ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሰማዕ ጸሎት’

‘ሰማዕ ጸሎት’

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ሰማዕ ጸሎት’

1 ዜና መዋእል 4:9, 10

የሆዋ ኣምላኽ ብሓቂዶ ልባዊ ጸሎት እቶም ውፉያት ኣምለኽቱ ይሰምዕ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ያዕቤጽ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ምዃኑ የረጋግጸልና። (መዝሙር 65:2) እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ፡ ኣብ ዘይንጽበዮ ቦታ፡ ማለት ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መጀመርታ ቐዳማይ ዜና መዋእል ዘሎ ዝርዝር ወለዶታት እዩ ዚርከብ። ን1 ዜና መዋእል 4:9, 10 እስከ ንመርምራ።

ኵሉ እቲ ብዛዕባ ያዕቤጽ እንፈልጦ ነገራት፡ ኣብዘን ክልተ ቝጽርታት እዩ ዚርከብ። ብመሰረት ቍጽሪ 9፡ ኣዲኡ “ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽአትሉ።” a ስለምንታይ እያ ነዚ ስም እዚ ዘውጽኣትሉ፧ ነዚ ወዳ እዚ ኽትወልዶ ኸላ፡ ብርቱዕ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝነበራ ድያ፧ ምናልባት መበለት ብምንባራ እሞ፡ ውሉዳ ናብዛ ዓለም እዚኣ ኺመጽእ ከሎ ኣቦ ዘይብሉ ብምዃኑ ስለ ዝሓዘነት ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ እዛ ኣደ በዚ ወዳ ተሓቢና ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣሕዋት ያዕቤጽ ቅኑዓት ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ “ያዕቤጽ . . . ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ።”

ያዕቤጽ ጸሎተኛ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ጸሎቱ፡ በረኸት ኣምላኽ ኪረክብ ለመነ። ኣስዒቡ ድማ፡ ድልድልቲ እምነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ሰለስተ ልማኖ ኣቕረበ።

ቀዳማይ፡ “ዶባተይ . . . እንተ ተግፍሓለይ” ኢሉ ንኣምላኽ ለመኖ። (ቍጽሪ 10) እዚ ኽቡር ሰብ እዚ፡ ናይ እንዳ እማቱ መሬት ዚምነ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ልባዊ ልማኖኡ፡ ካብ ምስ መሬት ንላዕሊ፡ ምስ ሰባት እተተሓሓዘ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሰላም ዶቡ ኼግፍሕ እሞ፡ ኣብኡ እውን ዝያዳ ኣምለኽቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪነብሩ ይልምን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። b

ካልኣይ፡ “ኢድ” ኣምላኽ ምስኡ ኽትከውን ለመነ። ኢድ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ንምሕጋዝ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ተመልክት። (1 ዜና መዋእል 29:12) ያዕቤጽ ድሌት ልቡ ንምርካብ፡ ናብቲ ንዚኣምንዎ ኢዱ ሓጻር ዘይኰነት ኣምላኽ እዩ ተጸጊዑ።—ኢሳይያስ 59:1

ሳልሳይ፡ “ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፉእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ” ኢሉ ጸለየ። እታ “ኸይጭነቕ” እትብል ቃል፡ ካብ ክፉእ ንኼምልጥ ዘይኰነስ፡ ከይጕሂ ወይ ብኽፉእ ከይድቈስ ይጽሊ ምንባሩ ኽትእምት ትኽእል እያ።

ያዕቤጽ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዜተሓሳስቦን ኣብቲ ሰማዕ ጸሎት እምነት ከም ዝነበረቶን፡ ኣብ ጸሎቱ ተራእዩ እዩ። የሆዋ ብኸመይ መለሰሉ፧ እቲ ሓጺር ጸብጻብ፡ “ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ” ብዚብል ቃላት እዩ ዚዛዝም።

እቲ ሰማዕ ጸሎት ኣይተለወጠን። ብጸሎት ኣምለኽቱ ባህ ይብሎ እዩ። እቶም ኣብኡ ዚኣምኑ ዘበሉ፡ ብምትእምማን፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ” ኺብሉ ይኽእሉ እዮም።—1 ዮሃንስ 5:14

[እግረ-ጽሑፋት]

a ያዕቤጽ ዚብል ስም፡ “ጻዕሪ” ኻብ እትብል ሱር ቃል ዝመጸት ክትከውን ትኽእል እያ።

b እቲ ታርጉም ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ለውጠ-ሓረጋዊ መግለጺ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ንቓላት ያዕቤጽ፡ “ውሉዳት ብምሃብ ባርኸኒ፣ ሰዓብቲ ብምሃብ እውን ዶባተይ ኣግፍሓለይ” ይብል።