ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ሰብኡት፡ ንርእስነት ክርስቶስ ትግዝኡ ዲኹም፧

ኣቱም ሰብኡት፡ ንርእስነት ክርስቶስ ትግዝኡ ዲኹም፧

ኣቱም ሰብኡት፡ ንርእስነት ክርስቶስ ትግዝኡ ዲኹም፧

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ።”—1 ቈረ. 11:3

1. የሆዋ ኣምላኽ ስርዓት ምዃኑ ብኸመይ ይርአ፧

 ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ትብል። የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ስለ ዝፈጠረ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ልዑላዊ ገዛኢ እዩ። “ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ” ዘይምዃኑ ኸኣ፡ ኣብቲ መላእኽቱ እተወደቡሉ ኣገባብ ኪርአ ይከኣል እዩ።—1 ቈረ. 14:33፣ ቈሎ. 1:15፣ ኢሳ. 6:1-3፣ እብ. 12:22, 23

2, 3. (ሀ) እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት የሆዋ መን እዩ፧ (ለ) እቲ በዅሪ ወዲ ምስ ኣቦኡ ኺነጻጸር ከሎ፡ እንታይ ቦታ እዩ ዘለዎ፧

2 ዋላ ሓደ ኸይተፈጥረ ኸሎ፡ ኣምላኽ ንማእለያ ዘይብሉ ግዜ በይኑ ይነብር ነበረ። እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረቱ፡ እቲ ኣፈኛኡ ዀይኑ ብምግልጋሉ “ቓል” ተባሂሉ ዚፍለጥ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። ኵሉ ኻልእ ነገራት በቲ ቓል እቲ ኣቢሉ እዩ ናብ ህልውና መጺኡ። ጸኒሑ፡ እቲ ቓል እቲ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ መጸ፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ተባህለ።—ዮሃንስ 1:1-3, 14 ኣንብብ።

3 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽን በዅሪ ወዱን ዘለዎም ቦታ እንታይ ይገልጽ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ” በለ። (1 ቈረ. 11:3) ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ ርእስነት ኣቦኡ እዩ። ኣብ መንጎ መስተውዓልቲ ፍጡራት ሰላምን ስርዓትን ምእንቲ ኺሰፍን፡ ርእስነትን ተገዛእነትን ኣገዳሲ እዩ። እቲ “ዅሉ ብእኡ ተፈጢሩ” እተባህለሉ እውን፡ ንርእስነት ኣምላኽ ኪግዛእ ኣለዎ።—ቈሎ. 1:16

4, 5. የሱስ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ ዘለዎ ቦታ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧

4 የሱስ ንርእስነት ኣቦኡ ኺግዛእን ናብ ምድሪ ኺመጽእን ከሎ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብለና፦ “ክርስቶስ የሱስ . . . ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።”—ፊል. 2:5-8

5 የሱስ ወትሩ ብትሕትና ንፍቓድ ኣቦኡ ይግዛእ ነበረ። “ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ . . . ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ” በለ። (ዮሃ. 5:30) “ኵሉ ሳዕ [ንኣቦይ] ባህ ዜብሎ እገብር እየ” እውን በለ። (ዮሃ. 8:29) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ፡ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃ. 17:4) እምበኣር፡ የሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ርእስነት ኣምላኽ ንኪቕበል ጸገም ኣይነበሮን።

ወዲ ንኣቦ ተገዛኢ ብምዃኑ ይጥቀም እዩ

6. የሱስ እንታይ ዜደንቕ ባህርያት እዩ ኣርእዩ፧

6 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዙሕ ዜደንቕ ባህርያት ኣርእዩ እዩ። ሓንቲ ኻብተን ባህርያቱ፡ እታ ንኣቦኡ ዝነበረቶ ዓባይ ፍቕሪ እያ። ኣብ ሓደ እዋን፡ “ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 14:31) ንሰባት እውን ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 22:35-40 ኣንብብ።) የሱስ ሕያዋይን ሓላይን ደኣ እምበር፡ ሕሱም ወይ ደቛሲ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። (ማቴ. 11:28-30) ኣብ ኵሉ ዕድመ ዚርከቡ ኣባጊዕ መሰል ሰባት፡ ምናዳ ድማ እቶም ግፉዓትን ጭቁናትን፡ በቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሱስን በቲ ዜተባብዕ መልእኽቱን ብዙሕ ይጸናንዑ ነበሩ።

