ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ዚጠርዑ ዜድሕኖም መን እዩ፧

ነቶም ዚጠርዑ ዜድሕኖም መን እዩ፧

ነቶም ዚጠርዑ ዜድሕኖም መን እዩ፧

“ዎ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድኻ . . . [ሃቦ]። ነቲ ዚጠርዕ ድኻ . . . ኬናግፎ እዩ።”—መዝ. 72:1, 12

1. እቲ ዳዊት ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

 እዘን በቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ተጻሒፈን ኪዀና ዘለወን ቃላት፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዓ ዀን እየን! ዳዊት ነተን ቃላት ቅድሚ ምጽሓፉ ዓመታት ይገብር፡ ምስ ባትሴባ እኳ እንተ ዘመወ፡ ካብ ሓጢኣቱ ተጣዕሰ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ንኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ለመኖ፦ “ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። . . . ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። . . . እንሆ፡ ብኣበሳ ተወለድኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።” (መዝ. 51:1-5) የሆዋ ብዓይኒ ምሕረት ስለ ዚርእየና፡ ነቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ኵነታትና ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

2. መዝሙር 72 ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

2 የሆዋ ነቲ ዜሕዝን ኵነታትና ይርድኦ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ፡ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፡ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።” (መዝ. 72:12, 13) እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ መዝሙር 72 ብዛዕባ እዚ ትነግረና እያ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ንንግስነት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንምግላጽ እተዳለወትን ብዛዕባ እቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ መከራ ዜድሕነሉ መገዲ እትሕብርን እያ።

መርኣዪ ግዝኣት ክርስቶስ

3. ሰሎሞን እንታይ እዩ ለሚኑ፧ ኣምላኽከ እንታይ ሃቦ፧

3 እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዳዊት፡ ሰሎሞን ኪነግስ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንሰሎሞን ንጹር መምርሒታት ሃቦ፣ ንሱ ድማ ብተኣማንነት ከምቲ እተባህሎ ገበረ። (1 ነገ. 1:32-35፣ 2:1-3) ጸኒሑ፡ የሆዋ ንሰሎሞን ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ “እንታይ ከም ዝህበካ ለምን” በሎ። ሰሎሞን ድማ፡ “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ” ኢሉ ጥራይ ለመነ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ከምቲ ዘረባኡ ገበረሉ፣ ምስኡ ድማ ካልእ ወሰኸሉ።—1 ነገ. 3:5, 9-13

4. ሓንቲ ንግስቲ ንግዝኣት ሰሎሞን ብኸመይ ገለጸቶ፧

4 ሳላ በረኸት የሆዋ፡ ግዝኣት ሰሎሞን ቅድሚኡ ኣብ ትሕቲ ኻልእ መንግስቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈኖ ዀነ። (1 ነገ. 4:25) ካብቶም ንግዝኣቱ ኺርእዩ ዝመጹ፡ እታ ምስ ኣገልገልታ ዝመጸት ንግስቲ ሳባ ትርከቦም። ንሰሎሞን ድማ፡ “እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። . . . እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ” በለቶ። (1 ነገ. 10:1, 6, 7) ኰይኑ ግን፡ የሱስ ካብኡ ዚዓቢ ጥበብ እዩ ኣርእዩ፣ ብዛዕባ ርእሱ ኺዛረብ ከሎ፡ “እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—ማቴ. 12:42

ኣብ ትሕቲ እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዚርከብ መስተርሆ

5. መዝሙር 72 ብዛዕባ እንታይ እያ እትገልጽ፧ ከመይ ዝበለ መርኣዪኸ እያ እትህብ፧

5 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዚህሉ በረኸት ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ሕጂ ንመዝሙር 72 እስከ ንመርምራ። (መዝሙር 72:1-4 ኣንብብ።) እዛ መዝሙር እዚኣ፡ የሆዋ ብዛዕባ “ግዝኣት” እቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ከም ዚስምዖ ትገልጽ። (ኢሳ. 9:6, 7) እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ፡ ‘ንጥቑዓት ኪፈርደሎም፡ ንደቂ ድኻታት ድማ ኬድሕኖም እዩ።’ ግዝኣቱ፡ ሰላምን ጽድቅን ዝሰፈኖ ኪኸውን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እንታይ ከም ዚገብር መርኣዪ ሂቡ ነበረ።—ራእ. 20:4

6. የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ በረኸት እንታይ መርኣዪ ሃበ፧

6 ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መዝሙር 72 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም ንኼርኢ ኢሉ ዝገበሮ እተወሰነ ነገራት እስከ ንርአ። ነቶም እተገፍዑ ዝነበሮ ርሕራሐ ንልብና ይትንክፎ እዩ። (ማቴ. 9:35, 36፣ 15:29-31) ንኣብነት፡ ሓደ ለምጻም ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ “እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። የሱስ ድማ፡ “ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ሓወየ። (ማር. 1:40-42) ጸኒሑ፡ የሱስ ምስ ሓንቲ ሓደ ወዳ ዝሞታ መበለት ተራኸበ። “ደንገጸላ እሞ” ነቲ ዝሞተ ጐበዝ፡ “ተንስእ” በሎ፣ ንሱ ድማ ተንስአ። እንደገና ኸኣ ህያው ኰነ።—ሉቃ. 7:11-15

7, 8. የሱስ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ንየሱስ፡ ተኣምራት ኪገብር ዜኽእሎ ሓይሊ ሃቦ። እዚ ኣብ ኵነታት ሓንቲ “ኻብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ” ተራእዩ እዩ። “ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፣” ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብማእከል እቶም ህዝቢ ኸይዳ ድማ ንየሱስ ተንከየቶ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ‘ደም ካብ ስጋኣ ብዛዕባ ዚከዓዋ ሰበይቲ’ እተዋህበ ሕጊ ጠሓሰት። (ዘሌ. 15:19, 25) የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ስለ እተፈለጦ፡ መን ከም ዝተንከዮ ሓተተ። እታ ሰበይቲ ኸኣ “ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።” የሱስ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ የሆዋ ኸም ዘሕወያ ስለ እተረድአ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” ኢሉ ብሕያውነት ተዛረባ።—ማር. 5:25-27, 30, 33, 34

8 እቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዝሃቦ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ፡ ኣብ ምሕዋይ ሕሙማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ተዓዘብቲ እውን ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት ቅድሚ ምጅማሩ ንሕሙማት ምሕዋዩ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣገሪምዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 6:17-19) ዮሃንስ መጥምቕ፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ኼረጋግጽ ኢሉ ኽልተ ልኡኻት ምስ ለኣኸ፡ ‘ካብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኬሕዊ፡ ንብዙሓት ዕዉራት እውን ምርኣይ ኪህብ’ ጸንሖም። ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቶም ክልተ ልኡኻት፡ “ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ አለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ” በሎም። (ሉቃ. 7:19-22) እዚ መልእኽቲ እዝስ፡ ንዮሃንስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ!

9. የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት እንታይ ዚሕብር እዩ ነይሩ፧

9 እቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘምጸኦ መስተርሆ ግዜያዊ ምንባሩ ዚከሓድ ኣይኰነን። እቶም ዘሕወዮም ኰኑ ዘተንስኦም ሞይቶም እዮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ግዝኣቱ ዚረኽብዎ ነባሪ መስተርሆ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

ምልእቲ ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ!

10, 11. (ሀ) ካብ መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ በረኸት ክሳዕ መዓስ እዩ ዚቕጽል፧ ግዝኣት የሱስከ ከመይ ኪኸውን እዩ፧ (ለ) ምስ የሱስ ኣብ ገነት ዚኸውን መን እዩ፧ ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

10 ነቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዚህሉ ህይወት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (መዝሙር 72:5-9 ኣንብብ።) ኣምለኽቲ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፡ ማለት ንዘለኣለም ኣብ ገነት ኪነብሩ እዮም። ንጉስ የሱስ ክርስቶስ፡ “ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፡ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ፡” ንመንፈስ ዜሐድስ ኪኸውን እዩ።

11 ንፍጻመ መዝሙር 72 ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸለኻ፡ በቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ልብኻ ኣይለዓዓልንዶ፧ እቲ ምስ የሱስ እተሰቕለ ገባር ክፉእ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ የሱስ ኪነግሮ ኸሎ እምበኣር ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 23:43) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ሞት ኪትንስእ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ብተኣዛዝነት እንተ ተመላሊሱ ድማ፡ ጽቡቕ ጥዕና ሃልይዎ ተሓጒሱ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ።

12. ብግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሓጥኣን ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ፧

