ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ንሱ እውን ኪድግፈካ እዩ

ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ንሱ እውን ኪድግፈካ እዩ

ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ንሱ እውን ኪድግፈካ እዩ

ኤድመንድ ሽሚድት ዘዘንተዎ

ኣብ ጥቅምቲ 1943 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ቐቅድሚ ምቕራበይ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምኽሪ ትዝ በለኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወዲ 25 እየ ነይረ፣ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ከኣ፡ ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ ነይረ። ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዝ’ ቈሪጸ እየ ነይረ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብዛዕባ እዚ ቕድሚ ምዝንታወይ ግን፡ ከመይ ገይረ ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ከሕድር ከም ዝኸኣልኩ ኽገልጸልኩም።

ብ23 ሚያዝያ 1922፡ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ኣቦይ እንዳ ሕብስቲ ኣብ ዝነበረት ኣፓርታማ እየ ተወሊደ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኤድመንድ ዝስሙ ኣቦይ ኣብቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርዎ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበሩ እዩ)፡ ኣኼባ ተኣከበ። እቲ ኣኼባ ኻብ ቤትና 160 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ኣብ ዚርሕቕ፡ ኣብ ጥቓ ሳንዱስኪ ዚርከብ ሰዳር ፖይንት እዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እቶም ተኣከብቲ፡ “ብዛዕባ እቲ [ብኣምላኽ እተሸመ] ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ” ዚብል መተባብዒ ተዋህቦም። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት፡ ኣቦይ ኣብቲ ዕዮ እቲ ኺካፈል ጀመረ። ብ4 ሓምለ 1988 ክሳዕ ዚመውት ድማ ን66 ዓመት ከምኡ ገበረ። ሜሪ ዝስማ ኣደይ ከኣ ብ1981 ንኣምላኽ ተኣማንነታ ሓልያ ሞተት።

ንወለደይ ኣብ ኣምልኾ ሓበርክዎም

ስድራ ቤትና ናብቲ ኣብ ክሊቭላንድ ዚርከብ ብፖላንድኛ ዚግበር ጉባኤ ትኸይድ ነበረት። ቀዳም ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ፡ ብዙሓት ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ብሓባር ኴንና፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ነበርና። ሰንበት ሰንበት ከኣ፡ ወለድና ኣብቲ መአከቢና ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ኣዳራሽ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ይሰምዑ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ምኩር መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም 30 ኣቢልና እንኸውን ቈልዑ፡ በታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እትበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ገይሩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓልና ነበረ። a ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣነ እውን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ጀመርኩ፡ ጽቡቕ ፍረ እውን ረኸብኩ።

ኣብ ሓምለ 1931፡ ስድራ ቤትና ኣብቲ ንደቡብ ገጹ 160 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ኮሎምበስ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከበት፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ፍራንክ ሓወይ ተወሊዱ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዮም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ልቦም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም እተቐበልዎ። (ኢሳይያስ 43:10-12) ሽዑ፡ ንሰባት ናብቲ ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ዜቕርቦ መደረ ንምዕዳም፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተኻፈልኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ንልዕሊ 79 ዓመት፡ ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ብሓባር ኣብ ምግልጋል ዘተኰረ እዩ።

ጽንኩር እዋንን ጽቡቕ ኣገልግሎትን

ብ1933 እቲ ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ዘስዓቦ ሳዕቤን ኣብ ምሉእ ዓለም ይርአ ነበረ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት፡ ሓደ ርብዒ እቲ ኣፍራዪ ሓይሊ ማለት እዩ፡ ስራሕ ኣይነበሮምን። ከተማታት ጠፊሸን ነበራ፣ ንድኻታት ንምሕጋዝ እተገብረ መሰናድዎ እውን ኣይነበረን። ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ግን ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ ነበሩ። ኣብ እንዳ ሕብስትና እተሰንከተ ሕብስቲ ንኻልኦት ምእንቲ ኸነካፍሎም ኢልና፡ ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ሒዝና ናብ መአከቢና ንኸይድ ነበርና። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ወጻኢታትና ድሕሪ ምኽፋልና ዚተርፍ ዝዀነ ይኹን ገንዘብ፡ ኣቦይ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእኾ ነበረ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ከም ዚሕግዝ ይፈልጥ ነበረ።

ኣብተን ዓመታት እቲኣተን፡ ፈነወ ረድዮ ኣብ ኣገልግሎትና ዓብዪ ግደ ይጻወት ነበረ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ዝቐረበ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ብልዕሊ 400 መደበራት ይፍኖ ነበረ። ኣብ 1930ታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ፋብሪካ፡ ፎኖግራፋትን እተቐድሐ መደረታትን ኣዳለዉ። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ንጥቀመሉ ነበርና፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ክንደይ ሳዕ ከም ዝወላዕናሎምን ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ከም ዝሰምዑን ጸብጻብ ንህብ ነበርና።

