ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽውጽዋይዶ ወይስ ሓቂ፧ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ

ጽውጽዋይዶ ወይስ ሓቂ፧ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ

ጽውጽዋይዶ ወይስ ሓቂ፧ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ

እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ሓቂ፧

የሱስ ብ25 ታሕሳስ እዩ ተወሊዱ።

የሱስ ኪውለድ ከሎ፡ ሰለስተ ሰብ ጥበብ በጽሕዎ።

የሱስ ኣሕዋት ኰኑ ኣሓት ኣይነበርዎን።

የሱስ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።

የሱስ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ንዅሉ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት ይሰማምዑሉ ይዀኑ። ካልኦት ከኣ ርግጸኛ ኽትከውን ከም ዘይከኣል ይገልጹ። ኣብ የሱስ ክሳዕ ዝኣመንካ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት እትህቦ መልሲ ዘየገድስ ኰይኑ ይስምዖም።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈልየ ሓሳብ እዩ ዚህብ። ቅኑዕ ‘ፍልጠት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ’ ኪህልወና ድማ የተባብዕ። (2 ጴጥሮስ 1:8) ነዚ ፍልጠት እዚ፡ ንወንጌላት ብምምርማር ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ ኽንረክብ ስለ እንኽእል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ጽውጽዋይን ሓቅን ዘሎ ፍልልይ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰባት ዚኣምኑሉ ሓሳባት ብዚምልከት፡ ወንጌላት እንታይ ምላሽ ከም ዚህብ እስከ ንርአ።

ሰባት ዚኣምንዎ፦ የሱስ ብ25 ታሕሳስ እዩ ተወሊዱ።

ሓቂ ወይስ ጽውጽዋይ፦ ጽውጽዋይ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተወልደሉ ወርሕን መዓልትን ኣይገልጽን እዩ። ልደት የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ዚበዓል ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብመሰረት ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ “እታ መዓልቲ ምስቲ . . . ንምጅማር ሓጋይ፡ ማለት ምስቲ መዓልታት ዚነውሓሉን ጸሓይ ልዕል ኢላ እትረኣየሉን እዋን ከም ዝጀመረ ዚሕብር ናይ ሮማ ኣረማዊ በዓል ክትሰማምዓሎም ስለ ዝደለዩ” እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ ኢንሳይክሎፔድያ እዚ ወሲኹ ኸም ዝገለጾ፡ ኣብ በዓል ልደት ዚግበር መብዛሕትኡ ልማዳት፡ “ካብቲ ኣብ መፋርቕ ክረምቲ ዚግበር ምስ ሕርሻን ጸሓይን እተተሓሓዘ ኣረማዊ በዓላት” ዝመንጨወ እዩ።

የሱስ ነቲ ኣብ 25 ታሕሳስ ዚበዓል ልደቱ ዚሕጐሰሉዶ ይመስለካ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እታ የሱስ እተወልደላ መዓልቲ ኣይትፍለጥን እያ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንልደቱ ኸነኽብር ኣይእዝዝን እዩ፣ ቀዳሞት ክርስትያናት ከምኡ ኸም ዝገበሩ ዚገልጽ መርትዖ እውን የልቦን። ብኣንጻሩ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ብንጹር ይሕብረና እዩ፣ የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኼብዕልዋ ንሰዓብቱ ኣዚዝዎም እዩ። a (ሉቃስ 22:19) እምበኣር፡ የሱስ ኣብ መዓልቲ ልደቱ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ መስዋእታዊ ሞቱ ዘለዎ ዋጋ ብዝያዳ ኣቓልቦ ኺግበር እዩ ዚደሊ ነይሩ።—ማቴዎስ 20:28

ሰባት ዚኣምንዎ፦ የሱስ ኪውለድ ከሎ፡ ሰለስተ ሰብ ጥበብ (ብመሰረት ገሊኡ ባህልታት ከኣ ሰለስተ ነገስታት) በጽሕዎ።

ሓቂ ወይስ ጽውጽዋይ፦ ጽውጽዋይ።

ምናልባት የሱስ ኣብ መብልዕ ማል ኰይኑ፡ ሰለስተ ሰብ ጥበብ ከኣ ንዕኡ ኸቢቦም ውህበት ኪህብዎ ኸለዉ ዜርኢ ስእልታት ርኢኻ ትኸውን፣ ወይ ከኣ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣብ በዓል ልደት ዚግበር ምርኢት ተዓዚብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ጽውጽዋይ እምበር ሓቂ ኣይኰነን።

ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰባት ንየሱስ ከም ዝሰገዱሉ ዚከሓድ ኣይኰነን። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 2:1) ኰይኑ ግን፡ ንየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ድዮም ረኺቦምዎ፧ ኣይፋልን፣ ኣብ ቤት እዮም ረኺቦምዎ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ የሱስ ካብ ዚውለድ እተወሰነ ኣዋርሕ ሓሊፉ ነበረ።—ማቴዎስ 2:9-11

እቶም ንየሱስ ዝበጽሕዎ ሰባት፡ ክልተ ድዮም፡ ሰለስተ ድዮም፡ ወይስ ሰላሳ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። እቲ ሰለስተ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ምናልባት ካብቲ ዝሃብዎ ሰለስተ ዓይነት ውህበት ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። b (ማቴዎስ 2:11) ገሊኦም ሰባት ከኣ፡ ንእተፈላለዩ ዓሌት ደቂ ሰብ ዚውክሉ እዮም ነይሮም ኢሎም ይሓስቡ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ። ሓደ ብዛዕባ ወንጌላት ርእይቶ ዚህብ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ጽውጽዋይ እዚ፡ ውጽኢት “ሓደ ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን ዝነበረ ንጹር ግምት ዝነበሮ ጸሓፍ ታሪኽ” እዩ።

ሰባት ዚኣምንዎ፦ የሱስ ኣሕዋት ኰኑ ኣሓት ኣይነበርዎን።

ሓቂ ወይስ ጽውጽዋይ፦ ጽውጽዋይ።

የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ኣብ ወንጌላት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ወንጌል ሉቃስ፡ የሱስ ንማርያም “በዅሪ ወዳ” ኸም ዝነበረ ገይራ እያ እትጠቕሶ፣ እዚ ኸኣ ማርያም ካልኦት ውሉዳት እውን ከም ዝወለደት ዚሕብር እዩ። c (ሉቃስ 2:7) ወንጌል ማርቆስ ከኣ፡ ገሊኦም ነበርቲ ኸተማ ናዝሬት ንየሱስ ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብማዕረ ብምጥቃስ፡ ኣትሒቶም ከም ዝረኣይዎ ትገልጽ። እቶም ነበርቲ፡ “እዝስ . . . ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧” በሉ።—ማርቆስ 6:3፣ ማቴዎስ 12:46፣ ዮሃንስ 7:5

ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ምሁራት፡ ነዚ ኣብ ወንጌላት ዘሎ ሓሳብ ዕሽሽ ብምባል፡ ማርያም ንየሱስ ጥራይ ከም ዝወለደት ይገልጹ። ገሊኦም ሰባት፡ እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን የሱስ፡ ኣዝማዱ ኸም ዝነበሩ ይገልጹ። d ገሊኦም ድማ ደቂ ዮሴፍ ጥራይ ከም ዝነበሩ ገይሮም ይሓስቡ። ኰይኑ ግን፡ ማርያም ንየሱስ ጥራይ እንተ ትወልድ ነይራ፡ ነበርቲ ኸተማ ናዝሬት ብዛዕባ ኣሕዋትን ኣሓትን የሱስ ምተዛረቡዶ ነይሮም፧ ካብዞም ነበርቲ እዚኣቶም፡ ማርያም ወሊዳ ተዕቢ ኸም ዝነበረት ብዓይኖም ርእዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ሓደ ኻብቶም ማርያም ዝወለደቶም ብዙሓት ቈልዑ ኸም ዝዀነ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ሰባት ዚኣምንዎ የሱስ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ እዩ።

ሓቂ ወይስ ጽውጽዋይ፦ ጽውጽዋይ።

ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸን የሱስ ዚበሃል ሰብ ኰይኑ ይነብር ከም ዝነበረን ዚገልጽ ቀንዲ ትምህርቲ ስላሴ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዚእመነሉ ዝነበረ እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ብግዜ የሱስ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ዝገለጾ፡ “እታ ስላሴ እትብል ቃል ትኹን ግልጺ ዝዀነ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን የሎን። . . . እዚ ሰረተ-እምነት እዚ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናትን ድሕሪ ብዙሕ መጐተን እዩ ቐስ ብቐስ ማዕቢሉ።”

ሃይማኖታት ንየሱስ ከም ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ገይረን ኪገልጻኦ ኸለዋ፡ የዋርዳኦ እየን። e ብኸመይ፧ ነዚ ዚስዕብ መረድኢ እሞ ርአ። ገሊኦም ሰራሕተኛታት ንሓላፊኦም፡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ምስ ሓተትዎ፡ ከምቲ ዝበልዎ ናይ ምግባር ስልጣን ከም ዘይብሉ ይነግሮም። እቲ ዝበሎ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ዚፈልጥ ሰብ ከም ዝዀነ ዜርኢ እዩ። እቲ ዝበሎ ሓቂ እንተ ዘይኰይኑ፡ እሞ ኸኣ ኪገብሮ እናኸኣለ ኽነሱ ዘይገብሮ እንተ ዀይኑ፡ የታልል እዩ ዘሎ።

