ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጸቕጢ ህዝባዊ ርእይቶ ተጻረሮ

ንጸቕጢ ህዝባዊ ርእይቶ ተጻረሮ

ንጸቕጢ ህዝባዊ ርእይቶ ተጻረሮ

ብዛዕባ ግቡእን ዘይግቡእን ወይ ዚንኣድን ዚንቀፍን ርእይቶ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ምስ ምንዋሕ ግዜ እውን ይቕየር እዩ። ስለዚ፡ ጥንቲ ብዛዕባ እተፈጸመ ነገራት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና፡ ናትና መለክዒታት ዘይኰነስ፡ ነቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ህዝባዊ ርእይቶን ኣኽቢርካ ዚርአ ስርዓታትን ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና።

ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተደጋጋሚ እተጠቕሰ ኽልተ ኣምራት ንውሰድ፣ እዚ ኸኣ ክብረትን ሕፍረትን እዩ። ነቲ ብዛዕባ ኽብረትን ሕፍረትን ዚገልጽ ሓሳባት ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ ኽንሓስበሉ ኣሎና።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ስርዓታት

ሓደ ምሁር፡ “ኣብ ባህሊ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ኣይሁዳውያንን፡ ክብረትን ሕፍረትን ኣመና ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ ነይሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ሰባት ምእንቲ ኽብረትን ስምን ዝናን ተቐባልነትን ኣኽብሮትን ኢሎም ህይወቶም ንምቕያርን ንሙማትን ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም” በለ። እዚ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ስርዓታት፡ ንርእይቶ ኻልኦት ተኣፈፍቲ ኸም ዝዀኑ ገይርዎም እዩ።

ኣብ ማሕበረሰብ፡ ቦታን ክብረትን ዓብዪ ግምት ይወሃቦ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኻብቲ ንልዑላን ክሳዕ እቲ ንባሮት ዚወሃቦም ደረጃ ብዙሕ ይትኰረሉ ነበረ። ክብረት በቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣረኣእያ ኻልኦት እውን ይልካዕ ነበረ። ንሓደ ሰብ ክብረት ኪወሃቦ ኸሎ፡ በቲ ትጽቢት እተገብረሉ መገዲ ኸም እተመላለሰ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣፍልጦ ኸም እተዋህቦ የመልክት ነበረ። ሃብቲ፡ ሓላፍነት፡ ወይ ልዕልና ኸኣ ደጋዊ ኽብረት የምጽእ ነበረ። ጽቡቕ ተግባር ምግባር ወይ ካብ ካልኦት ምብላጽ፡ ንኽብረት ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል ነበረ። ብኣንጻሩ ግን፡ ሕፍረት ኣብ ቅድሚ ሰባት ውርደት ወይ ላግጺ የምጽእ ነበረ። ካብ ብሕታዊ ስምዒት ወይ ሕልና ንላዕሊ እውን፡ ውግዘት ሕብረተሰብ እዩ ዝያዳ ሕፍረት ዜምጽእ ዝነበረ።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕድመ ዚወሃብ “ኣውራ መቐመጢ” ወይ “ታሕታይ መቐመጢ” ኺዛረብ ከሎ፡ ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝነበረ ባህሊ፡ ንኽብረት ወይ ንሕፍረት እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ሉቃ. 14:8-10) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ሳዕ፡ “መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ” ተኸራኺሮም እዮም። (ሉቃ. 9:46፣ 22:24) ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኣጸቢቑ ዜተሓሳስቦ ነገር እዮም ዜንጸባርቑ ነይሮም። እቶም ብስልጣን ዚወዳደሩ ዝነበሩ ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ነቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ንኽብረቶምን ንስልጣኖምን ከም ዚትንክፍ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ተኻቲዖም ኪረትዕዎ ዝገበርዎ ዅሉ ፈተነታት ግን ኣይተዓወተን።—ሉቃ. 13:11-17

ኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ሮማውያንን፡ “ተታሒዝካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብኣበሳ ተኸሲስካ ምቕራብ፡” ዜሕፍር ነገር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ማእሰርቲ ኸም ውርደት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሓደ ሰብ ገበነኛ ዀይኑ ይረኸብ ኣይረኸብ ብዘየገድስ፡ እንተ ተኣሲሩ፡ ኣብ ቅድሚ ፈተውቱን ስድራ ቤቱን ማሕበረሰቡን እዩ ዚሓስር። እዚ ንስሙ ስለ ዜበላሽዎ፡ ንርእሱ ኣሕሲሩ ኸም ዚርእያ ኺገብሮ፡ ምስ ካልኦት ንዝነበሮ ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ክዳውንቱ እንተ ተቐንጢጡ ወይ እንተ ተገሪፉ፡ ካብ ማእሰርቲ ንላዕሊ እዩ ዜሕፍሮ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ነቲ ሰብ ኣደዳ ንዕቀትን ላግጽን ስለ ዚገብሮ፡ የሕስሮ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ዚመውት ሰብ፡ ዝኸፍአ ውርደት እዩ ዚጕልበብ ነይሩ። ማርቲን ሀንገል ዚበሃል ምሁር፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣቀታትላ፡ “ኣብ ልዕሊ ባሮት ዚፍጸም መቕጻዕቲ” ኸም ዝነበረ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንሕሉፍ ውርደትን ሕፍረትን ስቓይን ከኣ የመልክት ነበረ” በለ። ስድራ ቤትን ፈተውትን እውን ነቲ እተሰቕለ ብወግዒ ኺውግዝዎ ማሕበራዊ ጸቕጢ ይግበረሎም ነበረ። ክርስቶስ በዚ ኸምዚ ስለ ዝሞተ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ክርስትያናት ኪዀኑ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ብህዝቢ ይነዓቑ እዮም ነይሮም። ሓደ ሰብ ሰዓቢ ተሰቒሉ ዝሞተ ሰብ ከም ዝዀነ ምዝራቡ፡ ናይ ጥዕና ኸም ዘይኰነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 1:23) ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ ሰጊሮምዎ፧

ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ እተፈልየ ስርዓታት

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ሕጊ ይሕልዉን ሕማቕ ኣኻይዳ ኻብ ዜስዕቦ ዜሕፍር ነገራት ይርሕቑን ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:15) እንተዀነ ግን፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ምእንቲ ስሙ ኸም ዚስጐጉ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) ጴጥሮስ፡ “[ሓደ ሰብ] ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:16) ስለዚ፡ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን መከራ እናጸገብካ ኽነስኻ ዘይምሕፋር፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብማሕበረሰብ ልሙድ ዝነበረ ኣረኣእያ ኸም ምንጻግ እዩ ነይሩ።

ክርስትያናት፡ ስርዓታት ካልኦት ሰባት ኣብ ኣኻይዳኦም ጽልዋ ንኺገብረሎም ኪፈቕዱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሕብረተሰብ፡ ንእተሰቕለ መሲሕ ከም ዕሽነት ገይሩ ይቘጽሮ ነበረ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ንክርስትያናት፡ ምስቲ ቕቡል ኣተሓሳስባ ንኺሰማምዑ ጸቕጢ ኺገብረሎም ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ይኣምኑ ብምንባሮም፡ ዋላ እውን ኣደዳ ባጫ እንተ ዀኑ፡ ንዕኡ ኺስዕብዎ ነበሮም። የሱስ፡ “ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ” በለ።—ማር. 8:38

ሎሚ እውን፡ ንክርስትና ኽንሓድጎ ጸቕጥታት የጋጥመና ይኸውን። መማህርትና፡ ጐረባብትና፡ ወይ መሳርሕትና፡ ኣብ ርኽሰት፡ ኣብ ሸፈጥ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዜተሓታትት ንጥፈታት ኢድና ኸነእቱ ይደፋፍኡና ይዀኑ። ቅኑዕ ስርዓታት ንኽንስዕብ ቈራጽነት ብምግባርና፡ ሕፍረት ከም ዚስምዓና ኺገብሩና ይፍትኑ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ምላሽ ክንህብ ኣሎና፧

