ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እከይ ብርግጽ ኬኽትም እዩ!

እከይ ብርግጽ ኬኽትም እዩ!

እከይ ብርግጽ ኬኽትም እዩ!

ኣምላኽ፡ ሰባት ክፉእ ዚገብሩሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺገልጸልና ዚኽእል ብመንፈሱ እተጻሕፈ ቓሉ ሂቡና እዩ። ብዘይካዚ፡ ክፉእ ከይንገብር ንኽንመርጽ ዜኽእለና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትን ንርእስና ናይ ምግታእ ክእለትን ሂቡና እዩ። (ዘዳግም 30:15, 16, 19) ስለዚ እምበኣር፡ ንዘሎና ዝዀነ ይኹን ክፉእ ዝንባለ ኣስተውዒልና፡ ዜድሊ ስጕምቲ ወሲድና ኽንእርሞ ንኽእል ኢና። ክፉእ ዘይምግባርና ኸኣ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ሓጐስ የምጽእ።—መዝሙር 1:1

ይኹን እምበር፡ ንሕና ብብሕትና ኽፉእ ንኸይንገብር ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ዓለም ሰባት ብዚፍጽምዎ እከይ እናመልአት እያ እትኸይድ ዘላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ” ይብል። “ክፉእ” ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ . . . ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ” ይብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ኣብታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ትንቢታዊት ጥቕሲ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንዚብላ ቓላት ኣስተብሂልካለን ትኸውን ኢኻ። እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዜመሓላልፈልካ፧ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኪበሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ንዜኽትመሉ እዋን ከም ዜመልክት ርዱእ እዩ። እቲ ዜኽትም ነገር እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ እንታይ ከም እተመባጽዐ ንርአ።

እኩያት ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ እዮም።

“ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”መዝሙር 37:10, 11

“እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፡ ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።”መዝሙር 145:20

ግፍዒ ኣይክህሉን እዩ።

“ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ።”መዝሙር 72:12, 14

“እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”ሮሜ 8:21

ሰባት ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ኪረኽቡ እዮም።

“ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”ሚክያስ 4:4

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”ኢሳይያስ 65:21, 22

ፍትሒ ኺሰፍን እዩ።

“ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ . . . ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም አሎኹ።”ሉቃስ 18:7, 8

“እግዚኣብሄር ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ፡ ምድሪ ኸኣ ብምሕረቱ ምልእቲ እያ።”መዝሙር 33:5ትርጕም 1990።

ክፍኣት ብጽድቂ ኺትካእ እዩ።

“እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም።”ኢሳይያስ 26:9

“ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።”2 ጴጥሮስ 3:13

ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ይልወጡ ኣለዉ

እዚ መብጽዓታት እዚ፡ ንዅላትና ባህ ከም ዜብለና ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኸም ዚፍጸም ግን እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ዜረጋግጽ መርትዖ ሎሚ እውን ንርኢ ኣለና ኢና። እዚ መርትዖ እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኸም ስስዐን ርኽሰትን ዓመጽን ዝኣመሰለ ኽፉእ ባህርያት ኣወጊዶም፡ እሙናትን ሰላማውያንን ሕያዎትን ሰባት ኪዀኑ ምኽኣሎም፡ ጭቡጥ መርትዖ ይዀነና እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ቍጽሮም ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት ጽልእን ዓመጽን ደም ምፍሳስን ፈጢሩ ዘሎ፡ ዓሌታውን ሃገራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ኣፈላላይ ኬወግዱ ዘኽኣሎም ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣለዎም። a እዚ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ፡ መብጽዓታት ኣምላኽ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም ዚፍጸም ንኽንተኣማመን ይሕግዘና እዩ።

ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኺመጽእ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ነብዪ ኢሳይያስ ዝመዝገቦ መብጽዓታት መልሱ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦

“ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። . . . ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጕድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”—ኢሳይያስ 11:6-9

