ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

ኣምላኽ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

ኣምላኽ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

“ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፡ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧”—መዝሙር 10:1

ኣርእስትታት ዜና እንተ ርኢና፡ ኣብ “ዘመናት ጸበባ” ኸም እንነብር የረጋግጸልና እዩ። ኣደዳ ገበን ክንከውን ከለና፡ ከቢድ ሓደጋ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ወይ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ‘ኣምላኽ ነዚ ይርእዮ ድዩ፧ ይሓልየልና ድዩ፧ ንምዃኑ ኣሎ ድዩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ትጽቢት ጌጋ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ፡ ኣቦኡ ናብ ስራሕ ብምኻዱ ሓዚኑ ኣሎ ንበል። እቲ ቘልዓ ንኣቦኡ ይናፍቖ፡ ናብ ገዛ ኺመጽእ ድማ ይደልዮ። እተራሕርሐ ዀይኑ ይስምዖ። ምሉእ መዓልቲ፡ “ባባ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ዓሰርተ ሳዕ ይሓትት።

ኣብ ኣተሓሳስባ እዚ ቘልዓ ዘሎ ጌጋ፡ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ከም ሓቂ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣቦኡ ንምልእቲ እታ ስድራ ዜድሊ ንምምላእ ይሰርሕ እዩ ዘሎ። “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልና ኽንቍዝም ከለና፡ ተመሳሳሊ ግጉይ ኣተሓሳስባ ይህልወና ደዀን ይኸውን፧

ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ቀንዲ ዕዮ ኣምላኽ፡ ነቶም ጌጋ ዝገበሩ ሰባት ብቕልጡፍ ምቕጻዕ ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ውህበታት ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኻልእ ሞያ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ይርእይዎ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ስራሕ ኪህቦም፡ መጻምድቲ ኺረኽበሎም፡ ወይ ሎተሪ ኼዐውቶም ጥራይ እዮም ዚጽበይዎ።

ክልቲኡ እዚ ኣረኣእያታት እዚ፡ ኣምላኽ ብኡንብኡ ፍትሒ እንተ ዘይገይሩ፡ ወይ ዝለመንናዮ ሞገስ እንተ ዘይሂቡና፡ ብመከራና ዘይግደስን ዜድልየና ነገራት ዘይፈልጥን ከም ዝዀነ ጌርካ ኣብ ምርኣይ እተመርኰሰ እዩ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ከም ሓቂ፡ ኣብዛ ህሞት እዚኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም ሰብኣውያን ስድራ ቤት ዜድሊ ንምምላእ ይዓዪ እዩ ዘሎ። ነዚ ግን፡ በቲ ብዙሓት ዚልምንዎ መገዲ ኣይኰነን ዚፍጽሞ።

ንምዃኑ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ናብቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ዝነበረ ርክብ ኣመና እተበላሸወሉ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ክንምለስ ኣሎና።

ሓጢኣት ዘለዎ ጐዳኢ ጽልዋ

ንሓያሎ ዓመታት ዑና ዀይና ዝነበረት ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ናሕሳ ዘጢጡ፡ ማዕጾታታ ተመንቊሱ፡ መናድቓ ድማ ተጸያይቑ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እታ ቤት እቲኣ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እኳ እንተ ነበረት፡ ሕጂ ግን ዑና ዀይና እያ። እቲ ዝወረዳ ጕድኣት ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ ናብቲ ዝነበረቶ ምምላስ ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን፣ ብሓንሳእ ከኣ ኣይግበርን እዩ።

ሕጂ ነቲ ኣስታት 6,000 ዓመት ይገብር፡ ሰይጣን ዚበሃል ብዓይኒ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ኪዓልዉ ብምትብባዕ ዘስዓቦ ጕድኣት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ቅድሚኡ፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስቶም ኣብ መጻኢ ዚወልድዎም ዘርኦም ፍጹም ጥዕና እናኣስተማቐሩ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ነይርዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ምስ ሓጥኡ ግን፡ ነቶም ገና ዘይተወልዱ ደቂ ሰብ ጸያይቖምዎም ኪበሃል ይከኣል እዩ።

