ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ግብጺ ተረኽበ

ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ግብጺ ተረኽበ

ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ግብጺ ተረኽበ

እቲ የሆዋ ወይ ያህወህ ዚብል መለኮታዊ ስም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ምንጭታት ሰፊሩ ዚርከብ ካብ መዓስ ጀሚሩ እዩ፧ ገሊኦም ምሁራት፡ ካብ መበል 14 ዘመን ቅ.ክ. ከም ዝዀነ ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ እዮም። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚብሉ፧

ኣብ ከባቢ 1370 ቅ.ክ. ግብጻውያን ንሓያሎ ሃገራት ተቘጻጺሮም ነበሩ። ሽዑ ገዛኢ ግብጺ ዝነበረ ፈርኦን ኣመንሆተፕ (ኣመኖፊስ) ሳልሳይ፡ ኣብ ሶለብ፡ ኑብያ (ሕጂ ሱዳን) ዜደንቕ ቤተ መቕደስ ሃነጸ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣብ ዝረኸብሉ እዋን፡ ነተን ብሃይረግሊፍ ወይ ከኣ ብስእላዊ ጽሑፍ ግብጺ እተጻሕፋ የሀወሀ ወይ የሆዋ ዚብላ ናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን ዜርኢ ጽሑፍ ረኸቡ። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ካብቲ ስም ኣምላኽ ካብ እተረኽቦም ጽሑፋት ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ዝነበረ ጽላት እምኒ ሞኣብ፡ 500 ዓመት ኣቐዲሙ ዝነበረ እዩ። ስም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ኣብ ቤተ መቕደስ ግብጺ እተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

“ሻሱ፡ ሃገር ያሁ”

ፈርኦን ኣመንሆተፕ ሳልሳይ፡ ነቲ ዝሃነጾ ቤተ መቕደስ፡ ኣሙን-ራ ንዚበሃል ኣምላኽ ወፈዮ። ንውሓት እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፈለግ ኒል ዚነበረ ቤተ መቕደስ፡ ዳርጋ 120 ሜተር እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣዳራሻት ንዝነበረ ዓንድታት ንምምልካዕ ተባሂሉ እተጻሕፈ ሃይረግሊፍ፡ ዝርዝር ስማት እቶም ኣመንሆተፕ ዝሰዓሮም ከባቢታት ዚገልጽ ነበረ። ንነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዚውክል ሓደ እሱር፡ ኢዱ ንድሕሪት ተኣሲሩ፡ ስም ሃገሩን ህዝቡን እተጻሕፎ ዋልታ ድማ ጸይሩ ይሰኣል ነበረ። ኣብ መንጎ እዞም ስሞም ብሃይረግሊፍ እተጻሕፈ ሃገራት፡ ሻሱ ወይ ሾሱ ተባሂሎም ዚፍለጡ እውን ነይሮም እዮም። እዞም ሻሱ ዚበሃሉ ህዝቢ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ግብጻውያን ነቶም ኣብ ስግር ምብራቓዊ ዶብ ግብጺ ዚነብሩ ዚነበሩ እተናዕቁ በደው ወይ ዘላን፡ ሻሱ ብዚብል ሓባራዊ ስም ይጽውዕዎም ነበሩ። ሃገር ሻሱ፡ ንደቡባዊ ፍልስጥኤም፡ ንደቡባዊ ዮርዳኖስ፡ ከምኡውን ንሲና ዚሽፍን ከባቢ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ እቲ ሻሱ ተባሂሉ ዘሎ ቦታ፡ ንሸነኽ ሰሜን ክሳብ ሊባኖስን ሶርያን ይበጽሕ ነበረ። እቲ ኣብ ሶለብ ዚርከብ ብዛዕባ እተን እተሳዕራ ሃገራት ዚገልጽ ዝርዝር፡ “ያህዌ ኣብ ሃገር ሾሱ፡” “ሻሱ፡ ሃገር ያሁ፡” ወይ ከኣ “ሃገር ሻሱ-ያህው” ዚብል ብእተፈላለየ መገዲ ዚንበብ ስም እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ግብጺ መጽናዕቲ ዜካይድ ዣን ላክላን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ሶለብ ኣብ ዚርከብ ዋልታ ተጻሒፉ ዘሎ ስም፡ “ምስተን የሀወሀ ዚብላ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዚገልጻ ‘ቴትራግራም’ ይሰማማዕ እዩ።”

