ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ትስዕቦዶ ኣለኻ፧

ንክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ትስዕቦዶ ኣለኻ፧

ንክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ትስዕቦዶ ኣለኻ፧

“ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ . . . ንልምነኩምን ንምዕደኩምን አሎና።”—1 ተሰ. 4:1

1, 2. (ሀ) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ ዜደንቕ ነገራት እዮም ርእዮም፧ (ለ) እዚ ግዜና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምንባር፡ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኪኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ የሱስ ካብ ሕማምካ ወይ ድናሰኻ ኼሕውየካ ይኽእል ምንባሩ ትሓስብ ትኸውን። ወይ ከኣ ንየሱስ ክትርእዮን ክትሰምዖን ትደሊ ትኸውን፣ ንኣብነት፡ ትምህርትታቱ ኬቕርብ ከሎ ኽትሰምዖ ወይ ገሊኡ ተኣምራት ኪገብር ከሎ ኽትርእዮ ትምነ ትኸውን። (ማር. 4:1, 2፣ ሉቃ. 5:3-9፣ 9:11) የሱስ ነዚ ዅሉ ግብርታት ኣብ ዚገብረሉ ዝነበረ እዋን ክትዕዘቦ ምኽኣልሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜደንቕ ምዀነ! (ሉቃ. 19:37) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብዓይኑ ዝረኣየ ዋላ ሓደ ወለዶ የልቦን፣ እቲ የሱስ “ብመስዋእቲ ርእሱ” ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ነገር ከኣ ኣይኪድገምን እዩ።—እብ. 9:26፣ ዮሃ. 14:19

2 እንተዀነ ግን፡ እዚ ዘመንና እውን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ “ዘመን መወዳእታ”ን “ዳሕሮት መዓልትታት”ን ኢሉ እተነበየሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። (ዳን. 12:1-4, 9፣ 2 ጢሞ. 3:1) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ተደርብዩ እዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ፡ ኪእሰርን ናብ “መዓሙቝ” ኪድርበን እዩ። (ራእ. 12:7-9, 12፣ 20:1-3) ብዘይካዚ፡ እቲ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ምእዋጅን ንሰባት ብዛዕባ ተስፋ ገነት ናይ ምንጋርን ፍሉይ መሰል፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ ዚፍጸም ዘሎ፣ ከቶ እውን ኣይኪድገምን እዩ።—ማቴ. 24:14

3. የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ንሰዓብቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝመዘዞም፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

3 የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) እዚ ዕዮ እዚ፡ ዓለምለኻዊ ትምህርታዊ ዕዮ የጠቓልል። ንምንታይ ዕላማኸ እዩ ዚግበር፧ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር፡ ወይ ተወሰኽቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምፍራይ እዩ ዚግበር። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና መዝነት ብዕዉት መገዲ ኽንፍጽም ንደሊ እንተ ዄንና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

4. (ሀ) ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:11, 12 እተዛረቦ ቓላት እንታይ ከም ዜድሊ እዩ ዜጕልሕ፧ (ለ) ካብ ምንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

4 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) እዘን ጴጥሮስ እተዛረበን ቃላት፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብንቕሓት ንኽንጽበ የጕልሓ። ብፍርሃት ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ብስራት ምስባኽ እውን የጠቓልል። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ኪፍጽሙ ምርኣይ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሰይጣን ዓለምን ዝወረስናዮ ስጋዊ ዝንባለናን መዓልታዊ ዜምጽኣልና ጸቕጥታት፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ከየዳኽሞ ኽንጥንቀቕ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ ከመይ ጌርና ንክርስቶስ ብቐጻሊ ኸም እንስዕቦ እስከ ንርአ።

ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ሓላፍነታት ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎ

5, 6. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ስለምንታይ እዩ ንኢድዎም፧ ብዛዕባ እንታይከ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓላፍነታት ኣፍኲስና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ስለቲ ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ ብተኣማንነት ዘርኣይዎ ጽንዓት ነኣዶም። “ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” በሎም። እወ፡ የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እተመላለሱሉ እዋን ኣይረስዖን። (እብ. 6:10፣ 10:32-34) እቲ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ዝሃቦም ናእዳ፡ ብዙሕ ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ቝጽጽር እንተ ዘይተገይሩሉ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ኬዳኽም ዚኽእል ሰብኣዊ ዝንባለ ኣጠንቂቑ እዩ። ክርስትያናት፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምእንቲ ኸይስዕቡ ኢሎም ‘ከይኣብዩ’ ወይ ከየማኻንዩ ኺጥንቀቑ ኸም ዘለዎም ገለጸ።—እብ. 12:25

6 ሎሚ ዘለና ክርስትያናት እውን፡ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓላፍነት ንምምላጥ ከይነማኻኒ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ንክርስትያናዊ ሓላፍነታትና ኣፍኲስና ኸይንርኢ፡ ወይ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ኪንኪ ኸይነፍቅድ፡ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። (እብ. 10:39) ከመይሲ፡ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ፡ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ።—1 ጢሞ. 4:16

7, 8. (ሀ) ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ንምዕቃብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና ቕንኣት እንተ ኣጥፊእና፡ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

7 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታታት ካብ ምፍጻም ንኸይነማኻኒ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ጸገም እዚ እንቃለሰሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ርእስና ኽንውፊ ኸለና ዝኣተናዮ መብጽዓ ኣዘውቲርና ብምስትንታን እዩ። ንየሆዋ፡ ፍቓዱ ምግባር ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ከም እንህቦ ተመባጺዕናሉ ኢና፣ መብጽዓና እውን ክንሕሉ ንደሊ ኢና። (ማቴዎስ 16:24 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓንሳእ ደው ኢልና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሕተት ኣሎና፦ ‘ከምቲ ኽጥመቕ ከለኹ ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ንምምልላስ ቈራጽነት ዝነበረኒ፡ ሕጂ እውን ከምኡ ድዩ ዚስምዓኒ፧ ወይስ ንገለ ኻብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረኒ ቕንኣት ኣጥፊአዮ ድየ፧’

8 ርእስና ብቕንዕና ድሕሪ ምምርማርና ኸም ዝደኸምና እንተ ተፈሊጡና፡ ነቲ ነብዪ ጸፎንያስ እተዛረቦ ዜተባብዕ ቃላት ምዝካርና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ፡ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ።” (ጸፎ. 3:16, 17) እዘን ዜተባብዓ ቓላት እዚኣተን፡ ኣብ ፈለማ ነቶም ጥንቲ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ እስራኤላውያን እየን ዚምልከታ ነይረን። እንተዀነ ግን፡ ሎሚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን የተባብዓኦም እየን። እቲ እንዓዮ ዕዮ ናይ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ነቲ ዝሃበና ሓላፍነታት ብእተማልአ መገዲ ንኽንፍጽም፡ ምስ ወዱ ዀይኑ ይድግፈናን የበራትዓናን እዩ። (ማቴ. 28:20፣ ፊል. 4:13) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ብቕንኣት ንምፍጻም ቀጻሊ ጻዕሪ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንሱ እውን ኪባርኸናን ብመንፈስ ኬበልጽገናን እዩ።

ብቕንኣት ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’

9, 10. የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ድራር ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ፧ ንሕናኸ ኻብኡ እንታይ ንመሃር፧

