ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዝሓመመ ፈታዊኻ እትሕግዘሉ መገድታት

ንዝሓመመ ፈታዊኻ እትሕግዘሉ መገድታት

ንዝሓመመ ፈታዊኻ እትሕግዘሉ መገድታት

ንዝሓመመ ፈታዊኻ ኸተዛርቦ ደሊኻስ እንታይ ከም እትብል ዝጠፍኣካ እዋን ኣሎዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ኣይትጠራጠር። ብኸመይ ኢኻ ግን ክትሰግሮ እትኽእል፧ ነዚ ሓደ ዓይነት መምርሒ ኸነውጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ባህላዊ ፍልልያት ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ። ሰባት እውን ኣዝዩ እተፈላለየ ባህርያት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ንሓደ ሕሙም ጽቡቕ ከም ዚስምዖ ዚገብሮ ነገር ንኻልእ ከይጠቕሞ ይኽእል እዩ። ኵነታትን ስምዒታትን እውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኺፈላለ ይኽእል እዩ።

ንርእስኻ ኣብ ቦታ እቲ ሰብ ከተእትዋን እቲ ሰብ ካባኻ እንታይ ከም ዚደሊ ክትርዳእን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ግን ከምዚ ኽትገብር እትኽእል፧ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርእይቶታት እንሆ።

ጽን ኢልካ ስማዕ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።”ያእቆብ 1:19

“ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።”መክብብ 3:1, 7

ዝሓመመ ፈታዊኻ ኺዛረብ ከሎ፡ ብትዅረትን ብርሕራሐን ስምዓዮ። ምኽሪ ንምሃብ ኣይትተሃወኽ፡ ወይ ከኣ ወትሩ ፍታሕ ክትህብ ከም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ተሃዊኽካ ትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ኪጐድእ ዚኽእል ቃላት ክትድርጕሕ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝሓመመ ፈታዊኻ፡ ፍታሕ ዚህቦ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልቡን ኣእምሮኡን ከፊቱ ዚሰምዖ ሰብ እውን ይደሊ እዩ።

ፈታዊኻ ብዘይስክፍታ ኺዛረብ ፍቐደሉ። ኪዛረብ ከሎ ኣይትዅለፎ፡ እቲ ዅነታቱ ቐሊል ከም ዝዀነ ጌርካ ድማ ኣይትዛረቦ። ኤሚልዩ፡ a “ብሰንኪ ሕማም ኣንቅጺ ዓይነይ ዓዊረ እየ። ኣዝየ ኣብ ዝድቈሰሉ እዋን፡ ፈተውተይ፡ ‘እዚ ጸገም እዚ ዘለኪ ንስኺ ጥራይ ኣይኰንክን። ካባኺ ዝገዱ ሰባት ኣለዉ’ ኢሎም ኬጸናንዑኒ ይፍትኑ እዮም። ንዅነታተይ ኣቕሊሎም ምዝራቦም ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠቕመኒ ግን ኣይርድኦምን እዩ። እኳ ድኣስ፡ ኣዝዩ እዩ ተስፋ ዜቝርጸኒ” በለት።

ፈታዊኻ ነቐፌታ ኸይፈርሀ ናይ ልቡ ኸም ዜፍስስ ግበር። ከም ዝፈርሀ እንተ ነጊሩካ፡ ‘ኣጆኻ ኣይትፍራህ’ ኣብ ክንዲ እትብሎ ስምዒቱ ተረድኣሉ። ሕማም መንሽሮ ዘለዋ ኤልያና፡ “ብዅነታተይ ክጭነቕን ተስፋ ብምቝራጽ ክበክን ከሎኹ፡ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረኒ ትውክልቲ ጠፊኡ ማለት ኣይኰነን” በለት። ንፈታዊኻ ኸምቲ ንስኻ እትደልዮ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ዘለዎ ጌርካ ኽትርእዮ ፈትን። ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ዅነታት ብቐሊሉ ኺንቀፍ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ባህርያቱ ግን ከምኡ ኸም ዘይኰነ ኣስተውዕል። ዕጉስ ኩን። ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ዘረባ ዚዛረብ እንተዀነ እውን፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። (1 ነገስት 19:9, 10, 13, 14) ጸገሙ ኼካፍለካ ኣድላዪ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

ድንጋጸን ሓልዮትን ኣርኢ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።”ሮሜ 12:15

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”ማቴዎስ 7:12

ንርእስኻ ኣብ ቦታ ፈታዊኻ ኣእትዋ። ፈታዊኻ፡ መጥባሕቲ ንኺገብር ይዳሎ፡ ይሕከም፡ ወይ ውጽኢት መርመራ ይጽበ እንተ ኣልዩ፡ ስለ ዚጭነቕ ተነቃፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኸተለልዮን ክትለምዶን ጻዕሪ ግበር። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ብፍላይ ንብሕታዊ ጕዳይ ዚምልከት ብዙሕ ሕቶታት ምሕታት ኣድላዪ ኸይከውን ይኽእል እዩ።

