ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

3 ብኸመይ፧

3 ብኸመይ፧

ጸሎት

3 ብኸመይ፧

ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ክትጽሊ ኸለኻ ኺህልወካ ኣብ ዚግብኦ ኣቃውማ፡ ኣብ እትጥቀመሉ ቓላት፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ልማዳት የተኵራ እየን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከይነተኵር፡ የግዳስ፡ ነቲ “ብኸመይ ክንጽሊ ይግብኣና፧” ዚብል ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶ መልሲ ኸነናድየሉ ይሕግዘና።

እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታን ብእተፈላለየ ኣቃውማን ከም ዝጸለዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ከከም ኵነታቱ፡ ብልቦም ወይ ከኣ ዓው ኢሎም ይጽልዩ ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ናብ ሰማይ እናጠመቱ፡ ወይ ተምበርኪኾም ይጽልዩ ነበሩ። ምስሊ፡ መቝጸርያ፡ ወይ መጽሓፍ ጸሎት ተጠቒሞም ዘይኰነስ፡ ብናይ ርእሶም ቃላት ገይሮም ካብ ልቦም እዮም ዚጽልዩ ነይሮም። ጸሎቶም ብኣምላኽ ኪስማዕ ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ እዩ፧

ኣቐዲማ ኣብ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ናብ ሓደ ኣምላኽ፡ ማለት ናብ የሆዋ ጥራይ እዮም ጸልዮም። ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ እውን ኣሎ። ኣብ 1 ዮሃንስ 5:14“ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ” ዚብል ነንብብ። እወ፡ ጸሎትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ንኽንጽሊ፡ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ፡ ሓደ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ጸሎት እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይኴንና፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ኣይሰምዖን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ፡ ፍቓዱ ንኽንርዳእ ብምጽዓር ድማ ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ይደልየና እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23) ስለዚ፡ ምስቲ እተመሃርናዮ ብዚሰማማዕ መገዲ ኽንጽሊ የድልየና።

ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ፍቓዱን እናተመሃርና ብዝኸድና መጠን፡ ብእምነት ንዓቢ፣ እዚ ኸኣ ንጸሎት ዚምልከት ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። የሱስ፡ “አሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 21:22) እምነት፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ምምልላስ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ዘይርአ ግን ከኣ ብጭቡጥ መርትዖ ኣብ እተደገፈ ነገር ምእማን ማለት እዩ። (እብራውያን 11:1) የሆዋ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ህያውን ትውክልቲ ዚግበሮን ንጸሎት እቶም ኣብኡ እምነት ዘለዎም ዚምልስን ከም ዝዀነ ዚገልጽ መርትዖ ሒዙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኺህበና ባህ ስለ ዚብሎ፡ እምነት ኪውስኸልና ወትሩ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 17:5፣ ያእቆብ 1:17

ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ዜድሊ ኻልእ ኣገዳሲ ነገር ድማ ኣሎ። የሱስ፡ “ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) የሱስ ናብቲ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኽንቀርበሉ እንኽእል መገዲ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብስሙ ኺጽልዩ ዝነገሮም። (ዮሃንስ 14:13፣ 15:16) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ናብ የሱስ ክንጽሊ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ናብቲ ፍጹምን ቅዱስን ኣቦና ኽንቀርብ እንኽእል ሳላ የሱስ ከም ዝዀነ ብምዝካር፡ ብስም የሱስ ክንጽሊ ይግብኣና።

ሓደ እዋን፡ እቶም ናይ ቀረባ ሰዓብቲ የሱስ፡ “ጐይታይ . . . ምጽላይ ምሀረና” ኢሎም ሓተቱ። (ሉቃስ 11:1) ንየሱስ ብዛዕባ እቲ ኽንመያየጠሉ ዝጸናሕና መሰረታዊ ነገራት ኪምህሮም ከም ዘይሓተትዎ ርዱእ እዩ። የግዳስ፡ ትሕዝቶ ጸሎቶም እንታይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኺፈልጡ እዮም ደልዮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዚግብኣና፧’ ኢሎም እዮም ሓቲቶምዎ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎትና ብኣምላኽ ንኺስማዕ፡ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ብእምነትን ብስም የሱስን ከነቕርቦ ይግባእ