ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧

“ክትእከቡ ኸሎኹም፡ . . . ኵሉ ንምህናጽ ይገበር።” —1 ቈረ. 14:26

1. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንገብረሉ ቐንዲ ዕላማ እንታይ እዩ፧

 ‘ኣዝዩ ዚሃንጽ ኣኼባ እዩ!’ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ምስ ተኣከብካ፡ ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ኸም እተሰማዓካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣኼባታት ጉባኤ ዜተባብዕ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣኼባ እንገብረሉ ቐንዲ ዕላማ፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ንሓድሕድና ብመንፈሳዊ ንኽንተሃናነጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንገብረሉ ፍሉይ ዕላማ ብኸመይ ከም ዝገለጸ እስከ ንርአ። ኣብ ምዕራፍ 14 ብምልእታ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ ኵሉ ኽፍልታት ሓደ ዓይነት ዕላማ ኺህልዎ ኸም ዘለዎ፡ እዚ ድማ “ንምህናጽ” ጉባኤ ምዃኑ ደጋጊሙ ገለጸ።—1 ቈረንቶስ 14:3, 12, 26 ኣንብብ። a

2. (ሀ) ሃናጺ ኣኼባታት ንኽንገብር፡ እንታይ ኪህሉ ኣለዎ፧ (ለ) ነየነይቲ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧

2 ሃናጺ ኣኼባታት ክንገብር እንኽእል፡ ብቐዳምነት ጽልዋ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ኣልዩ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ጉባኤ፡ ሰማያዊ ኣቦና ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንኣኼባና ኺባርኸልና ኻብ ልቢ ጸሊና ኢና እንጅምሮ። እንተዀነ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ፡ እቲ ኣኼባ ሃናጺ ንኪኸውን እጃሙ ኼበርክት ከም ዚኽእል እውን ንፈልጥ ኢና። እሞኸ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚካየድ ሰሙናዊ ኣኼባታት ወትሩ መንፈስ ዜሐድስን ዜተባብዕን ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

3. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

3 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ እቶም ኣኼባታት ዚመርሑ ኣሕዋት ኪሓስቡሉ ዚግባእ ገለ መዳያት ኣኼባታትና ኽንምርምር ኢና። ኵሎም ተኣከብቲ፡ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን ብኸመይ እጃሞም ኬበርክቱ ኸም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና። ኣኼባታትና ቕዱስ ምትእኽኻብ እንገብረሉ እዋን ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ እዚ ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ብርግጽ፡ ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ምስታፍን፡ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ።—መዝ. 26:12፣ 111:1፣ ኢሳ. 66:22, 23

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተባሂሉ ዚግበር ኣኼባ

4, 5. ዕላማ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ እዩ፧

4 ኵላትና ኻብቲ ሰሙናዊ እንወስዶ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣኼባ እዚ ብንጹር ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ኣብቲ ዓንቀጻት መጽናዕቲ እተገብረ ገለ ለውጥታት ደጊምና ንርኣዮ።

5 ካብታ ኣብ 15 ጥሪ 2008 ዝጀመረት ናይ ፈለማ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣትሒዙ፡ ኣብ ገበር እታ መጽሔት ኪወጽእ ዝጀመረ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ነዚ ኣስተውዒልካዮዶ፧ ንገበር እዛ ሒዝካያ ዘለኻ መጽሔት እስከ ብጥንቃቐ ተመልከት። ኣብ ትሕቲ እቲ ግምቢ፡ ሓንቲ እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ ኣላ። እዚ ኸኣ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንገብረሉ ምኽንያት ዝያዳ የጕልሕ። ብሓገዝ እዛ መጽሔት ኣቢልና ንመጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዖ ኢና። እወ፡ ኣብቲ ሰሙናዊ እንገብሮ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምቲ ብግዜ ነህምያ ዚግበር ዝነበረ፡ ቃል ኣምላኽ ‘ብግልጺ ይንበብን ይግለጽን’ እዩ።—ነህ. 8:8፣ ኢሳ. 54:13

6. (ሀ) ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ “ኣንብብ” ዚብል መምርሒ ዘለዎ ጥቕስታት እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

