ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ

የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ

የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ

“ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።”—ሉቃስ 10:22

እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ማእለያ ንዘይብሉ ዘመናት ምስ ኣቦኡ ይነብር ነበረ። (ቈሎሴ 1:15) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንኣተሓሳስባን ስምዒታትን መገድታትን ኣቦኡ ኺፈልጥ ከኣለ። ጸኒሑ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣቦኡ ዚገልጽ ሓቂ ኺምህር ይህንጠ ነበረ። ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝበሎ ነገራት ብምስማዕ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ስም ኣምላኽ፦ እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም፡ ንየሱስ ኣዝዩ የገድሶ ነበረ። እዚ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ፡ ካልኦት ሰባት ንስም ኣቦኡ ኺፈልጥዎን ኪጥቀሙሉን ይደሊ ነበረ። እቲ የሱስ ዚብል ስሙ እኳ፡ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ማለት እዩ። ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:26) የሱስ ንስም ኣምላኽ ምጥቃሙን ካልኦት ከም ዚፈልጥዎ ምግባሩን ዜገርም ኣይኰነን። እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ንስም ኣምላኽን ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕምን ከይፈለጡ እሞ ኸመይ ገይሮም እዮም ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ኺርድእዎ ዚኽእሉ፧ a

ዓባይ ፍቕሪ ኣምላኽ፦ ሓደ እዋን፡ የሱስ፡ “ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:24) ኣብ ሰማይ ከሎ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዝረኸበ፡ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብእተፈላለየ ጽቡቕ መዳያታ ኼንጸባርቓ ጸዓረ።

የሱስ፡ ፍቕሪ የሆዋ ሰፋሕ ምዃና ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) እታ ኣብዚ “ዓለም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምድሪ” ማለት ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። እሙናት ሰባት ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ዀይኖም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ኣምላኽ በታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ወዱ ሃበ። ንዕምቈት እዛ ዓባይ ፍቕሪ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና።—ሮሜ 8:38, 39

የሱስ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ከም ዜፍቅሮም ብምሕባር ኣዝዩ ዜተባብዕ ሓቂ ገለጸ። የሆዋ ምስ ሓደ ንነፍሲ ወከፍ ኣባጊዑ ኣኽቢሩ ዚርኢ ጓሳ ኸም ዚመሳሰል ድማ መሃረ። (ማቴዎስ 18:12-14) ሓንቲ ዑፍ እውን እንተ ዀነት፡ ብዘይ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ገሊጹ ነበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን” በለ። (ማቴዎስ 10:29-31) የሆዋ፡ ሓንቲ ዑፍ ኣብ ስፍራኣ ኸም ዘየላ ናይ ምስትብሃል ክእለት ካብ ሃለዎ፡ ንሰብኣውያን ኣምለኽቱ ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ኣብሊጹ ዘይሓልየሎም፧ ነፍሲ ወከፍ ጸጕሪ ርእስና ቝጹራት ካብ ኰና፡ የሆዋ ድማ ዜስተብህለለን ካብ ኰነ፡ ንሱ ብዛዕባ ህይወትና፡ ማለት ብዛዕባ ዜድልየናን ዜጨንቐናን ነገራት ዘይፈልጦ ነገር ኪህሉ ይኽእልዶ፧

ሰማያዊ ኣቦ፦ ኣቐዲማ ኣብ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ። እዚ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንየሆዋ ኺጽውዖ ኸሎን ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎን “ኣቦ” እንተ በሎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ወዲ 12 ዓመት ከሎ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘውስአን ቃላት እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ፡ “ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃስ 2:49) ወንጌላት ዳርጋ 190 ሳዕ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል ንኣምላኽ ንምምልካት ተጠቒሙላ ኣሎ። የሱስ ንየሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋን፡ “ኣቦኹም፡” “ኣቦና፡” “ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 5:16፣ 6:9፣ 7:21) ነዚ መዓርግ እዚ ኸይተሰከፈ ይጥቀመሉ ምንባሩ፡ ሓጢኣተኛታትን ዘይፍጹማትን ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ምስ የሆዋ ኣብ ፍቕርን ምትእምማንን እተመስረተ ርክብ ኪህልዎም ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ።

መሓርን ይቕረ በሃልን፦ የሱስ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ምሕረት የሆዋ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነበረ። ኣብቲ ብዛዕባ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ንእተነስሐ ወዱ ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበል ርሕሩሕን ይቕረ በሃልን ኣቦ ኣመሳሰሎ። (ሉቃስ 15:11-32) ቃላት የሱስ፡ የሆዋ ንሓደ ሓጢኣተኛ ምሕረት ምእንቲ ኺገብረሉ ኢሉ፡ እቲ ሰብ ልባዊ ለውጢ ኽሳዕ ዚገብር ከም ዚጽበዮ መረጋገጺ ይህበና እዩ። የሆዋ ንሓደ እተነስሐ ሓጢኣተኛ ይቕረ ኺብለሉ ይህንጠ እዩ። የሱስ፡ “ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ሉቃስ 15:7) ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሓሪ ኣምላኽ ዘይቀርብ እሞ መን ኣሎ፧

ሰማዕ ጸሎት፦ የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ምዃኑን ብጸሎት እሙናት ኣምለኽቱ ኸም ዚሕጐስን ብቐጥታ ርእዩ እዩ። (መዝሙር 65:2) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰማዕቱ ብኸመይ ከም ዚጽልዩን ብዛዕባ እንታይ ከም ዚጽልዩን መሃሮም። “ዘረባ ኣይተብዝሑ” ኢሉ ድማ መኸሮም። “ፍቓድካ [ፍቓድ ኣምላኽ] ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ንሰማዕቱ ኣተባብዖም። ናይ ዕለት እንጌራና ኺወሃበና፡ ሓጢኣትና ይቕረ ኺበሃለልና፡ ከምኡውን ናብ ፈተና ኸይንኣቱ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:5-13) የሆዋ ነቲ ብእምነት ዚቐርበሉ ልባዊ ጸሎት ኣገልገልቱ ምላሽ ከም ዚህበሉ፡ የሱስ መሃረ።—ማቴዎስ 7:7-11

ልክዕ እዩ፡ የሱስ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምሂሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንኻልኦት ኬካፍሎም ዚህንጠ ዝነበረ ኻልእ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ እውን ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንምድርን ንሰባትን ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም ኣብ መላእ ዓለም ለውጢ ብዛዕባ ዜምጽኣሉ መገዲ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እዚ የሱስ ዚመሃሮ ትምህርቲ፡ ቀንዲ መልእኽቲ ስብከቱ እዩ ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ ኣብ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ። ትርጕም እዚ ስም እዚ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ማለት እዩ። (ዘጸኣት 3:14 NW) ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ኣድላዪ ዝዀነ ዅሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ስም፡ ኣምላኽ ቃሉ ኸም ዚሕሉን እተመባጽዖ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚፍጽምን ውሕስነት ይዀነና።