ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ንኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ንኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ተቓሊስካዶ ትፈልጥ፧ ከም ሓቂ፡ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘይቃለስ መን ኣሎ፧ ኣብዚ ግዜና ቝጠባዊ ጸገማትን ዓመጻን ግፍዕን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብጓህን ብጸጸትን ይወሓጡ፡ ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ እውን ይስምዖም እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዝነበረና ምትእምማን ኬጥፍኦን ብልክዕ ከም ዘይንሓስብ ኪገብረናን ሓጐስና ኼጥፍኣልናን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 24:10) ዓለም ብሽግር መሊኣ ስለ ዘላ፡ ሓይሊ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታትና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና። a

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታት ብዜተኣማምን መገዲ ኽንምክተሉ እንኽእል ምኽሪ ይህበና እዩ። እቲ ፈጣርን ሓብሓብን ኵሉ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ክትሕለል ወይ ተስፋ ኽትቈርጽ ኣይደልየካን እዩ። (መዝሙር 36:9) ስለዚ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንኸተሰንፍ፡ ቃሉ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ሰለስተ መገድታት ንርአ።

ኣምላኽ ከም ዚግደሰልካ ፍለጥ

ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብኻልእ ጕዳያት ኣመና ትሑዝ ብምዃኑ፡ ንብሕታዊ ስምዒታቶም ግዲ ዘይብሉ ይመስሎም። ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከም ሓቂ፡ ፈጣሪና ብዛዕባ ስምዒታትና ኸም ዚግደስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 34:18) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ኣብ እዋን ጭንቂ ቐረባና ምዃኑ ምፍላጥና፡ ብዙሕ የጸናንዓና እዩ!

ኣምላኽ ብዛዕባና ዘይግድሶ፡ ወይ ካባና ርሑቕ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንሰባት የፍቅሮም እዩ፣ ነቶም መከራ ዜጋጥሞም እውን ይድንግጸሎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር፡ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ። ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ” በለ።—ዘጸኣት 3:7, 8

ኣምላኽ ንስምዒታትና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ከመይሲ፡ “ንሱ ገበረና፡ ባዕላትና ኣይኰንናን።” (መዝሙር 100:3) ስለዚ፡ ሰባት ንስምዒታትና ኸም ዘይተረድኡልና ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ከም ዚርድኣልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ይብል። (1 ሳሙኤል 16:7) ውሽጣዊ ስምዒታትና እውን ከይተረፈ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይሕባእን እዩ።

የሆዋ ንጌጋታትናን ንጕድለታትናን ከም ዚፈልጦ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይቕረ በሃሊ ብምዃኑ፡ ከነመስግን ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ ዝዀነ ዳዊት፡ “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” በለ። (መዝሙር 103:13, 14) ኣምላኽ፡ ካብቲ ንሕና ንርእስና እንርእየሉ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚርእየና። ካብ ሓጢኣትና ኽሳዕ እተነሳሕና፡ ነቲ ሕማቕና ዕሽሽ ኢሉ፡ ኣብ ጽቡቕና የተኵር እዩ።—መዝሙር 139:1-3, 23, 24

ስለዚ፡ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ስንና ነኺስና ነዚ ስምዒት እዚ ኽንቃለሶ ኣሎና። ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርእየና ኽንዝክር ኣሎና።—1 ዮሃንስ 3:20

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኣማዕብል

ንርእስና ኸምቲ ኣምላኽ ዚርእየና ጌርና እንተ ርኢና፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ዕርክነት ንኽንሃንጽ ዝቐለለ ይዀነልና፣ እዚ ድማ ንኣሉታዊ ስምዒታትና ንኽንቃለሶ ይሕግዘና። ንምዃኑ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ዲና፧

የሆዋ ኣምላኽ ከም ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ምስኡ ጥብቂ ዕርክነት ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ የተባብዓና። (ያእቆብ 4:8) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ድኹማትን ሓጢኣተኛታትን እኳ እንተ ዀንና፡ ምስቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ጥብቂ ዕርክነት ከነማዕብል ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ፡ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ብምንባብ፡ ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያት ኣምላኽ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። b ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠትና ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ንየሆዋ እናቐረብናዮ ንኸይድ። ፈቃርን ርሕሩሕን ኣቦ ምዃኑ እውን፡ ብንጹር ኪረኣየና ይጅምር።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ኣዕሚቝና ምሕሳብና፡ ዝያዳ ጥቕምታት እውን ኣለዎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሓሳባት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ከም ዚሰርጽ ስለ እንገብር፡ ንኺእርመናን ንኼጸናንዓናን ንኺመርሓናን እውን ስለ እንፈቕደሉ፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኢና እንቐርቦ። ብፍላይ ምስ ዚርብሸና ወይ ዜጨንቐና ሓሳባትን ስምዒታትን ክንቃለስ ከለና፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” በለ። (መዝሙር 94:19) ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ሓቂ ብትሕትና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣሉታዊ ስምዒታትና በብቝሩብ በቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህበና ዚኽእል መጸናንዕን ሰላምን ኪትካእ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ ፈቃር ወላዲ ንሓደ እተጐድአ ወይ ዝጐሃየ ውሉዱ ዜጸናንዖ፡ የሆዋ እውን ኬጸናንዓና እዩ።

ኣዘውቲርና ንኣምላኽ ንዛረቦ እንተ ዄንና እውን፡ ኣዕሩኹ ንኽንከውን ይሕግዘና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ንኣምላኽ] ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (1 ዮሃንስ 5:14) ፍርህና ወይ ጭንቀትና ብዘየገድስ፡ ናብ ኣምላኽ ክንጽልን ሓገዙ ኽንልምንን ንኽእል ኢና። ልብና ንኣምላኽ እንተ ኸፊትናሉ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንረክብ ኢና። ብዛዕባ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊልጲ 4:6, 7

ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብብን ብዛዕባኡ እተስተንትንን ብብሕቲ እትጽልን እንተ ዄንካ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ጥብቂ ርክብ ከተማዕብል ኢኻ። እቲ ርክብ እቲ ድማ፡ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንኸተሰንፍ ኪሕግዘካ እዩ። እንታይ ካልእ ነገርከ ኺሕግዘካ ይኽእል፧

ኣብቲ ርግጽ ተስፋ መጻኢ ኣተኵር

ኣብ ዝጸንከረ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኣእምሮና ኣብ ጽቡቕ ነገራት ከም ዜተኵር ክንገብር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ፡ ርግጽ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ፡ “ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

እታ “ሓድሽ ሰማያት” እትብል ስያመ፡ ነታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እያ እተመልክት። እታ “ሓድሽ ምድሪ” እትብል ስያመ ኸኣ፡ ነቲ ኣብዛ ምድሪ ዚህሉ ስምረት ኣምላኽ ዚረክብ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ተመልክት። እቲ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓድሽ ሰማያት፡” ኣሉታዊ ስምዒታት ካብ ዜምጽእ ነገራት ሓራ ኪኸውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዚህልዉ እሙናት ደቂ ሰብ፡ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና።—ራእይ 21:4

እዚ ዜሐጕስን ዜተባብዕን ሓሳባት ምዃኑ መቸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝሃቦም “ብሩኽ ተስፋ” ዚገልጽ። (ቲቶስ 2:13) ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ዝሃቦ መብጽዓታት እንተ ኣተኲርና፡ እቲ መብጽዓታት ዜተኣማምንን ርግጽን ዝዀነሉ ምኽንያት እውን እንተ ሓሲብናሉ፡ ኣሉታዊ ሓሳባት ከነርሕቕ ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 4:8

መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋና ምስ ቍራዕ ርእሲ እዩ ዜመሳስሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ጥንቲ ዝነበረ ወተሃደር ብዘይ ቍራዕ ርእሲ ናብ ውግእ ኣይከይድን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሱ ንዚፍኖ መጥቃዕቲ ኸም ዚከላኸለሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ ኸኣ ንኣእምሮና ይከላኸለሉ። ኣብቲ ንኣእምሮና ብተስፋ ዚመልኦ ሓሳባት ምትኳርና፡ ካብ ኣሉታውን ዜፍርህን ሓሳባት ንኽንርሕቕ ይሕግዘና።

ስለዚ፡ ንኣሉታዊ ሓሳባት ከነሰንፎ ንኽእል ኢና። ንስኻ እውን ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርእየካ ኣስተንትን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ቕረቦ፡ ኣብ ተስፋ መጻኢኻ ድማ ኣተኵር። ድሕሪኡ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ንሓዋሩ ዘይህልወሉ ግዜ ኸም እትርኢ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 37:29

[እግረ-ጽሑፋት]

a ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጭንቀት ዘሕደሩ ወይ ክብድ ዝበለ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት፡ ንብቑዕ ሓኪም ኬማኽሩ የድልዮም ይኸውን።—ማቴዎስ 9:12

b ናይ 1 ነሓሰ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግብራውን ጠቓምን መደብ ሒዛ ኣላ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ።”—ዘጸኣት 3:7, 8

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።”—መዝሙር 94:19

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን . . . ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:7

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዚገልጽ ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

“እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን።”—ዘጸኣት 34:6

“ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና መዋእል 16:9

“እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18

“ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ።”—መዝሙር 86:5

“እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።”—መዝሙር 145:9

“ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13

“ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ።”—2 ቈረንቶስ 1:3

“ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ።”—1 ዮሃንስ 3:19, 20

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ንኣሉታዊ ስምዒታት የሰንፍዎ ኣለዉ

“ኣቦይ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ኣለዎ። ብዙሕ ስቓይ እውን ኣምጺኡለይ እዩ። ካብ ቀደም ኣትሒዘ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ ምስ ኰንኩ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚገልጽ መብጽዓ ተመሃርኩ። እዚ ተስፋ እዚ ንኣእምሮይን ንልበይን ብሓጐስ መልኦ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ስሩዕ ህይወተይ ኰነ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥቓይ ኣየርሕቖን እየ። ብኣሉታዊ ስምዒታት ክወሓጥ ከለኹ፡ ንዕኡ ገንጺለ፡ ዜጸናንዕ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት አንብብ እየ። ብዛዕባ እቲ ሰሓቢ ባህርያት ኣምላኽ ከንብብ ከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽሳዕ ክንደይ ክብርቲ ምዃነይ የረጋግጸለይ እዩ።”—ካቲያ፡ ጓል 33 ዓመት ሰበይቲ። c

“ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ማሪዋናን ኮከይንን ነበረኒ፣ ማስቲሺ እውን አሽትት ነበርኩ። ኵሉ እቲ ዝነበረኒ ገንዘብ ስለ ዝወዳእክዎ፡ ለማኒ ዀንኩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ ምስ ኰንኩ ግን፡ ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ቀየርኩ። ንኣምላኽ ብዚግባእ ፈለጥክዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ናይ ጸጸት ስምዒት ዝቃለስን ከም ዘይረብሕ ኰይኑ ዚስምዓንን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ምሕረትን ሳህልን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝጽጋዕ ተማሂረ እየ። ንኣሉታዊ ስምዒታተይ ንምስናፍ፡ ኣምላኽ ብሕጂ እውን ከም ዜበራትዓኒ ርግጸኛ እየ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምፍላጠይ፡ ልዕሊ ዅሉ ጠቒሙኒ እዩ።”—ሬናቶ፡ ወዲ 37 ዓመት ሰብኣይ።

“ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ንርእሰይ ምስ ዓብዪ ሓወይ አወዳድራ ነበርኩ። ኵሉ ሳዕ ዝተሓትኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ክሳዕ ሕጂ እውን ንኽእለታተይ ስለ ዝጠራጠሮ፡ ብዙሕ ስክፍታታት ኣሎኒ። እንተዀነ ግን፡ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ንኽዕወት ቈሪጸ እየ። ከየባተኽኩ ናብ የሆዋ እጽሊ እየ፣ ንሱ እውን ነቲ ኸም ዘይበቅዕ ኰይኑ ዚስምዓኒ ስምዒት ንኸሰንፍ ይሕግዘኒ እዩ። ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረንን ከም ዚሓልየለይን ምፍላጠይ ብሓቂ ኣተባቢዑኒ እዩ።”—ሮበርታ፡ ጓል 45 ዓመት ሰበይቲ።

[እግረ-ጽሑፍ]

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።