ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ የጠቓልል፧

ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ የጠቓልል፧

ስም ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ የጠቓልል፧

ስምካ ትርጕም ኣለዎዶ፧ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ ንሓደ ሕጻን ትርጕም ዘለዎ ስም ምውጻእ ልሙድ እዩ። ወለዲ ዚመርጽዎ ስም ንእምነቶምን ኣኽቢሮም ንዚርእይዎ ነገርን፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ውሉዶም ንዘለዎም ተስፋን ራእይን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ትርጕም ዘለዎ ስም ምውጻእ እተለምደ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ትርጕም ብዘለዎ ብሕታዊ ስም ይስመዩ ነበሩ። እቲ ስም፡ ሓደ ሰብ ኪዀኖ ንዚድለ ነገር ኬመልክት ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ መጻኢ ዅነታት ሰሎሞን ወዱ ኺነግሮ ኸሎ፡ “ስሙ ሰሎሞን [ሰላም ካብ ዝትርጕሙ ሱር ቃል ዝመጸ] ኪበሀል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ” በሎ።—1 ዜና መዋእል 22:9

ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ነቶም ሓድሽ ዕማም ኪዓሙ ዝነበሮም ሰባት ብሓድሽ ስም ይሰምዮም ነበረ። እታ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ ኣብራሃም፡ ሳራ ተባሂላ ተሰምየት፣ ትርጕሙ ኸኣ፡ “ልዕልቲ” ማለት እዩ። ስለምንታይ እያ በዚ ስም እዚ ተሰምያ፧ የሆዋ ነቲ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። ክባርኻ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም” በለ። (ዘፍጥረት 17:16) ሳራ ስለምንታይ ሓድሽ ስም ከም ዝወጸላ ንኽትፈልጥ፡ ፈለማ ነቲ ዝዓመመቶ ሓድሽ ዕማም ክትርዳእ ከም ዘሎካ ንጹር እዩ።

እቲ የሆዋ ዚብል ካብ ኵሉ ስማት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስምከ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ሙሴ ንየሆዋ ብዛዕባ ስሙ ምስ ሓተቶ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ኢሉ መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:14 NW) ትርጕም ሮተርሃም ነዘን ቃላት እዚኣተን፡ “ከምቲ ባህ ዝብለኒ ክኸውን እየ” ኢሉ ተርጒምወን ኣሎ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም እምበኣር፡ ኣምላኽ እተፈላለየ ዕማም ኪዓምም ዚኽእል ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ነዚ ብቐሊል ምሳሌ ንምብራህ፡ ሓንቲ ኣደ ኸም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ኣደ ንደቃ ምእንቲ ኽትኣሊ፡ ሓኪም፡ ከሻኒት፡ መምህር፡ ወይ ከከም ኣድላይነቱ እተፈላለየ ኻልእ ነገራት ክትከውን ትኽእል እያ። የሆዋ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ኸምኡ ይኸውን እዩ። ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማ ምእንቲ ኺፍጽም፡ ባህ ዝበሎ ኪኸውንን ኣድላዪ ዘበለ ዕማም ኪዓምምን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብስሙ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ዚዓሞ እተፈላለየ ዕማማት ምርዳእን ምምሳውን ዜጠቓልል እዩ።

እቲ ዜደንቕ መንነት ኣምላኽ ካብቶም ንፈጣሪ ብስሙ ዘይፈልጥዎ ሰባት እተሰወረ ምዃኑ ግን ዜሕዝን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ነቲ የሆዋ ኸም ጥበበኛ መኻሪ፡ ብርቱዕ መድሓኒ፡ ለጋስ ወሃቢ መጠን ዝዓሞ ዕማም ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ዕማማት እውን ዚዓምም ብምዃኑ፡ ስሙ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ በዳሂ ዝዀነሉ ግዜያት ኣሎ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።