12 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “ጻድቕ ኪዕምብብ” ወይ ኪስስን እዩ። (መዝ. 72:7) ክርስቶስ እውን ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ዓይነት ዕዙዝ ፍቕርን ሓልዮትን ኬርኢ እዩ። ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም፡ እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ “ሓጥኣን” እውን እንተ ዀኑ፡ ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። (ግብ. 24:15) እቶም ምስ ኣምላኻዊ ብቕዓታት ብዚሰማማዕ መገዲ ዘይመላለሱ ሰባት ግን፡ ንሰላምን ቅሳነትን እታ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኸይዘርግዎ፡ ብህይወት ኪቕጽሉ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ።

13. ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ስፍሓቱ ኽሳብ ክንደይ እዩ፧ እቲ ዜምጽኦ ሰላም ዘይዝረግከ ስለምንታይ እዩ፧

13 ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ፡ ኣብተን፡ “ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ርባ [ኤፍራጥስ] ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፡ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም” ዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 72:8, 9) እወ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መላእ ምድሪ ኺገዝእ እዩ። (ዘካ. 9:9, 10) እቶም ንግዝኣቱ ዀነ ነቲ ኻብኡ ዚርከብ በረኸት ዚቕበሉ ሰባት ድማ፡ ብፍታው “ኢድ ኪነስኡሉ” እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ዘይንስሑ ሓጥኣን፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ሚእቲ ዓመት” ገይሮም ኪጠፍኡ እዮም። (ኢሳ. 65:20) እወ፡ “ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።”

የሱስ ይድንግጸልና

14, 15. የሱስ፡ ስምዒት ሰብ ከም ዚርድኦን ‘ነቲ ዚጠርዕ ድኻ ኸም ዜናግፎን’ ብኸመይ ንፈልጥ፧

14 ሓጥኣን ደቂ ሰብ፡ ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ስለ ዘለዉ፡ ብሓቂ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ንሕና ግን፡ ተስፋ ኣሎና። (መዝሙር 72:12-14 ኣንብብ።) እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ የሱስ፡ ነቲ ዘይፍጹም ኵነታትና ስለ ዚርድኦ፡ ይድንግጸልና እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ምእንቲ ጽድቂ ተሰቅዩ እዩ፣ ነቲ ፈተናታት ባዕሉ ኺዋጽኣሉ ድማ ኣምላኽ ፈቒዱሉ እዩ። አረ ሓደ እዋንሲ ኻብ ጭንቂ እተላዕለ “ረሃጹ . . . ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ” ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 22:44) ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኸሎ ድማ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧” ኢሉ ጨሪሑ እዩ። (ማቴ. 27:45, 46) እዚ ዅሉ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ሰይጣን ድማ ካብ የሆዋ ኺፈልዮ ዝከኣሎ ዅሉ እኳ እንተ ገበረ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙን ኰነ።

15 የሱስ ንስቓይና ኸም ዚርእዮ፡ ከምኡውን “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ” ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሱ እውን ከም ኣቦኡ ንሰባት ስለ ዚግደሰሎም፡ ‘ንድኻታት ኪሰምዖም፡’ ነቶም ‘እተሰብሩ ኺፍውሶም፡ ነቝሳሎም እውን ኪዝንን’ እዩ። (መዝ. 69:33፣ 147:3) የሱስ “ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ” ስለ ዝዀነ፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል እዩ። (እብ. 4:15) ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ምህላዉን ንደቂ ሰብ መስተርሆ ኼምጽኣሎም ከም ዚብህግን ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

16. ሰሎሞን ንተገዛእቱ ኺድንግጸሎም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

16 ሰሎሞን ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዝነበሮ፡ ‘ንመሳኺን ከም ዝደንገጸሎም’ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት እውን እንተ ዀነ፡ ዜጕሂ ፍጻመታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ሓዉ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ዓመጻ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም ሓዉ ንኣምኖን ኣቕተሎ። (2 ሳሙ. 13:1, 14, 28, 29) ኣቤሴሎም ንዝፋን ዳዊት ኪምንዝዕ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣይተዓወተን፣ ዮኣብ ድማ ቀተሎ። (2 ሳሙ. 15:10, 14፣ 18:9, 14) ጸኒሑ፡ ኣዶንያ ሓው ሰሎሞን ኪነግስ ፈተነ። እንተ ዚዕወት ነይሩ፡ ሰሎሞን ምተቐትለ። (1 ነገ. 1:5) ሰሎሞን ንስቓይ ሰብ ይርዳእ ምንባሩ፡ ካብቲ ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝጸለዮ ጸሎት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንተገዛእቱ ብዚምልከት፡ ‘ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ቃንዛኡን ይፈልጥ እዩ፣ ንስኻ [የሆዋ] ይቕረ በል፡ ከከም መገዱ ኸኣ ሃቦ’ ኢሉ ጸለየ።—2 ዜና 6:29, 30

