ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ”

“መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ”

“መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ”

“መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።”—ማቴ. 23:10

1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ መራሒ መን እዩ፧ ስለምንታይከ፧

 ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ከም ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ከም ፓትርያርካትን ኣቡናትን ኣብያተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ከምኡውን ከም መራሕቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ዝኣመሰሉ ሰብኣውያን መራሕቲ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን፡ ሰብኣዊ መራሒ የብሎምን። ደቀ መዛሙርቲ ወይ ሰዓብቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይኰኑን። እዚ ኸኣ ምስቲ የሆዋ ንወዱ ብዚምልከት ዝገለጾ ትንቢት ይሰማማዕ እዩ፣ እቲ ትንቢት፡ “እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ” ይብል። (ኢሳ. 55:4) ዓለምለኻዊት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናትን እቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ን ብዘይካ እቲ የሆዋ ዝሃቦም መራሒ፡ ካልእ መራሒ ኣይደልዩን እዮም። (ዮሃ. 10:16) ምስቲ የሱስ፡ “መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ዝበሎ ሓሳብ ይሰማምዑ እዮም።—ማቴ. 23:10

መንፈሳዊ መስፍን እስራኤል

2, 3. ወዲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል እንታይ ግደ ነበሮ፧

2 ክርስትያናዊት ጉባኤ ቕድሚ ምምስራታ ዘመናት ይገብር፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብሓደ መልኣኽ ገይሩ ይመርሖም ነበረ። ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ “ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ፡ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ” በሎም። (ዘጸ. 23:20, 21) እዚ ‘ስም የሆዋ ኣብኡ ዝነበረ’ መልኣኽ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

3 ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ኸይተወልደ ኸሎ፡ ሚካኤል ዚብል ስም ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ ሚካኤል፡ “እቲ መስፍንኩም፡” ማለት መስፍን እቶም ህዝቢ ዳንኤል ዝዀኑ እስራኤላውያን ከም ዝዀነ ጌርካ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዳን. 10:21) ሚካኤል ካብቲ ዳንኤል ዝነበረሉ ግዜ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ጕዳያት እስራኤል ይሳተፍ ከም ዝነበረ ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር ሓቢሩ ኣሎ። ድሕሪ ሞት ሙሴ፡ ሰይጣን ኣብ እስራኤል ኣምልኾ ጣኦት ንኼስፋሕፍሕ ኢሉ ንሬሳ ሙሴ ኺጥቀመሉ ኸም ዝደለየ ርዱእ እዩ። ሚካኤል ግን ነዚ ተቓወሞ። ይሁዳ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፤ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን” በለ። (ይሁ. 9) ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ማለት ያሪኮ ኸይተታሕዘት ከላ፡ ንእያሱ መለኮታዊ ድጋፍ ከም ዘይፍለዮ ንኼረጋግጸሉ እተራእዮ “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር፡” ሚካኤል ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። (እያሱ 5:13-15 ኣንብብ።) ሓደ መልኣኽ ንነብዪ ዳንኤል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኼብጽሓሉ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓደ ጋኔን ዝዀነ መስፍን ምስ ዓገቶ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ሓገዞ።—ዳን. 10:5-7, 12-14

እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መራሒ መጸ

4. ንምምጻእ እቲ መሲሕ ብዚምልከት እንታይ ትንቢት እዩ እተነግረ፧

4 ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመ ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ብዛዕባ ምምጻእ “እቲ መሲህ፡ መስፍን” ዚገልጽ ትንቢት ንዳንኤል ምእንቲ ኺነግሮ፡ ንገብርኤል መልኣኽ ለኣኾ። (ዳን. 9:21-25) a ልክዕ ኣብ ግዜኡ፡ ማለት ኣብ ቀውዒ 29 ድ.ክ. ድማ፡ የሱስ ብዮሃንስ ተጠምቀ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶ ኸኣ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ፡ ማለት ቅቡእ ኰነ። (ማቴ. 3:13-17፣ ዮሃ. 1:29-34፣ ገላ. 4:4) በዚ ምኽንያት እዚ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ መራሒ ዀነ።

5. ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ መራሒ ዀይኑ ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ካብቲ ኣብ ምድሪ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ፡ “እቲ መሲህ፡ መስፍን” ምዃኑ ኣመስከረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺእክብ ጀመረ፣ ናይ መጀመርታ ተኣምር ድማ ፈጸመ። (ዮሃ. 1:35–2:11) ኣብ ኵላ እታ ሃገር እናዞረ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ከሎ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ይስዕብዎ ነበሩ። (ሉቃ. 8:1) ኣብ ዕዮ ስብከት የሰልጥኖም ነበረ፣ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ድማ ጽቡቕ ኣርኣያ ዀኖም። (ሉቃ. 9:1-6) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣርኣያኡ ኺስዕቡ ኣለዎም።