ብ1933፡ ኣዶልፍ ሂትለርን ሰልፊ ናዚን ኣብ ጀርመን ስልጣን ሓዙ። ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ከቢድ መስጐጕቲ ኣጓነፎም። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14) ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምስታፍ ወይ “ሀይል ሂትለር” ምባል ስለ ዝኣበዩ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተዳጐኑ። ብዙሓት ተቐትሉ፣ ገሊኦም ከኣ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኸም ዚሰርሑ ስለ እተገብሩ፡ ሞቱ። ብሰንኪ እቲ ዜስካሕክሕ ኣተሓሕዛ፡ ምስ ተፈትሑ ነዊሕ ከይጸንሑ ዝሞቱ ሒደት ኣይኰኑን። እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እንተላይ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዝነበሩ እውን ዘጋጠሞም ግፍዒ ግን፡ ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ።

ብ1940፡ ኣብ ዲትሮይት፡ ሚሺጋን፡ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከብና። ኣብኡ ድማ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ንምርኣይ፡ ብ28 ሓምለ ተጠመቕኩ። ቀቅድሚ እቲ ኣኼባ እተገብረሉ ኣብ ዝነበረት ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይምሃብ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኸም ገበን ጌርካ ስለ ዚርአ፡ ከምኡ ዚገብሩ ዘበሉ ኻብ ቤት ትምህርቲ ኺስጐጉ በዪኑ ነይሩ። እሞኸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ገበሩ፧ ንደቆም ትምህርቲ ኸም ዚረኽቡ ንምግባር፡ መብዛሕትኦም ባዕሎም ዜካይድዎ ኣብያተ-ትምህርቲ ኸፈቱ። እዚ ድማ ኣብያተ-ትምህርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

ኣብ መስከረም 1939 ኣብ ኤውሮጳ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ነበረ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ድማ፡ ነቲ ውግእ ዚድግፍ ስምዒታት ተጐሃሃረ። መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቶም ግጉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም መንእሰያትን ዓበይትን ተገፍዑን ተወቕዑን። ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ካብ 1940 ክሳዕ 1944፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጭፍራ ሰባት ልዕሊ 2,500 መጥቃዕቲ ተፈንዩሎም እዩ። ብ7 ታሕሳስ 1941፡ ጃፓናውያን ኣብ ልዕሊ ፐርል ሃርበር መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ እቲ መስጐጕቲ ተጋደደ። ካብዚ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲመ፡ ሓደ ኻብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለምቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ገንዘብ ኣዋህሊለ፡ ሸውዓተ ሜተር ዝምንዋሓ ተጐታቲት ቤት ዓደግኩ፣ ምስ ካልኦት ፈለምቲ ብሓባር ኰይነ ድማ፡ ኣብ ሉዊዝያና ንምግልጋል፡ ናብቲ ዓዲ ገዓዝኩ።

ኣብ ደቡብ ዘጋጠመኒ መስጐጕቲ

ነታ ተጐታቲት ቤትና ኣብ ጥቓ ኸተማ ጀነረት ኣብ ዚርከብ ዱር ደው ከነብላ፡ ካብቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ተቐማጦ ፍቓድ ተዋህበና። ሓደ ቐዳም፡ ኣብ መገዲ ኽንሰብኽ ወሰንና፣ ሓደ ሓለቓ ፖሊስ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዩ ናብ ምምሕዳር ከተማ ወሰደና። ኣብ ወጻኢ እቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ 200 ዚኣኽሉ ጭፍራ ሰባት ተኣከቡ፣ እቶም ፖሊስ ከኣ ንድሕንነትና ናብ ሓደጋ ብዜእቱ መገዲ፡ በይንና ናባታቶም ከም እንወጽእ ገበሩና። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ እቶም ጭፍራ ተበተኑ፡ ናብ ዝደለናዮ ኽንከይድ እውን ኣይዓገቱናን። ንጽብሒቱ፡ ኣብ ቀረባና ናብ እትርከብ ባተን ሩዥ እትበሃል ዝዓበየት ከተማ ኼድና፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ንብጾትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነገርናዮም።