17, 18. ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ስቓይ ጸይሮም እዮም ዚመላለሱ፧ ነዚ ኽኢሎምዎ ንኺመላለሱ ዚሕግዞምከ እንታይ እዩ፧

17 ኣብ ህይወትና ዘሕለፍናዮ ተመክሮ፡ ‘ኬሳቕየና’ ይኽእል እዩ። ኣብ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሜሪ a ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ሕጉስቲ ዚገብረኒ ብቑዕ ምኽንያት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወተይ ክሓስብ ከለኹ እሓፍርን እጸልኦን እየ። ኵሉ ነገር ትማሊ እተፈጸመ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኒ፡ እጕህን እበክን እየ። እቲ ብቐሊሉ ዘይሕከኽ ተዘክሮታት፡ ባዶነትን ጸጸትን ከም ዚስምዓኒ ይገብር እዩ።”

18 ከምዚ ዚስምዖም ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኺጸንዑ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ ሜሪ፡ “ሕጂ ሳላ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽን ሳላ መንፈሳውያን ስድራ ቤትን ሓጐስ ክረክብ ክኢለ እየ። ኣብቲ የሆዋ እተመባጽዓልና ነገራት ከተኵር እጽዕር፡ ሓገዝ ደልየ ዝነብዖ ንብዓት ናብ ናይ ሓጐስ ንብዓት ከም ዚቕየር ድማ እተኣማመን እየ” በለት። (መዝ. 126:5) ኣብቲ ኣምላኽ በቲ እተሸመ ገዛኢ ዝዀነ ወዱ ኣቢሉ ዚገብሮ መሰናድዎ ተስፋ ኽንገብር ኣሎና። ብዛዕባ እዚ ገዛኢ እዚ፡ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፡ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ” ዚብል ትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 72:13, 14) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

ብእኽሊ ዝመልአት ሓዳስ ዓለም ትጽበየና ኣላ

19, 20. (ሀ) ከምቲ ኣብ መዝሙር 72 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ነየናይ ጸገም እዩ ዜወግዶ፧ (ለ) ስለ ግዝኣት ክርስቶስ ኪውደስ ዚግብኦ መን እዩ፧ ብዛዕባ እቲ እዚ ግዝኣት ዚፍጽሞ ነገራትከ እንታይ ይስምዓካ፧

19 ቅኑዓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ኣብ እትህሉ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚጽበዮም ዘሎ መጻኢ እሞ እንደገና ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ። (መዝ. 72:16) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እኽሊ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ስለ ዘይፈሪ፡ እተን ቃላት እቲኣተን፡ ምድሪ ኣዝዩ ብዙሕ ከም እተፍሪ ዚሕብራ እየን። እቲ እቶት፡ ከምቲ ሰሎሞን ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሊባኖስ ዚፈሪ ዝነበረ ፍርያት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ጾሙ ዚሓድር ኣይኪህሉን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሉ ሰብ “ብስቡሕ ብልዒ” ኺጸግብ እዩ።—ኢሳ. 25:6-8፣ 35:1, 2

20 ስለ እዚ ዅሉ በረኸት እዚ ኺውደስ ዚግብኦ ደኣ እሞ መን እዩ፧ ብቐንዱ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስን ገዛእ ኵሉ ፍጥረትን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኵልና ልክዕ ከምቲ ኣብ መደምደምታ እታ ባህ እተብል መዝሙር 72 ዘሎ ኽንብል ኢና፣ እታ መዝሙር ከምዚ ትብል፦ “ስሙ [ስም ንጉስ የሱስ ክርስቶስ] ንዘለኣለም ኪነብር፡ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፡ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም። እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ፡ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፡ ኣሜን።”—መዝ. 72:17-19

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

መዝሙር 72 ነየናይ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገር እያ ብትንቢት እትገልጽ፧

እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን መን እዩ፧ ስፍሓት ግዝኣቱኸ ኽሳብ ክንደይ እዩ ኪኸውን፧

ካብቲ ኣብ መዝሙር 72 ተጠቒሱ ዘሎ በረኸት ዚስሕበካ ኣየናይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ሰሎሞን ዝነበረ ብልጽግና ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ኣብ እትህሉ ገነት ንኽንነብር ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና