ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሕለፍናያ መዓልቲ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሕለፍናያ መዓልቲ

ካብ ግረናዳ እተላእከት ደብዳበ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሕለፍናያ መዓልቲ

ኣብ ካልእ ሃገር ሚስዮናውያን ኴንኩም ከተገልግሉ እንተ ተመዲብኩም፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ክትብሉ ኢኹም። ልክዕ ከም ሓደ ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ እተሃንጠየ ሕጻን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽብዎም ሰባትን ብዛዕባ እቲ ኸባብን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዜጋጥመኩም ተመክሮን ክትፈልጡ ትህንጠዩ ኢኹም።

ኣነን ሰበይተይን ናብታ 45 ዚኸውን ኣዝዩ ምልኩዕ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ግረናዳ ምስ ተመደብና፡ እቲ ገማግም ባሕሪ ኸመይ ከም ዚመስል ክንርኢ ተሃንጢና ኢና ኔርና። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ኣብ ሓደ ኻብዚ ገማግም ባሕሪ ባህ እተብል መዓልቲ ኣሕለፍና፣ ምንጪ ሓጐስና ግን እቲ ጸሓይን ሞገድን ዘይኰነስ፡ እቶም ሰባት እዮም ነይሮም።

ካብቲ ኣብ ግረናዳ ዚርከብ ቤትና ናብቲ ግራንድ ኣንስ ዚበሃል ገምገም ባሕሪ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ጕዕዞ ግን ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ርኢና ኢና። እቲ መገዲ እተጠዋወየ ስለ ዝዀነ፡ ኣቓልቦ ዚስሕብ ውቁብ ትርኢት ክንርኢ ኸኣልና። እቲ ዅድዅዶ ኣዝዩ ልሙዕ እዩ። ብዝኸድናዮ ዘበለ ኸኣ፡ ኣኽራንን ጫካን መንጫዕጫዕታን ዜስተንክር ትርኢት ውቅያኖስን የጋጥመና ነበረ። ነዚ ቦታ እዚ ኺርእዩ ኢሎም ካብ መላእ ዓለም በጻሕቲ እንተ መጹ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እቲ ትርኢት ኣዝዩ ውቁብ ስለ ዝዀነ፡ ሓደ መራሕ ማኪና ኣቓልቦኡ ኸይውሰድ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። እቲ መገዲ ጥውይዋይ ዝበዝሖን ጸቢብን ስለ ዝዀነ፡ ብቕድሜኻ ምስ እትመጽእ ዘላ ማኪና ኸይትጋጮ ኢኻ እትፈርህ።

ኣብቲ ኣብ ግራንድ ኣንስ ዚበሃል ገምገም ባሕሪ፡ ኣብ ወሰን መገዲ ኣብ ዚርከብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ትሬድ ሰንተር በጻሕና። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ኣስታት 600 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ባህ እተብል መዓልቲ ኼሕልፉን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩን ተኣከቡ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ 70ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ለስሊን ዳፍኒን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዋ። ከመይሲ፡ ለስሊ ዚጥመቐላ መዓልቲ እያ ነይራ። እታ ብ1958 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና እተጠመቐት ዳፍኒ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንሓያሎ ዓመታት ብሃንቀውታ እያ እትጽበያ ነይራ።

ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዚግበር ጥምቀት፡ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። ሓደ ሰብ ነዚ ስጕምቲ እዚ ዚወስድ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ቕኑዕ ፍልጠት ምስ ኣጥረየን ኣብ ህይወቱ ኣብ ተግባር ኬውዕሎ ምስ ጀመረን እዩ። ርእሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈየ ንምርኣይ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ይጥመቕ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ መደረ ከቕርብ፡ ሕቶ ቐሪቡለይ ነይሩ እዩ። እቲ መደረ ምስ ተዛዘመ፡ ለስሊን ካልኦት ምስኡ ዚጥመቑ ኽልተ ሰባትን ደው በሉ። እተስታረረ ጻዕዳ ካምቻን ክራቫታን ገይሩ ነበረ፣ ኣብ ገጹ እውን ፍሽኽታ ይርአ ነበረ። “ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩም ፍቓዱ ንምግባር ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹም ዲኹም፧” ኢለ ሓተትክዎም። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻልኦትን ካብ ልቦም፡ “እወ” ኢሎም ኪምልሱ ኸለዉ፡ ቅንዕናኦምን ተወፋይነቶምን ይርአ ነበረ።

ንድሕረ-ባይታ ለስሊ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣዝየ ተተንከፍኩ። ንነዊሕ ዓመታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣብዩ ነበረ። ሓደ እዋን ግን፡ ምስ ሰበይቱ ናብ ካልእ ደሴት ከደ። ኣብታ ደሴት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ናብ ነናቶም ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ኪኸዱ ወሰኑ። ለስሊ ድማ ንዳፍኒ፡ “ንስኺ ናብ ቤተ-ክርስትያንኪ ኺዲ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ቤተ-ክርስትያነይ ክኸይድ እየ” በላ።

ለስሊ ንዳፍኒ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብጺሑ፡ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን ከደ። ቅዳሰ ምስ ተወድአ ድማ፡ ንሰበይቱ ኺወስዳ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጸ። ኣብቲ ኣዳራሽ፡ ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎ ምቕሉላትን ሕያዎትን ሰባት ብጽቡቕ ተቐበልዎ። እዚ ኸኣ ልቡ ተንከፎ። ኣብታ ቤተ-ክርስትያኑ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣየዘራረቦን። ለስሊ ንዳፍኒ፡ “ናብታ ቤተ-ክርስትያን ተመሊሰ ኣይከይድን እየ። ካብቲ ቐሺ ጀሚርካ ቝሊሕ ዝበለኒ ኣይነበረን። ሰላም እውን ኣይበሉንን። ሰላሕ ኢለ ኣትየ፡ ሰላሕ ኢለ ወጺአ” በላ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ተመሊሱ ኣይከደን።

ድሕሪኡ፡ ለስሊ ዓሚቝ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ኪገብር ጀመረ። ንኺጥመቕ ከኣ ድሉው ኰነ። እቶም ሕጹያት ጥምቀት ናብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዱ፡ ንሕና ኸኣ ሰዓብናዮም። ኣብ ጥቓ ውቅያኖስ ስለ ዝነበርና፡ ከምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር፡ መጠመቒ ጋብላ ኸነዳሉ ኣየድለየናን። መገዲ ተሳጊርና ኽንከይድ ጥራይ እዩ ዜድልየና ነይሩ።

እቲ ግራንድ ኣንስ ዚበሃል ገምገም ባሕሪ፡ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጻዕዳ ሑጻ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብኡ ዘሎ ሰማያዊ ዝሕብሩ ባሕሪ ኸኣ ዓመት ምሉእ ምዉቕ እዩ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ በጻሕቲ፡ ካምቻን ክራቫታን ዝገበሩ ሰብኡትን ቀምሽ ዝገበራ ኣንስትን ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ተገረሙ። ለስሊ ኽዳኑ ቐይሩ፡ ካናቴራን ሓጺር ስረን ገይሩ ነበረ። ዳፍኒ፡ ንሳ ኻብ እትጥመቕ ድሕሪ 50 ዓመት፡ ሰብኣያ ኺጥመቕ ከሎ ኽትርእዮ ኸላ ኸመይ ከም እተሰምዓ ኽትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ፍሽኽታኣ፡ ልክዕ ከምታ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሓይ ድሙቕ ነበረ። እቶም በጻሕቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ሓጐስና ተኻፈሉ። ነፍሲ ወከፍ ሕጹይ ኣብ ዚጥመቐሉ እዋን፡ ምሳና ሓቢሮም የጣቕዑ ነበሩ።

ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዚርአ ዝነበረ ብሩህ ሰማይን ጻዕዳ ሑጻን ህዱእ ሞገድን፡ ንፈጣሪ ኽብሪ ዚህብ እዩ ነይሩ። እቶም ሰለስተ ሕጹያት ጥምቀት ካብቲ ማይ ኪወጹ ኸለዉ እሞ ኸኣ፡ ዝያዳ ኽብሪ ዚህብ ኰነ። ንዕኦም ምርኣይ፡ ካብታ ሽዑ ዝነበረት ጸሓይ ንላዕሊ ዜሐጕስ ነበረ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብሓቂ ፍልይቲ እያ ነይራ። ብሕልፊ ንለስሊን ንዳፍኒን፡ እታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሕለፍናያ መዓልቲ ዝበለጸት እያ ነይራ።