ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ጸራቢ”

“እቲ ጸራቢ”

ናብራ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት

“እቲ ጸራቢ”

“እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧”—ማቴዎስ 13:55

የሱስ፡ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ እዩ። (ማርቆስ 6:3) ነዚ ሞያ እዚ ኻብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ እዩ ተማሂርዎ ኪኸውን ዘለዎ።

የሱስ ጸራቢ ዀይኑ ኣብ ዚዓየሉ ዝነበረ እዋን፡ እንታይ ክእለትን ናውትን እዩ ዜድልዮ ነይሩ፧ ንተቐማጦ ናዝሬት እንታይ ፍርያትን ኣገልግሎታትን እዩ ዜቕርበሎም ነይሩ፧ ብግዜ ንእስነቱ ኸም ጸራቢ መጠን ዝረኸቦ ስልጠናኸ፡ ኣብ ህይወቱ ብኸመይ ጸልይዎ ኪኸውን ይኽእል፧

ካብ ቤተሰብ ዚውረስ ሞያ፦ እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊ፡ ኣቦ ንዓብዪ ወዱ፡ ነታ ሰርሳሪት ብውሕሉልን ብዘይጐድእን መገዲ ብኸመይ ከም ዚጥቀመላ ኺምህሮ ኸሎ ተርኢ። እቲ ንእሽቶ ወዲ እውን ጽን ኢሉ ይሰምዕን ይዕዘብን ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣወዳት ብስሩዕ ስልጠና ዚጅምሩ፡ ካብ 12 ኽሳዕ 15 ዓመት ዕድሚኦም እዮም። ነቲ ሞያ፡ ዚበዝሕ ግዜ ኻብ ኣቦታቶም እዮም ዚመሃርዎ ነይሮም። እቲ ስልጠና ንሓያሎ ዓመታት ኪቕጽል ይኽእል ነበረ፣ እቶም ኣወዳት፡ ክኢላታት ጸረብቲ ኪዀኑ እንተ ደልዮም ከኣ፡ ብትግሃት ኪመሃሩ ነይርዎም። ዮሴፍ ምስ የሱስ ብሓንሳእ እናሰርሐን እናተዘራረበን ሞያኡ እናኣውረሶን ዘሕለፎ ባህ ዜብል ግዜያት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስ ነቲ ሞያ ኺመልኮ ኸሎ፡ ዮሴፍ ብእኡ ተሓቢኑ ኪኸውን ኣለዎ።

ፍልጠትን ብርታዐን ክእለትን የድሊ፦ ሓደ ጸራቢ ዓይነት እቲ ዚጸርቦ ዕንጨይቲ ኺፈልጥ የድልዮ ነበረ። ካብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚበቍል ከም ጽሕዲ፡ ኦክ፡ ቄድሮስ፡ ሳግላ፡ ኣውልዕ ዝኣመሰለ ኣእዋም ዕንጨይቲ ኺሓሪ ነበሮ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸራቢ፡ ዕንጨይቲ ኻብ ዚጽረበሉ ትካል ወይ ናውቲ ህንጸት ካብ ዚሽየጠሉ ቦታ ኸይዱ ኣይኰነን ብዚደልዮ መጠን እተቘርጸ ዕንጨይቲ ዜምጽእ ዝነበረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ ዱር ከይዱ፡ ዚደልዮ ዓይነት ኣእዋም ሓርዩ፡ ቈሪጹ፡ ናብ ስራሑ ይጐቶ ነበረ።

ጸራቢ ኻብ ዕንጨይቲ እንታይ እዩ ዜፍሪ ነይሩ፧ ኣባይቲ ንምህናጽ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ግዳም የሕልፍ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንናሕሲ ዚኸውን ሰርወታት፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ዜገልግል መደያይቦ፡ ከምኡውን መዓጹን መሳዅትን ልዳውትን ይሰርሕ ነበረ።

ጸራቢ፡ ኣቕሑ ቤት እውን የፍሪ ነይሩ እዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ፡ ተመዛዚ፡ መደርደሪ፡ ወይ መዓጹ ዘለዎ ኸብሕታት (1)፡ ድኳታት (2)፡ መናብር (3)፡ እተፈላለየ ግዝፍን ቅርጽታት ዘለዎ ሰደቓታት (4) ይሰርሕ ነበረ፣ ንሕጻናት ዚኸውን ዓራውቲ እውን ይሰርሕ ነበረ። ንገሊኡ ኣቕሑ ቤት ምእንቲ ኼመልክዖ ኢሉ፡ ኣብቲ ዕንጨይቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ቕርጺ ይቐርጸሉ ነበረ። እቲ ኣቕሑ ምእንቲ ኸይበላሾን ምእንቲ ኺጽብቕን ከኣ፡ ስምዒ፡ ቨርኒቸ፡ ወይ ዘይቲ ይለኽዮ ነበረ።