ኣና ካታሊፎዝ ዝስማ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ኸምዚ በለት፦ “ንሕሙማት ኣብ ዝደለይዎ እዋንን ብዝደለይዎ መገድን ብዛዕባ ሕማሞም ኪዛረቡ ሕደጎም። ኬዕልሉ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ብዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣዕልሎም። ኪዛረቡ ኣብ ዘይደልዩሉ እዋን ግን ስቕ ኢልካ ኾፍ ምባልን ብኢድካ ምጭባጥን ጥራይ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ እውን ምስኦም ኴንካ ኽትበኪ ጥራይ ኣኻሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”

ምስጢር ፈታዊኻ ኣይተውጽእ። ሮሳን ኬሊክ እትበሃል ክልተ ሳዕ ሕማም መንሽሮ ሒዝዋ ዝሓወየት ደራሲት፡ “እቲ እተነግረካ ነገር ከም ምስጢር ጌርካ ዓቅቦ። ኣፈኛ እታ ስድራ ቤት እንተ ዘይኴንካ፡ ዝዀነ ሓበሬታ ንኻልእ ኣይትንገር። እቲ ዝሓመመ ሰብ ንኻልኦት እንታይ ኪነግሮም ከም ዚደሊ ሕተቶ” በለት። መጥባሕቲ መንሽሮ ገይሩ ዝሓወየ ኤዲሳን፡ “ሓደ ፈታውየይ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘሎንን ብዙሕ ከም ዘይጸንሕን ኣውረየለይ። ብሰንኪ መንሽሮ መጥባሕቲ ኸም ዝገበርኩ ኣይከሓድኩን። ውጽኢት እቲ ብድሕሪዚ እተገብረለይ መርመራ ኽሳዕ ዚንገረኒ ግን እጽበ እየ ነይረ። እቲ መንሽሮ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላተይ ኣይለሓመን ነይሩ። እቲ ወረ ግን ልሒሙ እዩ። ሰበይተይ በቲ ኻልኦት ከይሓሰቡ ዚዛረብዎ ዘረባን ዚሓትዎ ሕቶታትን ሞኽ እያ ኢላ” በለ።

ፈታዊኻ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት የናዲ እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ቦታኡ እንተ ትኸውን እንታይ ከም እትገብር ተሃዊኽካ ኣይትዛረብ። መጥባሕቲ መንሽሮ ገይራ ዝሓወየት ሎሪ ሆፕ፡ “ንሓደ መንሽሮ ዝሓዞ ወይ ካብቲ ሕማም ንዝሓወየ ሰብ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ወይ ሓሳባት ቅድሚ ምሃብካ፡ ብዛዕባኡ ኺፈልጥ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ኣቐዲምካ ሕተቶ። እንተ ዘይኰነ ግን፡ በቲ ኻብ ጽቡቕ ድራኸ ተበጊስካ እትህቦ ሓሳባት ከይተፈለጠካ ኽትሃስዮ ትኽእል ኢኻ” በለት። ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ዚገልጽ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ኪቕበል ዝደሊ ዅሉ ሰብ ኣይኰነን።

ነቲ ሕሙም ናይ ቀረባ ፈታዊኡ እውን እንተ ዀንካ፡ ክሳዕ ዚምነዎ ምስኡ ኣይትጽናሕ። ምስኡ ምጽናሕካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሱ ግን ከይደሊ ይኽእል እዩ። ስለ ዝደኸመ ነዊሕ ኪዛረብ ወይ ኪሰምዕ ኣይክእልን ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን፡ ክትከይድ ከም እተሃወኽካ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ኣይትግበር። ፈታዊኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሓልየሉ ኺፈልጥ ይግባእ።

ሓልዮት ምርኣይ ኪበሃል ከሎ ሚዛናውን መመዛዘንን ምዃን ማለት እውን እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ዝሓመመ ፈታዊኻ ምግቢ ቕድሚ ምድላውካ ወይ ዕምባባታት ሒዝካ ናብኡ ቕድሚ ምኻድካ፡ ዚሰማምዖን ዘይሰማምዖን እንተ ዀይኑ ሕተት። ከም ሰዓል ዝኣመሰለ ሕማም እንተ ሓሚምካ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሓዊ እንተ ዘይበጻሕካዮ ዝሓሸ እዩ።