ነቲ እቲ ዕልወት ዘስዓቦ ጕድኣት ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም [ኣተወ]፡ ብሓጢኣትውን ሞት” ይብል። (ሮሜ 5:12) ሓጢኣት፡ ሞት ጥራይ ኣይኰነን ኣምጺኡ፣ የግዳስ፡ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ርክብ ከም ዚበላሾ ገይሩ እዩ፣ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጽልዋ እውን ገይሩልና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ከምታ ዝዓነወት ቤት ኴንና ኢና። እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ ሰብ፡ “ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ” ብምባል፡ ንዅነታትና ብሓጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—እዮብ 14:1

እንተዀነ ግን፡ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ራሕሪሕዎም ድዩ፧ ኣይፋሉን! ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኻብ ሽዑ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ እዩ ዚዓዪ ዘሎ። እንታይ ይገብረልና ኸም ዘሎ ብዝያዳ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ንሓንቲ ዑና ዝዀነት ቤት ናብ ዝነበረቶ ንምምላስ ዜድሊ ሰለስተ ስጕምትታት ንርአ፣ ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ምስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናብቲ ዝነበርዎ ንምምላስ ዝገበሮ ነገራት ብኸመይ ከም ዚዛመድ ክንርኢ ኢና።

1 ሓደ ዋና ንሓንቲ ዑና ዝዀነት ቤቱ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ኬሐድሳ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኬፍርሳ ይውስን።

የሆዋ ኣምላኽ ደድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት፡ ንደቂ ሰብ ናብቲ ዝነበርዎ ደረጃ ንምምላስ ዕላማ ኸም ዘለዎ ገለጸ። ነቲ ጠንቂ እቲ ዕልወት ዝዀነ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ፡ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።—ዘፍጥረት 3:15

የሆዋ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ኤድን ጠንቂ ዕልወት ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዜጥፍኦ ቓል ኣተወ። (ሮሜ 16:20፣ ራእይ 12:9) ብዘይካዚ እውን፡ ኣብ መጻኢ ዚቕልቀል “ዘርኢ” ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ከም ዚብጀዎም ተነበየ። a (1 ዮሃንስ 3:8) እዚ መብጽዓታት እዚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ሒዙ ዘሎ፦ ኣምላኽ ንፍጥረቱ ኼጥፍኦ ዘይኰነስ፡ ኬዐርዮ እዩ። ንደቂ ሰብ ናብቲ ዝነበርዎ ምምላስ ግን፡ ግዜ ይሓትት እዩ።

2 ሓደ ነዳፊ ነታ ቤት ናብ ዝነበረቶ ናይ ምምላስ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ዚገልጽ ንጹር ንድፊ የዳሉ።

የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሕግታት ሃቦም፡ ንዕኡ ዜምልኹላ ቤተ መቕደስ እውን ነደፈሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ” ይብል። (ቈሎሴ 2:17) ከም ንድፊ ስለ ዝዀነ፡ ንዝዓበየ ነገር እዩ ዜመልክት።

ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ መስዋእቲ እንስሳታት የቕርቡ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 17:11) እቲ ተግባሮም ከኣ፡ ነቲ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ዚቐርብ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ በጃ ዚኸውን ዝዓበየ መስዋእቲ ዜመልክት እዩ ነይሩ። b ንድፊ እቲ እስራኤላውያን ዜምልኹሉ ዝነበሩ ማሕደር ኰነ ቤተ መቕደስ፡ ነቲ መሲሕ ካብ መስዋእታዊ ሞቱ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ግዜ ዘሎ ኣብ መጻኢ ዚወስዶ ስጕምትታት የመልክት።—ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።

3 ብመሰረት እቲ ንድፊ ገይሩ ነታ ቤት ናብ ዝነበረቶ ዚመልሳ ሃናጺ ይሕረ።

የሱስ ነቲ ብመስዋእትታት እስራኤላውያን እተሓድገ ኣብነት ዚስዕብን ህይወቱ በጃ ደቂ ሰብ ዜሕልፍን መሲሕ ኰነ። ዮሃንስ መጥምቕ እውን ንየሱስ፡ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 1:29) የሱስ ነቲ ዕዮ ብፍታዉ ተቐበሎ። “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” በለ።—ዮሃንስ 6:38

