ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ “ዕላመት የሱስ” ኪዛረብ ከሎ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧—ገላትያ 6:17

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰማዕቲ ጳውሎስ፡ ንቓላቱ ብእተፈላለየ መገዲ ኺርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብግዜ ጥንቲ ንምሩኻትን ንሰረቕቲ ቤተ መቕደስን ንዝሃደሙ ባሮትን ብዝረሰነ ሓጺን ምልክት ይግበረሎም ነበረ። ኣብ ሰባት ዚግበር ዝነበረ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላመት፡ ከም ምልክት ውርደት እዩ ዚቝጸር ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ዕላመት፡ ወትሩ ብኣሉታዊ ዓይኒ ኣይኰነን ዚርአ ነይሩ። ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ከም መለለዪ ዓሌቶም ወይ ሃይማኖቶም ገይሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ተስታመንት ከም ዝገለጾ፡ “ሶርያውያን ነቶም ሃዳድን ኣታርጋቲስን ዚበሃሉ ኣማልኽቶም ኣዝዮም ውፉያት ምዃኖም ንምርኣይ፡ ኣብ ጉምቦ ኢዶም ወይ ኣብ ክሳዶም ምልክት ይገብሩ ነበሩ። . . . እሙናት ሰዓብቲ ዲዮናይሰስ እውን ዕላመት ተኽሊ ሓረግ ይገብሩ ነበሩ።”

ብዙሓት ዘመናውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ብምኽንያት ዘጋጠሞ እተፈላለየ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝወጾ በሰላ ይዛረብ ከም ዝነበረ እዮም ዚሕብሩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27) ይኹን እምበር፡ ምናልባት ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ምልክት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኸም ክርስትያን መጠን ዚልለየሉ ዝነበረ ናብራ ህይወቱ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ኸተማታት ዕቝባ፡ ገበነኛታት ዚሕብኡለን ቦታታት ድየን ነይረን፧

ኣብታ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረት ኣረማዊት ዓለም፡ ብዙሓት ኣብያተ-መቕደስ፡ መዕቈቢ ዝሃደሙ ሰባትን ገበነኛታትን ኰይነን ኣገልጊለን እየን። ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ገዳማትን ኣብያተ-ክርስትያንን እውን፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ይህብ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እተን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ኸተማታት ዕቝባ ዚመሓደራሉ ዝነበራ ሕጊ፡ መሕብኢ ገበነኛታት ከይኰና ዚከላኸል እዩ ነይሩ።

ከተማታት ዕቝባ፡ ሓደ ኸይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ጥራይ ዚዕቈበለን ምዃነን፡ ሕጊ ሙሴ ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 19:4, 5) እቲ ቐታሊ፡ ብናይ ቀረባ ዘመድ እቲ መዋቲ ምእንቲ ኸይቅተል፡ ኣብ ቀረባ ናብ እትርከብ ከተማ ዕቝባ ኺሃድም ይኽእል ነበረ። ጕዳዩ ንዓበይቲ ኸተማ ድሕሪ ምግላጹ ድማ፡ ናብታ ኸይፈለጠ ሰብ ዝቐተለላ ኸተማ ተወሲዱ ኣብ ፍርዲ ይቐርብ። ኣብኡ ኸኣ ንጹህ ምዃኑ ዜርእየሉ ኣጋጣሚ ይረክብ። እቶም ዓበይቲ ኸተማ፡ ኣብ መንጎ እቲ ቐታልን እቲ መዋትን ጽልኢ እንተ ነይሩ ይምርምሩ እዮም።—ዘሁልቍ 35:20-24፣ ዘዳግም 19:6, 7፣ እያሱ 20:4, 5

እቲ ቐታሊ፡ ንጹህ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ ናብታ ኸተማ ዕቝባ ይምለስ፣ ካብኣ ድማ ኣይወጽእን። እዘን ከተማታት እዚኣተን፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣይኰናን ነይረን። ከመይሲ፡ እቲ ኣብአን ዚዕቈብ ሰብ፡ ይሰርሕን ጠቓሚ ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ኰይኑ የገልግልን ነበረ። እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ሞተ፡ ኵሎም እቶም ቀተልቲ ኻብተን ከተማታት ዕቝባ ኺወጹ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘሁልቍ 35:6, 25-28

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ከተማታት መዕቈቢ

1 ቃዴስ

2 ጎላን

3 ራሞት-ጊልዓድ

4 ሴኬም

5 ቤጾር

6 ኬብሮን

ርባ ዮርዳኖስ