ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣምር የሕውዩ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣምር የሕውዩ ድዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣምር የሕውዩ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣምር ኣሕውዮም ኣይፈልጡን እዮም። ቀንዲ ተልእኾኦም፡ ከም የሱስ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ምስባኽ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብተኣምር ብምሕዋይ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ኣገዳስነት ብዘለዎ ኻልእ ነገር ከም ዚልለዩ እውን ይኣምኑ እዮም።

እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ካብ ርሕራሐ ተላዒሉ ንሕሙማት ብምሕዋይ ዚፍጽሞ ዝነበረ ተግባር፡ ንዅላትና ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣይከሓድን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ” ዚብል ቃል ከም ዚፍጸም መረጋገጺ ሂቡና እዩ።—ኢሳይያስ 33:24ትርጕም 1990።

ሎሚኸ፧ ገሊኦም ኣባላት ህዝበ-ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዜሕውዩ ይዛረቡ እዮም። እንተዀነ ግን፡ የሱስ፡ “ብስምካስ ብዙኅ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን፧” ብዛዕባ ዚብሉ ሰባት ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ፥ ካባይ ርሓቑ!” ኪብሎም ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 7:22, 23ትርጕም 1990) እሞ ደኣ እቲ ሎሚ ብተኣምር ተገይሩ ዚበሃል ምሕዋይ፡ ብሓቂዶ ስምረት ወይ በረኸት ኣምላኽ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ምሕዋይ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ ምስቲ ሎሚ ብተኣምር ከም ዜሕውዩ ዚዛረቡ ሰባት ዚጥቀሙሉ ሜላታት ብምንጽጻር፡ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ተግባር ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብቐሊሉ ኸነለልዮ ንኽእል ኢና።

የሱስ ነቲ ናይ ምሕዋይ ክእለቱ፡ ሰዓብቲ ወይ ብዙሓት ህዝቢ ንምስሓብ ፈጺሙ ኣይተጠቕመሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንብዙሓት ሰባት ብስቱር እዩ ኣሕውይዎም። ብዙሕ ግዜ፡ ነቶም ዘሕወዮም ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ተኣምር ንሓደ እኳ ከይነግሩ ይእዝዞም ነበረ።—ሉቃስ 5:13, 14

የሱስ፡ ተኣምራት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ገንዘብ ኣኽፊሉ ኣይፈልጥን እዩ። (ማቴዎስ 10:8) ኪገብሮ ዝሓሰቦ ተኣምር እውን፡ ኣብይዎ ኣይፈልጥን እዩ። ኵሎም እቶም ናብኡ ዝኸዱ ሕሙማት፡ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም እዮም፣ እቲ ዚግበር ተኣምራዊ ምሕዋይ እውን፡ ኣብ እምነት እቶም ውልቀ-ሰባት ዚምርኰስ ኣይነበረን። (ሉቃስ 6:19፣ ዮሃንስ 5:5-9, 13) የሱስ ንምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ።—ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ዮሃንስ 11:38-44

የሱስ ነዚ ተኣምራት እዚ እኳ እንተ ገበረ፡ ኣገልግሎቱ ግን ብተኣምራት ጌርካ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ምስሓብ ዘተኰረ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቀንዲ ዕዮኡ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ ነይሩ። ንሰዓብቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ወዲብዎም እዩ፣ ንሳቶም እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ፍጹም ጥዕና ይምህሩ እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ብተኣምር ናይ ምሕዋይ ፍሉይ ውህበት ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ግን ኣቋሪጹ እዩ። (1 ቈረንቶስ 12:29, 30፣ 13:8, 13) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብተኣምራዊ ምሕዋይ ዘይኰነስ፡ በታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሮም እዮም ዚፍለጡ። (ዮሃንስ 13:35) ሎሚ ተገይሩ ዚበሃል ተኣምራዊ ምሕዋይ፡ ካብ ኵሉ ዓሌትን ኣተዓባብያን ንዝመጹ ሰባት ብኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣየተኣሳሰሮምን፣ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት እውን ኣይገበሮምን።

ይኹን እምበር፡ ግጭታት ደቂ ሰብ ኣብ ዚጐሃሃረሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ብፍቕሪ እተኣሳሰሩ ኻብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ይትረፍዶ ንሓድሕዶምስ፡ ንዋላ ሓደ ሰብ እውን ዘይጐድኡ ጕጅለ ክርስትያናት ኣለዉ። እዚኣቶም መን እዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ በታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሮም እዮም ዚፍለጡ። ካብ እተፈላለየ ዓሌትን ህዝብን ባህልን ዝመጹ ሰባት ብሓድነት ኪሰምሩ ምኽኣሎም፡ ከም ተኣምር ኪቝጸር ይከኣል እዩ፣ ከምኡ ኺገብር ዚኽእል ከኣ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። እሞኸ ነዚ ምእንቲ ኽትዕዘብ፡ ስለምንታይ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታቶም ዘይትእከብ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ሎሚ ብተኣምር ነሕዊ ዚብሉ (ኣብ የማን ዘሎ)፡ ደገፍ ኣምላኽ ኣለዎምዶ፧