ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልቲ የሆዋ እትቐልዖ ነገራት

መዓልቲ የሆዋ እትቐልዖ ነገራት

መዓልቲ የሆዋ እትቐልዖ ነገራት

“መዓልቲ [“የሆዋ፡” NW] ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ . . . ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።”—2 ጴጥ. 3:10

1, 2. (ሀ) እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ብኸመይ እዩ ኺጠፍእ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ ሰብ ካብ የሆዋ ተፈልዩ ንርእሱ ኺገዝእ ይኽእል ኣብ ዚብል መሰረታዊ ሓሶት እተመስረተ እዩ። (መዝ. 2:2, 3) ኣብ ሓሶት እተመስረተ ዝዀነ ይኹን ነገር ንዘለኣለም ኪቕጽል ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብርእሳ ኽሳዕ እተጥፍእ ክንጽበ ኣየድልየናን እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜን ንሱ ብዚደልዮ መገድን ክትጠፍእ እያ። ኣብ ልዕሊ እዛ እክይቲ ዓለም ዚወስዶ ስጕምቲ ድማ፡ ፍጹም ፍትሑን ፍቕሩን ዜንጸባርቕ ኪኸውን እዩ።—መዝ. 92:7፣ ምሳ. 2:21, 22

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “መዓልቲ [“የሆዋ፡” NW] ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 3:10) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ሰማያት” ኰነ “ምድሪ” እንታይ እዩ፧ እቲ ዚመክኽ “ፍጥረት ሰማይ” ንምንታይ የመልክት፧ ጴጥሮስ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥና፡ ነቲ ድሕሪ ቐረባ እዋን ዜጋጥም ዜፍርህ ፍጻመታት ድሉዋት ኴንና ንኽንጸንሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሰማያትን ምድርን ኪሓልፍ እዩ

3. እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:10 ተጠቒሱ ዘሎ “ሰማያት” እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚሓልፍ፧

3 እታ “ሰማያት” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ኽትጥቀስ ከላ፡ ነቶም ካብ ተገዛእቶም ጸብለል ዝበሉ ገዛእቲ እያ እተመልክት። (ኢሳ. 14:13, 14፣ ራእ. 21:1, 2) እቲ “ኺሐልፍ” እተባህለሉ “ሰማያት፡” ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ዘሎ ሰብኣዊ ግዝኣት ዜመልክት እዩ። እዚ ሰማያት እዚ “ጥዋዕዋዕ እናበለ” ኸም ዚሓልፍ ተጠቒሱ ምህላዉ፡ ብሃንደበት ከም ዚጠፍእ ዚሕብር እዩ።

4. “ምድሪ” ንምንታይ ተመልክት፧ ብኸመይከ እያ እትጠፍእ፧

4 “ምድሪ” ነታ ኻብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም እያ እተመልክት። ብግዜ ኖህ፡ ከምዚኣ ዓይነት ዓለም እኳ እንተ ነበረት፡ ብምኽንያት ፍርዲ ኣምላኽ ግን ብማይ ኣይሂ ጠፍአት። “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።” (2 ጴጥ. 3:7) ማይ ኣይሂ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ብሓንሳእ እኳ እንተ ኣጥፍኦም፡ እቲ ብግዜ “ብርቱዕ ጸበባ” ዜጋጥም ጥፍኣት ግን በብደረጃኡ እዩ ዚፍጸም። (ራእ. 7:14) ፈለማ፡ ኣምላኽ ብፖለቲካውያን መራሕቲ እዛ ዓለም ገይሩ ን“ዓባይ ባቢሎን” ብምጥፋእ፡ ነዛ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ ኸም ዚጽየፋ ኼርኢ እዩ። (ራእ. 17:5, 16፣ 18:8) ድሕሪኡ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ማለት ኣብ ኣርማጌዶን፡ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪድምስሶ እዩ።—ራእ. 16:14, 16፣ 19:19-21

“ፍጥረት ሰማይ . . . ኪመክኽ”