7, 8. ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ እታ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ዝነበረ ሰበይቲ እንታይ እያ ኽትገብር ዘይነበራ፧ የሱስ ግን እንታይ እዩ ገይሩላ፧

7 የሱስ ንኣንስቲ ብኸመይ ይሕዘን ከም ዝነበረ እስከ ንርአ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ብዙሓት ሰብኡት ንኣንስቲ ገፊዖምወን እዮም። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ከምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም። የሱስ ግን ንኣንስቲ ብኣኽብሮት ይሕዘን ነበረ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ነታ ን12 ዓመት ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ዝነበረ ሰበይቲ ዝገበረላ ነገር ተራእዩ እዩ። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት “ብዙሕ ተሰቀየት፡” ኵሉ ገንዘባ እውን ወድአት። እንተዀነ ግን፡ ሕማማ “ገደዳ።” ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ከም ርኽስቲ እያ እትቝጸር ነይራ። ዝተንከያ ዘበለ እውን፡ ይረክስ ነበረ።—ዘሌ. 15:19, 25

8 እታ ሰበይቲ፡ የሱስ ንሕሙማት የሕዊ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዐት፡ “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ” ኢላ፡ ናብቲ ኸቢብዎ ዝነበረ ህዝቢ ተሓወሰት። ንየሱስ ተንከየቶ፡ ብኡንብኡ ድማ ጠዓየት። የሱስ፡ ክዳኑ ኽትትንኪ ኸም ዘይግባኣ ይፈልጥ ነበረ። ግናኸ፡ ኣይገንሓን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ለውሃላ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘሳቐያ ሕማም እንታይ ስምዒት ከም ዘሕደረላ ተረድኣላ፣ ዓቕላ ጸቢብዋ ምንባሩ እውን ኣስተውዓለ። ስለዚ፡ ብርሕራሐ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” በላ።—ማር. 5:25-34

9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ቈልዑ ናብኡ ኸይቀርቡ ኪኽልክሉ ምስ ረኣዮም፡ እንታይ በሎም፧

9 ቈልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስ የሱስ ምዃን፡ ፍዅስ ይብሎም ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሰባት ናብ የሱስ ቈልዑ ምስ ኣምጽኡሉ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብቘልዑ ኺርበሽ ዚደሊ ዀይኑ ስለ ዘይተሰምዖም፡ ነቶም ሰባት ገንሕዎም። የሱስ ግን ከምኡ ኣይተሰምዖን። ብዛዕባ እዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ይነግረና፦ “የሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ [ንደቀ መዛሙርቱ] ኣይፈተወሎምን እሞ፤ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም” ድሕሪ ምባል፡ “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” የሱስ፡ ቈልዑ ኪቐርብዎ ዘይቃወም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበል እውን እዩ ነይሩ።—ማር. 10:13-16

10. የሱስ ነቲ ባህርያቱ ብኸመይ እዩ ኣጥርይዎ፧

10 የሱስ ነቲ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘርኣዮ ባህርያት ብኸመይ እዩ ኣጥርይዎ፧ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበሮ ህይወት፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ታእላው ንዘይብሉ ግዜ ይዕዘቦን መገድታቱ ይመሃርን ነበረ። (ምሳሌ 8:22, 23, 30 ኣንብብ።) ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረቱ ዘለዎ ርእስነት ዚጥቀመሉ ፍቕራዊ መገዲ ይርእዮ ነበረ፣ ነቲ መገዲ እቲ ድማ ናቱ ገበሮ። የሱስ ተገዛኢ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ከምኡ ኺገብር ምኸኣለዶ፧ ንኣቦኡ ኺግዛእ ባህ ይብሎ ነበረ፣ የሆዋ እውን፡ ወዱ ተገዛኢ ብምዃኑ ይሕጐስ ነበረ። የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባረቖ። ንሕና እውን ነቲ ገዛኢ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኪኸውን ኣምላኽ ዝሸሞ ክርስቶስ ክንግዝኦ ኣጋጣሚ ምርካብና፡ ዓብዪ ኽብሪ ጌርና ኢና እንርእዮ።

