ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ

“የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ . . . ይዘውር ነበረ።”—ማቴዎስ 4:23

ወንጌላት ብተደጋጋሚ፡ የሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ወይ ኣብ ምኵራብ ከም ዝመሃረ ይገልጽ እዩ። የሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት፡ ወይ ኣብታ ዚቕመጠላ ዝነበረ ቅፍርናሆም፡ ወይ ኣብተን ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኣክል ዘገልገለለን ከተማታትን ኣቝሻትን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽን ኪምህርን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምኵራብ ይመርጽ ነበረ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኺዛረብ ከሎ እኳ፡ “ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 18:20

ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያት የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናትን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምኵራብ እዮም ዚምህሩ ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ኣይሁድ ኣብ ምኵራብ ዜምልኹ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ኣባይቲ ኣምልኾኸ ኸመይ ይመስል ነበረ፧ ኣዕሚቝና እስከ ንመርምር።

ማእከል ህይወት ኣይሁድ፦ ደቂ ተባዕትዮ ኣይሁድ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ በዓላት ንኼብዕሉ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ናብ የሩሳሌም ይጐዓዙ ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ዓዶም ዀነ ኣብ እተፈላለየ ወጻኢ ሃገራት ዝሰፈሩ ኣይሁድ፡ መዓልታዊ ኣምልኾ ንምክያድ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ምኵራብ ይጥቀሙ ነበሩ።

ምኵራብ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ዝጀመረ ኻብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ካብ ከባቢ እቲ ኣይሁድ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን እተወስዱሉ ግዜ (607-537 ቅ.ክ.)፡ ማለት ካብቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዓንያትሉ ዝነበረት ግዜ ኣቢሉ ኸም ዝጀመረ ይኣምኑሉ እዮም። ወይ ከኣ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እዝራ እቲ ኻህን ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ዝያዳ ፍልጠትን ምርዳእን ኪረኽቡ ኻብ ዘተባብዓሉ ግዜ ኣትሒዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እዝራ 7:10፣ 8:1-8፣ 10:3

ኣብ ፈለማ፡ እታ “ምኵራብ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል፡ “ኣኼባ” ወይ “ጉባኤ” ማለት እያ ነይራ። ኣብቲ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ዚበሃል ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ በዚ ኸምዚ እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ነይራ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ እታ ቓል፡ ነቲ ሰባት ንኣምልኾ ዚእከቡሉ ህንጻ ኸተመልክት ጀመረት። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ዳርጋ ዅለን እተን የሱስ ዝበጽሐን ከተማታት ናይ ርእሰን ምኵራብ ነበረን። ዝዓበያ ኸተማታት፡ ልዕሊ ሓደ ምኵራብ ኪህልወን ከሎ፡ የሩሳሌም ከኣ ሓያሎ ምኵራብ ነበራ። ኣሰራርሓ ምኵራብ ከመይ ይመስል ነበረ፧

መጠነኛ ቤት ኣምልኾ፦ ኣይሁድ፡ ምኵራብ ንምህናጽ ኪሓስቡ ኸለው፡ ብርኽ ዝበለ ቦታ ድሕሪ ምርካብ፡ ኣፍ ደገ እቲ ህንጻ (1) ናብ የሩሳሌም ገጹ ይገብርዎ ነበሩ። ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኺገብሩ ዘይክእሉ ስለ ዝነበሩ ግን፡ ሓድሓደ ግዜ ነዚ መለክዒታት እዚ ሸለል ዝብልዎ ዝነበሩ እዩ ዚመስል።

ምኵራብ ምስ ተሃንጸ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብደጊኡ ዀነ ብውሽጡ እተጋነነ ትርኢት ኣይህልዎን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብቲ ማሕበር ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ ዚርአ ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት ዚቕመጠሉ ዝነበረ ታቦት ወይ ሳጹን፡ (2) ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ምኵራብ ነበረ። ኣኼባታት ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ታቦት ወይ ሳጹን ናብቲ መአከቢ የምጽእዎ፡ ምስ ተወድአ ድማ ናብቲ ዚቕመጠሉ ኽፍሊ ይመልስዎ ነበሩ (3)

ኣብ ጥቓ እቲ ታቦት፡ ማለት ኣብ ቅድሚት፡ ናብቲ ጉባኤ ገጹ ዝገበረ መናብር ነበረ፣ (4) እዚ ኸኣ መራሕቲ እቲ ምኵራብን ካልኦት ምርኡያት ኣጋይሽን ዚቕመጡሉ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:5, 6) ኣብ ማእከል እቲ ኣዳራሽ፡ እቲ ተዛራባይ ደው ዚብለሉን ኮፍ ዚብለሉን ብርኽ ዝበለ መድረኽ ነበረ (5)። ብሰለስቲኡ ሸነኽ እቲ መድረኽ ከኣ፡ እቲ ጉባኤ ኾፍ ዚብለሉ ርቦታት ወይ መናብር ነበረ (6)

