ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1 ስለምንታይ፧

1 ስለምንታይ፧

ጸሎት

1 ስለምንታይ፧

ጸሎት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓያል ተገዳስነትን ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታን ዜሕድር ሒደት ርእሰ-ነገራት ኣሎ። ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ ግዜ ዚሕተት ሸውዓተ ሕቶታት እስከ ንርአ፣ ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ ሓቢርና ንመርምር። እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ጸሎት ንኽትጅምር ወይ ከኣ ብኣምላኽ ዚስማዕ ጸሎት ንኽትጽሊ ኺሕግዛኻ እየን ተዳልየን።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ እተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ዘለዎም ሰባት ይጽልዩ እዮም። ብብሕቶም ወይ ብጕጅለ ዀይኖም ይጽልዩ። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ኣብ ኣብያተ-መቕደስ፡ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት፡ ኣብ መሳጊድ፡ ወይ ኣብ እተፈላለየ ቕዱስ ቦታታት ድማ ይጽልዩ። ኪጽልዩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንጸሎት ዚኸውን ምንጻፍ፡ መቝጸርያ፡ እተጻሕፈ ጸሎት ዘለዎ መንኰርኰር፡ ምስሊ፡ መጽሓፍ ጸሎት፡ ወይ ድማ ኣብ ጣውላ ዚጸሓፍ ጸሎት ይጥቀሙ።

ጸሎት፡ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ኻልኦት ፍጥረታት ዚፍለዩሉ ሓደ መዳይ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ምስ እንስሳታት ዜመሳስለና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ከም እንስሳታት ምግብን ኣየርን ማይን የድልየና እዩ። ብዘይካዚ፡ ከም እንስሳታት ንውለድ፡ ንነብር፡ ንመውት ኢና። (መክብብ 3:19) ኪጽልዩ ዚኽእሉ ግን፡ ሰባት ጥራይ እዮም። ስለምንታይ፧

እቲ ዝቐለለ መልሲ፡ ክንጽሊ ድሌት ስለ ዘሎና እዩ። ብመሰረቱ፡ ጸሎት ምስቲ ሰባት ከም ቅዱስን ዘለኣለማውን ገይሮም ዚርእይዎ መንፈሳዊ ዓለም ዜራኽብ መገዲ ጌርካ እዩ ዚርአ። ነዚ ድሌት እዚ ሒዝና ኸም እተፈጠርና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 3:11) ሓደ እዋን የሱስ ክርስቶስ፡ “ብመንፈስ ድኻታት፡ [“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ፡” NW] . . . ብጹኣን እዮም” በለ።—ማቴዎስ 5:3

ኵሉ እቲ ሃይማኖታዊ ህንጻታትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ኰነ እቲ ኣብ ጸሎት ዚውዕል ብዙሕ ሰዓታት፡ ሰባት ‘ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት’ ከም ዘሎ ዜመልክት እዩ። ገሊኦም ሰባት ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ኣብ ርእሶም ወይ ኣብ ካልኦት ሰባት ይውከሉ እዮም። ዓቕሚ ደቂ ሰብ ድሩት ምዃኑ ግን ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ተኣፈፍትን ሓጺር ዝዕድመናን ኣብ ርእሲ ምዃንና፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ካባና ንላዕሊ ጥበበኛን ሓያልን ዘለኣለማውን ዝዀነ ኣካል ጥራይ እዩ ዜድልየና ዘበለ ኺህበና ዚኽእል። እሞኸ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኸነማልእ ክንጽሊ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

መምርሕን ጥበብን ንምርካብ ወይ ከኣ ሰባት ኪፈልጥዎ ዘይክእሉ ንዚመስል ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ሃንቀው ኢልካዶ ትፈልጥ፧ መሪር ሓዘን ኬጋጥመካ ኸሎ ምጽንናዕ ክትረክብ፡ ከቢድ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ መምርሒ ኺወሃበካ፡ ወይ ገበን ኣብ እተሰማዓካ እዋን ይቕረታ ኺግበረልካ ዝደለኻሉ እዋን ኣሎዶ፧

እዚ ዅሉ ንኽንጽሊ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዚዀነና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ርእሰ-ነገር ዚገልጽ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል መጽሓፍ ኪኸውን ከሎ፡ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝጸለይዎ ጸሎት እውን ሒዙ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ምጽንናዕ፡ መምርሒ፡ ይቕረታ፡ ከምኡውን መልሲ ኸቢድ ሕቶታት ንምርካብ ጸልዮም እዮም።—መዝሙር 23:3፣ 71:21፣ ዳንኤል 9:4, 5, 19፣ ኣንባቆም 1:3

እቲ ዝጸለይዎ ጸሎት እተፈላለየ ትሕዝቶ እኳ እንተ ነበሮ፡ ዜመሳስሎ ነገራት ግን ኣሎ። እቲ ነፍሲ ወከፎም ዝጸለይዎ ጸሎት፡ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ሒዙ ነበረ፡ ማለት ኵሎም ናብ መን ኪጽልዩ ኸም ዚግባእ ይፈልጡ ነበሩ፣ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ኣይፈልጥዎን ወይ ኣናኢሶም ይርእይዎ እዮም።