ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ዚሕግዝ ሸውዓተ ነጥብታት

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ዚሕግዝ ሸውዓተ ነጥብታት

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ዚሕግዝ ሸውዓተ ነጥብታት

“መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ብብዝሒ መሸጣ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓዓመት እውን ብብዝሒ መሸጣ ቐዳማይ ቦታ ዚሕዝ መጽሓፍ እዩ።”—መጽሔት ታይም።

“ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣመና ዜሰልኪ ግን እዩ።” —ኪት፡ ህቡብ እንግሊዛዊ ሙዚቀኛ።

ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እናሃለዎም ክነሱ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ዘይረኽቡሉ ምዃኖም ዜገርም እዩ። ገሊኦም ግን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚረኽብዎ ጥቕሚ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ንኣብነት፡ ናንሲ እትበሃል ሰበይቲ፡ “ንግሆ ንግሆ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ከስተንትነሉን ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ፡ ንዝመጸኒ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገጥመሉ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ልማድ እዚ፡ ካብ ኵሉ እቲ ኻብ ናይ መንፈስ ጭንቀት ንኺሕሸኒ ኢለ ን35 ዓመት ዝገበርክዎ እተፈላለየ ፈተነ ዝሓሸ ጥቕሚ እየ ረኺበሉ” በለት።

ዋላ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ዘይትፈልጥ እንተ ዀንካ፡ ገሊኦም ሓጋዚ ዀይኑ ኸም ዝረኸብዎ ኽትሰምዕ ከለኻ የገርመካዶ፧ ብቐደምካ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ካብ ንባብካ ዝያዳ ኽትጥቀም ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነዘን ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከባ ሸውዓተ ነጥብታት ፈትነን።

1ይ ነጥቢ ካብ ቅኑዕ ምኽንያት ተበጊስካ ኣንብብ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ባህ ዜብል ስነ-ጽሑፍ ጥራይ ጌርካ፡ ወይ ከም ግዴታ ቘጺርካ፡ ወይ ከኣ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም መምርሒ ንኽትረክብ ኢልካ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ሓቂ ንኽትፈልጥ ኢልካ እንተ ኣንቢብካዮ ግን፡ ዝበለጸ ጥቕሚ ኽትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ መልእኽቱ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ንኽትፈልጥ ኢልካ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኽትረኽበሉ ኢኻ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ቅኑዕ ምኽንያት ተበጊስና ኸነንብብ ከም ዘሎና ኼጕልሕ ከሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ መስትያት ብምምስሳል ከምዚ ይብል፦ “ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”—ያእቆብ 1:23-25

እዚ ኣብዚ ኣብነት እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ፡ ንገጹ ብመስትያት እኳ እንተ ረኣየ፡ ኣብ ትርኢቱ ግን ዋላ ሓንቲ ምትዕርራይ ኣይገበረን። ምናልባት ንትርኢቱ ጽቡቕ ገይሩ ኣይረኣዮን ይኸውን፣ ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኺገብር ኣይደለየን ይኸውን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ዕላማ ነንብቦ፡ ወይ ነቲ ዘንበብናዮ ኣብ ግብሪ ዘይነውዕል እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ኣይንጥቀምን ኢና። ብኣንጻሩ ግን፡ ‘ገበርቲ’ ኽንከውን ኢልና፡ ማለት ሓሳብ ኣምላኽ ንሓሳባትናን ንተግባራትናን ኪቐርጾ ኢልና ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ንጥምቶ እንተ ዄንና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

2ይ ነጥቢ ዜተኣማምን ትርጕም ምረጽ

ኣብ ቋንቋኻ፡ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ይህሉ ይኸውን። ዝዀነ ይኹን ትርጕም ኪጠቕመካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ትርጕማት ግን ንኽትርድኦ ዜሸግር ብሉይ ወይ ናይ ምሁራት ቋንቋ ይጥቀም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ገሊኡ ትርጕማት፡ ኣብ ዝጸንሐ ልምድታት ብምምርኳስ፡ ነቲ ጽሩይ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይቕይሮ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብተን ኣብ መጀመርታ እዛ መጽሔት ዚርከባ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ገሊኦም ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ብኸም “ኣምላኽ፡” “እግዚኣብሄር፡” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋት ተኪኦምዎ እዮም። ስለዚ፡ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርጽ ከለኻ፡ ብቐሊሉ ኽትርድኦ እትኽእልን ንኸተንብቦ ሸውሃትካ ዚኸፍትን ገይሩ ብልክዕ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ትርጕም ምረጽ።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣንበብቲ፡ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። a ንኣብነት፡ ተመክሮ ሓደ ኣብ ቡልጋርያ ዚርከብ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተኣከበ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ተዋህቦ። ጸኒሑ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሕ ዓመታት ኣንቢበዮ እየ፣ ከምዚ ትርጕም እዚ ገይሩ ብቐሊሉ ዚርድኣካን ናብ ልብኻ ዚኣቱን ግን ኣንቢበ ኣይፈልጥን” በለ።

3ይ ነጥቢ ጸሊ

ካብቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝ ብምሕታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። እቲ፡ “ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር እውን ከምኡ እዩ ገይሩ። (መዝሙር 119:18) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዘንበብካ መጠን፡ ምእንቲ ኽትርድኦ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ብምኽኣልካ እውን ከተመስግን ትኽእል ኢኻ፣ ከመይሲ፡ ብዘይ ብእኡ ንኣምላኽ ኣይምፈለጥናዮን ኔርና።—መዝሙር 119:62

ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ይሰምዕ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ኡራጓይ ንዚነብራ ኽልተ ጐራዙ ኣሓት ዘጋጠመን እስከ ንርአ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚብሎ ስለ ዘይተረድአን፡ ኣምላኽ ዜረድአን ሰብ ኪሰደለን ጸለያ። እተን ኣዋልድ ሒዘናኦ ዝነበራ መጽሓፍ ቅዱስ ገና ብኽፉቱ ኸሎ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተን መጺኦም፡ ነታ ዝጸለያላ ጥቕሲ ኣንቢቦም፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ብመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚትክኣ ገለጹለን። b እተን ኣሓት፡ ኣምላኽ ንጸሎተን ምላሽ ከም ዝሃበን ኣመና።

4ይ ነጥቢ መዓልታዊ ኣንብብ

ድሕሪ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተፈነወ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣሕታሚ፡ “መሸጣ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚሩ” በለ። ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን ጸበባ ጥራይ እዮም ንቓል ኣምላኽ ቍሊሕ ዚብልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ስለ ዚብል፡ መዓልታዊ ኸነንብቦ እዩ ዜተባብዓና።—እያሱ 1:8

ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ጥቕሚ፡ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና፦ ሓደ ድንገታዊ ሕማም ልቢ ኣጓኒፍዎ ዝነበረ እሞ፡ ድሕሪኡ ዝሓሸ ኣመጋግባ ኺስዕብ ዝወሰነ ሰብ ኣብ ኣእምሮና ንሓዝ። ኣብ ኣፍ ልቡ ብርቱዕ ቃንዛ ኺስምዖ ኸሎ ጥራይ ነቲ ስርዓት ኣመጋግባኡ ዚኽተል እንተ ዀይኑ ምተጠቕመዶ፧ ኣይፋሉን። ዝበለጸ ጥቕሚ ንኺረክብ፡ ኣዘውቲሩ ነቲ ስርዓት ኣመጋግባኡ ኪኽተል ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ንስኻ እውን መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብካ፡ “መገድኻ ተቕንዕ” ኢኻ።

5ይ ነጥቢ እተፈላለየ ኣናብባ ተጠቐም

ካብ ዘፍጥረት ጀሚርካ ኽሳዕ ራእይ ዮሃንስ ምንባብ ጽቡቕ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካልእ ዓይነት ኣናብባ እውን ባህ ኪብለካ ይኽእል እዩ። እተወሰነ ርእይቶታት እንሆ፦

ኣብ ሓደ ገጸ-ባህርይ ኣተኵር። ብዛዕባ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዚገልጽ ኵሉ ምዕራፋት ወይ መጻሓፍቲ ኣንብብ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዞም ዚስዕቡ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ፦

ዮሴፍ፦ ዘፍጥረት 37-50

ሩት፦ ሩት 1-3

የሱስ፦ ማቴዎስ 1-28፣ ማርቆስ 1-16፣ ሉቃስ 1-24፣ ዮሃንስ 1-21 c

ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር ኣተኵር። ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር ዜተኵር ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣንብብ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጸሎት ምርምር ድሕሪ ምግባርካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት ዚህቦ ምኽርን ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎትን ኣንብብ። d

ዓው ኢልካ ኣንብብ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢልካ ብምንባብካ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። (ራእይ 1:3) ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር ኴንኩም፡ በብተራ እናተበራረኹም ወይ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ገጸ-ባህርይ መዲብኩም፡ ዓው ኢልኩም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገሊኦም ነቲ እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ባህ ይብሎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ርእይቶኣ ዝሃበት ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ከቢዱኒ ስለ ዝነበረ፡ እተቐድሐ ንባብ ክሰምዕ ጀመርኩ። ሕጂ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጽቡቕ ልቢ ወለድ ንላዕሊ መሳጢ ዀይኑ እየ ረኺበዮ” በለት።

6ይ ነጥቢ ኣስተንትን

ዘመናዊ ህይወት ሃታሃታ ዝመልኦን ጋሕማጥን ብምዃኑ፡ ንምስትንታን ዚምሽው ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ኻብ ዝበላዕናዮ ምግቢ ምእንቲ ኽንጥቀም ከነሕቅቖ ዘሎና፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽንጥቀም እውን ከነስተንትነሉ ኣሎና። ነዚ ድማ ኣእምሮኣዊ ክለሳ ብምግባርን ንርእስና ሕቶታት ብምሕታትን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ‘ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ተማሂረ፧ እዚ ንዓይ ብኸመይ ይምልከተኒ፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

በዚ ኸምዚ ነስተንትን እንተ ዄንና፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልብና ኺትንክፎን ብንባብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ኺዓዝዝን ይኽእል እዩ። መዝሙር 119:97፡ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ትብል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንቕዱሳት ጽሑፋት ምሉእ መዓልቲ የስተንትነሉ ነበረ። ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ እተማህሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ንኼሕድር ሓጊዝዎ እዩ።

7ይ ነጥቢ ዜረድኣካ ርኸብ

ኣምላኽ፡ ባዕልና ንቓሉ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይጽበየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ፡ “ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር” ሒዙ ኸም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:16) ሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ንገሊኡ እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ኸም ዘይከኣለ፡ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዞ፡ ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ለኣኸሉ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ “ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39

ንስኻ እውን ነቲ እተንብቦ ዜረድኣካ እንተ ረኺብካ፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ፡ ወይ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 4 እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ጽሓፍ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓተመ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ83 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ፣ ኣብ www.watchtower.org ዚበሃል ወብ ሳይት ከኣ ብ17 ቛንቋታት ኪርከብ ይከኣል።

b ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ነገራትን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ።

c መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማኻ ተንብቦ እንተ ኣሊኻ፡ በታ ንኣገልግሎት የሱስ ጽምቝ ኣቢላ እተቕርብ ወንጌል ማርቆስ ጀምር።

d እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በብኣርእስቲ ንኼጽንዕዎ ሓጊዛቶም እያ። ንኣብነት፡ ምዕራፍ 17፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።