ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር

ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር

ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር

“ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ።” —ኤፌ. 4:3

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንየሆዋ ዘኽበሩ ብኸመይ እዮም፧

 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበረ ሓድነታ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣኽቢርዎ እዩ። ኣብታ ሃብታም ማእከል ንግዲ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያን ኣሕዋት፡ ባሮት ዝነበርዎም ሃብታማት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ባሮትን ድኻታትን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 6:5, 9) ገሊኦም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝመስከረሉ እዋን ሓቂ ዝሰምዑ ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ካልኦት ከኣ ንኣርጤምስ ዜምልኹን ጠንቈልትን እዮም ነይሮም። (ግብ. 19:8, 19, 26) ናይ ሓቂ ክርስትና እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዝነበሮም ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዘቀራረቦም እምበኣር ንጹር እዩ። ጳውሎስ፡ ሓድነት እታ ጉባኤ ንየሆዋ ኸም ዜኽብር ተገንዚቡ ነበረ። “ኣብታ ማሕበር . . . ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ኤፌ. 3:21

2. ንሓድነት እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዘውደቖ እንታይ እዩ፧

2 ይኹን እምበር፡ ሓድነት እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ነበረ። ጳውሎስ ንሽማግለታት እታ ጉባኤ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ግብ. 20:30) ገሊኦም ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ነቲ ጳውሎስ፡ “ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ኢሉ ዝጠቐሶ መንፈስ ምፍልላይ የርእዩ ነበሩ።—ኤፌ. 2:2፣ 4:22

ንሓድነት እተጕልሕ መልእኽቲ

3, 4. እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ሓድነት እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧

3 ክርስትያናት ተሰማሚዖም ኪዓዩ እንተ ዀይኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ሓድነት ንኺህልዎም ኪጋደሉ ኸም ዘለዎም ጳውሎስ ተገንዚቡ ነበረ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸኣ ንሰብ ኤፌሶን ብዛዕባ ሓድነት ዜጕልሕ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ንኣብነት፡ ዕላማ ኣምላኽ፡ ኵሉ ነገር “ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ምዃኑ ጸሓፈ። (ኤፌ. 1:10) ንክርስትያናት ሓደ ህንጻ ምስ ዜቝሙ እተፈላለዩ ኣእማን ብምምስሳል፡ “ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ [“ንየሆዋ፡” NW] ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ” በለ። (ኤፌ. 2:20, 21) ብዘይካዚ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ንዘለዎም ሓድነት ኣጕልሐ፣ ንኣሕዋት ከኣ መበቈሎም ሓደ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። ንየሆዋ፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ” ኢሉ ጸውዖ።—ኤፌ. 3:5, 6, 14, 15

4 ሕጂ ንኤፌሶን ምዕራፍ 4 ንመርምር እሞ፡ ሓድነት ንኺህልወና ምግዳል ዜድልየሉ ምኽንያት፡ ሓድነት ንኺህልወና የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና፡ ሓድነትና ዓቂብና ንኽንመላለስ ከኣ እንታይ ባህርያት ከም ዜድልየና ንርአ። ካብቲ ትምህርቲ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትጥቀም ስለምንታይ ንብምልእታ እታ ምዕራፍ ዘይተንብባ፧

ሕብረት ንኺህሉ ምግዳል ዜድልየሉ ምኽንያት

5. መላእኽቲ ኣምላኽ ብሓድነት ኬገልግሉ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ ሓድነት ከም ዚህሉ ምግባር ዝያዳ በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል ግን ስለምንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱ፡ “ነቲ ሕብረት መንፈስ . . . ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ኤፌ. 4:3) ምግዳል ዜድልየሉ ምኽንያት ንኽትርዳእ፡ ብዛዕባ መላእኽቲ ኣምላኽ እሞ ሕሰብ። ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ሕደ ዝዀኑ ህያዋን ፍጥረታት ካብ ዘየለዉ፡ የሆዋ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ እውን ነናቶም ዝዀነ ፍሉይ ባህርያት ብምሃብ ከም ዝፈጠሮም ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። (ዳን. 7:10) ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ንየሆዋ ስለ ዚሰምዕዎን ፍቓዱ ስለ ዚገብሩን ብሓድነት ንዕኡ ኬምልኽዎ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 103:20, 21 ኣንብብ።) እሙናት መላእኽቲ እተፈላለየ ባህርያት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ክርስትያናት ግን እተፈላለየ ባህርያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እተፈላለየ ጕድለታት እውን ኣለዎም። እዚ ኸኣ ሓድነት ከም ዚህሉ ኣብ ምግባር ዝያዳ ብድሆ ኺፈጥር ይኽእል እዩ።

