ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበሮም ፍርሂ ጠፊኡ

ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበሮም ፍርሂ ጠፊኡ

ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበሮም ፍርሂ ጠፊኡ

ጋሪን ካረንን ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1970ታት፡ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ይኣምኑ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ገዓዙ፣ ምሉእ ብምሉእ ርእሶም ክኢሎም ከኣ ኪነብሩ ጀመሩ። ካብ መወዳእታ ዓለም ኪድሕኑ እዮም ዚደልዩ ነይሮም።

ዜድልዮም ክእለት ንምጥራይ፡ መጻሕፍቲ ዓደጉ፡ ስልጠና ወሰዱ፡ ከምኡውን ምስ ብዙሓት ሰባት ተዘራረቡ። ብዘይካዚ፡ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣዳልዮም፡ ፍረታት ዚፈሪ 50 ኣእዋም ተኸሉ። ኣዝርእትን ናውትን ድማ ኣከቡ። ብኸመይ ምህርቲ ኸም ዚረኽቡን ነቲ ዝረኸብዎ ምግቢ ብኸመይ ከም ዚዕቅብዎን ተማህሩ። ሓደ ፈታዊኦም፡ ስጋ ዚሓርዱሉን ቋንጣ ዚገብሩሉን መገዲ መሃሮም። ካረን፡ ምግቢ እንተ ተወዲኡ ኺበልዕዎ ዚኽእሉ ኣብ ጫካ ዚርከብ ኣትክልትን ሰራውርን ከተለሊ ዜኽእላ ትምህርቲ ተማህረት። ጋሪ እውን ብኸመይ ካብ ዕፉን ነዳዲ ኸም ዜውጽእ፡ ብኸመይ ብሓጺን ገይሩ እቶን ከም ዚሰርሕ፡ ከምኡውን ብኸመይ ኣብ ደጋዊ ኣገልግሎታት ዘይትምርኰስ ቤት ከም ዚሃንጽ ተማህረ።

ካረን፡ “ብምኽንያት እቲ ሽዑ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ዓለም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ስልጣነ ዚጠፍእ ኰይኑ ተሰምዓኒ” በለት። ጋሪ ድማ፡ “ልክዕ ከምቶም ካልኦት መንእሰያት፡ ዓሌትነት ንኺጠፍእ፡ ውግእ ቬትናም ንኺቋረጽ፡ ከምኡውን ብልሽውና ንኺውገድ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ንጥፈት ዝከኣለኒ ገይረ እየ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ግን ተስፋ ክቘርጽ ጀመርኩ። ደቂ ሰብ ባዕሎም ንገዛእ ርእሶም ዜጥፍኡ እዮም ዚመስሉ ነይሮም” በለ።

ጋሪ ቐጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ሓደ ምሸት፡ ግዜ ስለ ዝነበረኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺለ፡ ካብ ማቴዎስ ክሳዕ ራእይ ኣንበብኩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣርባዕተ ምሸት፡ እንደገና ኣንበብክዎ። ኣብታ ሓምሸይቲ ንግሆ፡ ንካረን፡ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንነብር ዘለና። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ንምጽራይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ነቶም ዚድሕኑ ሰባት ክንረኽቦም ኣሎና’ በልክዋ።” ድሕሪኡ፡ ጋሪን ካረንን ነቶም ንግዜ መወዳእታ ተዳልዮም ዚጽበዩ ሰባት ንምርካብ፡ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኪምርምሩ ጀመሩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤቶም መጸ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመሩ። ካረን ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ብሓቂ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መግለጺ ይወሃበና ብምንባሩ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ ዚገልጽ ሓቂ ኽረክብ እየ ዝደሊ ነይረ፡ ነዚ ኸኣ ረኸብክዎ። ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ኺህልወኒ ኸኣለ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ምስቲ ፈጣርን ኣምላኽን ኵሉ ፍጥረት ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦይ ክተዓራረኽ ከኣልኩ።”

ጋሪ እውን ከምዚ በለ፦ “ህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዋ ኸኣለ። ሓንሳእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጀሚረ፡ ኣቋርጾ ኣይመጸንን እዩ ነይሩ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብኩ፡ ነቲ ኸም እተፈጸመ ዚሕብር መርትዖ መርመርክዎ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ድማ ኣመንኩ። ‘ሰባት ንመዓት ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንረኽቦ ዚደልየና ህይወት ኪዳለዉ ኣለዎም’ ኢለ ሓሰብኩ።” ጋሪን ካረንን ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣጥረዩ። ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኣብ ክንዲ ዚጭነቑ፡ ኣምላኽ ነቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ጸገማት ኣወጊዱ፡ ነዛ ምድሪ ናብ ገነት ከም ዚቕይራ ኺኣምኑ ጀመሩ።

እሞኸ ሕጂ ድሕሪ 25 ዓመት እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ካረን ከምዚ በለት፦ “ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ፍቕርን ኣብኡ ዘሎኒ እምነትን እሃንጽ፡ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ድማ እሕግዝ ኣለኹ። ኣነን ጋሪን ንስድራ ቤትና ድልድልትን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ሕብርትን ምእንቲ ኽትከውን፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍ ኢና። ብግቡእ እተወደብና ኽንከውን ኢና እንጽዕር፣ ንኻልኦት ኣብ ዜድልዮም ነገራት ንኸነተኵር፡ ናብራና ቐሊል ክንገብሮ ኢና እንጽዕር።”

ጋሪ እውን ከምዚ በለ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንሚልዮናት ምእንቲ ኸተርህወሎም፡ ኣዘውቲረ እየ ዝጽሊ። ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዘካፍለሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ እንተ ወሓደ ንሓደ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንኸርእዮ እጽሊ እየ። የሆዋ ድማ ንልዕሊ 25 ዓመት ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። ኣነን ካረንን የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብዛ ምድሪ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዚገብር ንኣምን እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ መወዳእታ ዝነበረና ፍርሂ ጠፊኡ እዩ።”—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 2 ጴጥሮስ 3:11, 12

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጋሪን ካረንን፡ ካልኦት ካብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ንኺረኽቡ ይሕግዙ ኣለዉ