5. እቲ ምሳልያዊ ባእታታት እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

5 እቲ “ኺመክኽ” እተባህለሉ “ፍጥረት ሰማይ” እንታይ እዩ፧ እታ “ፍጥረት ሰማይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ባእታታት” (NW) ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትከኣል እያ። ሓደ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ባእታታት” እትብል ቃል፡ መባእታዊ ወይ ፋልማዊ ንዝዀነ ንጥረ-ነገር ከተመልክት ከም እትኽእል ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብቲ ባእታታት ዘረባ ዝዀነ ፊደላት ተዓዩላ ኣሎ” በለ። ስለዚ፡ እቲ ጴጥሮስ ጠቒስዎ ዘሎ “ባእታታት፡” ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ባህርያትን ኣረኣእያታትን መገድታትን ሸቶታትን እዛ ዓለም ዝዀነ መሰረታዊ ነገራት ዜመልክት እዩ። ነቲ ኣብ “ደቂ ዘይምእዛዝ” ዚርአ ዘሎ “መንፈስ ዓለም” እውን ዜጠቓልል እዩ። (1 ቈረ. 2:12፣ ኤፌሶን 2:1-3 ኣንብብ።) እዚ መንፈስ ወይ “ኣየር” እዚ፡ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም መሊእዋ እዩ ዘሎ። ንሰባት ድማ ምስ ኣተሓሳስባ እቲ ዕቡይን ደረቐኛን “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ዝዀነ ሰይጣን ብዚሰማማዕ መገዲ ኺሓስቡን ኪውጥኑን ኪዛረቡን ኪመላለሱን ይድርኾም።

6. መንፈስ ዓለም ብኸመይ እዩ ዚርአ፧

6 ስለዚ፡ እቶም ብመንፈስ ዓለም እተለበዱ፡ እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ንኣእምሮኦምን ንልቦምን ብሰይጣን ኪጽሎ ስለ ዜፍቅዱሉ፡ ኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን እዮም ዜንጸባርቑ። ከም ውጽኢቱ፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ቅጭጭ ከይበሎም፡ ዝደለይዎ ይገብሩ። ዚህብዎ ምላሽ ኣብ ትዕቢት ወይ ንርእሶም ኣብ ዚጥዕሞም ነገራት እተመርኰሰ እዩ፣ ዓለወኛታት ብምዃኖም ንስልጣናት ኣኽብሮት የብሎምን፣ ብ“ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን” ከኣ ይስነፉ እዮም።—1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ። a

7. ‘ንልብና ኽንሕልዎ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 እምበኣር፡ መዋዕልትናን እነንብቦ ጽሑፋትን መዘናግዕን እንኸፍቶ ወብ ሳይትን ክንመርጽ ከለና፡ ‘ንልብና ኽንሕልዎ’ ኣሎና። (ምሳ. 4:23) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (ቈሎ. 2:8) እቲ ዘይተኣደነ ረስኒ መዓልቲ የሆዋ ንዅሉ “ባእታታት” ስርዓት ሰይጣን ስለ ዜምክኾ፡ ማለት ሓዊ ዘይጻወር ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜቃልዖ፡ እታ መዓልቲ እናቐረበት ብዝኸደት መጠን፡ ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ትእዛዝ ብህጹጽ ክንዓየሉ ኣሎና። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሚልክያስ 4:1 ዚርከብ፡ “እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ አላ እሞ፡ ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ኪዀኑ እዮም፡ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም . . . ሞዅ ከተብሎም እያ” ዚብል ቃላት የዘኻኽረና።

“ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ”

8. ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ‘ዚቕላዕ’ ብኸመይ እዩ፧

8 ጴጥሮስ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እታ “ኺነድድ” እትብል ቃል፡ ብሓዊ ፍርዲ ኸም ዚግብኦ ዀይኑ “ኪቕላዕ” ወይ “ኪርከብ፡” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ የሆዋ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪቐልዓ እዩ፣ ኣንጻሩን ኣንጻር መንግስቱን ከም ዝዀነትን ጥፍኣት ከም ዚግብኣን ድማ ኬጋልጻ እዩ። ኢሳይያስ 26:21 ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኽትንበ ኸላ፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ አሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ” ትብል።

9. (ሀ) ካብ ምንታይ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) እንታይ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