6 ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍና መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምትዕርራያት ተገይሩ እዩ። ኣብ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዚጥቀስ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣንብብ” ዚብል መምርሒ ኣለዎ። እዚ ጥቕስታት እዚ ኣብ ኣኼባ ኺንበብ ከሎ፡ ኵላትና መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ኽንከታተል ተተባቢዕና ኢና። (ግብ. 17:11) ስለምንታይ፧ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኽንርእዮ ኸለና፡ ኣዝዩ ይትንክፈና እዩ። (እብ. 4:12) ስለዚ፡ እቲ ነቲ ኣኼባ ዚመርሕ ሓው፡ እቶም ተኣከብቲ መጽሓፍ ቅዱሶም ገንጺሎም ንኺከታተሉ እኹል ግዜ ኺህቦም ኣለዎ።

እምነትና ኽንገልጽ ዜኽእለና ተወሳኺ ግዜ

7. መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ እንታይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ፧

7 ኣብ ንውሓት ዓንቀጻት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እውን ምትዕርራይ ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ሓጺሩ እዩ። ስለዚ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዚጽንዓሉ እዋን፡ እቲ ዓንቀጻት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስለ ዚንበብ፡ ሓሳባት ንምሃብ ዝሰፍሐ ግዜ ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ጉባኤ ዚእከቡ ሰባት፡ ነቲ እተጻሕፈ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ፡ ኣወዓዕላ ጥቕስታት ብምግላጽ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ዜብርህ ሓጺር ተመክሮ ብምዝራብ፡ ወይ ከኣ ብኻልእ መገድታት፡ እምነቶም ንኺገልጹ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። ብዛዕባ ስእልታት እውን ሓሳብ ኪወሃብ ኣለዎ።—መዝሙር 22:22፣ 35:18፣ 40:9 ኣንብብ።

8, 9. እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

8 ይኹን እምበር፡ እተፈላለየ ሓሳባት ንምስማዕ ዚሕግዝ እኹል ግዜ ኺህሉ ዚኽእል፡ ተሳተፍቲ ሓጺር ሓሳብ እንተ ሂቦም፡ እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው ድማ ብዙሕ ሓሳብ ካብ ምሃብ እንተ ተቘጢቡ ጥራይ እዩ። እሞኸ፡ እቲ ኣኼባ ንዅሉ ዚሃንጽ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው ነቲ ዚህቦ ሓሳብን ብተሳተፍቲ ንዚወሃብ ሓሳብን ሚዛናዊ ንኺገብሮ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

9 ነዚ ንምብራህ፡ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ብዚግባእ እተመርሐ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ንኣዒንቲ ባህ ከም ዜብል ሕቝፊ ዕምባባታት ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። ከምቲ ሓደ ዓብዪ ሕቝፊ ዕምባባታት እተፈላለየ ዕምባባታት ዚሕዝ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እውን እተፈላለየ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ዕምባባ እተፈላለየ ግዝፍን ሕብርን ዘለዋ፡ ንውሓትን ኣቀራርባን እቲ ኣብ ኣኼባ ዚወሃብ ሓሳባት እውን እተፈላለየ እዩ። እሞኸ እቲ ዚመርሕ ሓው እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧ እቲ ሓሓሊፉ ዚህቦ ሓሳብ፡ ኣብ ማእከል እቲ ሕቝፊ ዕምባባታት ብጥንቃቐ ምስ ዚቕመጥ ሓምላይ ኣቝጽልቲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እዚ ኣቝጽልቲ እዚ፡ ንብምሉኡ እቲ ሕቝፊ ዕምባባ ጽባቐ ኸም ዚህልዎ ኺገብር እምበር፡ ኪዕብልሎ የብሉን። እቲ ዚመርሕ ሓው ዚህቦ ሓሳባት እውን፡ ዓብላሊ ኪኸውን የብሉን፣ የግዳስ፡ ነቲ ተኣከብቲ ዚህብዎ ሓሳብ መማልእቲ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ እቲ ተኣከብቲ ዚህብዎ እተፈላለየ ሓሳባት ምስቲ እቲ ዚመርሕ ሓው ብጥበብ ኣብ ግቡእ ግዜ ዚዛረቦ ሓሳባት ብሓንሳእ ኪጥመር ከሎ፡ ንዅሎም ተኣከብቲ ባህ ዜብል ቃላት እዩ ዚኸውን።

“ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና . . . ነቕርብ”

10. ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ይምልከትዎ ነበሩ፧

10 ጳውሎስ ዝሃቦ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:26-33 ዚርከብ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚምልከት መግለጺ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣኼባታት ብኸመይ ይምራሕ ከም ዝነበረ ኣንፈት ይህበና። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸምዚ ዚስዕብ በለ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ዚግበር ዚነበረ ነገር እንተ ርኢና፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብኡ ገለ ነገር ናይ ምብርካት ሓላፍነትን ፍሉይ መሰልን ነበሮ። ሓደ ሰብ ናብቲ ኣኼባ ዚኸይድ ንኺሰምዕ ጥራይ ብዘይምንባሩ፡ ይቕበል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይህብ እውን እዩ ነይሩ።” ብርግጽ እምበኣር፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣኼባታት ጉባኤ፡ እምነቶም ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።—ሮሜ 10:10

11. (ሀ) ኣኼባታት ሃናጺ ኪኸውን ብዙሕ ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብ ኣኼባታት እንህቦ ሓሳባት ከነመሓይሽ እንኽእል፡ ነየናይ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

11 ኣብ ኣኼባታት እምነትና ምግላጽና፡ “ንምህናጽ” ጉባኤ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎ። ኣብ ኣኼባታት እተኣከብናሉ ዓመታት ብዘየገድስ፡ ነቲ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ዚወሃብ ሓሳባት ምስማዕ ናይ ብሓቂ ሓጐስ ዜምጽእ ምዃኑ ኸም እተሰማምዓሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን እሙንን ክርስትያን ብጻይና ልቢ ዚትንክፍ መልሲ ኺህብ ከሎ ንትንከፍ፡ ሓደ ሓላዪ ሽማግለ ምስትውዓል እተሓወሶ ሓሳብ ኪህብ ከሎ ንህነጽ፡ ሓደ ሕጻን ንየሆዋ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ቃላት ኬውስእ ከሎ ኸኣ ፍሽኽ ንብል ኢና። እምበኣር፡ ኵላትና ሓሳብ ብምሃብ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምና ነበርክት። b

12. (ሀ) ካብ ኣብነት ሙሴን ኤርምያስን እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ (ለ) ጸሎት፡ ሓሳብ ኣብ ምሃብ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

12 ኰይኑ ግን፡ ሓፋራት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጉባኤ ሓሳብ ምሃብ ኣዝዩ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ሓፋር እንተ ዄንካ፡ ካልኦት እውን ከም ናትካ ዓይነት ጸገም ከም ዘለዎም ምዝካርካ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ። ከም እኒ ሙሴን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምዝራብ ከም ዜፍርሆም ገሊጾም እዮም። (ዘጸ. 4:10፣ ኤር. 1:6) እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንኼወድስዎ ሓጊዝዎም እዩ፣ ንዓኻ እውን መስዋእቲ ምስጋና ንኸተቕርብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 13:15 ኣንብብ።) ከይፈራህካ ሓሳባት ንኽትህብ ዜኽእለካ ሓገዝ የሆዋ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ፈለማ፡ ንኣኼባ ተዳሎ። ድሕሪኡ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምኻድካ፡ ሓሳብ ንኽትህብ ዜድልየካ ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ። (ፊል. 4:6) ንየሆዋ ‘ኸምቲ ፍቓዱ ጌርካ’ እንተ ሓቲትካዮ፡ ንጸሎትካ መልሲ ኸም ዚህበሉ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—1 ዮሃ. 5:14፣ ምሳ. 15:29

“ዚሓንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን” ኣኼባታት

13. (ሀ) ኣኼባታትና ንተኣከብቲ ብኸመይ ይጠቕሞም፧ (ለ) ብፍላይ ሽማግለታት እንታይ ሕቶ እዮም ኪሓቱ ዘለዎም፧

13 ጳውሎስ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንተኣከብቲ “ዚሓንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን” ምዃኑ ገለጸ። c (1 ቈረ. 14:3ትርጕም 1990) ክርስትያን ሽማግለታት፡ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዜቕርብዎ ኽፍልታት ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዚሃንጽን ዜጸናንዕን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝገበሮ ኣኼባ እስከ ንመርምሮ።

14. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ ምስኡ ንኺእከቡ ቕድሚ ምዕዳሙ ዝነበረ ዅነታት እንታይ ይመስል፧ (ለ) ሃዋርያት፡ ‘የሱስ ቀሪቡ ምስ ተዛረቦም’ እፎይ ኢሎም ኪዀኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