እዚ ትንቢት እዚ፡ እንስሳታት ምስ ሰባት ተሰማሚዖም ከም ዚነብሩ ጥራይ ድዩ ዚገልጽ ዘሎ፧ ኣይፋሉን፣ ካልእ ትርጕም እውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ኽፋል እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ለውጢ ዚህልወሉ ምኽንያት ኪሕብር ከሎ፡ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ይብል። ፍልጠት ኣምላኽ ንባህርይ እንስሳታት ኪቕይር ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን እዩ። ንሰባት ግን ኪቕይሮም ይኽእል እዩ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ሰባት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጦም ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕልዎ፡ ነቲ እንስሳዊ ባህርያቶም ሓዲጎም ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነቱ ባህርያት ኬማዕብሉ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚሕብር።

ንፔድሮ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። b ምስ ሓደ ውድብ ግብረ-ሽበራ ኺጽምበር ከሎ፡ ፍትሒ ንኼምጽእ ዚቃለስ ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ስልጠና ምስ ወሰደ፡ ንሓደ መዓስከር ፖሊስ ንኼጥቅዕ መምርሒ ተዋህቦ። መጥቃዕቲ ንኺፍጽም ምድላዋት ኪገብር ከሎ ኸኣ ተታሕዘ። ኣብቲ ን18 ወርሒ እተኣስረሉ ቤት ማእሰርቲ እውን፡ ናዕቢ ዜለዓዕል ንጥፈታት ይገብር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰበይቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። ፔድሮ እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ፣ እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እተመሃሮ ነገራት ኣብ ባህርያቱ ዀነ ንህይወት ኣብ ዘለዎ ኣረኣእያ ዓብዪ ለውጢ ንኺገብር ኣለዓዓሎ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣሸባሪ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ስለ ዘይቀተልኩ፡ ንየሆዋ የመስግኖ እየ። ሎሚ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ሰላምን ፍትሕን ዚገልጽ መልእኽቲ ዝሓዘ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽነግሮም፡ ነቲ ሰይፊ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀም ኣለኹ።” ፔድሮ ብዛዕባ እታ ሰላም ዝሰፈናን ዓመጽ ዘይህልዋን ዓለም ዚገልጽ መልእኽቲ ንምንጋር፡ ናብቲ ቐደም ኬዕንዎ መዲቡ ዝነበረ መዓስከር እውን ከይዱ እዩ።

ቃል ኣምላኽ ኣብ ሰባት ኪህልዎ ዚኽእል ሓያል ጽልዋ ምርኣይና፡ ነቲ እከይ ብርግጽ ከም ዜኽትም ዚገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽንተኣማመነሉ ይሕግዘና። እወ፡ ሰባት ዝሓሸ ለውጢ ኺገብሩ እምበር፡ ክፉእ ተግባራት እናገበሩ ኣይኪነብሩን እዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ነቲ ምንጪ ዅሉ እከይ ዝዀነን ብዘይርአ መገዲ ንዅነታት ዓለም ዚቈጻጸር ዘሎን፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኬጥፍኦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን፡ እዚ እኩይ ኣካል እዚ ኺጠፍእ እዩ። እቶም ካብ እኩይ መገዶም ዘይምለሱ ነቓጻት ሰባት እውን ኪጠፍኡ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምንባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!

ሓደ ሰብ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምእንቲ ኺነብር እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ሎሚ ሰባት ንኺልወጡ ዚሕግዞም ዘሎ ኸምኡውን ኣብ መጻኢ ዓለምለኻዊ ለውጢ ንኺህሉ ዚሕግዝ፡ “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከም ፔድሮ፡ ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካብን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ‘ጽድቂ ኣብ ዚነብረላ’ ዓለም ንምንባር ብሃንቀውታ ኽትጽበ ትኽእል ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እምበኣርከስ፡ ነቲ ገና ኽፉት ዘሎ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ክትፈልጥ ዜኽእለካ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር ናይ ዘለኣለም ህይወት እተረኽበሉ መገዲ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

b ስም ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘ጽድቂ ኣብ ዚነብረላ’ ዓለም ንምንባር ብሃንቀውታ ኽትጽበ ትኽእል ኢኻ—2 ጴጥሮስ 3:13