መብዛሕትኦም ምሁራት፡ እቲ ጃሁ፡ ያሁ፡ ወይ ያህዌ ዚብል ስም፡ ኣብዚ ዀነ ኣብ ተመሳሳሊ ጽሑፋት፡ ንሓደ ቦታ ወይ ከኣ ንሓደ ኣውራጃ ኸም ዜመልክት እዮም ዚኣምኑ። ሽሙል ኣሂቱፍ ዝስሙ ምሁር፡ እቲ ጽሑፍ “ነቲ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ ያሁ ዜምልኹ ዘላን ዚነብሩሉ ኸባቢ” ኸም ዜመልክት ገለጸ። a እዚ መደምደምታ እዚ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ስም እዚ ቦታ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሓደ ኸባቢ ንዚነብሩ ህዝብን ንኣምላኾምን ዚገልጽ ሴማዊ ኣብነታት እዩ። ምስዚ ዚመሳሰል ካልእ ኣብነት፡ ኣሱር ዚብል ኰይኑ፡ ንምድሪ ኣሶርን ነቲ ቐንዲ ኣምላኾምን ዚገልጽ እዩ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁርን ተመራማሪ ስነ-ጥንትን ዝዀነ ሮላንድ ደቮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኑብያ ኣብ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ጽሕፈት ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብቲ ኣቦታት እስራኤል ንሓድሕዶም ርክብ ዚገብሩሉ ዚነብሩ ኸባቢታት፡ ካብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ኣትሒዙ፡ ሕደ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ምስ ስም ኣምላኽ እስራኤል ዚመሳሰል ጂኦግራፊያዊ ወይ ዓሌታዊ ስም ነይሩ እዩ።”

ሕጂ እውን ዚኽበር ስም

እቲ ኣብ ኑብያ ዘሎ ብሃይረግሊፍ ግብጺ እተጻሕፈ ያህዌ ዚብል ስም፡ ኣብ ሶለብ ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ። ቅዳሕ እቲ ኣብ ሶለብ ዝነበረ ዝርዝር፡ ኣብቲ ኣብ ኣማራ ዌስትን ኣክሻን ዚበሃል ከባቢታት ኑብያ ዚርከብ ኣብያተ መቕደስ ራዕምሴስ ካልኣይ እውን ተረኺቡ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኣማራ እተረኽበ ዝርዝር፡ ነቶም “ኣብ ሃገር ሾሱ ዚነብሩ ያህዌ” ዚገልጽ ሃይረግሊፍ፡ ምስቲ ንኻልኦት ከባቢታት ሾሱ ዚገልጽ ሃይረግሊፍ ተመሳሳሊ እዩ፣ እዚ ኸባቢታት እዚ ኸኣ ሰዒርን ላባንን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸባቢታት እዚ ምስ ደቡባዊ ፍልስጥኤምን ኤዶምን ሲናን እዩ ዜተሓሕዞ። (ዘፍጥረት 36:8፣ ዘዳግም 1:1) እዚ ቦታታት እዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ቕድሚ ምቕማጦምን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንየሆዋ ዚፈልጥዎን ዜምልኽዎን ዝነበሩ ሰባት ዚመላለሱሉ ኸባቢ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 36:17, 18፣ ዘሁልቍ 13:26

ከምቶም ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት ስሞም እተረኽበ ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ስም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ፡ ማለት የሆዋ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብስፍሓት ዚዝውተርን ዚኽበርን ስም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚነብሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ስሙ ኺፈልጡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብቲ የሆዋ ዚብል ፍሉይ ስም ዘለዎ ኣምላኽ እውን ኪቐርቡ ንምሕጋዝ ይጽዕሩ እዮም።—መዝሙር 83:18 NW፣ ያእቆብ 4:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኦም ምሁራት፡ እዚ ሃይረግሊፍ እዚ፡ ሻሱ “ሰዓብቲ እቲ ያህዌ ዚበሃል ኣምላኽ” ምንባሮም ዚሕብር ምዃኑ የጠራጥሮም እዩ። እንታይነት ስም እዚ ሃገር እዚ ኣብ ካልእ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብኣጋጣሚ ግን ምስ ስም እቲ ኣምላኽ እስራኤላውያን ኪመሳሰል ከም ዝኸኣለ እዮም ዚኣምኑ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ዚብል ስም ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣረማዊ ቤተ መቕደስ ግብጺ እተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ግብጺ

ቤተ መቕደስ ሶለብ

ሱዳን

ፈለግ ኒል

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቅዳሕ ዓንዲ ቤተ መቕደስ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሶለብ፡ ሱዳን ዚርከብ ፍርስራስ ቤተ መቕደስ ኣሙን-ራ

[ምንጪ ስእሊ]

Ed Scott/Pixtal/age fotostock

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background: Asian and Middle Eastern Division/The New York Public Library/Astor, Lenox and Tilden Foundations