9 የሱስ ኣብ ቤት ሓደ መራሕ ፈሪሳውያን ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ዓብዪ ድራር ምሳሌ መሰለ። ኣብቲ ምሳሌኡ፡ ነቶም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ኣጋጣሚ እተኸፍተሎም እተፈላለዩ ሰባት ገለጾም። ‘ምምኽናይ’ እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ገለጸ። (ሉቃስ 14:16-21 ኣንብብ።) እቶም ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እተጠቕሱ ዕዱማት፡ ናብቲ ዕድመ ንኸይከዱ መመኽነይታታት ኣቕረቡ። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ ዝዓደጎ ግራት ኪርእዮ ኺወፍር ምዃኑ ተዛረበ። እቲ ኻልኣይ፡ ከብቲ ኸም ዝዓደገን ኪፍትኖም ከም ዚደልን ተዛረበ። እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ “ሰበይቲ ኣእትየ አሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ” በለ። እዚ ዅሉ፡ ዘይረብሕ መመኽነይታታት እዩ ነይሩ። ግራት ኰነ ኸብቲ ዚዕድግ ሰብ፡ ነቲ ዚዕድጎ ኣቐዲሙ ስለ ዚርእዮ፡ ምስ ዓደጎ ብህጹጽ ኪርእዮ ኣየድልዮን እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ እተመርዓወ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ዕድመ ዜታርፎ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ ዓዳሚ ኪቝጣዕ ሓቁ እዩ።

10 ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብዛ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እንታይ እዮም ዚመሃሩ፧ ከምቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት፡ ካብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንላዕሊ ቐዳምነት ኪወሃቦ የብሉን። ሓደ ክርስትያን ንብሕታዊ ጕዳያቱ ኣብ ግቡእ ቦታኡ እንተ ዘይሒዝዎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎ ቕንኣት በብቝሩብ ይንኪ እዩ። (ሉቃስ 8:14 ኣንብብ።) ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመና፡ ምስቲ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ተሰማሚዕና ኢና እንመላለስ። (ማቴ. 6:33) ንኣሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ኣገዳሲ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ምርኣይሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ብዙሓት ንኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺህቡ ኢሎም፡ ንናብራኦም ንምቕላል ስጕምትታት ወሲዶም እዮም። ብቕንኣት ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላዮም፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ብዙሕ ዕግበትን ከም ዜምጽኣሎም ባዕሎም ተመኪሮምዎ እዮም።

11. ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብቕንኣትን ብምሉእ ልብናን ከነገልግል ከም ዘሎና ዜጕልሓልና፡ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ እዩ፧

11 ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብቕንኣት ምግልጋል ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጕላሕ፡ ኣብ ህይወት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ዘጋጠመ ፍጻመ እስከ ንርአ። ዮኣስ፡ ሶርያ ንእስራኤል ክትስዕራ ኸም እትኽእል ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ናብ ኤልሳእ ከይዱ፡ ኣብ ቅድሚኡ በኸየ። እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ናብ ሶርያ ገጹ ብእተኸፍተ መስኰት ኣቢሉ ፍላጻ ኺውርውር መምርሒ ሃቦ፣ እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ዚህቦ ዓወት የመልክት ነበረ። እዚ ነቲ ንጉስ ኬበራትዖ ነበሮ። ቀጺሉ፡ ኤልሳእ ንዮኣስ፡ ፍላጻታት ወሲዱ፡ ንምድሪ ኺወቕዓ ነገሮ። ዮኣስ ግን ንምድሪ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ወቕዓ። ኤልሳእ በዚ ተቘጥዐ፣ ከመይሲ፡ ዮኣስ ንምድሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳዕ እንተ ዚወቕዓ ነይሩ፡ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚውድኦም ከም ዚስዕሮም’ ዜመልክት እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዮኣስ ሰለስተ ግዜ ጥራይ እዩ ብኸፊል ተዓዊቱ። እወ፡ ቅንኣት ስለ ዝጐደሎ፡ ውሱን ዓወት ጥራይ ረኸበ። (2 ነገ. 13:14-19) ካብዚ ጸብጻብ እዚ፡ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ የሆዋ ነቲ ዝሃበና ዕዮ ብምሉእ ልብናን ብቕንኣትን እንተ ዓዪና ጥራይ እዩ ኣብዚሑ ዚባርኸና።

12. (ሀ) ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት እናኸኣልና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ንኽንዕቅብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎት ዕዙዝ ምዃንካ ብኸመይ ከም ዝጠቐመካ ኣዘንቱ።

