ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘መንግስትኻ ኽትጸንዕ እያ’

‘መንግስትኻ ኽትጸንዕ እያ’

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘መንግስትኻ ኽትጸንዕ እያ’

2 ሳሙኤል 7:1-16

ኣብ ታሪኽ፡ ብዙሓት ሰብኣውያን ገዛእቲ ኻብ ስልጣኖም ወሪዶም እዮም። ገሊኦም ብምርጫ ተሳዒሮም፡ ገሊኦም ከኣ ብሓይሊ ኻብ ስልጣኖም ተገሊፎም እዮም። ነቲ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስከ፡ ብኣምላኽ ከም እተሸመ ንጉስ ኰይኑ ኸይገዝእ ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ኣሎዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ የሆዋ ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እተዛረቦ፡ ኣብ 2 ሳሙኤል ምዕራፍ 7 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ኣብ መጀመርታ እታ ምዕራፍ፡ ዳዊት ሰብኣዊ ንጉስ ጥራይ ክነሱ፡ ኣብ ማራኺ ቤተ-መንግስቲ እናነበረ፡ ታቦት ኣምላኽ ግን ኣብ ዝተሓተ ድንኳን ኪቕመጥ ምርኣዩ ኸም ዘሕፈሮ ተገሊጹ ኣሎ። a በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንየሆዋ እትበቅዕ ቤት ወይ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ድሌት ከም ዘለዎ ገለጸ። (ቍጽሪ 2) ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ነታ ቤት ዚሃንጻ፡ ወዱ ደኣ እምበር፡ ንሱ ኸም ዘይከውን፡ የሆዋ ብነብዪ ናታን ኣቢሉ ነገሮ።—ቍጽሪ 4, 5, 12, 13

የሆዋ በቲ ልባዊ ባህጊ ዳዊት ውሽጡ ተተንከፈ። በቲ ዳዊት ዝነበሮ ተወፋይነት ስለ እተሓጐሰ ኸኣ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትንቢት ተሰማሚዑ፡ ሓደ ንዘለኣለም ዚገዝእ ገዛኢ ኻብ መስመር ወለዶ ንግስነት ዳዊት ከም ዜተንስእ፡ ንዳዊት ኪዳን ኣተወሉ። ናታን ነቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ንዳዊት ኪነግሮ ኸሎ፡ “ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” በሎ። (ቍጽሪ 16) እቲ ነዚ ኺዳን እዚ ንሓዋሩ ዚወርስ ወራስን ንዘለኣለም ዚገዝእ ገዛእን መን እዩ፧—መዝሙር 89:20, 29, 34-36

የሱስ ብዓል ናዝሬት ካብ ዘርኢ ዳዊት እዩ ነይሩ። ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ኬበስር ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በለ። (ሉቃስ 1:32, 33) ስለዚ፡ እቲ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እዩ ተፈጺሙ። የሱስ ዚገዝእ እምበኣር፡ ብምርጫ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ንኺገዝእ መሰል ከም ዘለዎ፡ ኣምላኽ መብጽዓ ስለ ዝኣተወሉ እዩ። መብጽዓታት ኣምላኽ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ከኣ ኣይንረስዕ።—ኢሳይያስ 55:10, 11

ካብ 2 ሳሙኤል ምዕራፍ 7፡ ክልተ ጠቓሚ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ቀዳማይ፡ ንየሱስ ክርስቶስ፡ ከይገዝእ ኪኽልክሎ ዚኽእል ማንም ከም ዘየለ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ዕላማ ግዝኣቱ ኸም ዚፍጽም፡ ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚገብር፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:9, 10

ካልኣይ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ይህበና እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ልቢ ዳዊት ዝነበረ ዝንባለ ኸም ዝረኣዮን ከም ዘኽበሮን ንዘክር። ንኣምልኾኡ ዘሎና ተወፋይነት ከም ዜማስወሉ ምፍላጥና ዜተባብዕ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ስእነት ጥዕና ወይ እርጋን ዝኣመሰለ ኻብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ነገራት፡ ነቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘሎና ባህጊ ንኸይንፍጽም ኪዓግተና ይኽእል እዩ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ንኣምልኾኡ ዘሎና ተወፋይነት ከም ዚርእዮ ምፍላጥና፡ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታቦት ኪዳን፡ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሕን ንድፍን እተሰርሐ ቕዱስ ሳጹን እዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊ እስራኤል፡ ንህላወ የሆዋ የመልክት ነበረ።—ዘጸኣት 25:22