6. ካብ ናትና እተፈልየ ጕድለታት ምስ ዘለዎም ኣሕዋትና ንኽንተሓባበር ዚሕግዘና ባህርያት እንታይ እዩ፧

6 ዘይፍጹማት ሰባት ተሓባቢሮም ንምዕያይ ኪፍትኑ ኸለዉ፡ ብቐሊሉ ጸገማት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ መብዛሕትኡ እዋን ደንጓዪ ዝዀነ ዓቃል ሓው ምስ ሓደ ሰዓት ዜኽብር ግናኸ ብቐሊሉ ዚቝጣዕ ሓው ንየሆዋ የገልግል ንበል። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ሕማቕ ባህርያቶም ብምርሳዕ፡ ናይቲ ሓደ ጕድለት ጥራይ ይርኣዮም ይኸውን። ተሰማሚዖም ኬገልግሉ ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ነስተብህለሉ። ድሕሪኡ ኸኣ ነዚ ባህርያት እዚ ብምምዕባል ብኸመይ ሓድነትና ኽንዕቅብ ከም እንኽእል ነስተንትን። ጳውሎስ፡ “ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌ. 4:1-3

7. ፍጹማት ምስ ዘይኰኑ ክርስትያናት ብሓድነት ምዕያይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓደ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ብሓድነት ንኣምላኽ ምግልጋል ክንመሃር ኣሎና። “ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።” (ኤፌ. 4:4-6) እቲ የሆዋ ዚህቦ መንፈስ ኰነ በረኸት፡ ምስቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ሕብረት ኣሕዋት ተኣሳሲሩ ኣሎ። ኣብ ጉባኤና ሓደ ሰብ ምስ ዜጕህየና እውን ከይተረፈ፡ ናበይ ኢና እሞ ኽንከይድ እንኽእል፧ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣብ ካልእ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።—ዮሃ. 6:68

“ውህበት” ሰብኡት፡ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብሩ

8. ክርስቶስ፡ ብዚፈላሊ ጽልዋታት ንኸይንጽሎ ምእንቲ ኺሕግዘና እንታይ ተጠቕመ፧

8 ጳውሎስ፡ የሱስ ንሓድነት ጉባኤ ኢሉ ብኸመይ “ውህበት” ሰብኡት ከም ዝሃበ ንምብራህ፡ ነቲ ጥንታውያን ወተሃደራት ዚገብርዎ ዝነበሩ ልሙድ ተግባር ከም ኣብነት ተጠቕመ። ሓደ ዕዉት ወተሃደር፡ ንሰበይቱ ኺሕግዝ ዚኽእል ባርያ ኻብቶም ዝማረኾም ሰባት ይወስድ ነበረ። (መዝ. 68:1, 12, 18) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ንዓለም ዝሰዓራ የሱስ፡ ብወለንታ ዜገልግልዎ ብዙሓት ባሮት ረኺቡ እዩ። (ኤፌሶን 4:7, 8 ኣንብብ።) ነዞም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምሩኻት ዝዀኑ ሰባት ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሎም፧ “ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ . . . ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።”—ኤፌ. 4:11-13

9. (ሀ) “ውህበት” ሰብኡት፡ ሓድነትና ንኽንዕቅብ ዚሕግዙና ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ሓድነት ንኺህሉ ናይ ብሕቱ ደገፍ ኪገብር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

9 እዞም ፈቃራት ጓሶት ዝዀኑ “ውህበት” ሰብኡት፡ ሓድነትና ንኽንዕቅብ ይሕግዙና እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ጉባኤ፡ ክልተ ኣሕዋት ‘ንሓድሕዶም ኪተሓራረቑ’ እንተ ርእዩ፡ ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሩ ንኬቕንዖም’ ብሕታዊ ምኽሪ ብምሃብ፡ ሓድነት ጉባኤ ከም ዚድልድል ኪገብር ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:26–6:1) እዞም መምህራን እውን ዝዀኑ “ውህበት” ሰብኡት፡ ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድልዱል እምነት ንኺህልወና ይሕግዙና እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብሩ፡ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ንኽንበጽሕ ድማ ይሕግዙና። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውን” ከም ዚሕግዙና ተዛረበ። (ኤፌ. 4:13, 14) ከምቲ እተፈላለየ ክፍልታት ኣካላትና ንሓድሕዱ እናተደጋገፈ ዚተሃናነጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እውን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሓድነት ንኺህሉ ናይ ብሕቱ ደገፍ ኪገብር ኣለዎ።—ኤፌሶን 4:15, 16 ኣንብብ።

ሓድሽ ባህርያት ኣማዕብል

10. ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ንሓድነትና ኣብ ሓደጋ ኼውድቖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ እታ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ከም ብሱላት ክርስትያናት መጠን ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ፍቕሪ ኣዝያ ኣድላዪት ምዃና ኸም እተገልጸ ኣስተብሂልካዶ፧ እታ ምዕራፍ ቀጺላ፡ ፍቕሪ እትሓቝፎ ነገራት ትሕብር። ንኣብነት፡ መገዲ ፍቕሪ፡ ምንዝር ኰነ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ንኺግበር ኣይትፈቅድን። ኣህዛብ፡ “ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን” ስለ እተለቁ፡ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣሕዋቱ፡ “ከምቲ ኣህዛብ . . . ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌ. 4:17-19) እዛ እንነብረላ ዘለና ብርኽሰት ዝመልአት ዓለም፡ ንሓድነትና ኣብ ሓደጋ ተውድቖ እያ። ሰባት ብዛዕባ ምንዝር ይዋዘዩን ይደርፉን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ከም መዘናግዒ ይጥቀምሉን ብሕቡእን ብጋህድን ይፍጽምዎን እዮም። ኰይኑ ግን፡ ምኵሻም፡ ማለት ንኽትምርዓዎ ዋላ ሓንቲ ውጥን ምስ ዘይብልካ ሰብ ጾታዊ ስሕበት ምፍጣር እውን ከይተረፈ፡ ካብ የሆዋን ካብ ጉባኤን ኬርሕቐካ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምኡ ምግባር ብቐሊሉ ናብ ምንዝር እዩ ዚመርሕ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ብዓል ሓዳር ብሰንኪ ምኵሻም ዝሙት ምስ ዚፍጽም፡ ካብ ደቁን ካብቲ እሙን መጻምድቱን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ምኵሻም ብሓቂ ፈላላዪ ዝዀነ ተግባር እዩ! ጳውሎስ፡ “ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሀርኩምዎን” ኢሉ ምጽሓፉ እምበኣር ኣየገርምን እዩ።—ኤፌ. 4:20, 21

11. ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ለውጢ ንኺገብሩ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተባብዕ፧

11 ጳውሎስ፡ “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ነቲ ፈላላዪ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ሓዲግና ምስ ካልኦት ተሳኒና ንኽንነብር ዜኽእለና ባህርያት ከነማዕብል ከም ዘሎና ኣጕልሐ። (ኤፌ. 4:22-24) ‘ብናይ ኣእምሮና መንፈስ ክንሕደስ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ኰነ ኻብቶም ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያናት እንመሃሮ ነገራት ምስ እነስተንትንን ነዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ምስ እንጽዕርን፡ ነቲ “ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ክንለብሶ ንኽእል ኢና።

ሓድሽ ኣዘራርባ ኣማዕብል

12. ሓቂ ምዝራብ፡ ሓድነት ከም ዚህሉ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንገሊኦም ኪኸብዶም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኰነ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ፡ ንሓድሕድና ሓቂ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ብሓቅን ብግልጽን ብሕያውነትን ዚዝረብ ዘረባ፡ ንሰባት የቀራርብ እዩ። (ዮሃ. 15:15) ሓደ ሰብ ንሓዉ ሓሶት እንተ ተዛሪብዎ ግን እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ሓዉ ብዛዕባ እቲ ሓሶት ምስ ፈለጠ፡ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ምትእምማን ይጠፍእ። ጳውሎስ፡ “ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ስለምንታይ ከም ዝጸሓፈ እምበኣር ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 4:25) ሓደ ምናልባት ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ምሕሳው ዝለመደ ሰብ፡ ሓቂ ምዝራብ ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንኺልወጥ ምስ ዚጽዕር፡ የሆዋ ንጻዕሩ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ፡ ኪሕግዞ እዩ።

