ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

“ዕግበት ንድኻታት የሀብትሞም፣ ቅሬታ ንሃብታማት የድክዮም።” —በንጃሚን ፍራንክሊን።

ከምዚ እዛ ምስላ እትብሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ዕግበት ከም ሸቐጥ ኪዕደግ ከም ዘይከኣል ተረዲኦም እዮም። ኣብዛ ዝያዳ ጥሪት፡ ዝበለጸ ዝና፡ ወይ ህይወት ካልኦት ንኽትምነ እተተባብዕ ዓለም፡ ዕግበት ወይ ውሽጣዊ ሓጐስ ብቐሊሉ ዘይርከብ እንተ ዀነ ኣየገርምን እዩ። ገለ ኻብዚ ዚስዕብ ነጥብታት ጸልዩካዶ ይፈልጥ፧

መዋዓዋዕቲ፡ ዝያዳ ንብረት እንተ ዓዲግካ፡ ከም እትዓግብ ገይሮም ይህድዱኻ።

ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥም ውድድር፡ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣወዳዲርካ ንኽትልክዕ የተባብዓካ።

ሰባት ነቲ እትገብረሎም ነገራት ኣየማስዉሉን።

መሓዙትካ በቲ ዘለዎም ነገራት የቕንኡኻ።

ብዛዕባ ህይወት ዘሎካ መሰረታዊ ሕቶታት ኣይምለሰልካን።

እዚ ዅሉ ብድሆታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ዕግበት ኪርከብ ይከኣልዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕግበት ወይ “ይአኽለኒ ምባል” ገሊጹ እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋን ሕልፍን ትርፍን፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ስእነት ኣጋጢምዎ እዩ። ፈተውቱ ኺንእድዎ ኸለዉ፡ ካልኦት ግን ኣናሽዮምዎ እዮም። ኰይኑ ግን፡ “በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ” ኢሉ እዩ።—ፊልጲ 4:11, 12

ዕግበት ነቶም ንምርካቡ ስጕምቲ ዘይወስዱ ሰባት ኣይርከበሎምን እዩ፣ ክንመሃሮ ኸም እንኽእል ግን፡ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። ሕጂ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ፡ ዕግበት ንምርካብ ዜኽእል ሓሙሽተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።