14 ፈለማ፡ ነቲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ዝነበረ ዅነታት ንርአ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ኵሎም ሃዋርያት “ሐዲጎምዎ ሀደሙ፣” ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ፡ ‘ነንበይኖም ነናብ ስፍራኦም ተዘርዉ።’ (ማር. 14:50፣ ዮሃ. 16:32) ድሕሪኡ፡ የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ነቶም ተደቚሶም ዝነበሩ ሃዋርያቱ ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ንኺእከቡ ዓደሞም። d “እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝአዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ።” ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ “የሱስ ቀሪቡ . . . ተዛረቦም።” (ማቴ. 28:10, 16, 18) እቶም ሃዋርያት ንየሱስ፡ ነዚ ተበግሶ እዚ ኺወስድ ምስ ረኣይዎ፡ ክሳዕ ክንደይ እፎይ ከም ዝበሉ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሱስ ግን ብዛዕባ እንታይ እዩ ተዛሪብዎም፧

15. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ እዩ ተዛሪብዎም፧ እንታይከ ኢሉ ኣይተዛረቦምን፧ (ለ) እቲ ኣኼባ ንሃዋርያት ብኸመይ ተንከፎም፧

15 የሱስ፡ “ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ መዝነት ሃቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብል ፍቕራዊ መረጋገጺ ሃቦም። (ማቴ. 28:18-20) የሱስ እንታይ ከም ዘይገበረ ግን ኣስተውዒልካዶ፧ ንሃዋርያቱ ኣይነቐፎምን፣ ኣብቲ ኣኼባ ንውሽጣዊ ድራኸኦም ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን፣ ወይ እምነቶም ንግዜኡ ተዳኺማ ምንባራ ብምጥቃስ እንደገና ጸጸት ከም ዚስምዖም ኣይገበረን። የግዳስ፡ ከቢድ ሓላፍነት ብምሃብ፡ ንሱን ኣቦኡን ከም ዜፍቅርዎም ኣረጋገጸሎም። ኣቀራርባ የሱስ ንሃዋርያት ብኸመይ ተንከፎም፧ በቲ ኣኼባ ኣዝዮም ተሃኒጾምን ተተባቢዖምን ተጸናኒዖምን ስለ ዝነበሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ብዛዕባ ‘እቲ ብስራት ምምሃርን ምስባኽን’ ቀጸሉ።—ግብ. 5:42

16. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዜተባብዕ ኣኼባታት ኪመርሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣብነት የሱስ ስለ ዚስዕቡ፡ ንኣኼባታት ብዛዕባ እታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ሮሜ 8:38, 39) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዜቕርብዎ ኽፍልታት፡ ኣብ ድኽመታት ኣሕዋቶም ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕ ጐድንታቶም እዮም ዜተኵሩ። ንውሽጣዊ ድራኸ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሕቶ ኣየእትውዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኸም ዚደልዩን ከም ዚተኣማመኑሎም ብቓላቶም ይገልጹ እዮም። (1 ተሰ. 4:1, 9-12) ሓድሓደ እዋን፡ ሽማግለታት ንጉባኤ ብሓፈሻ ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምትዕርራይ ኪገብሩ ዜድልዮም እተወሰኑ ውልቀ-ሰባት ጥራይ እንተ ዀይኖም ግን፡ ብብሕቲ ምኽሪ ኺህብዎም ዝሓሸ እዩ። (ገላ. 6:1፣ 2 ጢሞ. 2:24-26) ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ብምልእታ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ኪንእዱ ይደልዩ እዮም። (ኢሳ. 32:2) ከምኡ ንምግባር ዚጽዕሩ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ዅሎም ተኣከብቲ ንኺሕደሱን ንኺተባብዑን እዩ።—ማቴ. 11:28፣ ግብ. 15:32

ጽቡቕ ሃዋህው

17. (ሀ) ኣኼባታትና ሰላማዊ ሃዋህው ዘለዎ ምዃኑ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን ብብሕትኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (“ኣኼባታት ንዓኻን ንኻልኦትን ሃናጺ ንኪኸውን ክትወስዶ እትኽእል ዓሰርተ ስጕምቲ” ዚብል ሳጹን ርአ።)