12 ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ነቲ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣትን ተወፋይነትን ይፍትኖ እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ፈታኒ ቝጠባዊ ጸገማት ይቃለሱ ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ነገር ስለ እተደረተ፡ ይበሳጨዉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ቅንኣትና ንኽንዕቅብን ንክርስቶስ ብቐጻሊ ምሉእ ብምሉእ ንኽንስዕቦን፡ ነፍሲ ወከፍና ኽንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣብታ፡ “ንክርስቶስ ብቐጻሊ ንኽትስዕቦ እንታይ ይሕግዘካ፧” ዘርእስታ ሳጹን ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባትን ጥቕስታትን ተመልከት። ከመይ ጌርካ ምሉእ ብምሉእ ክትዓየሉ ኸም እትኽእል ሕሰብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ዕዙዛት ምዃንና፡ ጽኑዓት ይገብረና፡ ኣብ ህይወትና ዕግበት የምጽኣልና፡ ብዙሕ ሓጐስን ሰላምን ድማ ንረክብ። (1 ቈረ. 15:58) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋልና፡ ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ንኸነቀላጥፎ’ ይሕግዘና።—2 ጴጥ. 3:12

ኵነታትካ ብቕንዕና ገምግም

13. ብውልቅና እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምሉእ ነፍስና ዝገበርናዮ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

13 እንተዀነ ግን፡ ብምሉእ ነፍስና እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ በቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ ጥራይ ከም ዘይልካዕ ክንርስዕ የብልናን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ይፈላለ እዩ። ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ወወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ጥራይ ዜሕልፍ ሰብ፡ ጥዕናኡ ዚፈቕደሉ ብሓቂ ኽንድኡ ጥራይ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ በቲ ኣገልግሎቱ ኣጸቢቑ ይሕጐስ እዩ። (ምስ ማርቆስ 12:41-44 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ ብውልቅና እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምሉእ ነፍስና ዝገበርናዮ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ንኽእለታትናን ኵነታትናን ብቕንዕና ኽንግምግሞ ኣሎና። ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝዀንና፡ ኣረኣእያና ምስ ኣረኣእያ ክርስቶስ ከነሰማምዖ ኣሎና። (ሮሜ 15:5 ኣንብብ፣ 1 ቈረ. 2:16) የሱስ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ዝህቦ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ካብ ቅፍርናሆም ንዝሰዓብዎ ብዙሓት ሰባት፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 4:43፣ ዮሃ. 18:37) ነቲ የሱስ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ኣገልግሎትካ ብዝያዳ ኸተስፍሕ ትኽእል እንተ ዄንካ ንምፍላጥ፡ ኵነታትካ ገምግም።—1 ቈረ. 11:1

14. ከመይ ጌርና ኢና ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ እንኽእል፧

14 ንዅነታትና ብጥንቃቐ ምምርማርና፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ ንኽንውስኽ ኪድርኸና ይኽእል እዩ። (ማቴ. 9:37, 38) ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ትምህርቶም ዝወድኡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣገልግሎቶም ብምስፋሖም፡ ብቕንኣት ፈለምቲ ዄንካ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ የስተማቕሩ ኣለዉ። ነዚ ሓጐስ እዚ ኽትጥዕሞ ትደሊዶ፧ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ንዅነታቶም ድሕሪ ምምርማሮም፡ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ኣብ ዓዶም ወይ ኣብ ወጻኢ ዚርከብ ቦታታት ኪግዕዙ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ንምሕጋዝ፡ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። ኣገልግሎትና ምስፋሕ በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓና ብዙሕ በረኸት የምጽኣልና፡ ንብዙሓት ካልኦት ከኣ ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ንኺመጹ’ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 2:3, 4፣ 2 ቈረ. 9:6

ክንስዕቦም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት

15, 16. ቀናኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምዃን ዝመጸ ናይ መን ኣብነት ክንስዕብ ንኽእል፧

