ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ብስራት ተሰብከ

ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ብስራት ተሰብከ

ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ብስራት ተሰብከ

የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንትእዛዝ የሱስ ይሕልዉዎን ንሰባት ኣብ ዝሃለው ይሃልው ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነግርዎም ይጽዕሩን እዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ፡ ብዙሕ ጸገማትን ወጻኢታትን እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብፍታው እዩ ዚግበር።

ንኣብነት፡ ናታንን ካርሊን ኣብተን ኣብ መጻብቦ ቶረዝ ዚርከባ ደሴታት ንዚነብሩ ሰባት ምእንቲ ኺሰብኩሎም፡ ናብራኦም ኣተዓራረዩ። ብ2003 ተወካሊ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስታ ኣብ ደሴት ተርስደይ እትርከብ ጉባኤ ንኺዓዩ ናብኡ ኺግዕዙ ዕድመ ኣቕረበሎም። እዛ ደሴት እዚኣ፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣውስትራልያን ንኒው ጊኒን ዜራኽባ ኣብቲ ሰማያዊ ፓሲፊክ ዚርከባ ሓምላይ ዝሕብረን ደሴታት እያ።

ብ2007፡ እዞም ስድራ ቤት እዚኦም፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጻን-ዊ ዝስማ ዝኣረገት ጃልባ ዓደጉ። ብናቶም ወጻኢታት ኣተዓራርዮም ድማ፡ ካብ ተርስደይ እናተበገሱ ነቶም ካብ ገማግም ኣውስትራልያ ኣዝየን ርሒቐን ኣብ ዚርከባ ዓሰርተ ደሴታት ዚነብሩ ተቐማጦ ኺሰብኩሎም ጀመሩ። ቀጺልና ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ዘዘንተውዎ እስከ ንርአ።

ጥሪ 2008፦ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ባማጋ ንዚነብሩ ሽዱሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክወስዶም ኢለ፡ ብታንኳ ኸድኩ፣ በጺሐ ንኽምለስ ድማ 80 ኪሎ ሜተር ወሰደለይ። ሕጂ በታ ጻን-ዊ ጌርና ናብ ሸነኽ ደሴት ዋርበርን ደሴት ፖሩማን ንጐዓዝ ኣለና። እቲ መትሓዚ ነዳዲ፡ ንሓደ ሊትሮ ብኽልተ ዶላር እተዓደገ 5,500 ሊትሮ ሒዙ ኣሎ። እታ ጻን-ዊ ቐስ እናበለት ኣብ ሰዓት ዳርጋ 10 ኪሎ ሜተር ጥራይ እያ እትጐዓዝ ዘላ። እቲ ዅነታት ኣየር ግን፡ ብጀካ እቲ ህዱእ ሞገድ ጽቡቕ እዩ ዘሎ።

ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ኣብ ገማግም ደው ኢልና፡ ኣብ ዋርበር ኣዝማድ ንዘለዉዎም ሰባት ኣብታ ታንኳ ጸዓንናዮም፣ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ደሴት ድማ ንኽንሰብኽ ፈቐደልና። እቲ ሰብኣይ፡ ፓስተር ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ክነሱ፡ ነቶም ነበርቲ ኸነዘራርቦም ፍቓደኛ ዀነ። ኣብ ፖሩማ እውን እንተ ዀነ፡ ንኽንሰብኽ ተፈቕደልና። እቶም ተቐማጦ ተቐበልቲ ጋሻ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ንጽሑፋትና ተሃንጥዮም ኣንበብዎ። ምስ ብዙሓት ሰባት ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና።

ሚያዝያ 2008፦ ናብተን ኣብ ጥቓ ዶብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ተበታቲነን ዚርከባ ድዋርንን ሲቢን ቦይጉን ዚበሃላ ሰለስተ ደሴታት ክንከይድ መደብ ኣውጻእና። ኵነታት ኣየር ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዝነበረ ግን፡ ናብ ደሴት ማቢኦግ ገጽና ኣቕናዕና። ማቢኦግ ካብቲ ንሕና እንነብረሉ 70 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ደሴት እኳ እንተ ዀነት፡ በቲ ብዙሕ ኣኻውሕ ዘለዎ ቦታ እናተጠዋወና ስለ እንኸይድ፡ 140 ኪሎ ሜተር ኢና ኽንጐዓዝ።

እታ ታንኳ ብምኽንያት እቲ ሓያል ማዕበል ካብታ ጻን-ዊ ተፈልየት። ክንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበል እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ንድሕሪት ምእንቲ ኽንምለስ፡ ነታ ጻን-ዊ ጠወናያ። ኰይኑ ግን፡ ካብቶም ተጐዓዝቲ መብዛሕትኦም ሕማም መርከብ ሓመሙ።