9 ኣብ መዓልቲ የሆዋ፡ እቶም ብዓለምን ብመንፈሳን እተቐርጹ ሰባት ናይ ሓቂ እንታይነቶም ኬርእዩ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንሓድሕዶም ኪቃተሉ እዮም። እቲ ሕጂ ኣዝዩ ህቡብ ኰይኑ ዘሎ ዓመጽ ዝመልኦ መዘናግዒ፡ ንኣእምሮ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኼልዕል እዩ” እተባህለሉ ግዜ ዜዳልዎም ዘሎ እዩ ዚመስል። (ዘካ. 14:13) እምበኣር፡ ከም ትዕቢትን ዓመጽን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚጸልኦ ባህርያት ኣብ ውሽጥና ኺተኽለልና ኻብ ዚኽእል ፊልምታትን መጻሕፍትን ጸወታታት ቪድዮን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንርሓቕ። (2 ሳሙ. 22:28፣ መዝ. 11:5) ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መዓልቲ የሆዋ ዜጋጥም ምሳልያዊ ሓዊ ስለ ዚጻወሮ፡ ነዚ ነማዕብል።—ገላ. 5:22, 23

“ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን”

10, 11. እቲ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እንታይ እዩ፧

10 ካልኣይ ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ። እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ነታ “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ምስ ተወድአ እተመስረተት ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። (ሉቃ. 21:24) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ብክርስቶስ የሱስን በቶም መብዛሕትኦም ሰማያዊ ዓስቦም እተቐበሉ ምስኡ ዚገዝኡ 144,000ን ዝቘመት እያ። እዞም ሕሩያት እዚኣቶም፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ [ትወርድ]” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእ. 21:1, 2, 22-24) ከምቲ ምድራዊት የሩሳሌም መንበር መንግስቲ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት፡ ሓዳስ የሩሳሌምን መርዓዊኣን እውን ንመንግስቲ እቲ ሓድሽ ስርዓት የቝሙ እዮም። እዛ ሰማያዊት ከተማ እዚኣ፡ ኣቓልቦኣ ናብ ምድሪ ብምግባር፡ ‘ካብ ሰማይ ክትወርድ እያ።’

11 እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪግዝኡ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርኣዩ ሰባት ዝሓቘፈ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ዜመልክት እዩ። እቲ ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ዜስተማቕርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ገነት፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብቲ ንዕኡ ዚበቅዕ ሃዋህው፡ ማለት ኣብታ ጽብቕቲ “እትመጽእ ዓለም” ኪኸውን እዩ። (እብ. 2:5) እሞ ደኣ ኽፍሊ እቲ ሓድሽ ስርዓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ተዳሎ

12. ምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ንዓለም ድንገት ዚዀና ስለምንታይ እዩ፧

12 ጳውሎስን ጴጥሮስን፡ መዓልቲ የሆዋ “ኸም ሰራቒ” ሰላሕ ኢላ ብሃንደበት ከም እትመጽእ ተነብዮም ነበሩ። (1 ተሰሎንቄ 5:1, 2 ኣንብብ።) ነቶም ነታ መዓልቲ ዚጽበይዋ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ፡ ሃንደበት ኪዀኖም እዩ። (ማቴ. 24:44) ንዓለም ግን ሃንደበታዊ ኻብ ምዃን ሓሊፉ፡ መዓት ሒዙላ ኺመጽእ እዩ። ጳውሎስ፡ “[እቶም ካብ የሆዋ ዝረሓቑ ሰባት] ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ተሰ. 5:3

13. በቲ “ሰላምን ደሓንን እዩ” ዚብል ጭርሖ ኸይንታለል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

13 እቲ “ሰላምን ደሓንን እዩ” ዚብል ጭርሖ፡ ሓደ ኻብቲ ብኣጋንንቲ ዚዝርጋሕ ሓሶት እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣገልገልቲ የሆዋ ግን ኣየታልሎምን እዩ። ጳውሎስ፡ “ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰ. 5:4, 5) ስለዚ፡ ካብ ጸልማት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ርሒቕና፡ ኣብ ብርሃን ንኹን። ጴጥሮስ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ በስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ [ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ናይ ሓሶት መምህራን] ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ” በለ።—2 ጴጥ. 3:17

14, 15. (ሀ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዜኽብረና፧ (ለ) ነየናይ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

14 የሆዋ፡ “ተሐለዉ” ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ሓዲጉና። የግዳስ፡ ስለ ዜኽብረና፡ ብዛዕባ መጻኢ ሓፈሻዊ መግለጺ ብምሃብ፡ ‘ኣቐዲሙ ኣፍሊጡና’ እዩ።