ናብ ጀነረት ምስ ተመለስና፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ተጐታቲትና፡ “ኣብ ሰፈር ነዳዲ ዘይቲ ምጹኒ” ዚብል መልእኽቲ ዝሓዘት ወረቐት ጸንሓትና። እታ ወረቐት፡ “ኢ. ኤም. ቮን” ዚብል ክታም እውን ሒዛ ነበረት። ምስ ሚስተር ቮን ተራኸብና፣ ንሱ እውን ምስኡን ምስ ሰበይቱን ክንበልዕ ዓደመና። ንሱን እተወሰኑ ሰቡን ኣብ መንጎ እቶም ቀዳም ዝነበሩ ጭፍራ ኸም ዝነበረ፡ ኣድላዪ እንተ ዚኸውን ነይሩ እውን ካብቶም ጭፍራ ኺከላኸለልና ሓሲቡ ምንባሩ ነገረና። ስለቲ መተባብዒኡን ደገፉን ኣመስገንናዮ።

ንጽብሒቱ፡ ጠበናጁ ዝዓጠቑ ኣሕሉቕ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዉና፡ ንጽሑፋትና እውን ገበትዎ። ነታ ተጐታቲት ቤተይ ዝዓጽወሉ መፋትሕ ወሰድዎ፡ ን17 መዓልቲ ድማ ንዓይ ካብ ካልኦት ፈልዮም ብዘይረብሕ ምግቢ በይነይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐኑኒ። ሚስተር ቮን ንኺሕግዘና ጻዕርታት እኳ እንተ ገበረ፡ ኣይሰለጦን። ተኣሲርናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን፡ ጭፍራ ሰባት ንብረትና ዘረፍዎ፡ ነታ ተጐታቲትን ንዝተረፈ ንብረትናን ከኣ ኣቃጸልዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ነቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዜጓንፈኒ ነገር የዳልወኒ ኸም ዘሎ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ኣብ ሰሜን ዘጋጠመኒ ማእሰርቲ

ናብ ሰሜን ምስ ተመለስኩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኦሊያን፡ ኒው ዮርክ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣብኡ ኸለኹ ድማ፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክምዝገብ ካብ መንግስቲ ጻውዒት ቀረበለይ፣ ኣብቲ ዝምዝገበሉ ቦታ ኸይደ፡ ምስቶም ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ዚበሃሉ ተመዝገብኩ። ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፈተና ምስ ሓለፍኩ ግን፡ ኣብ ወረቐተይ፡ “ሕጹይ ታዕሊም መኰንናት” ዚብል ማሕተም ተገብረሉ።

ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዕዮ ፈላምነት ክቕጽል ከኣልኩ። ድሕሪኡ፡ ኣገልግሎተይ ኣቋሪጸ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምኻድ ስለ ዝኣበኹ፡ ብ1943 ኤፍ.ቢ.ኣይ. ሒዞም፡ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ናብቲ ኣብ ሲራክዩዝ፡ ኒው ዮርክ፡ ዚርከብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ መምርሒ ሃቡኒ። ኣብኡ ኽሲ ቐረበለይ፣ ጕዳየይ ከኣ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ተቘጽረ።

ብዘይ ጠበቓ፡ ባዕለይ ንርእሰይ ተማጐትኩላ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና፡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ብኸመይ ንመሰላትና ኽንጣበቕን ብኸመይ ብግቡእ ክንዛረብን ከም እንኽእል መምርሒ ተዋሂቡና ነይሩ እዩ። ነቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ማዕዳ ኣጸቢቐ እዝክሮ ነይረ እየ። ገሊኦም ዓቀብቲ ሕጊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካባታቶም ንላዕሊ ነቲ ሕጊ ኸም ዚፈልጥዎ ብምምራር ተዛሪቦም እዮም። እንተዀነ ግን፡ እቲ መጋባእያ ኸም ገበነኛ ገይሩ ፈረደኒ። እቲ ዳኛ ገለ ዝብሎ እንተ ኣሎኒ ምስ ሓተተኒ፡ “ሎሚ፡ እዛ ሃገር ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ብኸመይ ከም እትሕዞም ስለ እተርኢ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ፍርዲ እያ ቐሪባ ዘላ” ኢለ መለስኩ።

ኣብቲ ኣብ ቺሊኮቲ፡ ኦሃዮ፡ ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ንኣርባዕተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ፡ ንሓደ ብዓል ስልጣን ጸሓፊኡ ዀይነ ኽዓዪ ተመደብኩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ካብ ዋሽንግተን፡ ዲ.ሲ.፡ እተላእከ ፍሉይ መርማሪ ናብቲ ዝዓየሉ ቤት ጽሕፈት መጸ፡ ንሃይደን ከቪንግተን ይምርምርዎ ኸም ዘለዉ ድማ ተዛረበ። ሃይደን ከቪንግተን ጠበቓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ነይሩ፣ ምስ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት ከኣ፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ጠበቓታት እዩ ነይሩ።