ኣብ ማቢኦግ ምስ በጻሕና፡ ንኽንሰብኽ ተፈቕደልና፣ እቶም ነበርቲ ብጽቡቕ ስለ እተቐበሉና ድማ፡ ነቲ ዘሕለፍናዮ ጸገማት ቀልጢፍና ረሳዕናዮ። ሓንቲ ሰበይቲ በቲ መልእኽትና ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት፡ ነቲ እትሰርሓሉ ቤተ-መጻሕፍቲ ዚኸውን ተወሳኺ ጽሑፋት ወሰደት።

ካብ ግንቦት ክሳዕ ጥቅምቲ 2008፦ ብምኽንያት ኵነታት ኣየር፡ ነተን ደሴታት ክንበጽሐን ኣይከኣልናን። ስለዚ፡ ኣብ ከባቢና እናሰበኽናን እናሰራሕናን ነታ ጃልባ እናኣተዓራረናን ጸናሕና።

እታ ጃልባ ዓብዪ ምትዕርራይ ኪግበረላ ስለ ዝነበሮ፡ ናብ ወደብ ዊፓ ኸድና፣ ካብቲ ባሕሪ ኣውጺእና ድማ ብዓብዪ ተጐታቲ ጌርና ወሰድናያ። እዚ ግን ከምቲ እትዛረቦ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዜኦም ሰዊኦም፡ ነታ ጃልባ ዜድልያ ናይ ቡምባን ቀለምን ዕንጨይትን ሕድሳት ኣብ ምግባር ብፍታው ሓገዙና። ገሊኦም ምግቢ ኣምጽኡልና። ገሊኦም ከኣ ነቲ ቐጺልና እንገብሮ ናይ ስብከት ጕዕዞ ዚዀነና ነገራት ሃቡና። እቲ ዝገበሩልና እንግዶት ብዋጋ ዘይሽነን እዩ።

ታሕሳስ 2008፦ ናብተን ድዋርንን ሲቢን ቦይጉን ዚበሃላ ደሴታት ክንከይድ መደብ ኣውጻእና። ራዳር ስለ ዝነበረና፡ ካብቲ ትሮፒካዊ ማዕበል ኣምለጥና፣ ሳላ እታ ኤለክትሮኒካዊት ናይ ቅየሳ መሳርሒ ድማ በቲ ኣኻውሕ ዘለዎ ቦታታት እናተጠዋወና ኽንጐዓዝ ከኣልና። ናብ ድዋርን ክንበጽሕ 12 ሰዓት እኳ እንተ ወሰደልና፡ ካብተን ዝረኣናየን ደሴታት ግን እታ ዝጸበቐት እያ። እቲ ዅርባታት ብደበና እተሸፈነ እዩ። እቶም ነበርቲ ተሃንጥዮም ስለ ዝሰምዑና፡ ናብ ቤትና ድሕሪ ምምላስና እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብተሌፎን ክንቅጽሎ መደብና።

ሓንቲ ለቲ ዝስማ ተቐማጢት እታ ደሴት፡ ብገለ መገዲ መጽሔታትና ረኺባ፡ ዝያዳ ጽሑፋት ምእንቲ ኺስደደላ ኩፖን ለኣኸት። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ጽሑፋት ለኣኸላ፣ ኬድና ንኽንበጽሓ ድማ ናብ ጉባኤና ደብዳበ ለኣኸ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምስ ለቲ ተራኸብና፣ ብመንፈሳዊ ዜድልያ ዘበለ ኣብ ምምላእ እጃምና ስለ ዘበርከትና ኸኣ ኣሐጒሱና እዩ።

ኣብ ደሴት ሲቢ፡ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ነቶም ነበርቲ ኸይንሰብከሎም ከልከለና። ነቶም ኣብታ ደሴት ኣዝማድ ዘለዉዎም ግን፡ ንኣዝማዶም ኪበጽሕዎም ፈቐደሎም። ብዘይካዚ፡ ምስ ምምሕዳር እታ ደሴት ንኣባይቲ ቐለም ናይ ምልካይ ስምምዕ ስለ ዘለኒ፡ ካብዚ ዝረኸብክዎ ኣታዊ፡ ወጻኢታትና ኽንሽፍን ከኣልና።

ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ኻብ እትርከብ ቍሸት ዝመጸት ተሲ ዝስማ ሓብቲ ምሳና ነበረት፣ እታ እትነብረላ ቝሸት፡ ካብ ሲቢ ዳርጋ ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እያ እትርከብ። ብመሰረት እቲ ምስ መንግስቲ ኣውስትራልያ እተገብረ ስምምዕ፡ ነበርቲ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ናብ ሲቢ መጺኦም ክነግዱ ይኽእሉ እዮም። ተሲ ኻብቲ እትነብረሉ ቝሸት ምስ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ተራኸበት፡ ንዅሎም ዚኣክል ጽሑፋት ግን ኣይነበራን። ናይ የሆዋ ምስክር ድሕሪ ምዃና፡ ንፈለማ እዋን እያ ምስቶም ካብቲ እትነብረሉ ቝሸት ዝመጹ ሰባት ተራኺባ። ናብታ ጃልባ ተመሊስና፡ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብዚዝረብ ቋንቋ ቶክ ፒስን እተዳለወ ጽሑፋት ሒዝናላ መጻእና። ተሲ ነቶም ልዕሊ 30 ዚዀኑ ኻብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጸትሎም፣ እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ድማ ነቲ ጽሑፋት ብምሉኡ ወሰድዎ። እታ ዚነብሩላ ቝሸት ብጃልባ ጥራይ ክትብጻሕ ስለ እትኽእል፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይምተራኸቡን ነይሮም።

ኣብታ ቦይጉ እትበሃል ናይ መወዳእታ ደሴት ምብጻሕ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ካብ ገምገም ባሕሪ ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ርሒቕና፡ 2.5 ሜተር ጥራይ ዕምቈት ኣብ ዘለዎ ማይ ኢና ዘለና። እታ ጃልባ ኸኣ ኣብቲ ማይ 1.8 ሜተር ዚኸውን ኣትያ ነበረት። ኣነን ካልኣየይን፡ ናብታ ደሴት ዜእትወና መገዲ ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ታንኳ ጌርና ነቲ ኸባቢ ኾለልናዮ። ይዘንም ስለ ዝነበረ፡ ጠልቂና ኢና ኔርና። ነቲ መገዲ ኽንረኽቦ ኸኣ ክልተ ሰዓት ወሰደልና።

ኣብታ ደሴት ምስ በጻሕና፡ እቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ካርታ ባሕሪ ግጉይ ከም ዝነበረ፡ ሓለውቲ ገማግም ባሕርን ሓይሊ ባሕርን እውን እንተ ዀኑ ናብኡ ኸም ዘይከዱ፡ እቶም እተገረሙ ነበርቲ ነገሩና። እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ ከይንሰብኽ ከልከለና፣ ነቶም ኣዝማድ ዘለዉዎም ግን፡ ንኣዝማዶም ኪበጽሕዎምን ኪሰብኩሎምን ፈቐደሎም። ንትእዛዝ እዚ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣኽቢርና ኸኣ ንኣዝማድ ጥራይ ሰበኽናሎም። ሓደ ሰብኣይ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ a ዘርእስታ መጽሓፍ ተቐቢሉ፡ ብቕልጡፍ ኣንበባ፣ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ መጽሓፍ ድማ ሕቶታት ኪጽሕፍ ጀመረ። ጸኒሑ ናብ ደሴት ተርስደይ ምስ መጸ፡ እንደገና ተራኸብና።

ጥሪ 2009፦ ነቶም ኣብ ደሴት ሞኣን ደሴት ማቢኦግን ዚነብሩ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስና በጻሕናዮም። ኣብ ክልቲኡ ደሴታት ብጽቡቕ ተቐበሉና። ኣብታ ኣብ ሞኣ ኣብ እትርከብ ሰይንት ፖውል እትበሃል ቍሸት ዚነብሩ ሰባት፡ ቀልጢፍና ኽንምለሶም ነገሩና። እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ኸኣ ኣብ ዝደለናዮ እዋን ክንሰብኽ ከም እንኽእል ሓበረና።

ኣብ መጻብቦ ቶረዝ፡ ሰብ ዚነብረለን 17 ደሴታት ኣለዋ። ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን ንዚነብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንረኽቦ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብዛ ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ እትርከብ ጉባኤ ዘለና ግን፡ ነቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኽንውድሶ ዝከኣለና ብምግባርና ንሕጐስ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣውስትራልያ

ዊፓ

ባማጋ

ደሴታት መጻብቦ ቶረዝ

ፓፕዋ ኒው ጊኒ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on NASA/Visible Earth imagery

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ካርታ]

ባማጋ

ደሴት ተርስደይ

ደሴት ሞኣ

ደሴት ዋርበር

ደሴት ፖሩማ

ደሴት ማቢኦግ

ደሴት ሲቢ

ደሴት ድዋርን

ደሴት ቦይጉ

ፓፕዋ ኒው ጊኒ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on NASA/Visible Earth imagery

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደሴት ተርስደይ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደሴት ሲቢ ንዚርከቡ ሰባት ክንበጽሖም ክንከይድ ከለና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብቛንቋ ቶክ ፒስን ብስራት ከነካፍል ከለና