17 እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝያዳ ጨቋኒት እናዀነት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ጽቡቕ ሃዋህው ዘለዎ፡ ማለት መጸናንዒ ዚርከበሉ ቦታ ኸም ዚኸውን ክንገብር ኣሎና። (1 ተሰ. 5:11) ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ብዙሕ ፈተናታት ምስ ሰብኣያ ዘሕለፈት ሓብቲ፡ “ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን፡ ኣብ ኢድ እቲ ሓላዪ ዝዀነ የሆዋ ኸም ምዃን እዩ። ብክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንክበብ ከለና፡ ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ ኸም ዝኸኣልና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና፣ እተወሰነ ውሽጣዊ ሰላም ከኣ ንረክብ” በለት። (መዝ. 55:22) ኵሎም ኣብ ኣኼባታትና ዚእከቡ ሰባት እውን፡ ብተመሳሳሊ ኺተባብዑን ኪጸናንዑን ንምነ። ከምኡ ንኪኸውን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍና ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ኸም ዚኸውን ኣብ ምግባር እጃምና ነበርክት።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ገሊኡ መዳያት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኬቋርጽ ነበሮ። ንኣብነት፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ “ትንቢት” ወይ “ምዝራብ ቋንቋታት” የልቦን። (1 ቈረ. 13:8፣ 14:5) ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒታት፡ ሎሚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኪካየድ ከም ዚግባእ ንኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ።

b ኣብ ኣኼባታት እንህቦ ሓሳባት ብኸመይ ከነመሓይሽ ከም እንኽእል ዚገልጽ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 መስከረም 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 19-22 ርአ።

c ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ “ምህናጽ”ን “ምትብባዕ”ን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ፡ እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ካብ [ምትብባዕ] ንላዕሊ ለውሃት ዘለዋ እያ” ይብል።—ምስ ዮሃንስ 11:19 ኣረኣኢ።

d እዚ እዋን እዚ፡ እቲ ጳውሎስ ጸኒሑ፡ የሱስ “ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ” ኢሉ ዝጠቐሶ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 15:6

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

• ኣብ ኣኼባታት ዚወሃብ ሓሳባት፡ “ንምህናጽ” ጉባኤ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

• ካብቲ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ዝገበሮ ኣኼባ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣኼባታት ንዓኻን ንኻልኦትን ሃናጺ ንኪኸውን ክትወስዶ እትኽእል ዓሰርተ ስጕምቲ

ኣቐዲምካ ተዳሎ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንዚቐርብ ትምህርቲ ኣቐዲምካ ምስ እተጽንዖ፡ ኣቓልቦኻ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኣኼባ ኪኸውን፡ እቲ ትምህርቲ እውን ዝያዳ ጦብላሕታ ኼሕድረልካ እዩ።

ኣዘውቲርካ ተኣከብ። ብዙሓት ተኣከብቲ እንተ ኣልዮም፡ ኵሉ ስለ ዚተባባዕ፡ ንስኻ ምእካብካ ንኻልኦት የተባብዕ እዩ።

ሰዓት ኣኽብር። እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ እንተ በጺሕካ፡ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ኪግበር ከሎ ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ።

ዜድልየካ ዘበለ ተማላእ። ኣብ ኣኼባ ንዚቐርብ ትምህርቲ ንኽትከታተልን ብዛዕባኡ ዝያዳ ምርዳእ ንኽትረክብን መጽሓፍ ቅዱስካን እነጽንዖ ጽሑፋትን ተማላእ።

ዜስግል ነገራት ኣርሕቕ። ንኣብነት፡ ብሞባይል ንዚለኣኽ መልእኽትታት፡ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ድሕሪኡ ኣንብቦ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንብሕታዊ ጕዳያት ኣብ ቦታኡ ግበሮ።

ተሳተፍ። ዝያዳ ሓሳብ ብእተዋህበ መጠን፡ ብዙሓት በቲ ዚወሃብ እተፈላለየ መግለጺ እምነት ይተባብዑን ይህነጹን እዮም።

እትህቦ ሓሳባት ሓጺር ይኹን። ከምኡ ምግባርካ፡ ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ንኺህቡ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ።

እተዋህበካ ኽፍልታት ኣቕርብ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ንዚወሃበካ ኽፍልታት፡ ኣቐዲምካ ተዳለወሉ፡ ተለማመደሉ፡ ንኸተቕርቦ ኸኣ ዚከኣለካ ግበር።

ተሳትፎ ንዝገበሩ ንኣዶም። ኣብ ኣኼባታት ክፍሊ ንዝነበሮም ወይ ተሳትፎ ንዝገበሩ ሰባት፡ እቲ ዚገበርዎ ጻዕሪ ኸም እተማስወሉ ግለጸሎም።

ምስ ካልኦት ተቐራረብ። ጉባኤ ቕድሚ ምጅማሩ ዀነ ድሕሪኡ ዚግበር ምልውዋጥ ሰላምታን ሃናጺ ዝርርብን፡ ኣብ ኣኼባታት ንዚእከቡ ሰባት ተወሳኺ ሓጐስን ጥቕምን የምጽእ እዩ።