እቲ መርማሪ፡ እተማልአ ፋይላት ዳኒ ሀርታዶን ኤድመንድ ሽሚድትን ዚበሃሉ ኽልተ እሱራት ኪቐርበሉ ሓተተ። ሓለቓይ ከኣ፡ “ወይ ኣጋጣሚ! እዚ እኮ እዩ ሚስተር ሽሚድት” በሎ። እቲ መርማሪ ብምስጢር ተላኢኹ እኳ እንተ መጸ፡ ምስጢሩ ኸም እተኸሽሐ ግን ብሃንደበት ፈለጠ። ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናብ ክሽነ ተቐየርኩ።

ፈላምነትን ቤትኤልን መርዓን

ብ26 መስከረም 1946፡ ብኣመክሮ ተፈታሕኩ፣ ኣብታ ኣብ ካሊፎርንያ እትርከብ ጉባኤ ሃይላንድ ፓርክ ድማ ዕዮ ፈላምነት ቀጸልኩ። ኣብ መስከረም 1948፡ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ዝምነዮ ዝነበርኩ ሸቶይ በጻሕክዎ። ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ዚዳለወሉ፡ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት (ቤትኤል)፡ ሰንካቲ ሕብስቲ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብ ግለንዴል ኣብ ዚርከብ ቤት ምግቢ፡ ቀንዲ ኸሻኒ ምቁር ሕብስቲ ዀይነ ዝዓዮ ዝነበርኩ ዕዮይ ብኡንብኡ ሓዲገ፡ ናብ ቤትኤል ገዓዝኩ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ብ1955፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣህጉራዊ ኣኼባታት ኪግበር መደብ ተታሕዘ። ስድራ ቤተይ ከኣ፡ ኣብቲ ቦታ ንኽእከብ ዜድልየኒ ገንዘብ ሃቡኒ። በቲ ኣብ ለንደንን ኣብ ፓሪስን ኣብ ሮማን እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ብሓቂ እየ ተሓጒሰ። ብፍላይ ከኣ እቲ ሂትለር ንምረሻ ወተሃደራቱ ኣብ እተዓዘበሉ ኣብ ኑረምበርግ፡ ጀርመን፡ ዚርከብ ዓብዪ ስታድዩም እተገብረ 107,000 ተኣከብቲ ዝነበሩሉ ኣኼባ ፍሉይ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉለይ። ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ ሂትለር ከም ዜጽንቶም ዝፈከረሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። ምሳታቶም ክእከብ ምኽኣለይ፡ ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱኒ።

ኣብቲ ኣብ ኑረምበርግ እተገብረ ኣኼባ፡ ብሪጊተ ገርቪን ምስ እትበሃል መንእሰይ ጀርመናዊት ናይ የሆዋ ምስክር ተፋቐርኩ። ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተመርዓና፣ ኣብ ጥቓ ወለደይ ንምንባር ከኣ ናብ ግለንዴል ተመለስና። ብ1957፡ እቲ በዅሪ ወድና ቶም ተወልደ፣ ብ1958፡ እቲ ኻልኣይ ወድና ዶን ተወልደ፣ ብ1960 ከኣ፡ እታ ሳቢና ዝስማ ጓልና ተወልደት።

ነዊሕን ዜዕግብን ህይወት

ገሊኦም ሰባት፡ ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ከገልግል ዝገበርክዎ ውሳነ፡ ካብ ጭፍራ ሰባት ግፍዒ ስለ ዝወረደንን ኣደዳ ማእሰርቲ ስለ ዝዀንኩን፡ ውሳነይ ዜጣዕሰኒ እንተ ዀይኑ ሓቲቶምኒ እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ ንየሆዋ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት እሙናቱ ኸገልግሎ ፍሉይ መሰል ብምርካበይ፡ አመስግኖ እየ። ተመክሮይ እውን ንኻልኦት ሰባት፡ ንኣምላኽ ንኪቐርብዎን ከቶ ንኸይሓድግዎን ኬተባብዖም ተስፋ እገብር።

ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ብምግልጋሎም ብዙሕ መከራ ኣሕሊፎም እዮም። ግናኸ፡ ከምኡ ኽንጽበ ደይኰነን ተነጊሩና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” እዩ ዚብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ይኹን እምበር፡ እተን ኣብ መዝሙር 34:19 ዚርከባ፡ “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ዚብላ ቓላት ሓቂ ምዃነን ብዘየማትእ መገዲ ተመስኪሩ እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጀመርታ 1940ታት ኣብ ሉዊዝያና ኽንሰብኽ ከለና

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ሰንካቲ ሕብስቲ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሰበይተይ ብሪጊተ