ጸራቢ፡ ናውቲ ማሕረስ እውን ይሰርሕ ነበረ፣ ንኣብነት፡ ካብ ድልዱል ዕንጨይቲ ዚስራሕ ኣርዑት (5)፡ ከምኡውን መስአታትን መገፈጥታትን ባዴላታትን (6) ይሰርሕ ነበረ። ኣብቲ ንሱ ዚሰርሖ ዕርፍታት (7) ብበሊሕ ሓጺን እተሰርሐ ማሕረሻ ይግጠመሉ ነበረ፣ እዚ ናውቲ ማሕረስ እዚ፡ ኣእማን ንዝመልኦ መሬት ዚገላብጥ ኪኸውን ስለ ዝነበሮ፡ ካብ ድልዱል ዕንጨይቲ ኺስራሕ ነበሮ። ካብ ዕንጨይቲ ዚስራሕ ዓረብያታትን (8) ሰረገላታትን ንዕኡ ዚኸውን መንኰራዅርን እውን የፍሪ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዝሰርሖ ኣቕሑ ቤትን ናውትን መጓዓዝያታትን ይጽግን ነበረ።

የሱስ ጸራቢ ዀይኑ ምዕያዩ፡ ኣብ ትርኢቱ ዘምጽኣሉ ጽልዋ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ብጸሓይ ዝጸለመ ቘርበቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓመታት ብዝዓየዮ ኸቢድ ዕዮ ዝተረረ ጭዋዳታቱ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዕንጨይትን ፋስን ሞዶሻን መጋዝን ብምሓዝ ዝሻሕከረ ኣእዳዉ እሞ ሕሰብ።

ምንጪ ምሳሌታት፦ የሱስ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ንምምሃር፡ ብውሕሉል መገዲ ቐሊልን ፍሉጥን ነገራት ተጠቒሙ እዩ። ንገሊኡ ምሳሌታቱ ኻብቲ ጸራቢ ዀይኑ ዝዓየዮ ዕዮ ድዩ ወሲድዎ፧ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ሓደ እዋን፡ ኪሰምዕዎ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ህዝቢ፡ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ። ጸራቢ፡ ጕንዲ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 7:3) ጸኒሑ፡ የሱስ ንኻልኦት ህዝቢ፡ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በሎም። ንሱ ንባዕሉ ብዙሕ ዕርፍታት ሰሪሑ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 9:62) ሓደ ኻብቲ የሱስ ዘቕረቦ ልቢ ዚትንክፍ ዕድመ፡ ምስ ሓደ ጸራቢ ዚሰርሖ ኣቕሓ ዚተሓሓዝ እዩ ነይሩ። “ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ” በለ። (ማቴዎስ 11:29, 30) ከመይ ገይሩ ንኽሳድ ዘይጐድእ ወይ “ፈኵሽ፡” ኣርዑት ከም ዚሰርሕ ይፈልጥ ነበረ።

ተጻረርቱ ብንዕቀት፡ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ኢሎም ጸዊዖምዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነዚ ትሑት ጸራቢ ዝነበረ ሰብኣይ ምስዓብ፡ ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ናውቲ ጸራቢ

ከም የሱስ ዝኣመሰለ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸራቢ፡ ነዚ ኣብዚ ተሳኢሉ ዘሎ ናውቲ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኺፈልጥ ነበሮ። መጋዙ (1) ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መቓን ዘለዎ ዀይኑ፡ እቲ ብሓጺን ዚስራሕ ኣስናን መጋዙ ኸኣ ኪሰሓብ ከሎ ኸም ዚቘርጽ ኰይኑ ይዳሎ ነበረ። ስራሑ ብጽፉፍ ንኺዓዪ ዚሕግዞ ቕኑዕ ኵርናዕ ዚልክዕ ንዋት (2)፡ ከምኡውን ንትኹል ገጹ ብልክዕ ንኺዓዪ ዚልክዓሉ ቢምቦ (3) ይጥቀም ነበረ። ጽፍሒ ንምልካዕ ዜገልግል ንዋት (4)፡ ንምስማርን ንውሓት ንምልካዕን ዜገልግል መስመር (5)፡ ዕንጨይቲ ንምልማጽ እተገልግል ኪነውሕን ኪሓጽርን ዚኽእል ብሓጺን እተሰርሐ መላጸ ዘለዋ መልሓጊት (6)፡ ኣእዋም ንምቝራጽ ዜገልግል ፋስ (7) እውን ይሕዝ ነበረ።

ጸራቢ፡ መፍተል ንምጽራብን ንምቕራጽን፡ ሽዑ ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት ቶርንዮን (8) ቀስታዊ ቕርጺ ዘለዎ መንደልን (9) ይጥቀም ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናውቲ ዚቕመጠሉ ሳጹን፡ ዕንጨይቲ ዝርእሱ መዶሻ (10) ተቐሚጡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ሽኻል ኣብ መላግቦ ንምእታው ወይ ንመንደል ንምውቃዕ የገልግል ነበረ። ብዘይካዚ፡ ንእሽቶ መጋዝን (11) ቅርጺ ንምውጻእ ዜገልግል ክልተ ዝለዓቱ ኻራን (12) እተወሰነ መሳምርን (13) ይርአ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሳጹን፡ ሓጺን ዝርእሱ መዶሻን (14) ዕንጨይቲ ንምጽራብ ዜገልግል ምሳርን (15) ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሳጹን ከኣ፡ ሓደ ኻራን (16) እተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎ መንደላትን (17) ኣሎ። ሓንቲ መሰርሰሪት (18) እውን፡ ኣብቲ ሳጹን ተጐዝጒዛ ኣላ።