ሃናጺ ኹን

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

“መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።”ምሳሌ 12:18

“ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።”ቈሎሴ 4:6

ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ፈታዊኻ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ቃላትካን ኣብ ተግባራትካን ኪንጸባረቕ እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ መጀመርታ ናብኡ ኸም እትቐርብ ዝገበረካ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ጌርካ ርኣዮ። ኣብኡ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሕማሙ ኣይተተኵር። ከም ሓደ ዘይረብሕ ሰብ ጌርካ ትዛረቦ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ንሱ እውን ንገዛእ ርእሱ ኸምኡ ገይሩ ኺርእያ ኺጅምር ይኽእል እዩ። እታ ሳሕቲ ብውርሻ ዚመሓላለፍ ሕማም ኣዕጽምቲ ዘለዋ ሮቤርታ፡ “ከም ተራ ሰብ ጌርኩም ርኣዩኒ። ስንክልቲ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ናይ ርእሰይ ኣረኣእያን ባህግን ኣሎኒ። ከም ዜደንግጽ ሰብ ጌርኩም ኣይትርኣዩኒ። ከም ዓሻ ሰብ ጌርኩም እውን ኣይትዛረቡኒ” በለት።

እትዛረቦ ቓላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እትዛረበሉ መገዲ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ቃና ድምጽኻ እውን ከይተረፈ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኤርኔስቱ፡ መንሽሮ ኸም ዘለዎ ምስ ተነግሮ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ፈታዊኡ ኻብ ወጻኢ ሃገር ቴሌፎን ደዊሉ፡ “ዜሕዝን እዩ፡ መንሽሮ ኸም ዘሎካ ሰሚዐ!” በሎ። ኤርኔስቱ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፈታውየይ፡ ‘መንሽሮ ኸም ዘሎካ’ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ ዝነበሮ ቓና ድምጺ ኣዝዩ ኣሰንቢዱኒ እዩ” በለ።

ደራሲት ሎሪ ሆፕ ካልእ ኣብነት ክትህብ ከላ፡ “ንሓደ ሕሙም ‘ከመይ ኣለኻ፧’ ኢልካ ምሕታት እተፈላለየ ትርጕም ኬመሓላልፈሉ ይኽእል እዩ። ቃና ድምጽን ምንቅስቓስ ኣካላትን እቲ ሓታቲ፡ ምስቲ ሕሙም ዘለዎ ዝምድናን ደረጃ ምቅርራብን፡ ከምኡውን እቲ ሕቶ ዝቐረበሉ እዋን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ነፍሲ ኼህድእ፡ ኬቐንዙ፡ ወይ ደቂሱ ንዝነበረ ፍርሂ ኼበራብር ይኽእል እዩ” በለት።

ዝሐመመ ፈታዊኻ ኸም እትሓልየሉን ከም እተኽብሮን ከም እትርድኣሉን ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ኣዝዩ ዜገድሰካ ሰብ ምዃኑን ኣብ ጐድኑ ኸም ዘሎኻን ግለጸሉ። ናይ ሓንጎል ጥር ዘለዋ ሮዚማሪ፡ “ፈተውተይ ከም ዜፍቅሩንን ዝመጸ ይምጻእ ከም ዚድግፉንን ምስ ገለጹለይ ብሓቂ ኣተባቢዑኒ እዩ” በለት።—ምሳሌ 15:23፣ 25:11

ግብራዊ ሓገዝ ሃብ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።”1 ዮሃንስ 3:18

ፈታዊኻ ኣብ እዋን መርመራ ዜድልዮ ነገራት ካብቲ ሕክምና ምስ ጀመረ ዜድልዮ ነገራት ይፍለ እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ግዜያት እዚ ግን ሓገዝ ኬድልዮ ይኽእል እዩ። ክትሕግዞ ኽትደሊ ኸለኻ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ “ዘድልየካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ንገረኒ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ክትሕግዞ እትደልዮ ነገር ፈሊኻ ጥቐሰሉ። ከም እኒ ምግቢ ምድላው፡ ገዛ ምጽራይ፡ ኣቕሑ ወይ ክዳውንቲ ምሕጻብ፡ ምስትራር፡ ምልእኣኽ፡ ምዕዳግ፡ ከምኡውን ናብ ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ኪመላለስ ከሎ ብማኪና ምብጽጻሕ ኣብ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ንጥፈታት ሓገዝ ምሃብ፡ ገለ ኻብቲ ኸም እትሓልየሉ ዜርኢ ግብራዊ መገድታት እዩ። ከም ዚተኣማመነልካ ግበር፡ ቈጸራኻ ኣኽብር። ቃልካ እውን ሓሉ።—ማቴዎስ 5:37