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምኵራብ ብኣባላት እቲ ጉባኤ እዩ ዚካየድ ነይሩ። ሃብታማት ኰኑ ድኻታት ብፍቓዶም ዚገብርዎ ውጽኢታት፡ ነቲ ህንጻ ንምክንኻንን ንምጽጋንን የገልግል ነበረ። ኣብ ምኵራብ ዚግበር ዝነበረ ኣኼባታት ግን ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣብ ምኵራብ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ፦ ኣብ ምኵራብ ዚግበር ዝነበረ መደብ ኣምልኾ፡ ውዳሰን ጸሎትን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ትምህርትን ስብከትን የጠቓልል ነበረ። እቶም ኣባላት እቲ ጉባኤ ሸማዕ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መግለጺ እምነት ኣይሁድ ብምድጋም፡ ይጅምሩ ነበሩ። እዛ መጸውዒ እዚኣ፡ ካብታ፡ “ዎ እስራኤል፡ ስማዕ [ሸማዕ]፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ” እትብል ኣብቲ ዚደግምዎ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ ናይ መጀመርታ ጥቕሲ እተወስደት እያ።—ዘዳግም 6:4

ድሕሪኡ፡ ካብ ቶራህ፡ ማለት ካብተን ብሙሴ እተጻሕፋ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ይንበብን ይግለጽን ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:21) ቀጺልካ፡ ካብቲ ነብያት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት እተወሰነ ተቘንጺሉ ይንበብን ይግለጽን ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 4:16-21 ዝገበሮ፡ በጻሕቲ ተዛረብቲ ነዚ ኽፋል እዚ ኣኼባ እዚ ኺመርሑ ይፍቀደሎም ነበረ።

እቲ ንየሱስ እተዋህቦ ጥቕላል፡ ከምዚ ኣብ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስና እንርእዮ ምዕራፍን ቍጽርን ኣይነበሮን። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ኼንብቦ ዝደለዮ ኽፋል ኽሳዕ ዚረክብ፡ ነቲ ጥቕላል ብጸጋማይ ኢዱ እናዘርግሐን ብየማናይ ኢዱ እናጠቕለለን ኬናዲ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ንባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ጥቕላል ከም ብሓድሽ ናብ መጀመርታኡ ገጹ ይጥቕለል ነበረ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብበዅሪ እብራይስጢ ይንበብ እሞ፡ ናብ ኣረማይስጢ ይትርጐም ነበረ። ተዛረብቲ ቛንቋ ግሪኽኛ ኣብ ዘለውዎ ጉባኤታት ከኣ፡ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ይጥቀሙ ነበሩ።

ኣገዳሲ ኽፋል መዓልታዊ ህይወት፦ ምኵራብ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣይሁድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ስለ ዝነበረ፡ እቲ ህንጻን ምስኡ እተተሓሓዘ ኻልእ ህንጻታትን ንእተፈላለየ ዕላማታት የገልግል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብኡ ንፍርዲ ዚቐርብ ጕዳያት ይስማዕ ነበረ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ምስኡ እተተሓሓዘ መመገቢ ኽፍልታት ምግብታት ዚቐርበሉ ናይቲ ማሕበረ ሰብ ኣኼባታት ይግበር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ኣብቲ ምስቲ ምኵራብ ዝለገበ ኽፍልታት፡ ተጓዓዝቲ ይሓድሩ ነበሩ።

ዳርጋ ኣብ ኵለን ከተማታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ምኵራብ፡ ቤት ትምህርቲ ይዳሎ ነበረ። ንኣሽቱ ተመሃሮ ነቲ መምህሮም ኣብቲ ብስምዒ እተለኽየ ሰሌዳ ዝጸሓፎ ዓበይቲ ፊደላት ምንባብ ኪመሃሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ኬንብቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ እውን፡ ሳላ እዘን ኣብያተ-ትምህርቲ እዚኣተን እዮም፣ እቶም ተራ ሰባት እኳ ኸይተረፉ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጡ ነበሩ።

ምኵራብ እተዳለወሉ ቐንዲ ዕላማ ግን፡ ንስሩዕ ኣምልኾ ኼገልግል ተባሂሉ እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት፡ ምስቲ ኣይሁድ ኣብ ምኵራብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ምምስሳሉ ዜገርም ኣይኰነን። ዕላማ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን፡ ብጸሎትን ብመዝሙር ውዳሰን ብንባብ ቃል ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ተመርኲስካ ዚወሃብ መግለጽን ኣቢልካ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። እቲ ምምስሳል ግን በዚ ዜብቅዕ ኣይኰነን። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ኣምልኾ፡ ንእተፈላለየ ኣድላዪ ነገራት ንምሽፋን ብፍታው ውጽኢት ይግበር ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ፡ ቃል ኣምላኽ ናይ ምንባብን ናይ ምግላጽን ዕዮ ኣብ እተወሰኑ ጕጅለ ኻህናት ጥራይ እተደረተ ኣይነበረን፣ ከምኡውን ኣብ ክልቲኡ፡ እቲ ኣኼባታት በቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሽማግለታት ይውደብን ይምራሕን ነበረ።

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱን ዝሓደግዎ ኣብነታት እዮም ኪስዕቡ ዚጽዕሩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገብርዎ ኣኼባታቶም፡ ብእተወሰነ ደረጃ ምስቲ ጥንቲ ኣብ ምኵራብ ዚግበር ዝነበረ ኣኼባታት ይመሳሰል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዕላማ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት፡ ካብቲ ኣፍቀርቲ ሓቂ ዝነበሮም ዕላማ እተፈልየ ኣይኰነን፣ እወ፡ ዕላማኦም፡ ‘ንኣምላኽ ኪቐርብዎ’ እዩ።—ያእቆብ 4:8

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ስእሊ እዚ፡ ኣብ ንድፊ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ምኵራብ ጋምላ ተመርኲስካ እተሳእለ እዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብያተ-ትምህርቲ ምኵራብ፡ ካብ 6 ኽሳዕ 13 ዝዕድሚኦም ኣወዳት ይምህር ነበረ