13. ዚሃሲ ዘረባ ብኸመይ ከነወግድ ንኽእል፧

13 ንኣዘራርባና ብምቍጽጻር፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዀነ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኣኽብሮትን ሓድነትን ከነማዕብል የሆዋ ምሂሩና እዩ። “ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ።” (ኤፌ. 4:29, 31) ዚሃሲ ዘረባ ኸነወግድ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ኣኽብሮታዊ ኣመለኻኽታ ብምምዕባል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ንሰበይቱ ሃሳዪ ዘረባ ዚዛረብ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣንስቲ ዘለዎ ኣኽብሮት እናፈለጠ ብዝኸደ መጠን፡ ንሰበይቱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ኪቕይር ኣለዎ። ኣምላኽ ንገሊአን ኣንስቲ ብመንፈስ ቅዱሱ ብምቕባእ፡ ምስ ክርስቶስ ነገስታት ኰይነን ናይ ምግዛእ ተስፋ ሂብወን እዩ። (ገላ. 3:28፣ 1 ጴጥ. 3:7) ንሰብኣያ ብቘየቛ እትዛረብ ሰበይቲ እውን፡ የሱስ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ ብኸመይ ርእሱ ኸም ዝገትአ ምስ ፈለጠት፡ ለውጢ ኽትገብር ኣለዋ።—1 ጴጥ. 2:21-23

14. ብቝጥዓ ምዝራብ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ቍጥዓኻ ዘይምቍጽጻር እውን ምስ ዚሃሲ ዘረባ ይተኣሳሰር እዩ። ንዚቀራረቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ኺፈላሊ ይኽእል እዩ። ቍጥዓ ልክዕ ከም ሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ብቐሊሉ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውንን ኬዕኑን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 29:22) ብዛዕባ ዝጐሃኻሉ ነገር ስምዒትካ ምግላጽ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ዚስምዖ ሰብ፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ኽቡር ርክብ ምእንቲ ኸየበላሹ ቝጥዓኡ ኺቈጻጸር ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን፡ ይቕረ ንኺብል፡ ቂም ንኸይሕዝ፡ ነቲ ዘጕሃዮ ነገር ከኣ እንደገና ንኸየልዕሎ፡ ጻዕሪ ኺገብር ይግባእ። (መዝ. 37:8፣ 103:8, 9፣ ምሳ. 17:9) ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን፡ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌ. 4:26, 27) ቍጥዓኻ ዘይምቍጽጻር፡ ንድያብሎስ ኣብ ጉባኤ ምፍልላይን ባእስን ንኺፈጥር ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ።

15. ዘይናትና ምውሳድ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

15 ንንብረት ካልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ፡ ኣብታ ጉባኤ ሓድነት ከም ዚህሉ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዝሰረቐ፡ . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ” ይብል። (ኤፌ. 4:28) ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ንሓድሕዶም ይተኣማመኑ እዮም። ሓደ ክርስትያን ዘይናቱ ነገር ብምውሳድ እምነት ምስ ዜጕድል ግን፡ ነቲ ባህ ዜብል ሓድነት ኣብ ሓደጋ የውድቖ።

ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ሓደ ይገብረና

16. ሓድነትና ንምድልዳል፡ ሃናጺ ዘረባ ኽንዛረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድነት ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ኵሎም ክርስትያናት ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪዀም ንሓድሕዶም ስለ ዚፋቐሩ እዩ። የሆዋ ንዘርኣየና ሕያውነት ነማስወሉ እንተ ደኣ ዄንና፡ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ . . . ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ንዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓያል ጻዕሪ ኽንገብር ንድረኽ ኢና። (ኤፌ. 4:29, 32) የሆዋ ኸማና ንዝኣመሰሉ ዘይፍጹማት ሰባት ብሕያውነት ይቕረ ይብለሎም እዩ። ንሕና እውን ሰባት ብሰሪ ዘይፍጽምናኦም ኪብድሉና ኸለዉ፡ ይቕረ ኽንብለሎምዶ ኣይግባእን፧

17. ሓድነትና ንኸነደልድል ክንጋደል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ሓድነት፡ ንየሆዋ የኽብር እዩ። መንፈስ የሆዋ፡ ሓድነትና ንኸነደልድል ብእተፈላለየ መገዲ ይሕግዘና እዩ። ንመሪሕነት እዚ መንፈስ እዚ ኽንቃወሞ ኸም ዘይንደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጳውሎስ፡ “ነቲ . . . ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:30) ሓድነት፡ ንሰባት ሓጐስ፡ ንየሆዋ ድማ ኽብሪ ስለ ዜምጽእ፡ ክንዕቅቦ ዘሎና ኽቡር ሃብቲ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ።”—ኤፌ. 5:1, 2

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብ መንጎ ክርስትያናት ሓድነት ንኺህሉ ዚሕግዝ እንታይ ዓይነት ባህርያት እዩ፧

• ኣካይዳና ኣብ ጉባኤ ሓድነት ንኺህሉ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ኣዘራርባና ምስ ካልኦት ተሓባቢርና ንኽንዓዪ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ሓድነት ኪህልዎም ክኢሉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምኵሻም እንታይ ሓደጋ ኸም ዘለዎ ተስተውዕል ዲኻ፧