ኣምላኽ ንየሱስ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰዓብቱ ኺዳን መንግስቲ ኺኣትወሎም እውን እዩ ዚደልዮ ነይሩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሉቃስ 22:29, 30) ኣምላኽ በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሉ እዩ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ዚፍጽም። እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ፡ ኣምላኽ ንምድሪ እትቈጻጸር መንግስቲ ኣብ ሰማይ ከም ዘቘመ ዚገልጽ ብምዃኑ፡ “ወንጌል” ወይ ብስራት ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።—ማቴዎስ 24:14፣ ዳንኤል 2:44 c

ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ዕዮ ይቕጽል ኣሎ

የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንሰዓብቱ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም [“መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” NW] ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ስለዚ፡ ንደቂ ሰብ ናብቲ ዝነበርዎ ናይ ምምላስ ዕዮ፡ ምስ ሞት የሱስ ኣየብቅዐን። ክሳዕ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ኪቕጽል እዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ክሳዕ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድርና ምቍጽጻር እትጅምረሉ እዋን ኪቕጽል እዩ። እቲ እዋን እቲ ሕጂ ኣኺሉ እዩ። እቲ የሱስ እተነበዮ ትእምርቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ሕጂ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዘለና ንፈልጥ ኢና። dማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:7-11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ሎሚ፡ ኣብ 236 ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ ይፍጽሙ ኣለዉ። እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት እውን፡ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣን እንታይ ከም እትፍጽምን ክትምህረካ እያ ተዳልያ። ኣብ ገጽ 2 ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “እዛ መጽሔት እዚኣ . . . እታ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ሓቂ መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኸም እትገብረሉን ንምድሪ ናብ ገነት ከም እትቕይራን ብምግላጽ ንሰባት ብብስራት ተጸናንዕ። ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ዝሞተ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚገዝእ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ እምነት ንኸነሕድር ተተባብዕ” ዚብል ሓሳባት ኣሎ።

ሕጂ ብዛዕባ መጥቃዕትታት ግብረ-ሽበራ ወይ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋታት ትሰምዕ ትኸውን፣ ወይ ከኣ ሓዘን የጋጥመካ ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዘይሓደጎም ዜእምነካ ነጥብታት ክትረክብ ኢኻ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ኽትርዳእ ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ነቲ ቐዳሞት ወለድና ዘጥፍእዎ ኸም ዚመልሶ ዝኣተዎ መብጽዓ ድማ፡ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 55:11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ዘፍጥረት 3:15 ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 ርአ።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።

c ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሰሌዳ/​ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

“ምስሊ ሓቂ” እቲ ማሕደር ንምንታይ ከም ዜመልክት

መሰውኢ

ኣምላኽ ንመስዋእቲ የሱስ ንኪቕበሎ ዘለዎ ፍቓድ።—እብራውያን 13:10-12

ሊቀ ኻህናት

የሱስ።—እብራውያን 9:11

1 ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ መስዋእቲ የቕርብ ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:15, 29-31

1 ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ንህይወቱ ምእንታና ሰውአ።—እብራውያን 10:5-10፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

ቅድስቲ

የሱስ መንፈሳዊ ውሉድ ዝዀነሉ ዅነት።—ማቴዎስ 3:16, 17፣ ሮሜ 8:14-17፣ እብራውያን 5:4-6

መጋረጃ

እቲ ንምድራዊ ህይወት ካብ ሰማያዊ ህይወት ዝፈለየ ስጋ የሱስ።—1 ቈረንቶስ 15:44, 50፣ እብራውያን 6:19, 20፣ 10:19, 20

2 እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ኣብ መንጎ ቕድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ዘሎ መጋረጃ ሰጊሩ ይኣቱ ነበረ።

2 የሱስ ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና” ናብ ሰማይ ብምዕራግ፡ ‘ነቲ መጋረጃ ሰጊሩ’ ኣተወ። —እብራውያን 9:24-28

ቅድስተ ቕዱሳን

ሰማይ።—እብራውያን 9:24

3 እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ውሽጢ ቕድስተ ቕዱሳን ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ ደም ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ይነጽግ ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:12-14

3 የሱስ፡ ዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ብምቕራብ፡ ንሓጢኣትና ናይ ሓቂ መተዓረቒ ኣቕረበ።—እብራውያን 9:12, 24፣ 1 ጴጥሮስ 3:21, 22