ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ድዩ፧

የሱስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

የሱስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ድዩ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብሓጺሩ፡ እወ እዩ። ኣብ ሓያሎ ባህልታት፡ ብልዕሊ ሓደ ስም ናይ ምጽዋዕ ልምዲ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከብ ስማት እውን፡ ተመሳሳሊ ልምዲ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ ያእቆብ፡ እስራኤል ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነበረ። (ዘፍጥረት 35:10) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብኣርባዕተ ስማት ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ስምኦን፡ ጴጥሮስ፡ ኬፋ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ዚብል እዩ። (ማቴዎስ 10:2፣ 16:16፣ ዮሃንስ 1:42) ሚካኤል ካልእ ስም የሱስ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ንርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሚካኤል ዚበሃል ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ሓሙሽተ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ሰለስተ ሳዕ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ይርከብ። ኣብ ዳንኤል 10:13, 21፡ እቲ “ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡” ከምኡውን “መስፍንኩም” ተባሂሉ እተጸውዐ ሚካኤል፡ ንሓደ እተላእከ መልኣኽ ከም ዘናገፎ ነንብብ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዳንኤል 12:1፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ “ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፡ ኪትንስእ እዩ” ዚብል ነንብብ።

ሚካኤል ኣብ ራእይ 12:7 እውን ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ “ሚካኤልን መላእኽቱን” ኣገዳሲ ውግእ ከም ዚዋግኡ፡ ንሰይጣን ድያብሎስን እኩያት መላእኽቱን ከኣ ካብ ሰማይ ከም ዚድርብይዎም ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት፡ ሚካኤል ከም ሓደ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜዕቍቦምን ምእንታኦም ዚቃለስን መልኣኽ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ ምስቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን እውን ከይተረፈ ኸም ዚቃለስ ተሓቢሩ ኣሎ።

ይሁዳ ቝጽሪ 9፡ ንሚካኤል፡ “ሊቀ መላእኽቲ” ኢላ እያ እትጽውዖ። እታ “ኣውራ” ወይ “ሓለቓ” ዝትርጕማ “ሊቀ” እትብል ቅድመ-ጥብቆ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሕ ብዜመልክት ኣገባብ ፈጺሙ ኣይተዓየላን። እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል ቃል ኣብ ካልእ፡ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:16 ጥራይ እያ እትርከብ፣ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ፡ “ጐይታ [የሱስ] ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ከም ሊቀ መላእኽቲ ወይ ሓለቓ መላእኽቲ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ የሱስ ክርስቶስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ እዩ። ክልቲኡ ስማት—ሚካኤል (ትርጕሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”) ኰነ የሱስ (ትርጕሙ፡ “የሆዋ ምድሓን እዩ”)—ኣብቲ ኸም ቀንዲ ተጣባቒ ልዑላውነት ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ግደ ዜተኵር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ ፊልጲ 2:9፡ “ኣምላኽ [ነቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ] ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ” እትብል።

ህይወት የሱስ ዝጀመረ፡ ካብቲ ሰብ ኰይኑ እተወልደሉ እዋን ከም ዘይኰነ ኽንርስዕ የብልናን። የሱስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ሓደ መልኣኽ ናብ ማርያም ከይዱ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እትጠንስን ነቲ ዚውለድ የሱስ ኢላ ኽትሰምዮ ኸም ዘለዋን ነገራ። (ሉቃስ 1:31) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብህይወት ይነብር ከም ዝነበረ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።—ዮሃንስ 3:13፣ 8:23, 58

ስለዚ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዚጽውዓሉ ዝነበረ ስም እዩ። የሱስ ምስ ተንስአን ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰን ከኣ፡ “ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ” ኸም ሚካኤል እቲ ሓለቓ መላእኽቲ ዀይኑ ኣገልግሎቱ ቐጸለ።—ፊልጲ 2:11