ነቶም ንሕፍረት ዝነዓቑ ምሰሎም

የሱስ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ንምሕላው፡ ዝኸፍአ ውርደት ዜጐልብብ ኣማውታ ሞይቱ እዩ። “ሕፍረት ንዒቑ፡” ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ሞተ። (እብ. 12:2) ጸላእቱ ጸፊዖምዎ፡ ጡፍ ኢሎምሉ፡ ክዳውንቱ ቐንጢጦምዎ፡ ገሪፎምዎ፡ ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎምዎ፡ ከምኡውን ጸሪፎምዎ እዮም። (ማር. 14:65፣ 15:29-32) የሱስ ግን ነቲ ኪዅምሩሉ ሓሲቦም ዝነበሩ ሕፍረት ነዓቖ። ብኸመይ፧ በቲ ተግባሮም ኣይተዳህለን። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብረቱ ኸም ዘይሰኣነ ይፈልጥ ነበረ፣ ካብ ሰብ እውን ክብረት ኣይደልን እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ኣማውታ ባርያ እንተ ሞተ፡ የሆዋ ግን ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ካብ ናቱ ቐጺሉ ዘሎ ዝለዓለ ኽብሪ ብምሃብ ኣኽቢርዎ እዩ። ኣብ ፊልጲ 2:8-11፡ “[ክርስቶስ የሱስ] ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ” ዚብል ነንብብ።

የሱስ በቲ ኪቕተል ከሎ ኣብ ልዕሊኡ እተፈጸመ ዜሕስር ተግባራት ፈጺሙ ዘይስምዖ ኣይነበረን። ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ገይሩ ስለ እተኸሰሰ፡ ንኣቦኡ ዜሕስር ነገር ከይገብር ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። እዚ ውርደት እዚ ኼልግሰሉ፡ ንየሆዋ ለመኖ። “እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ” ኢሉ ጸለየ። ኰይኑ ግን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ተማእዘዘ። (ማር. 14:36) ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ጸቕጥታት ተጻወረ፡ ንሕፍረት እውን ነዓቐ። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት ሕፍረት ዚስምዖም፡ እቶም ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣኽቢርካ ዚርአ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ እተቐበሉ ጥራይ እዮም። የሱስ ከኣ ነቲ ሽዑ ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ስርዓታት ኣይተቐበሎን።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ተታሒዞምን ተገሪፎምን እዮም። እዚ ብዓይኒ ብዙሓት ሰባት፡ ዜዋርድ እዩ ነይሩ። ኣትሒትካ ይረኣዩን ይነዓቑን እዮም ነይሮም። በዚ ግን ድምብርጽ ኣይበሎምን። እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ንጸቕጢ ህዝባዊ ርእይቶ ተጻሪሮምን ንሕፍረት ንዒቖምን እዮም። (ማቴ. 10:17፣ ግብ. 5:40፣ 2 ቈረ. 11:23-25) ‘መሳቐዪ ዕንጨይቶም ኣልዒሎም ንየሱስ ኪስዕብዎ’ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ሉቃ. 9:23, 26 NW።

እዚ ንዓና ብኸመይ ይምልከተና፧ ዓለም ከም ዕሽነትን ድኽመትን ውርደትን እትቘጽሮ ነገራት፡ ኣምላኽ ከም ጥበብን ሓይልን ክብረትን እዩ ዚቘጽሮ። (1 ቈረ. 1:25-28) ብህዝባዊ ርእይቶ ምሉእ ብምሉእ ክንጽሎስ ዕሽነትን ጕድለት ልቦናን ደይኰነን፧

ክብረት ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንኣተሓሳስባ ዓለም ክብ ኣቢሉ ኺርእዮ ኣለዎ። ንሕና ግን፡ ከም የሱስን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱን፡ ኣዕሩኽ የሆዋ ኢና ኽንከውን እንደሊ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር ዝዀነ ነገራት ኣኽቢርና ንርኢ፡ ነቲ ዜሕፍር ነገራት ከኣ ከም ዜሕፍር ጌርና ንርኢ ኢና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ በቲ ዓለም ብዛዕባ ሕፍረት ዘለዋ ኣተሓሳስባ ኣይተጸልወን