15 እቲ ዜሕዝን ግን፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ንቑሓት ክንከውን ዚወሃበና መዘኻኸሪ ዕሽሽ ይብልዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይነቕፍዎ እዮም። ‘እዚሞ ንዓሰርተታት ዓመታት እንሰምዖ ዝነበርና እዩ’ ኢሎም ይዛረቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኺብሉ ኸለዉ፡ ነቲ እሙን ባርያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋን ንወዱን እዮም ዚጠራጠርዎም ዘለዉ። የሆዋ፡ ‘ተጸበዩ’ ኢሉ እዩ። (ኣን. 2:3) የሱስ እውን፡ “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 24:42) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) እቲ እሙን ባርያን ኣመሓዳሪ ኣካሉን ነዘን ረዘንቲ ቓላት እዚኣተን ኣቕሊሉ ኣይርእየንን እዩ።

16. ካብ ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 እቲ “ኽፉእ ባርያ፡” ጐይታኡ ኸም ዝደንጐየ ገይሩ ይሓስብ እዩ። (ማቴ. 24:48) ክፍሊ እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4 ተገሊጹ ዘሎ ጕጅለ ኸኣ እዩ። ጴጥሮስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ነቶም ብተኣዛዝነት ንመዓልቲ የሆዋ ኣቀላጢፎም ዚርእይዋ “ኸም ፍትወት ርእሶም” ‘ዜላግጹሎም’ ሰባት ኪህልዉ ምዃኖም ጽሒፉ ነበረ። እዞም መላገጽቲ እዚኣቶም፡ ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ጥቕሞምን እዮም ዜተኵሩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቐይዲ በተኽን ሓደገኛን ኣተሓሳስባ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብትግሃት ብምዕያይ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንነገራት ዚፍጽመሉ ግዜ ኣመና ብዘይምጭናቕ፡ ‘ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንና ንቝጸሮ።’—2 ጴጥ. 3:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7 ኣንብብ።

ኣብ ኣምላኽ ምድሓን ተወከል

17. እሙናት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ካብ የሩሳሌም ኪሃድሙ ዝሃቦም ምኽሪ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧ ስለምንታይከ፧

17 ብ66 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ንይሁዳ ምስ ወረርዋ፡ እሙናት ክርስትያናት ምስቲ የሱስ ካብ የሩሳሌም ኪሃድሙ ዝሃቦም ምኽሪ ብዚሰማማዕ መገዲ ስጕምቲ ወሰዱ። (ሉቃ. 21:20-23) ከምዚ ዝኣመሰለ ቕልጡፍን ዘየማትእን ስጕምቲ ዝወሰዱ ስለምንታይ እዮም፧ ነቲ የሱስ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ስለ ዘቕለቡሉ እዮም። ልክዕ ከምቲ የሱስ ዘጠንቀቖም፡ ውሳነኦም ሽግር ከም ዜምጽኣሎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ነቶም እሙናቱ ኸም ዘይሓድጎም እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—መዝ. 55:22

18. እቲ ኣብ ሉቃስ 21:25-28 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ነቲ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ዘሎካ ኣረኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

18 ንሕና እውን ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጸበባ ምስ መጸ፡ ኬድሕነና ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩን የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ዓለም ፍርዱ ቕድሚ ምፍጻሙን፡ “ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።” ጸላእቲ ኣምላኽ ኪርዕዱ ኸለዉ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ፈጺሞም ኣይኪፈርሁን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ምድሓኖም ከም ዝቐረበ ስለ ዚፈልጡ፡ ኪሕጐሱ እዮም።—ሉቃስ 21:25-28 ኣንብብ።

19. ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ነቶም ካብዛ ዓለም ኰነ ኻብቲ ኣብኣ ዚርከብ “ባእታታት” ዚርሕቁ ሰባት፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ዚጽበዮም ዘሎ! ይኹን እምበር፡ ከምቲ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እትገልጾ፡ ህይወት ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ካብ ክፉእ ምርሓቕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ንየሆዋ ዜሐጕሶ ባህርያት ከነማዕብልን ንሱ ዚሰምሮ ዕዮ ኽንዓዪን እውን ኣሎና።—2 ጴጥ. 3:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a መንፈስ ዓለም ብዛዕባ ዜስፋሕፍሖ ባህርያት ዝሰፍሐ መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ፡ ኣብ ገጽ 389-393 ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እዚ ዚስዕብ ንምንታይ የመልክት፧

ሕጂ ዘሎ ‘ሰማያትን ምድርን’

“ባእታታት”

“ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን”

• ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እንውከል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

‘ንልብኻ ኽትሕልዎን’ ካብዛ ዓለም ክትርሕቕን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

‘ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንና ኸም እንቘጽሮ’ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