6. ክርስቶስ ጓሳን መራሕን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ንኻልእ መዳይ መሪሕነቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ንርእሱ ምስ ሓደ ፈቃር ጓሳ ኣመሳሰላ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ጓሶት ንመጓሰኦም ቃል ብቓሉ እዮም ዚመርሕወን። ዊልያም ቶምሰን ኣብታ ዘ ላንድ ኤንድ ዘ ቡክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ጓሳ ቐቅድሚ እቲ መጓሰ ዚኸይድ፡ መገዲ ንኺሕብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ መገዲ ጥጡሕን ሓደጋ ዘይብሉን ምዃኑ ንኼረጋግጽ እዩ። . . . ብበትሩ ገይሩ ነቲ መጓሰ ናብ ልሙዕ ሸኻ ይመርሖ፡ ካብ ጸላእቲ ኸኣ ይከላኸለሉ” ኢሉ ጸሓፈ። የሱስ፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ” ኺብል ከሎ፡ ናይ ሓቂ ጓሳን መራሕን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ዮሃ. 10:11, 27) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ መስዋእታዊ ሞት ሞተ፣ የሆዋ ድማ “መራሕን መድኃንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።”—ግብ. 5:31ትርጕም 1990፣ እብ. 13:20

ሓላዊ ክርስትያናዊት ጉባኤ

7. የሱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ዚከታተላ ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ፡ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በሎም። (ማቴ. 28:18) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ክርስትያናዊ ሓቂ ምእንቲ ኺጸንዑ፡ የሆዋ ብየሱስ ገይሩ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም። (ዮሃ. 15:26) ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. የሱስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ነዚ መንፈስ እዚ ኣፍሰሰሎም። (ግብ. 2:33) እዚ ድማ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም እተመስረተት ዚሕብር እዩ ነይሩ። የሆዋ ንወዱ፡ ነታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ማሕበር ወይ ጉባኤ ኻብ ሰማይ ኪመርሕ ሸሞ። (ኤፌሶን 1:22፣ ቈሎሴ 1:13, 18 ኣንብብ።) የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዚመርሓ ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ እቶም ‘ዚግዝእዎ’ መላእኽቲ ድማ የገልግልዎ።—1 ጴጥ. 3:22

8. ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ንምምራሕ ንመን ተጠቕመ፧ ሎሚኸ ንመን እዩ ዚጥቀም ዘሎ፧

8 ብዘይካዚ፡ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ “ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ” “ውህበት” ዝዀኑ ሰብኡት ሃበ። (ኤፌ. 4:8, 11) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ሓለውቲ፡ “ንርእስኹምን ነታ . . . ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ” በሎም። (ግብ. 20:28) ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትምስረት ከላ ዝነበሩ ዅሎም ሓለውቲ፡ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰብኡት እዮም ነይሮም። ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ድማ፡ ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ይዓዩ ነበሩ። ክርስቶስ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እቲ ገይሩ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት ‘ኣሕዋቱ’ ይመርሖም ነበረ። (እብ. 2:11፣ ግብ. 16:4, 5) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ክርስቶስ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”ን ነቲ ንቕቡኣት ክርስትያን ሰብኡት ዝሓቘፈ ኣመሓዳሪ ኣካሉን፡ ኣብ “ኵሉ ገንዘቡ፡” ማለት ኣብ ኵሉ ምድራዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ሸሞ። (ማቴ. 24:45-47) እቶም ቅቡኣትን እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕን ንመሪሕነት እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ነቲ መራሒኦም ዝዀነ ክርስቶስ ይስዕቡ ኸም ዘለዉ ይፈልጡ እዮም።

ክርስቶስ ንዕዮ ስብከት ጀመሮ

9, 10. ክርስቶስ ንዝርጋሐ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣለዮ ብኸመይ እዩ፧

9 ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ የሱስ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ይመርሖ ነበረ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ዚስበኸሉ ተራ ሰርዐ። ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ንሃዋርያቱ፡ “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። ኬድኩም ድማ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ” ብምባል መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 10:5-7) ብፍላይ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ብቕንኣት ሰበኹሎም።—ግብ. 2:4, 5, 10, 11፣ 5:42፣ 6:7

10 ጸኒሑ፡ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፈለማ ናብ ሳምራውያን፡ ቀጺሉ ኸኣ ኣይሁድ ናብ ዘይኰኑ ሰባት ከም ዚበጽሕ ገበረ። (ግብ. 8:5, 6, 14-17፣ 10:19-22, 44, 45) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኣህዛብ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ የሱስ ባዕሉ ንሳውል ብዓል ጠርሴስ ክርስትያን ከም ዚኸውን ገበሮ። ንወደ መዝሙሩ ሃናንያ ድማ ከምዚ ዚብል መምርሒ ሃቦ፦ “ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ . . . ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ . . . እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።” (ግብ. 9:3-6, 10, 11, 15) “እዚ ሰብኣይ እዚ፡” ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ።—1 ጢሞ. 2:7

11. ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ነቲ ዕዮ ስብከት ዘስፍሖ ብኸመይ እዩ፧

