ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ንኸተዕቢ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ውሉዳትካ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስምዖም፡ ‘መርኣዪ ሃቦም።’ (ዮሃ. 13:15) ሚዛናዊ ትጽቢታት ይሃሉኻ፣ ውሉድካ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ ከም ጽሬት ምሕላው፡ ግዜ ምኽባር፡ ከምኡውን ዕዮ ቤት ትምህርቲ ምዕያይ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ብግቡእ ኬማልእ ዝያዳ ትጽቢት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ሓላፍነቱ ብዚግባእ ንኺፍጽም ዜኽእሎ ንጹር መምርሒታት ብምሃብ ኣሰልጥኖ።—1/5 ገጽ 19-20

ኣምላኽ ነቲ ምራኽ ወርቂ ዝሰርሐ ኣሮን ዘይቀጽዖ ስለምንታይ እዩ፧

ኣሮን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ዘውጽኦ ሕጊ እዩ ጥሒሱ። (ዘጸ. 20:3-5) ሙሴ ግን ምእንቲ ኣሮን ንኣምላኽ ለመኖ፣ ጸሎቱ ኸኣ ‘ብዙሕ ኣስሊጣ’ እያ። (ያእ. 5:16) ኣሮን ንሓያሎ ዓመታት እሙን እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ ጣኦት ኪሰርሓሎም እኳ እንተ ኣእመንዎ፡ ብድሕሪኡ ምስ ደቂ ሌዊ ሓቢሩ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ብምቛም፡ ልቡ ምስቶም ህዝቢ ኸም ዘይነበረ ኣርኣየ። (ዘጸ. 32:25-29)—15/5 ገጽ 21

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ወርቂ ኸም ዝዀነት እተጠቕሰት ኦፊር ኣበይ እያ እትርከብ ነይራ፧

ሰሎሞን ካብ ኦፊር ወርቂ ንኼምጽእ፡ ኣብ ዔጽዮን-ጋበር መራኽብ ሰርሐ። (1 ነገ. 9:26-28) ዔጽዮን-ጋበር፡ ኣብ ርእሲ ወሽመጥ ኣካባ፡ ጥቓ እዘን ሎሚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤላትን ኣካባን ትርከብ ነበረት። ስለዚ፡ ኦፊር ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ዚርከብ ምድሪ ዓረብ ወይ ኣብ ገማግም ኣፍሪቃ ወይ ከኣ ኣብ ገማግም ህንዲ ትርከብ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።—1/6 ገጽ 15

በለሳን ጊልዓድ ንምንታይ የመልክት፧ (ኤር. 8:22)

በለሳን ካብ እተፈላለዩ ኣትክልቲ ዚወጽእ ጥዑም ዝሽታኡ ቕብኣዊ ፈሳሲ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝነበረት ጊልዓድ እውን ይርከብ ነበረ። ቍስሊ ንምፍዋስ ከም መድሃኒት ኰይኑ የገልግል ነበረ። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ ስለ ዝነበሩ፡ ፈውሲ ኺደልዩ ነበሮም፡ ኰይኑ ግን ኣይደለዩን። (ኤር. 8:9)—1/6 ገጽ 21-22

ሓደ ክርስትያን፡ መጻምድቱ ምስ ዚዝሙ ንዜጋጥሞ ዅነታት ብኸመይ ኪጾሮ ይኽእል፧

እቲ ንጹህ መጻምድቲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለስ ይጽዕር እንተ ኣልዩ፡ ብኽሕደት እቲ ዝዘመወ ሰብ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ኺስምዖ የብሉን። ኣምላኽ፡ ምጽንናዕን ምትብባዕን ከም ዜድልየካ ይፈልጥ እዩ። ብክርስትያን ብጾትካ ኣቢሉ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ።—15/6 ገጽ 30-31 ርአ።

ንዝሓመመ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ጽን ኢልካ ስማዕ። (መክ. 3:1, 7) ድንጋጸን ሓልዮትን ኣርኢ። (ሮሜ 12:15) ሃናጺ ኹን፣ ግብራዊ ሓገዝ ድማ ሃብ። (ቈሎ. 4:6፣ 1 ዮሃ. 3:18) ርክብካ ኣይተቋርጽ። (ምሳ. 17:17)—1/7 ገጽ 10-13

ኣምላኽ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ሙሴ ኣብ ጸሎቱ ብዛዕባ እዚ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 90:2) ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ብዚብል ፍሉይ መዓርግ ኪጽዋዕ ዚኽእል። (1 ጢሞ. 1:17)—1/7 ገጽ 28

ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብ ከተስርጸሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሃዋህው ኰነ ኣብነት ወለዲ፡ ፍቕሪ ንባብ ኬስርጸሎም ይኽእል እዩ። መጻሕፍቲ ሃቦም። ዓው ኢልካ ኣንብበሎም። ኪሳተፉ ኣተባብዓዮም፡ ነቲ ዘንበብኩምዎ ድማ ተመያየጡሉ። ደቅኻ ኸም ዜንብቡልካ ግበር፡ ኪሓቱኻ እውን ኣተባብዓዮም።—15/7 ገጽ 26

የሱስ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኣልኣዛር ኬሕውዮ ዘይተሃወኸ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ናብቲ ቦታ ኺበጽሕ ከሎ፡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ነበረ። የሱስ ብዘይምህዋኹ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ ብሉጽ ምስክርነት ኪህብ ከኣለ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣመንቲ ዀኑ። (ዮሃ. 11:45)—1/8 ገጽ 14-15

“በረኽቲ ቦታ” እንታይ እዩ ነይሩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ቅሉዕ ቦታታት ንዝነበረ በረኽቲ ወይ ካልእ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚግበረሉ ቦታታት እዩ ዜመልክት። ሓድሓደ እዋን፡ ነቲ ኣምላኽ ዚዅንኖ ተግባራት ንምፍጻም ዜኽእል መሰውኢታትን ቅዱስ ኣዕኑድን ምስልታትን ይህነጸሉ ነበረ። (ዘሁ. 33:52)—1/8 ገጽ 23