሕሰብ።—ማርቆስ 2:1