ባህርያት ክርስቶስ ቅድሑ

11. (ሀ) ንመን ንምምሳል ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ (ለ) ብሕልፊ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት ንየሱስ ኪመስልዎ ኺጽዕሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ኵሎም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ኣባላት፡ ብፍላይ ከኣ ሰብኡት፡ ንባህርያት ክርስቶስ ንምቕዳሕ ወትሩ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኣለዎም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ” ምዃኑ ይነግረና እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝመሰሎ፡ ክርስትያን ሰብኡት እውን ነቲ ርእሶም ዝዀነ ክርስቶስ ኪመስልዎ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንክርስትያናት ብጾቱ ኸኣ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ቈረ. 11:1) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) እቲ ንክርስቶስ ክንመስሎ እተዋህበና ማዕዳ፡ ብሕልፊ ንሰብኡት ኣገዳሲ ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ንሳቶም እዮም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ዜገልግሉ። ከምቲ የሱስ ንየሆዋ ብምምሳሉ ሓጐስ ዝረኸበ፡ ክርስትያን ሰብኡት እውን ንክርስቶስ ምስ ዚመስልዎን ንባህርያቱ ምስ ዚቐድሕዎን ሓጐስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

12, 13. ሽማግለታት ነተን ምሳታቶም ዘለዋ ኣባጊዕ ብኸመይ ኪሕዝወን ኣለዎም፧

12 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ንክርስቶስ ኪመስልዎ ግዴታ ኣለዎም። ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥ. 5:1-3) ክርስትያን ሽማግለታት፡ ውልቀ-መለኽቲ፡ ዓብለልቲ፡ ገበርትን ሓደግትን፡ ወይ ተረርቲ ኪዀኑ የብሎምን። የግዳስ፡ ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ኣብቲ ምስተን ኣባጊዕ ዘለዎም ርክብ፡ ፈቃራትን ሓለይትን ትሑታትን ለዋሃትን ንምዃን ኪጽዕሩ ኣለዎም።

13 እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰብኡት ዘይፍጹማት እዮም፣ ነዚ እውን ኪርስዕዎ የብሎምን። (ሮሜ 3:23) ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባ የሱስ ኪመሃሩን ንፍቕሩ ኪቐድሕዋን ሃንቀውታ ኺህልዎም ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ንሰባት ዚገብሩሎም ኣተሓሕዛ ኣጸቢቖም ኪሓስቡን ንዓታቶም ንምምሳል ኪጽዕሩን ኣለዎም። ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ።—1 ጴጥ. 5:5

14. ሽማግለታት ንኻልኦት ክሳዕ ክንደይ እዮም ኬኽብርዎም ዘለዎም፧

14 ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሰብኡት ምስ መጓሰ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ ጽቡቕ ባህርያት ኬርእዩ ይግባእ። ሮሜ 12:10፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ትብል። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኻልኦት ኬኽብርዎም ኣለዎም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ ከም ኵሎም ካልኦት ክርስትያናት፡ ‘ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይገብሩን እዮም፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ እዩ።’ (ፊል. 2:3) እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰብኡት፡ ንኻልኦት ሰባት ካብ ርእሶም ከም ዚበልጹ ገይሮም ኪርእይዎም ኣለዎም። እቶም እተሸሙ ሰብኡት ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ነቲ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ይስዕቡ እዮም፦ “ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። . . . ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።”—ሮሜ 15:1-3

‘ንኣንስቲ እናኽበርኩምወን’

15. ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ይግባእ፧

15 ሕጂ ነቲ ጴጥሮስ ንምርዑዋት ሰብኡት ዝሃቦም ምኽሪ እስከ ንርአ። “ኣቱም ሰብኡት፡ . . . ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት . . . ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:7) ንሓደ ሰብ ከተኽብሮ ኺበሃል ከሎ፡ ነቲ ሰብ ክብ ኣቢልካ ትርእዮ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ፡ ርእይቶታቱን ድሌታቱን ባህግታቱን ኣብ ግምት ተእቱ፣ ኣገዳሲ ምኽንያት ክሳዕ ዘይብልካ ድማ ንኽትዕጸፍ ፍቓደኛ ትኸውን። ሰብኣይ ንሰበይቱ በዚ ኸምዚ እዩ ኺሕዛ ዘለዎ።

16. ቃል ኣምላኽ ንሰብኡት፡ ንኣንስቶም ብዛዕባ ምኽባር እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚህቦም፧

16 ጴጥሮስ ንሰብኡት፡ ንኣንስቶም ኬኽብሩ ኺነግሮም ከሎ፡ “ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (1 ጴጥ. 3:7) እዚ ሓሳብ እዚ፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚሕዘሉ መገዲ ኽሳዕ ክንደይ ኣርዚኑ ኸም ዚርእዮ ብንጹር ይሕብረና። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘየኽብራ እንተ ዀይኑ፡ ጸሎቱ ኺዕገት ይኽእል እዩ። ኣንስቲ ኻብ ሰብኡተን ኣኽብሮት ዚረኽባ እንተ ዀይነን፡ ንሳተን እውን ምስ ሰብኡተን ዝያዳ ይተሓባበራ እየን፣ እዚ ድማ ዝያዳ ሓጐስ የምጻኣለን።

17. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኼፍቅራ ዘለዎ፧

17 ቃል ኣምላኽ፡ ንሰበይቲ ብዛዕባ ምፍቃር፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምኽሪ ይህብ፦ “ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። . . . ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ።” (ኤፌ. 5:28, 29, 33) ሰብኡት ንኣንስቶም ክሳዕ ክንደይ እዮም ኬፍቅርወን ዘለዎም፧ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . [ክርስቶስ] ርእሱ በጃኣ ሀበ” በለ። (ኤፌ. 5:25) እወ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንሰባት ህይወቱ ዝሃቦም፡ ሰብኣይ እውን ንሰበይቱ ህይወቱ እኳ ንምሃብ ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚልውሃላን ዚሓልየላን ዜተኵረላን ዚከናኸናን እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቲ ንርእስነቱ ንኽትግዛእ ዝቐለለ ይዀነላ።

18. ሰብኡት ኣብ ሓዳሮም ዘለዎም ሓላፍነታት ምእንቲ ኺስከሙ፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

18 ንኣንስቲ በዚ መገዲ እዚ ምኽባርሲ፡ ሰብኡት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ድዩ፧ ኣይፋልን፡ የሆዋ ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ኣይሓቶምን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብቲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። የሱስ፡ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 11:13) ሰብኡት ኣብ ጸሎቶም፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ፡ እንተላይ ኣብቲ ምስ ኣንስቶም ዘለዎም ርክብ ንኺሕግዞም ኪልምንዎ ይኽእሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:32 ኣንብብ።

19. ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ብዛዕባ እንታይ ትገልጽ፧

19 እወ፡ ሰብኡት ንክርስቶስ ኪግዝእዎን ርእስነቱ ኪቐድሑን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣንስቲ ደኣኸ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣንስቲ ነቲ ኣብ ስርዓት የሆዋ ዘለወን ግደ ብኸመይ ኪርእያኦ ኸም ዘለወን ትገልጽ።

ትዝክሮዶ፧

• እንታይ ባህርያት የሱስ ኢና ኽንቀድሕ ዘሎና፧

• ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ብኸመይ ኪሕዝወን ኣለዎም፧

• ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ብምኽባር፡ ንየሱስ ምሰሎ