ደራሲት ሮሳን ኬሊክ፡ ‘ነቲ ሕሙም ሕማሙ ንኸነረስዖ እንገብሮ ነገራት፡ ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ ጠቓሚ እዩ’ በለት። ክልተ ሳዕ መጥባሕቲ ገይራ ዝሓወየት ሲልቪያ ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “እተፈላለየ ፈተውቲ ሕክምና ንኺግበረለይ ናብ ካልእ ከተማ ኺወስዱኒ ኸለዎ ኣዝዩ ባህ ይብለንን የጸናንዕን ነበረ። ኣብ መገድና፡ እተፈላለየ ኣርእስታት ኣልዒልና ነዕልል፡ ድሕሪ እቲ ሕክምና ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት ምግቢ ኣቲና ነዕርፍ ነበርና። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ይገብር ነበረ” በለት።

ይኹን እምበር፡ ንፈታዊኻ ዜድልዮ ነገራት ብልክዕ እትፈልጥ ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ኬሊክ፡ “ኵሉ ሳዕ ሕተት . . . ክትሕግዝ ክትደሊ ኸለኻ ንዅሉ ነገራት ባዕልኻ ኣይትቈጻጸሮ። ከምዚ ምግባር ተስፋ ዜቝርጽ እዩ። ክዓዪ ዘይትደልየኒ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ምንም ነገር ክዓዪ ኸም ዘይክእል እዩ ዜስምዕ። ብቕዕቲ ደኣ እምበር ድኽምቲ ኸም ዝዀንኩ ኽስምዓኒ ኣይደልን እየ። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ክገብር ሓግዘኒ” በለት።

ፈታዊኻ ኽእለት ከም ዘለዎ ኺስምዖ ይደሊ እዩ። ሕማም አይድስ ዘለዎ ኣዲልሰን፡ “ምስ ሓመምካ፡ ከም ሓደ ዘይረብሕ ወይ ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ተቘጺርካ ኽትድርበ ኣይትደልን ኢኻ። ኣብቲ ኸም ንኣሽቱ ዚቝጸር ነገራት እውን እንተ ዀነ ኽትሕግዝ ትደሊ ኢኻ። ሓደ ነገር ክትገብር ከም እትኽእል ኰይኑ ኺስምዓካ ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት፡ ህይወት ከም ዘይጽልኣካ እዩ ዚገብር። ሰባት፡ ውሳነ ኽገብር ኬፍቅዱለይን ውሳነታተይ ኬኽብሩለይን እየ ዝደሊ። ሕሙማት ምዃንና ኸም ኣቦ፡ ኣደ፡ ወይ ከም ዝዀነ ይኹን ሰብ መጠን ዘሎና ግደ ንኸይንፍጽም ይዓግተና እዩ ማለት ኣይኰነን” በለ።

ርክብካ ኣይተቋርጽ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።”ምሳሌ 17:17

ፈታዊኻ ኣብ ርሑቕ ስለ ዚነብር ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ክትበጽሖ እንተ ዘይክኢልካ፡ ስልኪ ደዊልካ ኸተዕልሎ፡ ንእሽቶ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ፡ ወይ ኢ-መይል ክትልእከሉ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጽሕፈሉ እትኽእል፧ ኣማኻሪ ሓዘንተኛታት ዝዀነ ኣለን ዲ. ዎልፈልት፡ “ብሓንሳእ ብዛዕባ ዘሕለፍኩምዎ ባህ ዜብል እዋናት ጽሓፈሉ። . . . እንደገና ኸም እትጽሕፍ ቃል እተወሉ። ቃልካ ድማ ሓሉ” በለ።

ዘይበሃል ከይትብል ወይ ጌጋ ኸይትገብር ፈሪህካ፡ ነቲ ዝሓመመ ፈታዊኻ ኻብ ምትብባዕ ድሕር ኣይትበል። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ብሓቂ ዜገድስ ኣብ ጐድኖም ምዃንካ እዩ። ሎሪ ሆፕ፡ ኣብ መጽሓፋ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኵላትና ኻልኦት ብጌጋ ኽትርጕምዎ ዚኽእሉ ወይ ብገለ መገዲ ኺሃስዮም ዚኽእል ነገራት ንዛረብ ወይ ንገብር ኢና። እዚ ሽግር የብሉን። ሽግር ዚኸውን ከይትጋገ ኢልካ ፈሪህካ ኻብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ምስ እትርሕቕ እዩ።”

እወ፡ ነቲ ኸቢድ ሕማም ዝሓመመ ፈታዊኻ ሎሚ ኢኻ እተድልዮ። ናይ ሓቂ “ፈታዊ” ምዃንካ ኣርኢ። እቲ ንኽትሕግዞ እትገብሮ ጻዕሪ ንቓንዛኡ እኳ እንተ ዘይጠፍኣሉ፡ ነቲ ኣሸጋሪ ዅነታቱ ንኺጻወሮ ግን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።