15 ገለ ኻብቶም ጸኒሖም ሃዋርያት ዝዀኑ ሰባት፡ ክርስቶስ ሰዓብቱ ኪዀኑ ምስ ጸውዖም እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ማቴዎስ፡ “ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሐዲጉ ሰዐቦ” ይብል። (ሉቃ. 5:27, 28) ብዛዕባ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን ድማ፡ “ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ” ዚብል ነንብብ። የሱስ ቀጺሉ ነቶም ምስ ኣቦኦም ኰይኖም መርበቦም ዜዐርዩ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን ረኣዮም። እሞኸ ንሳቶም ነቲ የሱስ ዘቕረበሎም ጻውዒት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ “ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።”—ማቴ. 4:18-22

16 እቲ ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል እውን፡ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሕሱም ሰጓጒ ሰዓብቲ ክርስቶስ እኳ እንተ ነበረ፡ መገዱ ኣዐርዩ፡ ስም ክርስቶስ ዚጸውር “ሕሩይ ኣቕሓ” ዀነ። “ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።” (ግብ. 9:3-22) ብዙሕ ጸገማትን መስጐጕትን እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ቅንኣቱ ኣየጥፍአን።—2 ቈረ. 11:23-29፣ 12:15

17. (ሀ) ንክርስቶስ ብምስዓብ ዝመጸ እንታይ ባህጊ ኣሎካ፧ (ለ) ብምሉእ ልብናን ሓይልናን ፍቓድ የሆዋ እንተ ጌርና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

17 ነቲ እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ክንስዕብን ነቲ ዝቐረበልና ጻውዒት ብቕልጡፍን ብምሉእ ነፍስናን ምላሽ ክንህብን ከም እንደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። (እብ. 6:11, 12) ንክርስቶስ ብቕንኣትን ምሉእ ብምሉእን ንኽንስዕቦ ቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ከለና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ናይ ሓቂ ሓጐስ ንረክብ፡ ተወሳኺ መሰላት ኣገልግሎትን ኣብ ጉባኤ ዚወሃብ ሓላፍነታትን ዜምጽኦ ዕግበት ከኣ ነስተማቕር። (መዝ. 40:8፣ 1 ተሰሎንቄ 4:1 ኣንብብ።) እወ፡ ንክርስቶስ ንምስዓብ ክንጽዕር ከለና፡ ከም ኣእምሮኣዊ ሰላምን ዕግበትን ሞገስ ኣምላኽን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝኣመሰለ ሓያሎ ነባሪ በረኸት ንረክብ ኢና።—1 ጢሞ. 4:10

ትዝክሮዶ፧

• እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ተዋሂቡና፧ ነዚ ዕዮ እዚኸ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

• ነየናይ ሰብኣዊ ዝንባለ ኢና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

• እንታይ ኢና ብቕንዕና ኽንግምግም ዘሎና፧

• ንክርስቶስ ብቐጻሊ ንኽንስዕቦ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንክርስቶስ ብቐጻሊ ንኽትስዕቦ እንታይ ይሕግዘካ፧

መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ድማ ኣስተንትነሉ።—መዝ. 1:1-3፣ 1 ጢሞ. 4:15

ደገፍን መምርሕን መንፈስ ኣምላኽ ንምርካብ ደጋጊምካ ጸሊ።—ዘካ. 4:6፣ ሉቃ. 11:9, 13

ንኣገልግሎት ልባዊ ቕንኣት ምስ ዘለዎም ሰባት ተመሓዞ።—ምሳ. 13:20፣ እብ. 10:24, 25

ንህጹጽነት እዚ ዘለናሉ ግዜ ተረድኣዮ።—ኤፌ. 5:15, 16

ነቲ ‘ምምኽናይ’ ዜስዕቦ ኸቢድ ሳዕቤናት ዕሽሽ ኣይትበሎ።—ሉቃ. 9:59-62

ነቲ ርእስኻ ኽትውፊ ኸለኻ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ዀነ ነቲ ንየሆዋ ምግልጋልን ንክርስቶስ ብምሉእ ልብኻ ምስዓብን ዜምጽኦ በረኸት ኣዘውቲርካ ኣስተንትነሉ።—መዝ. 116:12-14፣ 133:3፣ ምሳ. 10:22