11 ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ናብቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ ዚዝርግሓሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ ንጳውሎስ ናብ ንእሽቶ እስያን ናብ ኤውሮጳን ሚስዮናዊ ጕዕዞ ኺገብር መለኮታዊ መምርሒ ተዋህቦ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “እዚኣቶም [ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያን ነብያትን መምህራንን] ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጾሙን ከለዉ ኸኣ፤ መንፈስ ቅዱስ፤ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።” (ግብ. 13:2, 3) የሱስ ንሳውል ብዓል ጠርሴስ ኣብ ኣህዛብ ስሙ ዚጸውር “ሕሩይ ኣቕሓ” ኪዀኖ ባዕሉ ስለ ዝመረጾ፡ እዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ ኻብቲ መራሒ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ዝመጸ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ዕዮ ንምምራሕ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚጥቀም፡ ኣብቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ብዘየማትእ መገዲ ተራእየ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “መንፈስ የሱስ፡” ማለት የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንጳውሎስን ንመገላግልቱን መዓስን ናበይን ከም ዚኸዱ ኣብ ዚገብርዎ ምርጫ ይመርሖም ነይሩ እዩ፣ ሓደ ዝረኣይዎ ራእይ ድማ ናብ ኤውሮጳ መርሖም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:6-10 ኣንብብ።

የሱስ ንጉባኤኡ መርሓ

12, 13. መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብጥብቂ ኸም ዚከታተላ እትሕብር ብኸመይ እያ፧

12 የሱስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረት ጉባኤ ቕቡኣት ሰዓብቱ ብጥብቂ ይከታተላ ነበረ። ንመንፈሳዊ ዅነታት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ከነንብብ ከለና፡ እዚ ንጹር ኪዀነልና ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ሸውዓተ ጉባኤታት ጠቒሱ ኣሎ። (ራእ. 1:11) ንመንፈሳዊ ዅነታት እተን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበራ ኻልኦት ጉባኤታት እውን ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ራእይ 2:23 ኣንብብ።

13 የሱስ ንገሊአን ጉባኤታት፡ ጽኑዓት፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት፡ ንቓሉ ዚሕልዋ፡ ከምኡውን ንኸሓድቲ ዚነጽጋ ብምዃነን ነኣደን። (ራእ. 2:2, 9, 13, 19፣ 3:8) ንገሊአን ጉባኤታት ድማ፡ ንዕኡ ዝነበረን ፍቕሪ ስለ ዝነከየ፡ ንኣምልኾ ጣኦትን ንምንዝርን ስቕ ኢለን ስለ ዝረኣያ፡ ከምኡውን ንኣንቆራነት ዕሽሽ ስለ ዝበላ ኣትሪሩ መኸረን። (ራእ. 2:4, 14, 15, 20፣ 3:15, 16) ፈቃር መንፈሳዊ ሓላዊ ስለ ዝዀነ፡ ነተን ሓያል ምኽሪ ዝሃበን እውን ከይተረፈ፡ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ” በለን። (ራእ. 3:19) ኣብ ሰማይ ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ነተን ኣብ ምድሪ ዝነበራ ጉባኤታት ደቀ መዛሙርቱ ብመንፈስ ቅዱስ ይመርሐን ነበረ። ነተን ጉባኤታት ዝነበሮ መልእኽቲ ኺዛዝም ከሎ፡ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ይብል ነበረ።—ራእ. 3:22

14-16. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ብትብዓት ከም ዝመርሖም ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምዃኑ እንታይ ኣፍረየ፧ (ሐ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

14 ሚካኤል (የሱስ)፡ መራሒ እስራኤላውያን ኰይኑ ዝዓየየ ሓያል መልኣኽ ምዃኑ ኸም ዘመስከረ ርኢና ኢና። ጸኒሑ እውን፡ የሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ኸም ተባዕ መራሕን ፈቃር ጓሳን ኰይኑ መሪሕዎም እዩ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ነበሮ። ካብ ሞት ምስ ተንስአ ድማ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ብጥብቂ ይከታተሎ ነበረ።

15 የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንዕዮ ምስክርነት ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸም ዚበጽሕ ገበረ። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8፣ 1 ጴጥሮስ 1:12 ኣንብብ።) ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዜደንቕ ምስክርነት ተዋህበ።—ቈሎ. 1:23

16 ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ እዚ ዕዮ እዚ ኽሳዕ ግዜ መወዳእታ ኸም ዚቕጽል ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ንሰዓብቱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን መዝነት ድሕሪ ምሃቡ፡ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ማቴ. 28:19, 20) ብ1914 ክርስቶስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ኻብ ዚሕዝ ንነጀው፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣሎ፡ ብንጥፈት እውን ይመርሖም ኣሎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ብዛዕባ ዝነበሮ ጽዑቕ ንጥፈት ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ትንቢት ዚምልከት ሓሳባት ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

ድግማ

• ወዲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብንጥፈት ከም ዝመርሖም ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧

• ክርስቶስ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ ጉባኤ ዚመርሓ ብኸመይ እዩ፧

• ክርስቶስ ንዝርጋሐ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመርሖ ብኸመይ እዩ፧

• ክርስቶስ ንመንፈሳዊ ዅነታት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብጥብቂ ኸም ዚከታተሎ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

“ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ”

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ፡ ሎሚ እውን ክርስቶስ መጓሰኡ ንምጕሳይ “ውህበት” ዝዀኑ ሰብኡት ይጥቀም ኣሎ