የሱስ ካብ ክልተ ሃዋርያቱ ንመዓርግን ተፈላጥነትን ዚምልከት ሕቶ ምስ ቀረበሉ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱ፧ “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። (ማቴዎስ 20:23) የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን፡ ይሕሱ ደይኰነን ነይሩ፧ ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ነቲ ኻብኡ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ኣካል እዙዝ ብምዃን፡ ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ሓደገ፣ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኸኣ ኣርኣየ።

ሰባት ዚኣምንዎ፦ የሱስ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ።

ሓቂ ወይስ ጽውጽዋይ፦ ሓቂ።

የሱስ፡ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ከም ዘይነበረ ብንጹር ኪገልጽ ከሎ፡ “ወዲ ኣምላኽ እየ” በለ። (ዮሃንስ 10:36) ሓቂ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ኺብል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ የሱስ እተዛረቦ ሓሶት እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኣብ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ፡ መታለሊ ምዀነ።

ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ ክልተ ሳዕ፡ “ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 3:17፣ 17:5) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት ጥራይ ባዕሉ ኸም እተዛረበ ይገልጽ እዩ፣ ካብዚኣተን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ድማ፡ የሱስ ወዱ ምዃኑ መረጋገጺ ሃበ። እዚ ኸኣ፡ የሱስ ልክዕ ከምቲ ዝበሎ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ዜረጋግጽ ዝበለጸ መርትዖ እዩ።

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ነገራት ንኽትፈልጥ ሓጊዛትካዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ወንጌላት ብዝያዳ ዘይትምርምሮ፧ ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ፡ ዜሐጕስን ጠቓምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ባዕሉ፡ ነቲ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኣቦኡን ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዜውህብ ገሊጹ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብመሰረት ዓውደ-ኣዋርሕ ኣይሁድ፡ የሱስ ኣብ ፋስጋ፡ ማለት ብ14 ኒሳን እዩ ሞይቱ።—ማቴዎስ 26:2

b እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ሳጹኖም ከፊቶም” ንየሱስ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ከም ዝሃብዎ ማቴዎስ ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ዜገርም ድማ፡ እዚ ኽቡር ህያባት እዚ፡ ነቶም ድኻታት ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ስድራ ቤት የሱስ፡ ኣብ ግቡእ ግዜኡ እዩ መጺኡሎም፣ ከመይሲ፡ ብዙሕ ከይጸንሑ ናብ ካልእ ዓዲ ኺስደዱ ተገዲዶም እዮም።—ማቴዎስ 2:11-15

c ማርያም ንየሱስ ብተኣምራዊ መገዲ እኳ እንተ ጠነሰቶ፡ ካልኦት ደቃ ግን ካብ ኣቦኦም ዮሴፍ ብባህርያዊ መገዲ እዮም ተጠኒሶም።—ማቴዎስ 1:25

d እዚ ጀሮም ብ383 ድ.ክ. ዘምጽኦ ሓሳብ፡ ኣብቶም ማርያም ኣብ መላእ ህይወታ ድንግል ከም ዝነበረት ዚኣምኑ ሰባት ህቡብ ኰነ። ጀሮም ጸኒሑ ነዚ ርእይቶ እዚ ኸም ዚጠራጠረሉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ብዙሓት ሰባት ግን፡ እንተላይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ይኣምኑሉ ኣለዉ።

e ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኸር እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኬገርመካ ዚኽእል ተወሳኺ ሓቅታት

የሱስ እንታይ ዓይነት ባህርያት ነበሮ፧ ብኻልኦት ዘይግደስን ዘይቅረብን ድዩ ነይሩ፧ ገሊኦም ሰባት ከምኡ ይመስሎም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ የሱስ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ይገብር ከም ዝነበረ ኺፈልጡ ኸለዉ፡ ይግረሙ እዮም።

ኣብ ዜሐጕስ ማሕበራዊ ንጥፈታት ተኻፈለ።—ዮሃንስ 2:1-11

ንኻልኦት ነኣደ።—ማርቆስ 14:6-9

ምስ ቈልዑ ግዜ ኣሕለፈ።—ማርቆስ 10:13, 14

ነብዐ።—ዮሃንስ 11:35

ራሕርሐ።—ማርቆስ 1:40, 41